ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ዚኸውን ምምሕዳር

ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ዚኸውን ምምሕዳር

ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ዚኸውን ምምሕዳር

[ኣምላኽ] በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ [እዩ] ዚገብር።” ​—⁠ኤፌሶን 1:11

1. ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ12 ሚያዝያ 2006 ዚእከባ ስለምንታይ እየን፧

 ረቡዕ 12 ሚያዝያ 2006: ኣስታት 16 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ድራር ጐይታ ንምብዓል ኪእከቡ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዚእከቡሉ ቦታታት: እቲ ንስጋ ክርስቶስ ዜመልክት ዘይበዅዐ ቕጫን ንደሙ ዜመልክት ቀይሕ ወይንን ኣብ ሰደቓ ተዳልዩ ኺጸንሕ እዩ። ደድሕሪ እቲ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ዚገልጽ መደረ: ፈለማ እቲ ቕጫ: ድሕሪኡ ኸኣ እቲ ወይኒ ኣብቶም ኣብኡ እተኣከቡ ዅሎም ኪዘውር እዩ። ካብ ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብተዛማዲ ኣብ ሒደት ጉባኤታት ጥራይ እዮም ሓደ ወይ በጻብዕ ዚቝጸሩ ኽፋል እቶም ተኣከብቲ ኻብቲ ቕጫን ወይን ዚወስዱ። ኣብ መብዛሕትአን ጉባኤታት ግን ዋላ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዚእከቡ ሰባት ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስድ ኣይኪህሉን እዩ። እቶም ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሒደት ክርስትያናት ጥራይ ዚወስዱ: እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም መብዛሕትኦም ተኣከብቲ ግና ዘይወስዱ ስለምንታይ እዩ፧

2, 3. (ሀ) የሆዋ ብመሰረት ዕላማኡ ዝፈጠረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንምድርን ደቅ​ሰብን ንምንታይ ዕላማ እዩ ፈጢርዎም፧

2 የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ እዩ። ዕላማኡ ንምፍጻም ከኣ: “ኵሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ [እዩ] ዚገብር።” (ኤፌሶን 1:11) ፈለማ ነቲ ሓደ ወዱ ፈጠሮ። (ዮሃንስ 1:1, 14፣ ራእይ 3:14) ድሕሪኡ: ብወዱ ኣቢሉ ብመንፈሳውያን ደቂ ዝቘመ ስድራ​ቤት ፈጠረ: ቀጺሉ ድማ ነቲ ንምድርን ኣብኣ ዚነብሩ ሰባትን ዜጠቓልል ግኡዝ ዩኒቨርስ ፈጠረ።​—⁠እዮብ 38:4, 7፣ መዝሙር 103:19-21፣ ዮሃንስ 1:2, 3፣ ቈሎሴ 1:15, 16

3 የሆዋ: ከምቲ ሓያሎ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዚምህራኦ: ምድሪ ነቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ መንፈሳውያን ደቁ ንምስፋሕ እተገልግል መፈተኒት ቦታ ኽትከውን ኢሉ ኣይኰነን ፈጢርዋ። “ማሕደር ሰብ” ክትከውን ኢሉ ብንጹር ዕላማ እዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪ ሰብ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ: ሰብ እውን ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ ተፈጢሩ። (መዝሙር 115:16) ብምልእታ ምድሪ በቶም ዚዓይዋን ዚሕልውዋን ጻድቃን ሰባት እተመልአት ገነት ክትከውን እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ውዒልካ ሓዲርካ ናብ ሰማይ ምኻድ ዚብል ተስፋ ኸቶ ኣይነበሮምን።​—⁠ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:7, 8, 15

ንዕላማ የሆዋ ብድሆ ቐረበሉ

4. እቲ የሆዋ ንልዑላውነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ደቅሰብ ኣትሒዙ ብድሆ ዘጋጠሞ ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘ⁠ይግቡእ ብምጥቃም ዓለወ: ዕላማ የሆዋ ንምትዕንቓፍ ድማ ተበገሰ። ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ብፍቕሪ ተገዛእቲ ዝዀኑ ዘበሉ ዚረኽብዎ ሰላም ዘረጎ። ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪናበሩ ንኺጅምሩ መርሖም። (ዘፍጥረት 3:1-6) ንሓይሊ የሆዋ እኳ እንተ ዘይከሓዶ: ነቲ ንልዑላውነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ: ብእኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ብድሆ ኣቕረበሉ። በዚ ኸምዚ: ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቅሰብ ኣትሒዙ: እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ ልዑላውነት የሆዋ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ተላዕለ።

5. እንታይ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ጕዳይ እዩ ተላዒሉ፧ ንመንከ ዚምልከት ነበረ፧

5 ምስቲ ብቐዳምነት ዚስራዕ ጕዳይ ልዑላውነት ተኣሳሲሩ ዚርከብ ካልኣይ ጕዳይ ከኣ ሰይጣን ብግዜ እዮብ ኣበገሰ። ሰይጣን ነቲ ፍጡራት ዘበሉ ንየሆዋ ዚግዝኡሉን ዜገልግሉሉን ምኽንያት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ብስስዐ ተደሪኾም ከምዚ ኸም ዚገብሩ: እንተ ተፈቲኖም ከኣ ንኣምላኽ ከም ዚጻረርዎ ዜመልክት ዘረባ ተዛረበ። (እዮብ 1:7-11፣ እዮብ 2:4, 5) እዚ ብድሆ እዚ ምስ ሰብኣውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ተተሓሒዙ እኳ እንተ ተላዕለ: ንመንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ: አረ ነቲ ሓደ ወዲ የሆዋ እውን ከይተረፈ ይምልከት እዩ።

6. የሆዋ ንዕላማኡን ንስሙን እሙን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ንዕላማኡን ንትርጕም ስሙን እሙን ስለ ዝዀነ: ንርእሱ ነብዪን መድሓንን ከም እትኸውን ገበራ። a ንሰይጣን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:15) የሆዋ ብዘርኢ እታ “ሰበይቲ:” ወይ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ኣቢሉ: ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ መልሲ ኺህበሉ: ንዘርኢ ኣዳም ከኣ ተስፋ ድሕነትን ህይወትን ኪህቦም መደበ።​—⁠ሮሜ 5:21፣ ገላትያ 4:26, 31

እቲ ቕዱስ “ምስጢር ፍቓዱ”

7. የሆዋ ብሃዋርያ ጳውሎስ ኣቢሉ እንታይ ዕላማ እዩ ዝገለጸ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ንዚግበር ነገራት ብምሉኡ ብኸመይ ከም ዜመሓድሮ ብጽቡቕ መገዲ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና: ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ [“ምምሕዳሩ:” NW]: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ: ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።” (ኤፌሶን 1:9, 10) እቲ ግሩም ዕላማ የሆዋ: ንልዑላውነቱ ብፍቕሪ ዚግዝኡ ሓድነት ዘለዎም ፍጡራት ንዩኒቨርስ ኪመልእዎ እዩ። (ራእይ 4:11) በዚ ኸምዚ ስሙ ይቕደስ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ይረጋገጽ: ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ይኸውን።​—⁠ማቴዎስ 6:10

8. እታ “መጋቢነቱ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል እንታይ እዩ ትርጕማ፧

8 ‘ስምረት’ ወይ ዕላማ የሆዋ: በቲ “መጋቢነቱ” ወይ “ምምሕዳሩ” ተባሂሉ ዘሎ ኣቢሉ ኺፍጸም እዩ። ኣብዚ ጳውሎስ ቃል ብቓሉ “ምስትንባር ቤት” ዝትርጕማ ቓል እዩ ተጠቒሙ። እዛ ቓል እዚኣ ንኸም መሲሓዊት መንግስቲ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ኣይተመልክትን እያ። የግዳስ: ንነገራት እተመሓድረሉ መገዲ እያ እተመልክት። b የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ንነገራት ዜመሓድረሉ ዜደንቕ መገዲ: ነቲ በብደረጃኡ ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ዘመናት ዚግለጽ ቅዱስ “ምስጢር” እውን የጠቓልል እዩ።​—⁠ኤፌሶን 1:10፣ 3:9 NW እግረ⁠-​ጽሑፋት

9. የሆዋ በብደረጃኡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ፍቓዱ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ ብተኸታታሊ ኺዳናት ኣቢሉ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ ዝገበረሉ ዘርኢ ብኸመይ ፍጻሜኡ ኸም ዚረክብ በብቝሩብ ገለጸ። ኣብቲ ንኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ብመስመር ወለዶ ኣብርሃም ከም ዚመጽእን “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ገዛእ ርእሶም ዚባርኹሉ መገዲ ኸም ዝዀነን ገለጸ። እቲ ኺዳን እቲ: ካልኦት ምስቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ኸም ዚሓብሩ እውን ኣፍለጠ። (ዘፍጥረት 22:17, 18) እቲ ምስቶም ብስጋ እስራኤላውያን እተኣትወ ሕጊ ኺዳን: ነቲ የሆዋ “መንግስቲ ኻህናት” ኪህልውዎ ዘለዎ ዕላማ ኣግሃደ። (ዘጸኣት 19:5, 6) እቲ ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን ከኣ: እቲ ዘርኢ ንዘለኣለም ርእሲ መንግስቲ ኸም ዚኸውን ዚሕብር ነበረ። (2 ሳሙኤል 7:12, 13፣ መዝሙር 89:3, 4) እቲ ሕጊ ኺዳን ንኣይሁድ ናብ መሲህ ምስ መርሖም: የሆዋ ብዛዕባ ምፍጻም ዕላማኡ ተወሳኺ መዳያት ገለጸ። (ገላትያ 3:19, 24) እቶም ምስቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ዚሓብሩ ሰባት: ነቲ ኣቐዲሙ እተነግረ “መንግስቲ ኻህናት” ከም ዜቝሙን ከም ሓደስቲ መንፈሳውያን “ቤት እስራኤል” መጠን ከኣ ኣብ “ሓድሽ ኪዳን” ከም ዚኣትዉን ሓበረ።​—⁠ኤርምያስ 31:31-34፣ እብራውያን 8:7-9 c

10, 11. (ሀ) የሆዋ ነቲ ብትንቢት እተገልጸ ዘርኢ ዘግሃዶ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ምስ ምምሕዳር ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ: እቲ ብትንቢት እተነግረ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ዚቕልቀለሉ ግዜ ኣኸለ። የሆዋ ንማርያም የሱስ ኢላ እትሰምዮ ወዲ ኸም እትወልድ ንምግላጽ ንገብርኤል መልኣኽ ለኣኾ። እቲ መልኣኽ “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በለ። (ሉቃስ 1:32, 33) በዚ ኸምዚ መንነት እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ንጹር ኰነ።​—⁠ገላትያ 3:16፣ 4:4

11 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኺመጽእን ክሳዕ መወዳእታ ኺፍተንን ነበሮ። ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ዚኸውን ፍጹም መልሲ ኣብ ኢዱ እዩ ነይሩ። ንኣቦኡ እሙን ይኸውን ደዀን ይኸውን፧ እዚ ንቕዱስ ምስጢር ዜጠቓልል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝነበሮ ግደ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፤ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ: ብመንፈስ ጸደቐ: ንመላእኽቲ ተራእየ: ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ: ኣብ ዓለም ተኣምነ: ናብ ክብሪ ዐረገ።” (1 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ: የሱስ በቲ ኽሳዕ ሞት ክምህ ዘይብል ንጽህናኡ: ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ዘየላቡ መልሲ ሂቡሉ እዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር ዚምልከት ዝተረፈ ዝርዝራት ገና ኣይተቐልዐን ነይሩ።

እቲ ቕዱስ “ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ”

12, 13. (ሀ) ሓደ መዳይ እቲ ቕዱስ “ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ የሆዋ ቝጽሮም እተወሰኑ ሰባት ናብ ሰማይ ኪኸዱ ዚሓርየሉ መዳይ ዚጠቓለል እንታይ ነገር ኣሎ፧

12 የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገሊላ ዚገብሮ ዝነበረ ስብከት: እቲ ቕዱስ ምስጢር ምስታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣጸቢቑ ኸም ዚተሓሓዝ ሓበረ። ንደቀ መዛሙርቱ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት [“መንግስቲ ኣምላኽ:” ማርቆስ 4:11] ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ” በሎም። (ማቴዎስ 13:11) ሓደ መዳይ እቲ ምስጢር: ነቲ የሆዋ “ሒደት መጓሰ” ዚበሃሉ ኽፍሊ እቲ ዘርኢ ብምዃን ኣብ ሰማይ ንኺገዝኡ ምስ ወዱ ዚሓብሩ 144,000 ሰባት ምሕራይ ዜጠቓልል እዩ።​—⁠ሉቃስ 12:32፣ ራእይ 14:1, 4

13 ሰባት ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ስለ እተፈጥሩ: ገሊኦም ሰባት ናብ ሰማይ ኪኸዱ እንተ ዀይኖም: ንየሆዋ “ሓድሽ ፍጥረት” ምፍጣር እዩ ዚዀኖ። (2 ቈረንቶስ 5:17) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከም ሓደ ኻብዞም እዚ ፍሉይ ሰማያዊ ተስፋ ዚካፈሉ ሕሩያት ኰይኑ ኺዛረብ ከሎ: “እቲ: ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ: ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ይባረኽ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:3, 4

14. (ሀ) ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኣብቲ ቕዱስ “ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ” እተጠቓለሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ነዚ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክንርድኦ ዝኸኣልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ካልእ ክፋል እቲ ምስታ ኣብ መጻኢ እትቐውም መንግስቲ ዚተሓሓዝ ቅዱስ ምስጢር: ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኣብቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ሒደት ዚቝጽሮም ሰባት ንምጥቕላል ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ። ጳውሎስ ን“ምምሕዳር” ፍጻመ ዕላማ የሆዋ: ማለት ነቲ ዕላማ ዚመሓደረሉ መገዲ ኣመልኪቱ: “ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ: ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። ማለት፤ ኣህዛብሲ መዋርስቲ: ሓደ ስጋ: ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ [እዩ]” በለ። (ኤፌሶን 3:5, 6) እዚ ኽፋል ቅዱስ ምስጢር እዚ ነቶም ‘ቅዱሳን ሃዋርያት’ ተገልጸ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይንረክብ ኔርና: ነዚ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ኣይምተረዳእናዮን።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:10፣ 4:1፣ ቈሎሴ 1:26, 27

15, 16. የሆዋ ምስ ክርስቶስ ዚተሓባበሩ ገዛእቲ ኻብ ደቅሰብ ዝሓረዮም ስለምንታይ እዩ፧

15 እቶም ምስቲ “ገንሸል” ወይ ክርስቶስ የሱስ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ ደብረ ጽዮን ቈይሞም እተራእዩ “ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ:” “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” ከምኡውን “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ራእይ 14:1-4) የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ኻብቶም ሰማያውያን ደቁ: ቀንዲ ኽፍሊ እቲ ኣብ ኤድን እተመባጽዖ ዘርኢ ኪኸውን ሓረዮ። ነቶም ምስ ክርስቶስ ዚተሓባበሩ ግን ካብ ደቅሰብ ዝሓረዮም ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ቍጽሮም እተወሰኑ ‘ኸም ምኽሪ የሆዋ እተጸውዑ’ “ብፍታው ፍቓዱ:” ምዃኖም ገለጸ።​—⁠ሮሜ 8:17, 28-30፣ ኤፌሶን 1:5, 11፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:9

16 ዕላማ የሆዋ ነቲ ዓብዪን ቅዱስ ስሙን ምቕዳስ ከምኡውን ልዑላውነቱ ምርግጋጽ እዩ። በቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበባዊ “ምምሕዳሩ” ወይ ዜመሓድረሉ መገዲ: የሆዋ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚፍተነላ ምድሪ ለኣኾ። ብዘ⁠ይካዚ: እታ መሲሓዊት መንግስቲ ወዱ: ነቶም ክሳዕ ሞት ንልዑላውነቱ ዚድግፉ ሰባት ንኸተጠቓልል ወሰነ።​—⁠ኤፌሶን 1:8-12፣ ራእይ 2:10, 11

17. ክርስቶስን ምስኡ ዚሓብሩ ገዛእትን ኣብ ሓደ እዋን ሰባት ከም ዝነበሩ ምፍላጥና ስለምንታይ እዩ ዜሐጕሰና፧

17 የሆዋ ንዘርኢ ኣዳም ዓባይ ፍቕሪ ኸም ዘላቶ: ንወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽን እቶም ነታ መንግስቲ ኣምላኽ መዋርስቲ ወዱ ዚዀኑ ኻብ ደቅሰብ ብምሕራይን ኣርእዩ እዩ። እዚ ነቶም ካብ ኣቤል ኣትሒዞም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ኻልኦት ሰባት ብኸመይ ይጠቕሞም፧ ዘይፍጹማት ሰባት ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ኰይኖም ስለ ዚውለዱ: ምስቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ብምስምማዕ: ብመንፈሳዊ ዀነ ብኣካላዊ ኺሓውዩን ናብ ፍጽምና ኺበጽሑን የድልዮም እዩ። (ሮሜ 5:12) ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ዚጽበዩ: ንጉሶም ከምቲ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገበረሎም ፈቃርን ብሕያውነት ዚርድኣሎምን ምዃኑ ምፍላጦም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዖም! (ማቴዎስ 11:28, 29፣ እብራውያን 2:17, 18፣ 4:15፣ 7:25, 26) እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ: ንባዕሎም ከማና ኣብ ሓደ እዋን ምስ ብሕታዊ ድኻም እተቓለሱን ኣብ ህይወት ጸገማት ዘጋጠሞምን ምዃኖም ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!​—⁠ሮሜ 7:21-25

ዘይፈሽል ዕላማ የሆዋ

18, 19. እተን ኣብ ኤፌሶን 1:8-11 ዘለዋ ቓላት ጳውሎስ ብዝያዳ ዝነጸራልና ስለምንታይ እየን፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

18 ሕጂ እቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 1:8-11 ንቕቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብዝያዳ ኺርድኣና ኽኢሉ እዩ። ጳውሎስ ኣብቲ መልእኽቱ: የሆዋ ነቲ ቕዱስ “ምስጢር ፍቓዱ” ኸም ዘፍለጦም: ምስ ክርስቶስ ኪዀኑ “ዕድል ርስቲ” ከም ዝሃቦም: ከምኡውን ‘በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደቡ’ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣብቲ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ዜደንቕ “ምምሕዳር” ኸም ዚጠቓለል ተገንዚብና ኢና። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ድራር ጐይታ ዚእከቡ ክርስትያናት: ሒደት ጥራይ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።

19 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: እቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኽንርኢ ኢና። ብተወሳኺውን: እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሰባት በቲ በዓል ዝኽሪ ስለምንታይ ኣጸቢቖም ከም ዚግደሱ ኽንመሃር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ኣምላኽ ቃል ብቓሉ “ዚኸውን” ማለት እዩ። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ኣድላዪ ዝዀነ ዅሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠ዘጸኣት 3:14 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ

b እቲ “ምምሕዳር” ኣብቲ እዋን እቲ የገልግል ምንባሩ ቓላት ጳውሎስ ኪገልጽ ከሎ: መሲሓዊት መንግስቲ ግን ክሳዕ 1914 ከም ዘይተመስረተት ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ።

c ብዛዕባ እዚ ኺዳናት እዚ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዝርዝር መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ግምቢ ዘብዐኛ 3/2/110 ገጽ 1-8 (ናይ 1 ለካቲት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-15 እንግሊዝኛ) ተወከስ።

ድግማ

• የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራን ንሰብ ኣብኣ ዘንብሮን ስለምንታይ እዩ፧

• እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ ኣብ ምድሪ መጺኡ ኺፍተን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ብሓባር ዚገዝኡ ኻብ ደቅሰብ ዝመረጾም ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]