ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊ መረጋገጺ ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ

ጥንታዊ መረጋገጺ ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ

ጥንታዊ መረጋገጺ ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ሓደ ጥንታዊ ሰነድ: “ነፍሲ ወከፍ መስመር ንሃንቀውታ እቶም ንታሪኽ ቀዳሞት ክርስትያናት ንምፍላጥ ዚብህጉ ሰባት ንምልዕዓል ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ ዚመስል” ዚብል መግለጺ ተዋህበ። እዚ ሰነድ እዚ ኣየናይ ከም ዝዀነ ኽትግምት ትኽእልዶ፧

ምናልባት ብዛዕባ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ ሰሚዕካ ወይውን ኣይሰማዕካን ትኸውን። ዝዀነ ዀይኑ: ‘ንቝርጽራጽ ሙራቶሪ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዘሎ እቲ ጥንታዊ ቐኖና: ወይ ዝርዝር እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኪጠቓለል ዘለዎ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ወግዓዊ ጽሑፍ እዩ።

እተወሰነ መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጠቓለል ምዃኑ ምንም ኣየጠራጥረካን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣብ ሓደ እዋን ኣየናይ መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቓለል ከም ዘለዎ እተወሰነ ምጥርጣር ከም ዝነበረ እንተ ትፈልጥሲ ምተገረምካዶ፧ ኣብ ቍርጽራጽ ሙራቶሪ ወይ ቀኖና: ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዚእመነሉ ዝርዝር መጻሕፍቲ ይርከብ። ነቲ ልክዕ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንስኻውን ትሰማምዓሉ ትኸውን። እቲ ሰነድ ነቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተጠቓሊሉ ዚርከብ መጻሕፍቲ ዚምልከት እንታይ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ፧ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ሰነድ እተወሰነ ነገራት እስከ ንመርምር።

ብኸመይ ከም እተረኽበ

ቍርጽራጽ ሙራቶሪ: ክፋል ሓደ ነፍሲ ወከፉ 27 ብ17 ሳንቲ ሜተር ዝዀነ 76 ኣቝጽልቲ ብራና ዘለዎ ኮዴክስ ወይ መጽሓፍ እዩ። ሎዶቪኮ ኣንቶኒዮ ሙራቶሪ (1672-1750) ዚበሃል ፍሉጥ ኢጣልያዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ ኣብ ሚላን: ኢጣልያ: ኣብ ዚርከብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ኣምብሮዝ ረኺብዎ። ሙራቶሪ ነቲ ርኽበቱ ኣብ 1740 ኣሕተሞ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ርኽበቱ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ ተባህለ። እቲ ኮዴክስ ኣብ ሻምናይ ዘመን ኣብ ደቡብ ኢጣልያ: ጥቓ ፕያቸንዛ ኣብ ዚርከብ ጥንታዊ ገዳም ቦቢዮ እተሰርሐ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መጀመርታ መበል 17 ዘመን ከኣ ናብ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ኣምብሮዝ ተወስደ።

ኣብ ቍርጽራጽ ሙራቶሪ ኣብ ገጽ 10ን 11ን እቲ ኮዴክስ ዚርከብ 85 መስመር ዝሓዘ ጽሑፍ ይርከብ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቋ ላቲን እተጻሕፈ ዀይኑ: ብሓደ ኣመና ጥንቁቕ ዘይነበረ ጸሓፊ ተቐዲሑ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ኣብ መበል 11ን 12ን ዘመን ምስ እተጻሕፈ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣርባዕተ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ብምውድዳር: ገለ እቲ ንሱ ዝገበሮ ጌጋታት ተረኺቡ እዩ።

መዓስ ከም እተጻሕፈ

‘ቍርጽራጽ ሙራቶሪ መጀመርታ መዓስ እዩ ተጻሒፉ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እቲ በዅሪ: ካብቲ ናብ ላቲን እተተርጐመ ቝርጽራጽ ብዙሕ ዘመናት ኣቐዲሙ ብቛንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ እዩ ዚመስል። ነቲ እቲ በዅሪ እተጻሕፈሉ ዘመን ንምፍላጥ ዚሕግዝ ኣፋፍኖት ኣሎ። ኣብቲ ቝርጽራጽ ሸፐርድ (ጓሳ) ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነት መጽሐፍ ተጠቒሳ ትርከብ። “ኣብዚ ቀረባ እዋን: ኣብ ግዜና: ኣብ ከተማ ሮሜ” ሄርማስ ዚበሃል ሰብኣይ ከም ዝጸሓፋ ድማ ተገሊጹ ኣሎ። ሄርማስ ካብ 140 ክሳዕ 155 ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ዓመታት ነታ ናይ መወዳእታ ኽፋል ሸፐርድ ከም ዝጸሓፈ ምሁራት ይዛረቡ። ስለዚ: እቲ መጀመርታ ብቛንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ: ደሓር ናብ ላቲን እተተርጐመ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ: ካብ 170 ክሳዕ 200 ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ዓመታት ተጻሒፉ እተባህለሉ ምኽንያት እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።

ኣብቲ ጽሑፍ ሮሜ ብቐጥታ ዀነ ብተዘዋዋሪ ስለ እተጠቕሰት: እቲ በዅሪ ኣብ ከተማ ሮሜ ተጻሒፉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብር። ይኹን እምበር: ደራሲኡ መን ምዃኑ የከራኽር እዩ። ክለመንት ብዓል እስክንድርያ: መሊቶ ብዓል ሳርዴስ: ከምኡውን ፖሊክራተስ ብዓል ኤፌሶን ደረስቲ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይግመት። መብዛሕትኦም ምሁራት ግን ደራሲኡ እቲ ቝርጽራጽ ሙራቶሪ ተዳልዩሉ ተባሂሉ ኣብ ዚእመነሉ እዋን ኣብ ሮሜ ዚነብር ዝነበረ: ብግሪኽ ድማ ብዙሕ ጽሑፋት ዚጽሕፍ ዝነበረ ሂፖሊተስ ዚበሃል ደራሲ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ። እዚ ብዙሕ እኳ እንተ ዘየገደሰካ: ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝገበሮ ትሕዝቶኡ ግን ምናልባት ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን።

ትሕዝቶኡ

እቲ ጽሑፍ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ዝሓዘ ጥራይ ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ መጻሕፍትን ጸሓፍቱን እውን ሓበሬታ ይህብ እዩ። ነቲ ጽሑፍ እንተ ተንብቦ: ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን መስመር እቲ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ከም ዘየለ ምረኣኻ። ኣብቲ ቝርጽራጽ መጀመርታ ወንጌል ሉቃስ እዩ ተጠቒሱ: ጸሓፊ እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዚኣ ሓኪም ከም ዝነበረ እውን ተጠቒሱ ኣሎ። (ቈሎሴ 4:14) እታ ሉቃስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ሳልሰይቲ ወንጌል ምዃና ስለ እተገልጸ: እቲ ዝጠፍአ ናይ መጀመርታ ኽፋል ወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ቍርጽራጽ ሙራቶሪ እታ ዮሃንስ ዝጸሓፋ ራብዓይ ወንጌል ከም ዝዀነት ምጥቃሱ: ነዚ ተወሳኺ መርትዖ ይኸውን።

ኣብቲ ቝርጽራጽ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት: ሉቃስ ነቲ “ኽቡር ቴዎፍሎስ” ዝጸሓፋ ምዃና ተገሊጻ ትርከብ። (ሉቃስ 1:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1-2) ካብኡ ቐጺሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ (ክልተ): ናብ ሰብ ኤፌሶን: ናብ ሰብ ፊልጲ: ናብ ሰብ ገላትያ: ናብ ሰብ ተሰሎንቄ (ክልተ): ናብ ሰብ ሮሜ: ናብ ፊልሞን: ናብ ቲቶስ: ከምኡውን ናብ ጢሞቴዎስ (ክልተ) ዝጸሓፎ መልእኽትታት ተጠቒሱ ኣሎ። መልእኽቲ ይሁዳን መልእኽቲ ዮሃንስን እውን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ ምዃነን ተገሊጹ ኣሎ። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ ምስቲ ወንጌል ተጠቓሊላ ኸም እተጠቕሰት ዚእምት ሓሳብ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቡቐለምሲስ ወይ ራእይ ተጠቒሳ ትርከብ።

እቲ ቝርጽራጽ ንራእይ ጴጥሮስ ጠቒሱ ግን ከኣ ገሊኣቶም ሰባት: ክርስትያናት ኬንብብዋ ዘይግባእ ምዃኑ ኸም ዚስምዖም ምግላጹ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ጸሓፊ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ከም እተዘርገሐ ኣጠንቀቐ። ኣብ ቍርጽራጽ ሙራቶሪ “ሓሞት ምስ መዓር ምሕዋስ ግቡእ ስለ ዘይኰነ:” እዚ ተቐባልነት ኪረክብ ከም ዘይብሉ ተገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቓለል ዘይግብኦ ጽሑፋት ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኸምታ ሄርማስ ዝጸሓፋ ሸፐርድ: ድሕሪ ሃዋርያት ስለ እተጻሕፈ: ወይ ከኣ መናፍቕነት ንምስፋሕ ስለ እተጻሕፈ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቓለል ኣይግብኦን እዩ።

ካብ መንጎ እቲ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ዝርዝር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ: ናብ ሰብ እብራውያን እተጻሕፈ መልእኽቲ: ክልተ መልእኽትታት ጴጥሮስ: ከምኡውን መልእኽቲ ያእቆብ ከም ዘይተጠቕሳ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ይኹን እምበር: ዶ/ር ጀፍሪ ማርክ ሃነማን ንዕዮ እቲ ነቲ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ዝቐድሖ ጸሓፊ ኣመልኪቱ: “እቲ ቝርጽራጽ ሕጂ ኣብኡ ዘይርከብ ሓሳባት ሒዙ ምንባሩን ካብ መንጎ እዚ ድማ ያእቆብን እብራውያንን (ከምኡውን 1 ጴጥሮስ) ይርከቦ ኢልካ ምድምዳምን ርትዓዊ” ምዃኑ ገለጸ።​—⁠ዘ ሙራቶሪ ፍራግመንት ኤንድ ዘ ደቨሎፕመንት ኦቭ ዘ ካኖን

ስለዚ እምበኣር: ቍርጽራጽ ሙራቶሪ ቐኖናውነቱ እቲ ሕጂ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተጠቓሊሉ ዚርከብ መብዛሕትኡ መጻሕፍቲ: ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ድሮ ተረጋጊጹ ምንባሩ ይሕብር እዩ። ልክዕ እዩ: ቀኖናውነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ: ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኣቱ ዚግብኦ ምዃኑ ዚረጋገጽ ኣብ ጥንታዊ ሰነድ ስለ እተጠቕሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ኻብ ትሕዝቶኡ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኵሉ መጻሕፍቲ ደራሲኡ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽን ኣብ ንሓድሕዱ ዚሰማማዕን እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ 66 ቀኖናዊ መጻሕፍቲ ንሓድሕዱ ዚሰማማዕ ምዃኑ: ንሓድነቱ ዜረጋግጽ እዩ። ስለዚ: እዚ ኽሳዕ ሎሚ እተዓቀበ መጻሕፍቲ: ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቓል የሆዋ ምዃኑ እንተ ተቐቢልካ ኽትጥቀም ኢኻ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሎዶቪኮ ኣንቶኒዮ ሙራቶሪ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ኣምብሮዝ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ቍርጽራጽ ሙራቶሪ

[ምንጪ ስእሊ]

Diritti Biblioteca Ambrosiana. Vietata la riproduzione. Aut. No. F 157 / 05

[ምንጪ ስእሊ]

Fragments: Diritti Biblioteca Ambrosiana. Vietata la riproduzione. Aut. No. F 157 / 05; Muratori, based on line art: © 2005 Brown Brothers