ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ምጥቕላል

ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ምጥቕላል

ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ምጥቕላል

“ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: . . . ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል [እዩ]።”​—⁠ኤፌሶን 1:9, 10

1. የሆዋ ንሰማይን ምድርን ብዚምልከት “ስምረቱ” እንታይ እዩ፧

 እቲ ግሩም ዕላማ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ: ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ሰላም ምስፋን እዩ። (እብራውያን 13:20) ንሃዋርያ ጳውሎስ እቲ “ስምረቱ” “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ምዃኑ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። (ኤፌሶን 1:9, 10) እታ ኣብዛ ጥቕሲ “ኺጥቕለል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ግሲ እንታይ እዩ ትርጕማ፧ ጆን ቢ. ላይትፉት ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: “እታ መግለጺት እቲኣ ነቲ ባዕዳውያንን ተጻባእትን ባእታታት ዘይህልዉሉ: የግዳስ ኵሉ ኽፋላት ኣብ ክርስቶስ ዚምእከለሉን ሓድነት ዚምስረተሉን ኣብ ምሉእ ዩኒቨርስ ዚህሉ ስኒት እዩ ዜመልክት። ሓጢኣትን ሞትን: ስቓይን ፍሽለትን መከራን ኬኽትም እዩ” በለ።

“ኣብ ሰማይ ዘሎ”

2. እቲ ኺጥቕለል ዘለዎ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ: ነቲ ዜደንቕ ተስፋ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣሕጽር ኣቢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እቲ ኣብዚ መብጽዓ ተገይሩሉ ዘሎ “ሓድሽ ሰማያት” ነቲ ሓድሽ ዚገዝእ ስልጣን: ማለት ንመሲሓዊት መንግስቲ የመልክት። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ኤፌሶን ዝለኣኾ መልእኽቲ: እቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ኢሉ ዝጠቐሶ ነገራት: “ኣብ ክርስቶስ” እዩ ኺጥቕለል። እዚ ነገራት እዚ ኸኣ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ እተሓርዩ ቝጽሮም ውሱን ዝዀኑ ሰባት የመልክት። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) እዞም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” ወይ “ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” እዮም: ንየሱስ ድማ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ መዋርስቱ ኪዀኑ እዮም።​—⁠ራእይ 5:9, 10፣ 14:3, 4፣ 2 ቈረንቶስ 1:21፣ ኤፌሶን 1:11፣ 3:6

3. ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ኸለዉ እውን እንተዀነ: ‘ኣብ ሰማያት ተቐሚጦም’ ኪበሃለሎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈሳውያን ደቂ የሆዋ ንምዃን: ካብ መንፈስ ቅዱስ እንደገና እተወልዱ እዮም። (ዮሃንስ 1:12, 13፣ 3:5-7) የሆዋ ኸም “ውሉድ” ገይሩ ስለ እተቐበሎም: ኣሕዋት የሱስ ኰኑ። (ሮሜ 8:15፣ ኤፌሶን 1:5) ኣብ ምድሪ ኸለዉ እኳ ኸይተረፈ: ‘ምስ ክርስቶስ የሱስ ተንሲኦም: ምስኡውን ኣብ ሰማያት ተቐሚጦም’ ተባሂሉሎም እዩ። (ኤፌሶን 1:3፣ 2:6) ነዚ ኽብ ዝበለ መንፈሳዊ ቦታ ኺረኽብዎ ዝኸኣሉ: ‘በቲ ዕርቡን ርስቶም’ ዝዀነ: ኣብ ሰማይ እተሓዝኣሎም ‘ናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ስለ እተሓትሙ’ እዮም። (ኤፌሶን 1:13, 14፣ ቈሎሴ 1:5) እምበኣር: እቶም የሆዋ ድምር ቍጽሮም ኣቐዲሙ ዝመደቦም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ተባሂሎም ዘለዉ እዚኣቶም እዮም።

እቲ ምጥቕላል ይጅምር

4. ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ምጥቕላል እተጀመረ መዓስን ብኸመይን እዩ፧

4 ምስ ናይ የሆዋ “ምምሕዳር” ወይ ዜመሓድረሉ መገዲ ብምስምማዕ: ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ምጥቕላል: ኣብቲ “ምልኣት ዘመናት” እዩ ዚጅምር። (ኤፌሶን 1:10) እቲ ግዜ እቲ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መጸ። በታ መዓልቲ እቲኣ: መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ሃዋርያትን ሰብኡትን ኣንስትን ዚርከብዎም ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ ፈሰሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13-15፣ 2:1-4) እዚ ኸኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸምኡውን ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ወይ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከም እተወልደ ዜመልክት ስለ ዝነበረ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ኪዓዪ ኸም ዝጀመረ መርትዖ ዀነ።​—⁠ገላትያ 6:16፣ እብራውያን 9:15፣ 12:23, 24

5. የሆዋ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ንምትካእ ሓድሽ “ህዝቢ” ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧

5 እቲ ምስቶም ብስጋ እስራኤላውያን እተኣትወ ሕጊ ኺዳን: ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ዜገልግሉ “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ኣየፍረየን። (ዘጸኣት 19:5, 6) የሱስ ንኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት: “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 21:43) እቲ ህዝቢ እቲ: ማለት እቲ ብመንፈስ እስራኤል: በቶም ናብቲ ሓድሽ ኪዳን እተጠቓለለ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም: “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም: ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 2:9, 10) ብስጋ እስራኤላውያን ድሕሪኡ ምስ የሆዋ ኺዳን ዘለዎም ህዝቢ ዀይኖም ኣይቀጸሉን። (እብራውያን 8:7-13) ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝገለጾ: ክፍሊ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ: ካባታቶም ተወሲዱ ነቶም 144,000 ዝኣባላቱ ብመንፈስ እስራኤላውያን ተዋህበ።​—⁠ራእይ 7:4-8

ናብቲ ኺዳን መንግስቲ ምእታው

6, 7. የሱስ ነቶም ብመንፈስ እተወልዱ ኣሕዋቱ እንታይ ፍሉይ ኪዳን እዩ ኣትዩሎም፧ እዚኸ ንዓታቶም እንታይ ማለት እዩ፧

6 የሱስ ኣብታ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ዘቘመላ ምሸት: ንእሙናት ሃዋርያቱ: “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:28-30) ኣብዚ የሱስ ነቲ ምስቶም ‘ክሳዕ ሞት እሙናት’ ዚዀኑን ‘ዚስዕሩን’ ብመንፈስ እተወልዱ 144,000 ኣሕዋቱ ዝኣተዎ ፍሉይ ኪዳን እዩ ዚጠቅስ ነይሩ።​—⁠ራእይ 2:10፣ 3:21

7 እቶም ካብዞም ቍጽሮም እተደረተ ጕጅለ ዝዀኑ: ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ኰይኖም ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሓዲጎምዎ እዮም። ኣብ ዝፋናት ኮፍ ኢሎም ንሰባት ብምፍራድ: ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኪነግሱ እዮም። (ራእይ 20:4, 6) ሕጂ: ነዞም ቅቡኣት ጥራይ ዚምልከትን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዘይወስዱሉ ምኽንያት ዚሕብርን ካልእ ጥቕስታት እስከ ንመርምር።​—⁠ዮሃንስ 10:16

8. እቶም ቅቡኣት ካብቲ ቕጫ ምውሳዶም እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

8 እቶም ቅቡኣት ከም ክርስቶስ መከራ ይወርዶም እዩ: ልክዕ ከምኡ ድማ ንሞትውን ድሉዋት እዮም። ጳውሎስ ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ኸም ምዃኑ መጠን: ‘ንክርስቶስ ምእንቲ ኺረብሕ ኢሉ: ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኺፈልጥ’ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉው ምዃኑ ገለጸ። እወ: ጳውሎስ “ብሞቱ” ኺመስሎ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ፊልጲ 3:8, 10) ብዙሓት ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ስጋኦም “ሞት የሱስ” ይጾሩ እዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:10

9. እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫ ንምንታይ ስጋ የመልክት፧

9 የሱስ ኣበዓዕላ ድራር ጐይታ ኬቕውም ከሎ: “እዚ ስጋይ እዩ” በለ። (ማርቆስ 14:22) ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚቕጥቀጥን ዚደምን ቃል ብቓሉ ስጋኡ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ዘይበዅዐ ቕጫ ንስጋኡ ዜመልክት ብቑዕ ተምሳል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መባዅዕቲ ወይ ማይ ብሑቝ ንሓጢኣት ወይ እከይ እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 16:4, 11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 5:6-8) የሱስ ፍጹም እዩ ነይሩ: ሰብኣዊ ስጋኡ ድማ ሓጢኣት ኣይነበሮን። ነቲ ፍጹም ስጋኡ እዩ መተዓረቒ መስዋእቲ ኪኸውን ዘቕረቦ። (እብራውያን 7:26፣ 1 ዮሃንስ 2:2) ከምኡ ምግባሩ ነቶም ኣብ ሰማይ ኰነ ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ይጠቅም እዩ።​—⁠ዮሃንስ 6:51

10. እቶም ካብቲ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ወይኒ ዚወስዱ: “ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት” ዘለዎም ብምንታይ መገዲ እዩ፧

10 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚወስድዎ ወይኒ: “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:16) እቶም ካብቲ ወይኒ ዚወስዱ “ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት” ዚህልዎም ብኸመይ እዩ፧ ንሳቶም ንባዕሎም ድሕነት ስለ ዜድልዮም: ነቲ በጃ ዚኸውን መስዋእቲ ኣብ ምቕራብ ግደ ኸም ዘይብሎም ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ደም ክርስቶስ ዘለዎ ናይ ምድሓን ሓይሊ ብዘላቶም እምነት: ሓጢኣቶም ተሓዲጉሎም: ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ ድማ ጸዲቖም እዮም። (ሮሜ 5:8, 9፣ ቲቶስ 3:4-7) እቶም 144,000 መዋርስቲ ክርስቶስ ‘እተቐደሱ:’ እተፈልዩ: ወይ ካብ ሓጢኣት ብምንጻህ “ቅዱሳን” ዚዀኑ: በቲ ክርስቶስ ዘፍሰሶ ደም ኣቢሎም እዮም። (እብራውያን 10:29፣ ዳንኤል 7:18, 27፣ ኤፌሶን 2:19) እወ: ክርስቶስ በቲ ዝፈሰሰ ደሙ ኣቢሉ እዩ ‘ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲጉ: ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ዝገበሮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም።’​—⁠ራእይ 5:9, 10

11. እቶም ቅቡኣት ነቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ወይኒ ምስታዮም እንታይ የመልክት፧

11 የሱስ ንዝኽሪ ሞቱ ኬቕውም ከሎ: ነታ ጽዋእ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ድሕሪ ምሃብ: “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” በሎም። (ማቴዎስ 26:27, 28) ከምቲ ደም ዝራብዓትን ደም ድቤላታትን ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ህዝቢ እስራኤልን ዝነበረ ሕጊ ኺዳን ዘቘሞ: ደም የሱስ ከኣ ነቲ ኻብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ዝጀመረ የሆዋ ምስቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝኣተዎ ሓድሽ ኪዳን መሰረት ኰይንዎ እዩ። (ዘጸኣት 24:5-8፣ ሉቃስ 22:20፣ እብራውያን 9:14, 15) እቶም ቅቡኣት ነቲ ን“ደም ኪዳን” ዜመልክት ወይኒ ብምስታይ: ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝኣተዉን ረብሓታቱ ይቕበሉ ኸም ዘለዉን የርእዩ።

12. እቶም ቅቡኣት ብሞት ክርስቶስ ዚጥመቑ ብኸመይ እዮም፧

12 እቶም ቅቡኣት ብዛዕባ ኻልእ እውን ይዘኻኸሩ እዮም። የሱስ ንእሙናት ደቀ መዛሙርቱ “ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ: ነታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ። (ማርቆስ 10:38, 39) ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ክርስትያናት ‘ብሞት ክርስቶስ ከም እተጠመቑ’ ተዛሪቡ ነይሩ። (ሮሜ 6:3) ቅቡኣት ክርስትያናት መስዋእታዊ ህይወት እዮም ዚነብሩ። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ስለ ዚሓድግዎ: ሞቶም መስዋእታዊ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም እታ ብሞት ክርስቶስ ዚጥመቕዋ ጥምቀቶም እትፍጸም: ብተኣማንነት ድሕሪ ሙማቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ‘ንኺነግሱ’ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኣብ ዚትንስኡሉ እዋን እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:10-12፣ ሮሜ 6:5፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44, 50

ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምውሳድ

13. እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይን ዘይወስዱ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ግን ስለምንታይ እዮም፧

13 ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚዘውር ቅጫን ወይንን ምውሳድ ነዚ ዅሉ ስለ ዜጠቓልል: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብዚ ኺወስዱ ኸም ዘይግብኦም ንጹር እዩ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ዘበሉ: እተቐብኡ ኣባላት ስጋ ክርስቶስን ኣብቲ የሆዋ ምስቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ዚገዝኡ ዝኣተዎ ሓድሽ ኪዳን እተጠቓለሉን ዘይምዃኖም ይፈልጡ እዮም። “እታ ጽዋእ” ነቲ ሓድሽ ኪዳን ስለ እተመልክት: እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እተጠቓለሉ ጥራይ እዮም ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ። እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ፍጹማት ሰባት ኰይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዚገብሩ: ብሞት ክርስቶስ ኣይተጠምቁን: ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኪገዝኡ እውን ኣይተጸውዑን። ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን እንተ ዚወስዱ: ብዛዕባኦም ሓቂ ንዘይኰነ ነገር መመልከተ ነይሩ። ስለዚ: ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ብኣኽብሮት ዚዕዘቡ ብምዃን እኳ እንተ ተኣከቡ: ካብቲ ቕጫን ወይንን ግን ኣይወስዱን እዮም። ነቲ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዝገበረሎም ኵሉ ነገራት: እንተላይ ነቲ በቲ ዝፈሰሰ ደም ወዱ ኣቢሉ ዝገበረሎም ይቕረታ: የመስግኑሉ እዮም።

14. እቶም ቅቡኣት ካብቲ ቕጫን ወይንን ብምውሳድ ብመንፈስ ዚበራትዑ ብኸመይ እዮም፧

14 እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ብተዛማዲ ሒደት ዝቝጽሮም ክርስትያናት ንመወዳእታ ዚሕተሙሉ እዋን ኪዛዘም ቀሪቡ እዩ። እቶም ቅቡኣት ክሳዕ እቲ ኣብ ምድሪ ዜሕልፍዎ መስዋእታዊ ህይወት ዜኽትም: ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብምውሳድ ብመንፈስ ይበራትዑ እዮም። ኣባላት ስጋ ክርስቶስ ስለ ዝዀኑ: ምስቶም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሓድነት ይስምዖም እዩ። ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምውሳዶም: ክሳዕ ሞት እሙናት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም የዘኻኽሮም እዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:10, 11

“ኣብ ምድሪ ዘሎ” ምጥቕላል

15. ኣብ ጐድኒ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እተኣከቡ መን እዮም፧

15 ካብ መፋርቕ 1930ታት ኣትሒዙ: ካብቶም “ሒደት መጓሰ” ዘይኰኑ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝተስፋኦም እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ:” ኣብ ጐድኒ እቶም ቅቡኣት ቈሙ። (ዮሃንስ 10:16፣ ሉቃስ 12:32፣ ዘካርያስ 8:23) ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ምስባኽ ኣገዳሲ ሓገዝ ብምሃብ: እሙናት ብጾት እቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ኰኑ። (ማቴዎስ 24:14፣ 25:40) ከምዚ ብምግባሮም: ካብተን ክርስቶስ ነህዛብ ኪፈርድ ምስ መጸ: ብሞገስ ኣብ “የማኑ” ዚቘማ “ኣባጊዕ” ኰኑ። (ማቴዎስ 25:33-36, 46) በቲ ኣብ ደም ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ኣቢሎም: ነቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” ኬቝሙ እዮም።​—⁠ራእይ 7:9-14

16. እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ንመን እዩ ዜጠቓልል፧ እዚኣቶምከ “ደቂ ኣምላኽ” ንምዃን ኣጋጣሚ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

16 እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም 144,000: ነቲ “ንፋሳት” ጥፍኣት እዚ እኩይ ምድራዊ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ንኺፍኖ መገዲ ኪኸፍት እዩ። (ራእይ 7:1-4) ኣብቲ ክርስቶስን ምስኡ ዚነግሱ ነገስታትን ካህናትን ዚነግሱሉ ሽሕ ዓመት: ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ነቶም ብዙሓት ሰብ ኪሓብርዎም እዮም። (ራእይ 20:12, 13) እዚኣቶም ከኣ ቀወምቲ ምድራውያን ተገዛእቲ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ንምዃን ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: ንዅሉ እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ናይ መወዳእታ ፈተና ኼጋጥሞ እዩ። እቶም እሙናት ምዃኖም ዜርእዩ: “ደቂ ኣምላኽ” ኪዀኑ እዮም።​—⁠ኤፌሶን 1:10፣ ሮሜ 8:21፣ ራእይ 20:7, 8

17. ዕላማ የሆዋ ብኸመይ ኪፍጸም እዩ፧

17 በዚ ኸምዚ: የሆዋ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ “ምምሕዳር” ወይ ዜመሓድረሉ መገዲ: ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ዘውጽኦ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። ኵሎም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ መስተውዓልቲ ፍጡራት: ነቲ ጽድቃዊ ልዑላውነት እቲ ዓብዪ ፈጻሚ ዕላማ ዝዀነ የሆዋ ብሓጐስ ተገዛእቱ ብምዃን: ኣብቲ ንመላእ ዩኒቨርስ ዜጠቓልል ሰላም ኪጠቓለሉ እዮም።

18. እቶም ቅቡኣትን ብጾቶምን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ብምእካቦም እንታይ ረብሓ ኺረኽቡ እዮም፧

18 እቶም ሒደት ዝቝጽሮም ቅቡኣትን እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን: ብ12 ሚያዝያ 2006 ምእካቦምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንእምነቶም ኬበራትዓ! ከምቲ የሱስ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ዝኣዘዞም: ነቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ እዮም። (ሉቃስ 22:19) ኵሎም እቶም ኣብቲ በዓል ዚእከቡ ነቲ የሆዋ ብወዱ ክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ዝገበረሎም ነገራት ኪዝክሩ ኣለዎም።

ድግማ

• የሆዋ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧

• እቶም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” እተባህሉ መን እዮም፧ ብኸመይከ ይጥቕለሉ ኣለዉ፧

• እቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህሉ መን እዮም፧ እንታይ ተስፋኸ እዩ ዘለዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

“ስጋ ክርስቶስ”

ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:16, 17 ብዛዕባ እታ እንጌራ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ዘለዋ ትርጕም ክርስቶስ ኪገልጽ ከሎ: “ስጋ” ንእትብል ቃል ብፍልይ ዝበለ መገዲ ተጠቒሙላ ኣሎ። “እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ: ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ: ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና” በለ። ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫ ኺወስዱ ኸለዉ: ምስታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ሓድነት እዮም ዚገልጹ፣ እዚ ማለት ከኣ ክርስቶስ ዝርእሶም ስጋ ወይ ኣካል ኰይኖም ማለት እዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:10፣ 1 ቈረንቶስ 12:12, 13, 18

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ስለምንታይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብምምሕዳር የሆዋ ኣቢሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ሓድነት ኪህልዎ እዩ