ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እታ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ እንታይ እያ እተመልክት፧”

“እታ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ እንታይ እያ እተመልክት፧”

“እታ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ እንታይ እያ እተመልክት፧”

ሓደ ኣብ ሶል: ሪፓብሊክ ኮሪያ ኣብ ዚርከብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዚሰርሕ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ: “ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሓንቲ ቕዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ተቐበልኩ” በለ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ንዓኣ ብምንባበይ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናዚ ኸምኡውን ብናይ ኮሚኒስት ስርዓት ዝወረዶም ግፍዒ ኽፈልጥ ከኣልኩ። ሓንቲ ሕቶ ግን ኣላትኒ። እታ ናይ ገበር ስእሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ንቝልቍል ገጻ እተገልበጠት ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ ኣብ ጸጋማይ ወገን እቲ ኽዳኖም ገይሮም ተርኢ። እታ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ እንታይ እያ እተመልክት፧”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ ሀይል ሂትለር ምባል ኣበዩ: ካብ ፖለቲካ ይኹን ካብ ወተሃደራዊ ጕዳያት ድማ ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ኣባላት ናዚ ዜስካሕክሕ መስጐጕቲ ኣውረዱሎም: ን12,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንእተፈላለየ ናይ ግዜ ንውሓት ኣብ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣሰርዎም። ኣስታት 2,000 ዝዀኑ ሞቱ: ካብዚኣቶም በማእታት ዚቝጸሩ ድማ ተቐቲሎም እዮም።

እታ ኣብቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኽዳኖም ዝነበረት ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ ደኣ እንታይ እያ እተመልክት፧ እታ ኣናቶሚ ኦቭ ዘ ኤስ.ኤስ. ስተይት ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “እቶም ኣብቲ ደምበ [ናዚ] ዝነበሩ እሱራት ዚልለዩሉ ነናቶም ፍሉይ ምልክት ነበሮም። እቲ ቕድሚ ውግእ እተጀመረ ምልክት ናይ ምግባር ስርዓት: ሓንቲ ስሉስ ኵርናዕ ዝቕርጻ ጭራም ዓለባ ኣብ ክዳን ነፍሲ ወከፍ እሱር ምስፋይ እዩ ነይሩ። ሕብራ ኸኣ ከከም እቲ ምድብ ትፈላለ ነበረት፣ ብምኽንያት ፖለቲካ ንእተኣስሩ: ቀይሕ፣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር: ጁኽ፣ ንጸረ⁠-​ሕብረተሰብ: ጸሊም፣ ንገበነኛታት: ቀጠልያ፣ ንግብረ⁠-​ሶዶም ዚፍጽሙ: ሊላ፣ ንስደተኛታት: ሰማያዊ ዝሕብራ ዓለባ እያ ነይራ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቶም ኣይሁዳውያን እሱራት: ሓደ ብጫ ስሉስ ኵርናዕ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ስሉስ ኵርናዕ ኣገላቢጦም ብምስፋይ ሽዱሽተ ዅርናዕ ዘለዎ ኰዀብ ዳዊት ብምስራሕ ንኺልጥፉ የገድድዎም ነበሩ።”

ፕሮፌሰር ጆን ከይ. ሮዝ ኣብታ ሆሎካስት ፖሊቲክስ ዘርእስታ መጽሓፉ: “እታ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕ ሒዛቶ ዘላ ስነ⁠-​ምግባራዊ ትርጕም ኣብ መጻኢ እንተ ተዘኪሩ: ካብ ዕንወት ኪከላኸለልና ይኽእል እዩ። እቲ ሰለስተ ዅርናዓቱ ንኣቓልቦናን ሓላፍነትናን ናብቲ ኻብ ሰባት ኣኽብሮት ዚግብኦ ሰናይ ዚመርሓና መከላኸሊ እዩ ዚዀነና” ብምባል ጸሓፈ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት (ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር መጥቃዕቲ ናዚ ጸኒዖም ቈሙ) ዘርእስታ ብልጽቲ ዀይና እተሸለመት ፊልም (እንግሊዝኛ) ሰሪሖም ኣለዉ። ስለምንታይ ንሓደ ኻብኣቶም ነዛ ቪድዮ ኼርእየካ ዘይትሓቶ፧