ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ኣለዉዶ፧

ሎሚ ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ኣለዉዶ፧

ሎሚ ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ኣለዉዶ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ጌርካ እዩ ዚርአ። ብዙሓት ሰባት እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። መልቪን ብራግ ዚበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ ትምህርትታት የሱስ ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመት: ‘ኣብ ህይወት እቶም ሕያውነት ዜንጸባርቑ ተራ ሰባት ኰነ ዓበይቲ ግብረ-ሰናያዊ ተግባራት ዚፍጽሙ ምርኡያት ሰባት’ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ገለጸ።

ሰባት ብዛዕባ ክርስትና እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ብዛዕባ ክርስትናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ “ሓደ ኻብቲ ወድሰብ ዝበጽሖ ዓብዪ መንፈሳዊ ዕቤት” ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ስኮትላንድ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሎዶኒያ ግላስጎው ዚሰርሕ ዴቪድ ኬልሶ “ክርስትና ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ሽሕ ዓመት ታሪኹ ኣብ ስነ-ጥበብ: ስነ-ህንጻ: ሙዚቃ: ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት እዚ ዘይበሃል ኣሳልጦ ረኺቡ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ይኹን እምበር: ካልኦት ብዙሓት ሰባት እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ጸገሞም ምስቲ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ “ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ዝኣምኑ ሰባት ዝኽተልዎ ሃይማኖት” ኢሉ ዚፈትሖ ክርስትና ኣይኰነን። የግዳስ: ተግባር እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሃይማኖታት እዩ ዘይስሕቦም።

ንኣብነት: ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጀርመናዊ ፈላስፋ ፍሪድሪኽ ኒቸ: ክርስትና “እቲ ዘለኣለማዊ ኣበር ወድሰብ” ከም ዝዀነ ገለጸ። ቀጺሉ ድማ “እቲ ዝዓበየ መርገም: ብልሽውና ዝሰረጾ . . . ዕላማኡ ንምፍጻም ዝዀነ ይኹን እከይ: ተንኰል: ምስጢራዊ: ከምኡውን ክፉእ ሜላታት ዚጥቀም” ከም ዝዀነ ጸሓፈ። ሓቂ እዩ: ኒቸ እተጋነነ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ: እንተዀነ ግን ብዙሓት ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ብባህርያት የሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ ብ“ብልሽውናን ዜስካሕክሕ ዓመጽን ጸርፍን” እዮም ዚፍለጡ።

ክርስቶስ ምስ ክርስትና ኣሎ ድዩ፧

“ክርስቶስ ምስ ክርስትና ኣሎ ድዩ፧” ኢልካ ምሕታት እምበኣር ሚዛኑ ዘይሓለወ ኣይኰነን። ገሊኦም ቀልጢፎም “እወ” ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ። “ንሰዓብቱ ‘ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም’ ምስኦም ከም ዚኸውን ተመባጺዑሎምዶ ኸይኰነ፧” (ማቴዎስ 28:20) እወ: የሱስ ከምኡ ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ ግን ባህሪኡ ብዘየገድስ: ምስ ኵሉ ሰዓቢኡ እየ ዚብል ከም ዚኸውን ድዩ ተዛሪቡ፧

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዝገበሩ እንተ ገበሩ ኣምላኽ ምስኣቶም ከም ዝዀነ ይስምዖም ነበረ። ኣምላኽ ንእስራኤል ንእተፈልየ ዕላማ ስለ ዝመረጾ: ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ድሌቶም እኳ እንተ ገበሩ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይገድፎም ይመስሎም ነበረ። (ሚክያስ 3:11) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ቀይዲ በተኽ ብምዃን ሕጊ ኣምላኽን ስርዓታቱን ከም ድላዮም ይጥሕሱ ነበሩ። የሱስ ክርስቶስ ግን “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” ኢሉ ብግልጺ ነገሮም። (ማቴዎስ 23:38) ብምልእታ እታ ሃይማኖት ሞገስ ኣምላኽ ሰኣነት። ኣምላኽ ስለ ዝነጸጎም ከኣ ብ70 ድ.ክ. እታ ርእሰ-ኸተማ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ብሮማውያን ጠፍአት።

ንክርስትናኸ ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥሞ ይኽእል ድዩ፧ የሱስ ምስቲ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም” ምስ ሰዓብቱ ንምዃን ዝኣተዎ መብጽዓ ዚተሓሓዝ እንታይ ብቕዓታት ከም ዘውጽአ እስከ ንመርምር።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ