ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ስቕ ይበላ’ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበረት ክርስትያን ጉባኤ: “ከምቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ: ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ: ስቕ ይበላ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 14:33, 34) እዚ ብትኽክል ንኺርድኣና ኣብ ዙርያ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ጠቓሚ እዩ።

ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14 ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚምልከት ነገራት ጠቒሱ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት እንታይ ትምህርቲ ኺወሃብ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ብኸመይ ኪቐርብ ከም ዚግብኦን ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 14:1-6, 26-34) ቀጺሉ: ዕላማ እዚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዚ “እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ” ከም ዝዀነ ኣትሪሩ ተዛረበ።—1 ቈረንቶስ 14:4, 5, 12, 26

ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14 ጳውሎስ ሰለስተ ሳዕ ብዛዕባ ‘ስቕ ምባል’ መምርሒ ሃበ። ሰለስቲኡ ኣብ ጉባኤ ንዝነበሩ እተፈላለዩ ጕጅለ ሰባት ዚምልከት ኰይኑ: ኵሉ ግን ንሓደ ምኽንያት ማለት ‘ኵሉ ብስርዓትን በጋባብን ንኪኸውን’ እዩ ተዋሂቡ።—1 ቈረንቶስ 14:40

ብቐዳምነት: ጳውሎስ “ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ: ክልተ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ: ሓደ ኸኣ ይተርጕሞ። ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና: እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል: ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:27, 28) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ፈጺሙ ኣይዛረብን እዩ ማለት ዘይኰነስ: ስቕ ኪብለሉ ዚግባእ እዋናት ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ከመይሲ: ካልእ ሰብ ዘይርድኦ ቛንቋ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣብ ንሓድሕድ ንምትህንናጽ ዝዀነ ዕላማ ኣኼባታት ኪብጻሕ ኣይክእልን እዩ።

ካልኣይ: ጳውሎስ “ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ: እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና: እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል” በለ። እዚ ማለት እቲ ቐዳማይ ነብዪ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምዝራብ ይቝጠብ ማለት ዘይኰነስ: ሓድሓደ ግዜ ስቕ ኪብል ኣለዎ። ካብኡ እቲ ራእይ እተገልጸሉ ሰብ ነታ ጉባኤ ይምህራ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ‘ዅላቶም ምእንቲ ኺተባብዑ’ (ትርጕም 1990) ተባሂሉ ዚግበር ኣኼባ: ዕላማኡ ይወቅዕ።—1 ቈረንቶስ 14:26, 29-31

ሳልሳይ: ጳውሎስ ንክርስትያን ኣንስቲ “ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ: ስቕ ይበላ። . . . ይገዝኣ” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:34) ጳውሎስ ንኣሓት ነዚ ትእዛዝ ዝሃበን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ ጉባኤ ስርዓት ንምዕቃብ እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ: ገለ ኺምሀራ እንተ ደለያ: ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።”—1 ቈረንቶስ 14:35

ምናልባት ገለ ኣሓት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚንገር ዝነበረ ነገራት ይቃወማ ነይረን ይዀና። እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ: ኣሓት ብዘይ ስርዓት ካብ ምምልላስ ንኺርሕቃን ኣብቲ የሆዋ ዝሰርዖ ናይ ርእስነት ስርዓት: ብፍላይ ምስ ሰብኡተን ብእተተሓሓዘ: ዘለወን ቦታ ብትሕትና ንኪቕበላን ሓጊዝወን እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ብተወሳኺ ድማ: ኣሓት ስቕ ብምባል ኣብ ጉባኤ መምህራን ኪዀና ኸም ዘይብህጋ የርእያ። ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: “ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር: ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ: ኣይፈቅድን እየ” ብምባል ኣንስቲ ኣብ ጉባኤ መምህራን ኪዀና ግቡእ ከም ዘይኰነ ገለጸ።—1 ጢሞቴዎስ 2:12

እዚ ማለት ግን ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ፈጺማ ኽትዛረብ የብላን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብግዜ ጳውሎስ ክርስትያን ኣንስቲ: ምናልባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኸን: ኣብ ጉባኤ ዚጽልያሉ ወይ ትንቢት ዚንበያሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ርእሰን ብምጕልባብ: ነቲ ቦታአን ኣፍልጦ ይህባሉ። a (1 ቈረንቶስ 11:5) ኣብ ርእሲ እዚውን: ብግዜ ጳውሎስ ኰነ ሎሚ: ኣሓት ምስ ኣሕዋት ብሓባር እሙንቶ ተስፋአን ኬጽንዓ: ማለት ብዛዕባ ተስፋአን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኪዛረባ ተተባቢዐን እየን። (እብራውያን 10:23-25) ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ዝገብራኦ ተሳትፎ: ዕድል ኪወሃበን ከሎ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳልየን ሓሳባት ብምሃብ ከምኡውን መርኣያ ወይ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ንምቕራብ ፍቓደኛ ብምዃን: ብዛዕባ ተስፋአን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ይዛረባ ኸምኡውን ንኻልኦት የተባብዓ እየን።

ስለዚ: ክርስትያን ኣንስቲ ናይ ሰብኣይ ቦታ ንምውሳድ ካብ ምፍታንን ኣብ ጉባኤ ኻብ ምምሃርን እየን ‘ስቕ ዚብላ።’ ንስልጣን እቶም ኣብ ጉባኤ ዚምህሩ ዚጻረር ኣከራኻሪ ሕቶታት ኣየበግሳን እየን። ክርስትያን ኣሓት ግዴአን ብምምላእ: “ኵሉ [እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚግበር] ንምህናጽ” ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ጉባኤ ናይ ሰላም ሃዋሁ ንኺፍጠር ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብራ እየን።—1 ቈረንቶስ 14:26, 33

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ግዜና ዘለዋ ብሱላት ኣሓት: ኣብ ጉባኤ ብእተፈላለየ ምኽንያት ንእተጠምቀ ሰብኣይ ተኪአን ኪዓያ ኸለዋ ነዚ ኣብነት እዚ ይስዕባ እየን።—ናይ 15 ሓምለ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26 ርአ።