ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ ዘበለ ፈሊጥካ ምግባሩ

ቅኑዕ ዘበለ ፈሊጥካ ምግባሩ

ታሪኽ ህይወት

ቅኑዕ ዘበለ ፈሊጥካ ምግባሩ

ሄደን ሳንደርሰን ዘዘንተዎ

ሓደ እዋን የሱስ ንሃዋርያቱ: “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 13:17) እወ: ቅኑዕ ዘበለ ንፈልጦ ንኸውን: ሓድሓደ ግዜ ግን ምግባሩ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር: ካብቲ 40 ዓመት ሚስዮናዊ ዀይነ ብምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 80 ዓመት ተመክሮ ህይወተይ: ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃነን ኣሚነ እየ። ኣምላኽ ዚብሎ ምግባር: ብሓቂ ናብ ብጽእና ወይ ሓጐስ እዩ ዚመርሕ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ክገልጽ ኣፍቅዱለይ።

ብ1925 ወዲ ሰለስተ ዓመት ከለኹ: ወለደይ ኣብታ ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ከተማ ኒውካስል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ መደረ ሰምዑ። እቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም!” ዚብል ኣርእስቲ ዝነበሮ መደረ: ነደይ ሓቂ ኸም ዝረኸበት ኣእመና: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ኣዘውቲራ ኽትእከብ ጀመረት። ኣቦይ ዝነበሮ ተገዳስነት ግን ቀልጢፉ ሃሰሰ። ነቲ ኣደይ ዝነበራ ሓድሽ እምነት ኪቃወሞ ጀመረ: እንተ ዘይሓዲጋቶ ድማ ሓዲጉና ኪኸይድ ምዃኑ ኼፈራርሃ ጀመረ። ኣደይ ነቦይ ተፍቅሮ: እቲ ስድራቤት ከይበታተን ድማ ትደሊ እኳ እንተ ነበረት: ንኣምላኽ ዘለዋ ተኣዛዝነት ግን ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት: ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ቈረጸት። (ማቴዎስ 10:34-39) ኣቦይ ሓዲጉና ኸደ: ድሕሪኡ ድማ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ርእየዮ ኣይፈልጥን እየ።

ሕጂ ኽሓስቦ ኸለኹ: ነቲ ኣደይ ንኣምላኽ ዝነበራ ተኣማንነት አድንቖ እየ። እቲ ውሳነኣ: ንዓይ ኰነ ነታ ምዕባየይ ሓብተይ ዝዀነት ብዩላ መንፈሳዊ በረኸት ዘለዎ ህይወት ንኽንመርሕ ኣኽኢሉና እዩ። ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን ምሂሩና እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ ዘበለ ምስ ፈለጥና: ክንገብሮ ኽንጽዕር ከም ዘሎና እዩ።

ፈተናታት እምነት

እቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራቤትና ንምሕጋዝ ብዙሕ እዮም ጽዒሮም። ዓባየይ ምሳና ኽትቅመጥ ጀመረት: ንሳውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበለት። ንሳን ኣደይን ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይፈላለያ ብጾት ኰና: በቲ ግርማአንን ተቐረብቲ ብምዃነን ከኣ ብዙሓት ሰባት የኽብርወን ነበሩ።

እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ኣሕዋት ንዓይ ፍሉይ ቈላሕታ ብምሃብ ጽቡቕ ስልጠና ሃቡኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ንሰባት ኣብ ቤቶም ከይደ ብቐሊል መገዲ ንምዝርራብ: ምስክርነት ዝሓዘ ካርድ ብኸመይ ከም ዝጥቀም ተመሃርኩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እተቐድሐ መደረታት ኣብ ተንቀሳቓሲ ግራማፎን ወሊዐ ንሰባት አስምዖም ነበርኩ: ፖስተር ሒዘ ብቐንዲ ጐደናታት ኣብ ምምራሽ እውን እሳተፍ ነበርኩ። ንሰብ እፈርህ ብምንባረይ: እዚ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ምዃኑ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ: ክገብሮ ቘሪጸ ነበርኩ።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ: ኣብ ሓደ ባንክ ተቘጺረ ኽሰርሕ ጀመርኩ። እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ብምሉኡ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ዚርከብ እተፈላለየ ጨንፈራት እቲ ባንክ ምጋሽ ዜጠቓልል ነበረ። ኣብቲ ኽፋል እታ ሃገር ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ዝረኸብክዎ ስልጠና ንእምነተይ ህያው ገይርዋ እዩ። ኣደይ ብመንፈስ ዘበራተዓኒ ዜተባብዕ ደብዳበታት ትጽሕፈለይ ነበረት።

እተን ደብዳበታት ኣብቲ ዜድልየኒ እዋን ሓጊዘናኒ እየን። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ: ውትህድርና ንኽምዝገብ ትእዛዝ መጸኒ። እቲ ናይቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ባንክ ኣካያዲ ስራሕ ኣዘውቲሩ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸይድን ናይቲ ኸባቢ ኣዛዚ ወተሃደራትን እዩ ነይሩ። ከም ክርስትያን መጠን ዘሎኒ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ምስ ገለጽኩሉ: ወይ ሃይማኖተይ ክሓድግ: ወይ ካብቲ ባንክ ክለቅቕ ሓዲኡ ኽሓሪ ነገረኒ። ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ወተሃደራት ዚምዝገቡሉ ማእከል ተጸዊዐ ምስ ከድኩ: እቲ ጕዳይ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብቲ ቦታ ነበረ: ናብቲ ሰባት ዚምዝገቡሉ ሰደቓ ክኸይድ ከለኹ ድማ ይከታተለኒ ነበረ። ነቲ ንውትህድርና መመዝገቢ ወረቐት ምፍራም ምስ ኣበኹ: እቶም ሰበ-ስልጣን ተጻረሩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ውጥረት ሰፈነ: እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ዘበለ ኽገብር ቈሪጸ እየ ነይረ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ ኣይተረበሽኩን: ካብ መትከለይ እውን ፈልከት ኣይበልኩን። ጸኒሑ ገሊኦም ሕሱማት ሰባት የናድዩኒ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጥኩ: ብኡንብኡ ንብረተይ ጠርኒፈ ብባቡር ገይረ ኻብታ ኸተማ ወጻእኩ።

ናብ ኒውካስል ምስ ተመለስኩ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስ ዝኣበዩ ሸውዓተ ኣሕዋት ብሓባር ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረብኩ። እቲ ዳኛ ኸቢድ ሸቕሊ ኣብ እንሽቅለሉ ቤት ማእሰርቲ ንሰለስተ ወርሒ ኽንእሰር ፈረደና። ቤት ማእሰርቲ ባህ ዜብል እኳ እንተ ዘይኰነ: ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ግን በረኸት ኣምጸኣልና። ምስ ተፈታሕና: ሓደ ኻብቶም መተኣስርተይ ዝነበረ ሂልተን ዊልኪንሰን ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር: ኣብ ናቱ ፎቶ ስቱድዮ ምስኡ ኽዓዪ ሓተተኒ። ኣብኡ ኸኣ ምስታ ሜሎዲ እትበሃል ጸኒሓ ሰበይተይ ዝዀነት: ኣብቲ ቦታ ተቐባሊት ጋሻ ዀይና እትዓዪ ዝነበረት ጓል ተላለኹ። ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ንምርኣይ ተጠመቕኩ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘውጻእክዎ ሸቶ

ኣነን ሜሎዲን ምስ ተመርዓና: ኣብ ኒውካስል ናይ ርእስና ፎቶ ስቱድዮ ኸፈትና። ነዊሕ ከይጸንሐ ስራሕ ይበዝሓና ብምንባሩ: ጥዕናና ዀነ መንፈሳውነትና ኺጕዳእ ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዝነበረ ቴድ ጀራስ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታትና ኣዘራረበና። ድሕሪ እቲ ምይይጥ: ነቲ ትካልና ሼጥና ናብራና ቐሊል ንምግባር ወሰንና። ብ1954 ሓንቲ ንእሽቶ ተጐታቲት ቤት ዓዲግና ናብታ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ እትርከብ ከተማ ባላራት ገዓዝና: ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኴንና ኸነገልግል ድማ ጀመርና።

ኣብ ባላራት ምስ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ሓቢርና ኣብ እንዓየሉ ዝነበርና እዋን: የሆዋ ንጻዕርታትና ባረኾ። ኣብ ዓመትን መንፈቕን: ቍጽሪ እቶም ኣብ ኣኼባ ዚእከቡ ኻብ 17 ናብ 70 ወሰኸ። ድሕሪኡ ኣብ ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ ገያሺ ተዓዛቢ ወይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመት ነተን ኣብ ከተማ ኣደላይድ ከምኡውን ነተን ኣብቲ ኣብ ጐድኒ ፈለግ ሙሪ ዚርከብ ወይንን ካልእ ፍረታትን ዚፈርየሉ ዞባ ዝነበራ ጉባኤታት በጻሕናየን። እዝስ ንህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዝቐየሮ! ምስቶም ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓቢርና ብምግልጋልና ባህ እዩ ኢሉና። ቅኑዕ ምዃኑ እንፈልጦ ዘበልና ብምግባርና: ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን ኢና ረኺብና!

ሚስዮናዊ ኣገልግሎት

ብ1958 ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ኣብቲ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ኽንካፈል ከም እንደሊ ኣፍለጥና። እቲ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ጊልዓድ ዚበሃል ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ንኽንኣቱ መመልከቲ ፎርም ብምልኣኽ መለሰልና። ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመና እንርከብ ስለ ዝነበርና: ኣብ ጊልዓድ ንምስታፍ ዕድመና ዝሓለፈ ዀይኑ ተሰምዓና። ይኹን እምበር: ነቲ መመልከቲ ወረቐት ሰደድናዮ: ኣብ መበል 32 ክፍሊ ንኽንመሃር ድማ ተጸዋዕና። ኣብ ፍርቂ እቲ ኮርስ: ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ህንዲ ምዃና ተነግረና። ፈለማ እኳ እንተ ኣጨነቐና: ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ስለ ዝደለና: ነቲ ምድብና ተሓጕስና ተቐበልናዮ።

ብመርከብ ጌርና ናብ ቦምበይ (ሕጂ ሙምባይ) ተጓዓዝና: ብ1959 ሓደ ንግሆ ድማ ኣብኡ በጻሕና። በማእታት ዚቝጸሩ ሸቃሎ ኣብቲ መዐሸጊ መራኽብ ደቂሶም ነበሩ። ገለ ዓይነት ሽታ ኸኣ ይሽትት ነበረ። ጸሓይ ምስ በረቐት: እንታይ ከም ዚጽበየና ኣፋፍኖት ክንረክብ ጀመርና። ቅድሚኡ ኸምዚ ዝበለ ሙቐት ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን ነበረ። ሊንተን ዳወርን ጄኒ ዳወርን ዚበሃሉ ምሳና ኣብ ባላራት ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ተቐበሉና። ናብቲ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ጸቢብ መደያይቦ ዘለዎ ኣፓርታማ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ቤትኤልን ህንዲ ወሰዱና። ኣብቲ ቤት እቲ ሽዱሽተ ወለንተኛታት ቤትኤላውያን ይነብሩ ነበሩ። ካብ 1926 ኣትሒዙ ኣብ ህንዲ ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው ኢድዊን ስኪነር: ናብቲ እተመደብናሉ ቕድሚ ምኻድና ኽልተ ብቴንዳ እተሰርሐ ሳንጣ ኽንዕድግ መኸረና። ከምዚ ዝዓይነቱ ሳንጣ ኣብ ባቡራት ህንዲ ብብዝሒ ኢኻ እትርኢ: ኣብቲ ጸኒሕና ዝገበርናዮ መገሻታት ከኣ ብዙሕ እዩ ኣገልጊሉና።

ንኽልተ መዓልቲ ብባቡር ምስ ተጓዓዝና: ኣብታ ኣብ ደቡባዊት ግዝኣት ማድራስ (ሕጂ ታሚል ናዱ) እትርከብ ንኸነገልግል እተመደብናላ ኸተማ ቲረቺራፓሊ በጻሕና። ኣብታ ኸተማ ድማ ምስቶም ን250,000 ዝዀኑ ተቐማጦ ዚሰብኩ ዝነበሩ ስለስተ ፍሉያት ፓይነራት ህንዲ ሓበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይስልጡን መነባብሮ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን: ኣብ ጁባና ትሕቲ 4 ዶላር (ኣመሪካ) ጥራይ እዩ ነይሩና። እቲ ገንዘብ እቲ ምስ ተወድአ ግን: የሆዋ ኣይሓደገናን። ሓደ መጽናዕቲ እንመርሓሉ ዝነበርና ሰብ: ንኣኼባታት ምሹእ ዝዀነ ቤት ንምክራይ ዜኽእለና ገንዘብ ኣለቅሓና። ሓደ መዓልቲ እኹል ምግቢ ኣይነበረናን: ሓደ ጐረቤትና ኣብ ቤቱ እተሰርሐ ካሪ ዚበሃል ዓይነት ምግቢ ኣምጸኣልና። ነቲ ምግቢ ኣዝየ እኳ እንተ ፈተኽዎ: መሪር ቀመማት ስለ ዝበዝሖ ግን ሒቕታ ገበረለይ።

ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት

ገሊኦም ኣብ ቲረቺራፓሊ ዚነብሩ ሰባት እንግሊዝኛ ዚዛረቡ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ታሚል ዚዛረቡ እዮም ነይሮም። ስለዚ: ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ቐሊል ኣቀራርባ በቲ ቛንቋ ንምፍላጥ ኣበርቲዕና ጸዓርና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ደቂ እቲ ዓዲ ኣኽበሩና።

እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ባህ ዜብል ነበረ። ህንዳውያን ብባህሪኦም ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም: ብዙሓት ከኣ እኽለ-ማይ የቕርቡልና ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሙቐት ከባቢ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ብምንባሩ: ነቲ እንግዶቶም ብዙሕ ኢና እነማስወሉ። መልእኽትና ቕድሚ ምቕራብና: ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳይ ምዕላል ግቡእ ጌርካ እዩ ዚርአ። እቶም ሰብ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን: “ካበይ መጺእኩም፧ ውሉዳት ኣለዉኹምዶ፧ ስለምንታይ፧” ኢሎም ይሓቱና ነበሩ። ውሉዳት ከም ዘይብልና ምስ ፈለጡ: መብዛሕትኡ ግዜ ንፉዕ ሓኪም ይሕብሩና ነበሩ። ይኹን እምበር: እዚ ዝርርባት እዚ ገዛእ ርእስና ንኸነፋልጥን ኣገዳስነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዕዮና ንኽንገልጽን መገዲ ይኸፍተልና ነበረ።

መብዛሕትኦም እቶም እንምስክረሎም ዝነበርና ሰባት ሰዓብቲ ሂንዱ እዮም ነይሮም። እዚ እምነት እዚ ኸኣ ካብ ክርስትና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ብዛዕባ እቲ እተሓላለኸ ፍልስፍናታት ሂንዱ ኣብ ክንዲ እንከራኸር: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንሰብከሎም ኔርና፣ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ: 20 ዝዀኑ ሰባት ኣብታ ኣብ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ዝዀነት ቤትና ኣብ እንገብሮ ኣኼባ ኺእከቡ ጀመሩ። ሓደ ኻብዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ናላታምቢ ዚበሃል ሲቪል መሃንድስ እዩ ነይሩ። ንሱን ቪጃያላያን ዚበሃል ወዱን ን50 ዝዀኑ ሰባት ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ሓጊዞምዎም እዮም። ቪጃያላያን ንእተወሰነ እዋን ኣብቲ ኣብ ህንዲ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣገልጊሉ እዩ።

ቀጻሊ መገሻታት

ኣብ ህንዲ ናይ ፈለማ ቐዋሚ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ኪቐርበለይ ከሎ: ኣብታ ሃገር ካብ እንኣቱ ሽዱሽተ ወርሒ ኣይመላእናን ኔርና። እዚ ኸኣ ኣብ ምልእቲ ህንዲ ምዛር: ንዓበይቲ ኣኼባታት ምድላዋት ምግባር: ከምኡውን ምስ ትሽዓተ ጕጅለታት ቋንቋ ምዕያይ ዜጠቓልል ነበረ። ከቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ። ክዳውንትናን ኣቝሕትናን ኣብ ሰለስተ ሰናዱቕን ኣብተን ሳናጡን ጠርኒፍና: ካብ ከተማ ማድራስ (ሕጂ ቸናይ) ብባቡር ነቐልና። እቲ ኣነ ዝሽፍኖ ኣውራጃ ዙርያኡ 6,500 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ብምንባሩ: ቀጻሊ መገሻታት ክንገብር ነበረና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሰንበት ኣብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ከተማ ባንጋሎር ዝነበረና ዓብዪ ኣኼባ ምስ ወዳእና: ኣብ እትቕጽል ሰሙን ኣብ ካልእ ዓብዪ ኣኼባ ንምግልጋል ንሰሜን ገጽና ናብቲ ኣብ እግሪ ኣኽራን ሂማልያ እትርከብ ዳርጂሊንግ ተጐዓዝና። ናብ ዳርጂሊንግ ንምብጻሕ: 2,700 ኪሎ ሜተር ክንጐዓዝን ሓሙሽተ ባቡር ክንቀያይርን ነበረና።

መጀመርታ ኣብ እንገብሮ ዝነበርና መገሻታት: ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ፊልም ነርኢ ነበርና። እዛ ፊልም እዚኣ ሰባት ንስፍሓትን ንጥፈታትን እታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ኣፍለጠቶም። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ኺርእዩ በማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብ ደረት መገዲ ንእተኣከቡ ሰባት ነርእዮም ነበርና። እታ ፊልም እናተራእየት ከላ: እቲ ሰማይ ድብንብን በለ። ቅድሚ እቲ እዋን እቲ ነታ ፊልም ብምቍራጸይ: እቶም እኩባት ሰባት እምባጋሮ ስለ ዝፈጠሩ: ነታ ፊልም እናኣፍጠንኩ ክቕጽላ ወሰንኩ። እቲ ዜሐጕስ ድማ እታ ፊልም ማይ ኪወቅዕ ኪጅምር ከሎ ብዘይ ገለ ሽግር ተዛዘመት።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት: ኣነን ሜሎዲን ናብ መብዛሕትኡ ኽፋል ህንዲ ተጐዓዝና። ነፍሲ ወከፍ ዞባ ናይ በይኑ ምግቢ: ኣከዳድና: ቋንቋ: ከምኡውን ባህርያዊ ትርኢት ስለ ዝነበሮ: ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስመዓካ። ኣብ ፍጥረት የሆዋ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ብዙሕ ዝዓይነቱ ነገራት ኰን እዩ ዚርከብ! ኣብ ህንዲ እተፈላለዩ እንስሳታት ዘገዳም እውን ይርከቡ እዮም። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዱር ነፓል ከለና: ሓደ ገዚፍ ቴግሪ ረኣና። ብሓቂ መስተንክር እንስሳ እዩ። ነዚ እንስሳ እዚ ምርኣይና: ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ዝዀነሉ ገነት ንምእታው ዘሎና ድሌት ኣበርትዖ።

ኣብ ኣሰራርሓ እተገብረ ምምሕያሻት

ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብ ህንዲ ዚርከቡ ኣሕዋት ምስ ማሕበር የሆዋ ብዝያዳ ዚቀራረብ ኣሰራርሓ ንኼዘውትሩ ምምሕያሽ ኣድልይዎም ነበረ። ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ኣኼባ ኺገብሩ ኸለዉ: ሰብኡት ብሓደ ሸነኽ: ኣንስቲ ኸኣ ብኻልእ ሸነኽ ኮፍ ይብሉ ነበሩ። ኣብ ሰዓቱ ዚጅመር ኣኼባ ዳርጋ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ቦታ: ነቶም ኣስፋሕቲ ናብ ኣኼባ ዚመጹሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ንምምልካት ዓብዪ ደወል ይድወል ነበረ። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ: ኣስፋሕቲ ኻብቲ ጸሓይ ዘላትሉ ኣንፈት ብምብጋስ ሰዓት ክንደይ ከም ዝዀነ ይግምቱ ስለ ዝነበሩ: ዘርጠብጠብ እናበሉ እዮም ዝመጹ ነይሮም። ዓበይቲ ኣኼባታትን ብገየሽቲ ተዓዛብቲ ዚግበር ምብጻሓትን ስሩዕ ኣይነበረን። ኣሕዋት ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ነበሩ: ስልጠና ግን የድልዮም ነበረ።

ብ1959 ማሕበር የሆዋ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣቘመት። እዚ ዓለምለኻዊ ስልጠና ንናይ ወረዳ ተዓዘብቲ: ንፍሉያት ፓይነራት: ንሚስዮናውያን: ከምኡውን ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታቶም ብዝሓሸ መገዲ ንኺስከሙ ሓገዞም። ኣብ ታሕሳስ 1961 ኣብ ህንዲ እዚ ትምህርቲ እዚ ምስ ተጀመረ: ኣነ መምህር ኰይነ ኣገልገልኩ። በብቝሩብ እቲ ስልጠና ዘፍረዮ ፍረ ናብተን ኣብታ ሃገር ዚርከባ ጉባኤታት በጽሐ: እዚ ድማ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ኣምጽአ። እቶም ኣሕዋት ቅኑዕ ዘበለ ምስ ፈለጡ: መንፈስ ኣምላኽ ንኺገብርዎ ደረኾም።

ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ነሕዋት ኣተባቢዕዎምን ሓድነት ከም ዚህልዎም ገይርዎምን እዩ። ሓደ ኻብቲ ፍልይ ዝበለ ዓበይቲ ኣኼባታት: እቲ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ዘርእስቱ ብ1963 ኣብ ኒው ደልሂ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ህንዲ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣኼባ ንምእካብ በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም መጹ: ብዙሓት ነዚ ንምግባር ብምሉኡ እቲ ዘዋህለልዎ ገንዘብ እዮም ተጠቒሞምሉ። ካብ 27 ሃገራት 583 ልኡኻት መጺኦም ብምንባሮም: ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ብዙሓት በጻሕቲ ኣሕዋት ኪራኸቡን ኪሓብሩን ዝኸኣሉ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ።

ብ1961 ኣነን ሜሎዲን ኣባላት እቶም ኣብ ቦምበይ ዝነበሩ ስድራ ቤትኤል ክንከውን ጻውዒት ቀረበልና። ኣብኡ ኸኣ ጸኒሐ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይነ ኣገልገልኩ። ብድሕሪኡ ድማ ካልእ ሓላፍነታት ተዋህበኒ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ብምሉኡ ኽፍልታት እስያን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ዞን ተዓዛቢ ዀይነ ኣገልገልኩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ሃገራት እዚ ዕዮ ስብከት እተኣገደ ብምዃኑ: እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ኪዀኑ ነይርዎም።—ማቴዎስ 10:16

ምስፋሕን ለውጥን

ብ1959 ናብ ህንዲ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን: ኣብታ ሃገር 1,514 ኣስፋሕቲ ንጡፋት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ሎሚ: እዚ ቝጽሪ እዚ ናብ ልዕሊ 24,000 ዓብዩ እዩ። ነቲ እዚ ዕቤት እዚ ዜምጽኦ ተወሳኺ ዕዮ ንምፍጻም: ሓንሳእ ኣብ ውሽጢ ቦምበይ: ሓንሳእ ከኣ ኣብ ጥቓ ቦምበይ ናብ ዚርከብ ቦታታት ክልተ ሳዕ ግዒዝና ኢና። ድሕሪኡ: ኣብ መጋቢት 2002 ስድራ ቤትኤል እንደገና ገዓዘ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ኣብ ጥቓ ባንጋሎር ዚርከብ ሓድሽ እተሃንጸ ህንጻታት ኢና ግዒዝና። እዚ ዘመናዊ ህንጻታት እዚ 240 ኣባላት ቤትኤል ዚነብሩሉ ዀይኑ: ገለ ኻባታቶም ጽሑፋት ናብ 20 ቛንቋታት ይትርጕሙ ኣለዉ።

ኣነን ሜሎዲን ናብ ባንጋሎር ንምግዓዝ ብሃንቀውታ ንጽበዮ እኳ እንተ ነበርና: ብ1999 ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ናብ ኣውስትራልያ ኽንምለስ ተገደድና። ሕጂ ኣብ ሲድኒ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኴንና ነገልግል ኣሎና። ካብ ህንዲ እኳ እንተ ወጻእና: እቲ ነቶም ፈተውትናን መንፈሳውያን ውሉዳትናን ዘሎና ፍቕሪ ግን ሕጂውን ሓያል እዩ። ካባታቶም ደብዳበታት ክንቅበል ከለና ብዙሕ ኢና እንሕጐስ።

ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ልዕሊ 50 ዓመት ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና: ኣነን ሜሎዲን ብዙሕ ኢና ተባሪኽና። ኣብ ሓደ እዋን ብፎቶግራፍ ጌርና ስእልታት ሰባት ኣብ ምዕቃብ ንሰርሕ ኔርና: ንሰባት ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ህያው ኪዀኑ ንምዕቃብ ዚግበር ዕዮ ግን ኣዝዩ ዝበለጸ ምርጫ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ብምሃብና ኸመይ ዝበለ ኽቡር ተመክሮታት ኰን ኢና ረኺብና! እወ: ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ምግባር: ብሓቂ ናብ ሓጐስ እዩ ዚመርሕ!

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኒው ደልሂ

ዳርጂሊንግ

ህንዲ

ቦምበይ (ሙምባይ)

ባንጋሎር

ማድራስ (ቸናይ)

ቲረቺራፓሊ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብ1942 ሄደንን ሜሎዲን

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ብ1975 ኣብ ህንዲ ዝነበረ ስድራ ቤትኤል