ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግሉላት ከተማታት ቦሊቭያ ነቲ ብስራት ሰምዓ

ግሉላት ከተማታት ቦሊቭያ ነቲ ብስራት ሰምዓ

ግሉላት ከተማታት ቦሊቭያ ነቲ ብስራት ሰምዓ

ገለ 20 እንኸውን ሰባት: ናብተን ኣንጻር እቲ ውሒዝ ተጓዒዝካ እትረኽበን ኣቝሻት ምብጻሕ ንምግባር ብህንጥዮት ኣብቲ ገምግም እቲ ፈለግ ተኣኻኸብና። ኣብ እግሪ ኣንደስ: ማለት ፈለግ በኒ ኣብ ጐላጕል ለሰ ኣማዞን ኣብ ዝበጽሓሉ ቦታ ኢና ኔርና። እዚ ቦታ እዚ ኣዝዩ ማራኺ ጽባቐ ዝረኣየሉ ቦታ እዩ።

ይኹን እምበር: ንሕና በጻሕቲ ሃገር ኣይኰንናን። ገሌና ኻብዚ ዓዲ ዝመጻእና ኢና፣ መብዛሕትና ግን ካብ ርሑቕ ቦታታት ናብዛ ሩረንባኴ ዝስማ ዚዕንብብ ኣእዋም ዘለዋ: ኣጓዱ ዝመልኣ: ከምኡውን ጐደናታታ ሳሕቲ ድምጺ ሞተር ብሽክለታ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ነገር ዘይስምዓላ ንእሽቶ ኸተማ ንምንባር ኢና መጺእና። ስለምንታይ እዩ ግን ነዚ ጕዕዞ እዚ ኽንገብር ዘድለየና፧

እቲ ዝገበርናዮ ጕዕዞ: ኣብ ካልእ ቦታታት ቦሊቭያ እውን ይግበር እዩ። ካብ ካልእ ከተማታት ኰነ ኻብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብተን ንኣሽቱ ኸተማታት የብጽሕዎ ኣለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:14

ቦሊቭያ ኣብ ሕምብርቲ ደቡብ ኣመሪካ ትርከብ። ስፍሓታ ኽንዲ ዕጽፊ ስፍሓት ፈረንሳ ኪኸውን ከሎ: ብዝሒ ህዝባ ግን ካብ ሓደ ዕስሪት ህዝቢ ፈረንሳ ቝሩብ ጥራይ እዩ ዚበልጽ። መብዛሕትኦም ህዝቢ ቦሊቭያ ኣብቲ ኣዝዩ ማራኺ ብራኸ ዚርከባ ኸተማታትን መዐደኒ ዓድታትን ወይ ከኣ ኣብተን ኣብ ስንጭሮ ዚርከባ ማእከላት ሕርሻ እዩ ዚነብር። ኣብቲ ትሮፒካዊ ቘላ ዚርከባ ኸተማታት ግን ብሰንኪ እቲ ሰፊሕ ቦታ ዚሽፍን ዱር ግሉላት እየን።

ኣብ 1950ታት ከምኡውን 1960ታት: ከም እኒ በቲ ጃክሰን: ኤልሲ ማየንበርግ: ፓመላ ሞዝሊ: ከምኡውን ሻርሎት ቶማስሻፍስኪ ዝኣመሰላ ተባዓት ሚስዮናውያን: ነቲ ኣብተን ግሉላት ከተማታት ዚዕየ ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይነን ጀመራኦ። ነቶም ቅኑዓት ህዝቢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ መሃራኦም: ንኣሽቱ ጉባኤታት ንኺምስረታ ድማ ሓጊዘን እየን። ኣብ 1980ታት ከምኡውን ኣብ 1990ታት ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሕልፊ ድማ ኣብተን ከተማታት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ወሰኸ። ሕጂ እሞ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ጉባኤታት ኣለዋ። ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ነዋሕቲ ህንጻታት ዚርከብ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት: ኣብ ከባቢ እቲ ኣዝዩ ምልኩዕ ገዛውቲ: ከምኡውን ኣብ ከባቢ እቲ ሰፋሕቲ ድኳናት ጉባኤታት ይርከብ እዩ። ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ድማ ኣብ ጥቓ ኣጕዶታት: ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ግዳም ዚርከብ ዕዳጋ: ከምኡውን ኣብ ጥቓ እቲ ሕብርታት ዝበዝሖ ኽዳን ዚኽደኑ ደቀባት ዘለዉሉ ኸባቢ እውን እንተዀነ ጉባኤታት ኣለዋ። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ግሉል ከባቢ ዘለዉ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

ነቲ ምሹእ ናብራ ኸተማ መስዋእቲ ምግባር

ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት: ካብተን ኣብ ቦሊቭያ ዚርከባ ናይ መዐደኒ ዓድታትን ካብ ገጠራትን ኣዝዩ ብዙሕ ዝቝጽሩ ህዝቢ ናብ ከተማ ይግዕዝ ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣንጻር እዚ: ማለት ካብ ከተማ ናብ ቍሸት ኪኸይድ ዘይተለምደ ነገር እዩ። ሓያሎ ኣቝሻት ሓንቲ ስልኪ እያ ዘላተን: ኤሌክትሪክ ድማ ኣብ መዓልቲ ንእተወሰነ ሰዓታት ጥራይ እየን ዚረኽባ። ኣብዘን ንኣሽቱ ኸተማታት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ኣሕዋቶም ዚረኽብዎም ኣብ ዓዓመት ኣብ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት እዩ: ናብዚ ኽትከይድ ኢልካ ጕዕዞ ምግባር ድማ ብዙሕ ወጻኢ ዚሓትትን ሓደገኛን ዜድክምን እዩ። ኣብ ቍሸት ዚርከባ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ጥራይ እየን ዚህባ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ከተማታት ናብ ኣቝሻት ንኺግዕዙ ዝደፋፍኦም ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ቐረባ እዋን ሉዊስ “ኣብ ከተማ ላ ፓዝ ስራሕ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ረኺበ ነበርኩ” በለ። ብምቕጻል ድማ ከምዚ በለ:- “ወለደይ ግን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኵሉ ሳዕ ከም ዝበለጸ ስራሕ ገይሮም የቕርብዎ ነበሩ። ስለዚ ድማ ሓንቲ ሓጻር ናይ ህንጸት ኮርስ ወሰድኩ። ንዕረፍቲ ናብ ሩረንባኴ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን: እቶም ህዝቢ ነቲ ብስራት ንምስማዕ ዘለዎም ባህጊ ኽርኢ ኸኣልኩ። ቍጽሪ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ሒደት ብምዃኑ ናብኡ ኸይደ ኽሕግዝ ከም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። ሕጂ 12 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ኣለኹ። ንኣብነት: ምስ ኣርባዕተ ደቂ ዘለውዎም ሰብኣይን ሰበይትን መጽናዕቲ እገብር ነበርኩ። እቲ ሰብኣይ ሰኽራምን ተጣላዕን ነበረ: ሕጂ ግን ነዚ ዅሉ ገዲፉ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተማህሮ ነገራት ነዕሩኽቱ ኺነግሮም ጀመረ። ኵሉ ሳዕ ነቲ ትምህርቲ ተዳልዩ እዩ ዚመጽእ። ካብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዋላ ሓንቲ ኽትሓልፎ ስለ ዘይደሊ: ንሰለስተ ወይ ነርባዕተ መዓልትታት ኣእዋም ንምቝራጽ ናብቲ ዱር ኣብ ዚኸደሉ እዋን ኣዝዩ ይጕሂ። ንዅሎም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክርእዮም ከለኹ: እቲ ናብዚ ንምምጻእ እትኸፍሎ መስዋእቲ ጻማ ኸም ዘለዎ እዩ ዚስምዓኒ።”

ህዋና ንጽል ወላዲት እያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ኣብ ላ ፓዝ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ዀይነ እሰርሕ ነበርኩ። ወደይ ገና ንእሽቶ ኸሎ: ኣብቲ ኸተማ ዀይነ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ናብ ሩረንባኴ ገይሸሉ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ናብኡ እንተደኣ ግዒዘ ዝያዳ ኽዓምም ከም ዝኽእል ተረዳእኩ። ስለዚ: ናብዚ ቦታ ገዓዝና: ገረድ ኰይነ ኽዓዪ ድማ ጀመርኩ። ኣብ መጀመርታ ነቲ ሃሩርን ነቶም ሓሸራታትን ምጽዋር ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ። ምስዚ ዅሉ ግን ኣብዚ ሸውዓተ ዓመት ጌርና ኣለና። ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ: ሓያሎ ተመሃሮ ድማ ናብ ኣኼባታት ብምምጻእ ዘለዎም ሞሳ የርእዩ።” ህዋናን ወዳን ካብ መንጎ እቶም ኣንጻር እቲ ውሒዝ ዚጕዓዙ ሰባት እዮም። ንስኻውን ሓቢርካ ኽትጐዓዝ ትኽእል ኢኻ።

ኣንጻር ውሒዝ እተገብረ ጕዕዞ

በቲ ኣብ መንጎ እቲ ጎቦታት ዚርከብ ጸቢብ ጋግ ክንሓልፍ ከለና: እቲ ሞተር ናይታ ጃልባ ይግዕር ነበረ። እተን ሕንጻይ ድማ ንምምጻእና ብምቅዋም ጩቝ ጩቝ ኪብላ ጀመራ። ካብቲ ኣኽራን ዝመነጨ ሓሬት ማይ ኣበርቲዑ ይውሕዝ ነበረ: እቲ መራሕ ጃልባ ግን ነዚ ውሒዝ እዚ ብኽእለት ይሓልፎ ነበረ። ኣጸቢቑ ምስ ረፈደ ኣብተን ንኣሽቱ ኣቝሻት በጻሕና። ኣብኡ ድማ ምስ ናይ ሩረንባኴ ጉባኤ ሽማግለ ተራኸብና: ኣበይ ከም እነገልግል ድማ ኣርኣየና።

እቶም ነበርቲ እቲ ቝሸት: ኣብ ትሕቲ ኦም ይኹን ኣብቲ ኻብ ኣርቃይ ተሰሪሑ ብቘጽሊ ስየ እተሸፈነ ገዛኦም ኣአንገዱና። ብዙሕ ከይጸናሕና በቲ ኻብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ መጽመቚ ገይሮም ቃንጫ ሽኰር ምስ ዚጾምቁ መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ተራኸብና። ነቲ ጽማቝ ድማ ኣብ ሸሓኒ የቐምጥዎ ነበሩ። ብድሕርዚ: ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ተወሲዱ ዚሽየጠሉ ደረጃ ንኺበጽሕ: ጸሊም ጥረ ሽኮር ክሳዕ ዚኸውን የፍልሕዎ። ናብ ገዛኦም ንኽንኣቱ ዓደሙና: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዙሕ ሕቶታት ሓተቱና።

ካብ ቍሸት ናብ ቍሸት እናኸድና ኣንጻር እቲ ሩባ ምጕዓዝና ቐጸልና። ሓያሎ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ሕማምን ሞትን እንታይ ከም ዚብል ስለ ዝሰምዑ ኣዝዮም ተሓጐሱ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24) ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ዘሎ ሕጽረት ሕክምና: ሓያሎ ስድራ​ቤታት ብምኽንያት ሞት ውሉዳተን ተሳቕየን እየን። ሓረስታይን ገፋፍ ዓሳን ኴንካ እትነብሮ ህይወት ከቢድን ዘየተኣማምንን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ መዝሙር 72 ተመዝጊቡ ዘሎ: ሓንቲ መንግስቲ ነዚ ዅሉ ድኽነት ከም እተልግሶ ዚገልጽ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ምስማዕ ኣዝዩ ዚምስጥ ኰይኑ ዚረኽብዎ። ይኹን እምበር: እዞም ኣብቲ ግሉል ከባቢ ዚነብሩ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ናብ ኣኼባታት ንምምጻእ ጻዕሪ ይገብሩ ደዀን ይኾኑ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ነቶም ኤሪክን ቪኪን ዝስሞም ናብታ ኣብ ኣማዞን ተወሳኺ ናይ ሰለስተ ሰዓት መገዲ ርሒቓ እትርከብ ሳንታ ሮዛ ኸይዶም ዜገልግሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣዝያ እያ ኣጨኒቓቶም።

እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ይመጹ ደዀን ይኾኑ፧

ኤሪክን ቪኪን ቅድሚ 12 ዓመት እዮም ካብ ካሊፎርኒያ: ሕ.መ.ኣ. ናብ ቦሊቭያ መጺኦም። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ናብ ሳንታ ሮዛ ንኺግዕዙ ርእይቶ ኣቕረበሎም። ቪኪ “ኣብዚ ኸተማ እዚ ኽልተ ተሌፎን ጥራይ እየን ዘለዋ: መርበብ ሓበሬታ ድማ የልቦን” በለት። ቀጺላ ድማ ከምዚ በለት:- “ኣዝዮም ብዙሓት እንስሳ ዘገዳም ኣለዉ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምብጻሕ ንምግባር ብሞተር ብሽክለታና ኽንጐዓዝ ከለና: ብተደጋጋሚ ሓራግጽን ሰገናትን ዓበይቲ ኣትማንን ንርኢ ኢና። ካብቶም እንስሳታት ንላዕሊ ዜገድሱና ግን እቶም ሰባት እዮም። ምስቶም እንዳ ቫካ ዚበሃሉ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘለውዎም መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ኢና። ካብታ እንነብረላ ንእሽቶ ኸተማ 26 ኪሎ ሜተር ርሒቖም እዮም ዚነብሩ። እቲ ኣቦ ሰኽራም ነበረ: ሕጂ ግን ተለዊጡ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንብምሉኦም ስድራ​ቤቱን ነታ ምንኣሱ ሓብቱን ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዝዎም ይመጽእ እዩ። ንሰበይቱን ነታ ንእሽቶ ጓሉን ኣብቲ መቐመጥ ኣቓሑ እታ ዓባይ ብሽክለታኡ ኣጐራቢቱ የምጽአን። እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ወዱ ነታ ንእሽቶ ሓብቱ ኣጐራቢቱ: እቲ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከኣ ካልእ ብሽክለታ ሒዙ ብሓባር ይመጹ። ከምዚ ገይሮም ናብቲ ኣኼባ ንምብጻሕ ሰለስተ ሰዓት ይወስደሎም።” እዞም ስድራ​ቤት ንየሆዋ ኣዝዮም ስለ ዜፍቅርዎ: ምስታ ጉባኤ ንምሕባር እተኻእሎም እዮም ዚገብሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓመትን መንፈቕን: 3 ንኺጥመቑ ብቑዓት ኰኑ፣ ካልኦት 25 ድማ ኣብቲ ኣብ ሳንታ ሮዛ እተሰርሐ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪካፈሉ ጀመሩ። ዋላኳ ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ እንተ ደለዩ: ሓያሎ ኻባታቶም ግን ንየሆዋ ንኼገልግሉ ኺዋጽኡሉ ዚግባእ ሓያል ዕንቅፋት ኣለዎም።

መርዓ ሕጋዊ ንምግባር ዘጋጠመ ጸገም

እቶም ኣብ ጥቓ ዶብ ቦሊቭያን ብራዚልን ኣብ ዚርከባ ግሉላት ከተማታት ዜገልግሉ ማሪናን ኦስኒን ዝስሞም ሚስዮናውያን: እቶም ሰባት ንመርዓ ነባሪ ማእሰር ገይሮም ከም ዘይርእይዎ ገለጹ። በብግዜኡ ብጻይ እናለዋወጡ እዮም ዚነብሩ። ኦስኒ “መንፈሳዊ ምዕባለ ንኸይገብሩ ዚዕንቅፎም እዚ ጸገም እዚ እዩ። ሰባት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀኑ እንተ ደልዮም: ኣዝዩ እተሓላለኸን ብዙሕ ወጻኢ ዘለዎን መስርሕ ይዀኖም። ገሊኦም ነቲ ቐደም ምስ እተፈላለየ መጻምድቶም ዝነበሮም ጕዳይ ብምድቃስ: ከም ብሓድሽ ብሕጊ ኺምርዓዉ ኣለዎም። ገሊኦም ብግቡእ መገዲ ተመዝጊብካ ምምርዓው ክርስትያናዊ ብቕዓት ምዃኑ ስለ እተረድኡ ግን: ነቲ ንሕጋዊ ኽፍሊት ዜድልዮም ገንዘብ ንምርካብ ኣበርቲዖም ዓይዮም እዮም” በለ።​—⁠ሮሜ 13:1, 2፣ እብራውያን 13:4

ማሪና ብዛዕባ ተመክሮ ኖርበርቶ ኸተዘንቱ ኸላ ኸምዚ ትብል:- “ምስታ ሕጂ ምስኡ ትነብር ዘላ ሰንካቲት ቅድሚ ምእካቡ: ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ይነብር ነበረ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብ35 ዓመት ካብኡ ትንእስ እያ: ሓደ ኖርበርቶ ኸም ወዱ ገይሩ ዜዕብዮ ውሉድ ድማ ኣለዋ። ኖርበርቶ እቲ ወዲ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ: ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኖ ይደሊ ነበረ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ዚስንክተሉ ቦታ መጺኦም ናጻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንኺገብሩሉ ምስ ሓተትዎ: ዋላኳ ምንባብ ዘይክእል ከምኡውን ዕድሚኡ ልዕሊ 70 እንተ ነበረ ተቐበሎም። ኖርበርቶን እታ ምስኡ እትነብር ሰበይትን ብዛዕባ የሆዋ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት ምስ ተማህሩ ብሕጋዊ መገዲ ተመርዓዉ: ጸኒሖም ድማ ተጠመቑ። እቲ ወዲ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ሰብኣይ ኣዲኡ ተስፋ ዝገበሮ: ሓላፍነት ዚስምዖ ክርስትያን መንእሰይ ኰነ። ኖርበርቶ ምንባብ ተማህረ: ኣብ ጉባኤ እውን መደረታት የቕርብ ነበረ። ዋላኳ ብሰሪ እርጋን ኣካላዊ ድኻም ይሃልዎ: ቀናእ ኣገልጋሊ እቲ ብስራት እዩ።”

መንፈስ የሆዋ ሓይሊ ይህብ

የሱስ ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) መንፈስ ኣምላኽ ንክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንኺበጽሑ ኺድርኾም ከሎ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ዜበራትዕ ኰን እዩ! ንኣብነት: ብ2004 ገለ 30 ዚዀኑ ቐናኣት ክርስትያናት ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ናብቲ ንግዜኡ እተመደበሎም ግሉል ዞባታት ከይዶም ንኼገልግሉ እተዋህቦም ዕዮ ተቐበልዎ። ኣብነት ናይቶም 180 ዝዀኑ ፓይነራትን ናይ ወረዳ ተዓዘብትን ቤትኤላውያንን ሚስዮናውያንን ኰይኖም ንኼገልግሉ ናብ ቦሊቭያ ዝመጹ ወጻእተኛታት ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። እቶም 17,000 ዝቝጽሮም ኣብ ቦሊቭያ ዚነብሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ን22,000 ዝዀኑ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑሎም ኣለዉ።

እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም መንፈስ የሆዋ ይመርሖም ከም ዘሎ ምፍላጦም ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም። ንኣብነት: ሮበርትን ካቲን ነቲ ናብ ካሚሪ ኸይዶም ሚስዮናውያን ኰይኖም ንኼገልግሉ እተዋህቦም ዕዮ ተቐበልዎ። እታ ኣብ ጐድኒ ውሒዝ ዚርከብ ሓምላይ ጎቦታት እተደኰነት ካሚሪ: ግልልቲ ኸተማ እያ። ሮበርት “ኣብ ጽቡቕ ግዜ ዝመጻእና ይመስለኒ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት: 40 ዝዀኑ ሰባት ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኰኑ” በለ።

ሓደ ሰኽራምን ተጣላዕን ነቲ ብስራት ይሰምዕ

ሓያሎ ተቐማጦ: እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት ዚገበርዎ ለውጢ መሲጥዎም እዩ። ንኣብነት: ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰኽራም ሰብኣይ ኪሰቲ ሓዲሩ ርእሱ ስለ ዝሓመመ: ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ነበረ። ዋላኳ ብምጥላዕ ዕሉል እንተ ነበረ: እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ዕዳ: እቲ ኣብ ሓዳሩ ዝነበረ ጸገም: ከምኡውን እተን ደቁ ሸለል ስለ እተባህላ ኣብ መዋጥር ኣእትይዎ ነበረ። ነዚ እናሓሰበ ኸሎ ሓደ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዜገልግል ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መንጎ ኣቋረጾ። እቲ ሓው ነቲ ጥቕስታት ኪገልጸሉ ኸሎ ድማ ጽን ኢሉ ሰምዖ። ብድሕርዚ: ብዛዕባ ሕጉስ ናብራ ስድራ​ቤት: ብዛዕባ ገነት: ከምኡውን ብዛዕባ ንኣምላኽ ምግልጋል ንኼንብብ ኣብ ዓራቱ ተመሊሱ በጥ በለ። ጸኒሑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ተሰማምዐ።

እቶም ሚስዮናውያን ናብ ካሚሪ ኣብ ዝመጹሉ እዋን: ኣርሚንዳ ሰበይቲ ኣርየል ከተጽንዕ ጀሚራ ነበረት: እንተዀነ ግን ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበራን። “ምስታይ ንኼቋርጽ ዝከኣለኒ ዅሉ ኽገብር እየ። ዋላ ሓንቲ ግን ዚጠቅም ኣይመስለንን። ፈጺሙ ተስፋ የብሉን” በለት። እንተዀነ ግን: እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝገመተቶ ንላዕሊ ዜገድስ ኰይኑ ረኸበቶ። ኣብ ውሽጢ ዓመት ተጠሚቓ ነዝማዳ ኽትሰብከሎም ጀመረት። ብዙሕ ከይጸንሑ ኸኣ ሓያሎ ኻብቶም ኣዝማዳ ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ።

ኣርየል ግን መስተን ሽጋራ ምትካኽን ምጥላዕን ደው ንኼብል ኣዝዩ ኸበዶ። ንዅሎም ኣዕሩኹ ናብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ምስ ዓደሞም ግን ኵሉ ነገር ተቐየረ። “ምስቶም ዘይመጹ ዘሎኒ ርክብ ከቋርጾ እየ። ምስቶም ዝመጹ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እየ” ብምባል ወሰነ። በዚ ኸምዚ ድማ ሰለስተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ኣርየል ቅድሚ ኣባል እታ ጉባኤ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ምስቲ ደሓር ዕቤት ገይሩ ምስኡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እተጠመቐ ዘመዱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ይገብር ነበረ። ኣርሚንዳ “ኣርየል ካልእ ሰብ እዩ ዀይኑ” በለት።

ሮበርት ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብውሑዱ እኳ 24 ዝዀኑ ኣባላት እዛ ስድራ​ቤት ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ይካፈሉ እዮም። ዓሰርተ ኻባታቶም ተጠሚቖም እዮም: ሸሞንተ ድማ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ እዮም። ነቲ ዝገበርዎ ናይ ጠባይ ለውጢ እተዓዘቡ ሓድሓደ ሰባት እውን እንተዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ናብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኪመጹን ጀመሩ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ድማ ካብ 100 ናብ 190 ክብ በለ። ሕጂ ኣነን ካቲን 30 ዝዀኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንመርሕ ኣለና: ኵሎም ከኣ ኣብ ኣኼባታት ይካፈሉ ኣለዉ። ናብዚ ምምጻእና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና።”

እቲ ኣብ ቦሊቭያ ኣብ ዚርከባ ግሉላት ከተማታት ዚዕየ ዘሎ ዓለምለኻዊ ናይ ምእካብ ዕዮ: ንእሽቶ ኽፋል እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 እተጠቕሰ ብዛዕባ እቶም “ብመዓልቲ ጐይታ” ተኣኪቦም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ሰባት ዚገልጽ ትንቢት እዩ። (ራእይ 1:10፣ 7:9-14) ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ኣህዛብ ዝመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምላኽ ብሓደ ሓቢሮም ኣይፈልጡን እዮም። እዝስ መብጽዓ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ መርትዖ ዀን እዩ!

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

በቲ ጃክሰን

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ፓመላ ሞዝሊ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኤልሲ ማየንባርግ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሻርሎት ቶማስሻፍስኪ: ብየማናይ ጫፍ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኤሪክን ቪኪን ኣብቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ዜድልዩሉ ኸባቢ ንኼገልግሉ ኸዱ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እንዳ ቫካ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሰለስተ ሰዓት ብብሽክለታ ይጐዓዙ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ ጥቓ ፈለግ በኒ ኣብ ዚርከብ ቍሸት ዚነብሩ ሰባት ነቲ ብስራት ብህንጥዮት ይሰምዕዎ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርትን ካቲን ኣብ ካሚሪ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ