ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ተጠንቀቕ’

‘ተጠንቀቕ’

‘ተጠንቀቕ’

“ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።”ምሳሌ 14:15

1, 2. (ሀ) እቲ ሎጥ ኣብ ሶዶም ዘጋጠሞ ነገራት እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) እታ “እናተጠንቀቕኩም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል እንታይ ማለት እያ፧

 ኣብርሃም ንሎጥ ፈለማ ንሱ መሬት ኪመርጽ ምስ ፈቐደሉ: ኣዒንቲ ሎጥ በቲ ብዙሕ ማይ ዝነበሮ “ኸም ገነት እግዚኣብሄር” እተባህለሉ ኸባቢ ተሳሕበ። ‘ሎጥ ንዅሉ ጐላጕል ዮርዳኖስ ስለ ዝሓረየን’ ድንኳኑ ኣብ ጥቓ ሶዶም ስለ ዝተኸለን: ንስድራቤቱ ኼስፍረሉ ዚኽእል ምሹእ ቦታ መሲልዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: እቲ ደጋዊ ትርኢት መታለሊ እዩ ነይሩ: ከመይሲ: ኣብ ጥቓኡ እቶም “ሕሱማት: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓጥኣን” እተባህሉ ሰብ ሶዶም ይነብሩ ነበሩ። (ዘፍጥረት 13:7-13) ድሕሪ ግዜ: ሎጥን ስድራቤቱን ብዙሕ ተጐድኡ። ጸኒሑ ድማ ንሱን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ኽሳዕ ዚነብሩ ዀኑ። (ዘፍጥረት 19:17, 23-26, 30) እቲ ፈለማ ኣዝዩ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ: ብኣንጻሩ ዀይኑ ጸንሖ።

2 እቲ ንሎጥ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት ዚገልጽ ጸብጻብ: ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትምህርቲ ይዀኖም እዩ። ውሳነታት ክንገብር ከለና: ነቲ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ነገር ክንነቅሕን በቲ ኣብ መጀመርታ እንርእዮ ንኸይንታለል ክንጥንቀቕን ኣሎና። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ “እናተጠንቀቕኩም” ኢሉ ኺምዕደና ሓቁ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:13) እታ ኣብዚ “እናተጠንቀቕኩም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ህድኡ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ብመሰረት እቲ ሪቻርድ ለንስኪ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: እቲ ህድኣት እቲ “ንነገራት ብቕኑዕ ዚመዝንን ዚግምግምን ህዱእ ወይ ርጉእ ኵነት ኣእምሮ ዀይኑ: ቅኑዕ ውሳነ ኽንገብር የኽእለና።” እምበኣር: ጥንቃቐ ኽንገብረሉ ዜድልየና ገለ ዅነታት እስከ ንመርምር።

ንናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ምምዛኑ

3. ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ እንተ ተኸፊቱልና: ክንጥንቀቕ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

3 ሓደ እተኽብሮ ሰብ: ምናልባት እውን ሓደ ኣምላኺ የሆዋ: ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካ ንበል። በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ኣሳልጦ ኣመና ተሃንጥዩ ኣሎ: ምእንቲ ኸየምልጠካ ኸኣ ቀልጢፍካ ስጕምቲ ኽትወስድ የተባብዓካ። ንርእስኻን ንስድራቤትካን ዝሓሸ ናብራ ኺህልወኩም ክትሓልም ትጅምር: ምናልባት እውን እዚ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ዝያዳ ግዜ ንኽትውፊ ዜኽእለካ ጌርካ ትሓስብ። ይኹን እምበር: ምሳሌ 14:15 “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ትብል። እቲ ሓድሽ ስራሕ ምጅማር ዜሕድሮ ውዕዉዕ ስምዒት: ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ክሳራ ኣትሒትካ ኸም እትርእዮ: ሓደጋታት ዕሽሽ ከም እትብል: ከምኡውን ነቲ ኣብ ስራሕ ኬጋጥም ዚኽእል ዘይትጽበዮ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግምት ከም ዘይተእቱ ይገብር እዩ። (ያእቆብ 4:13, 14) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብዙሕ ጥንቃቐ ዜድሊ!

4. ንዝቐረበልና ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ኽንምርምር ከለና: ‘ንስጕምትና ኽንጥንቀቐለን’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 ጥንቁቕ ሰብ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ነቲ ዝቐረበሉ ስራሕ ተጠንቂቑ እዩ ዚምርምሮ። (ምሳሌ 21:5) ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘይተራእየ ሓደጋታት የቃልዖ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እስከ መርምሮ:- ሓደ ሰብ ብብሕቱ ንዚሰርሖ ስራሕ ዚኸውን ገንዘብ ኪልቃሕ ደልዩ ንበል: እንተ ኣለቂሕካዮ ኸኣ ብዙሕ መኽሰብ ከም ዜምጽኣልካ ይነግረካ። እቲ ዝቐረበ ኣጋጣሚ ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንታይ ሓደጋታት ግን እዩ ዘለዎ፧ እቲ ተለቃሒ ይኽሰብ ወይ ይኽሰር ኪኸፍለካ ፍቓደኛ ድዩ፧ ወይስ ገንዘብካ ዚኸፍለካ እንተ ኸሲቡ ጥራይ እዩ፧ ብኻልእ ኣበሃህላ: እንተ ኸሲሩ ገንዘብካ ኽትስእን ትኽእል ዲኻ፧ ንርእስኻ “እቲ ገንዘብ ስለምንታይ እዩ ኻብ ውልቀ-ሰባት ኪልቅሖ ደልዩ፧ ባንክታት ነቲ ስራሑ ዘየዋጽእ ገይሮም ድዮም ርእዮምዎ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታት ግዜ ወሲድካ ምምርማሩ: ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ኣብ ክውንነት ተመርኲስካ ንኽትግምግሞ ኺሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 13:16፣ 22:3

5. (ሀ) ኤርምያስ ግራት ኪዕድግ ከሎ እንታይ ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧ (ለ) ኵሉ ንስራሕ ዚምልከት ውዕላት ብወግዓዊ መሰረት ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ነብዪ ኤርምያስ ካብቲ ኸምኡ ኣምላኺ የሆዋ ዝነበረ ወዲ ሓው ኣቦኡ ግራት ኪዕድግ ከሎ: ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ብጽሑፍ ውዕል ገበሩ። (ኤርምያስ 32:9-12) ሎሚውን ሓደ ጥበበኛ ሰብ ኵሉ እቲ ንሱ ዚሳተፎ ንስራሕ ዚምልከት ውዕላት: እንተላይ እቲ ምስ ኣዝማዱ ዀነ ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ዚገብሮ ዘበለ: ኣብ ጽሑፍ ብዝሰፈረ ወግዓዊ ስምምዓት እዩ ዚገብሮ። a ንጹርን ብስርዓት እተዳለወን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ውዕል ምህላው: ምስሕሓብ ንኸይፍጠርን ሓድነት ንኺህሉን ይሕግዝ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ውዕል ዘይምህላው: ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋ ንስራሕ ዚምልከት ጸገማት ንኺለዓል ብእተወሰነ ደረጃ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ጓሂ ልብን ምረትን ኬስዕብ: ሕሉፍ ሓሊፉውን መንፈሳውነት ኬጥፍእ ይኽእል እዩ።

6. ካብ ስስዐ ርእስና ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

6 ካብ ስስዐ እውን ርእስና ኽንሕሉ ኣሎና። (ሉቃስ 12:15) ብዙሕ መኽሰብ ምርካብ ዚብልዎ ተስፋ: ነቲ ሓደ ስራሕ ዘለዎ ሓደጋ ኸም ዘይትርእዮ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽቡር ሓላፍነታት ዘለዎም ገለ ሰባት እውን ከይተረፈ: ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ወዲቖም እዮም። ቃል ኣምላኽ: “ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ኢሉ የጠንቅቐና። (እብራውያን 13:5) ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ስራሕ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ኺሓስበሉ ኸሎ: ‘ኣብዚ ነገር እዚ ምእታው ብሓቂ ኣድላዪ ድዩ፧’ ኢሉ ኺሓስብ ኣለዎ። ኣብቲ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘተኰረ ቐሊል ናብራ ምንባር: ካብ “ኵሉ ኽፍኣት” የዕቍበና።—1 ጢሞቴዎስ 6:6-10

ንንጽል ክርስትያናት ዜጋጥሞም ብድሆታት

7. (ሀ) ብዙሓት ንጽል ክርስትያናት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ክንምርዖ ኸለና እንገብሮ ምርጫ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ዚትንክፍ ብኸመይ እዩ፧

7 ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኺምርዓዉ ዚደልዩ እኳ እንተዀኑ: ክሳዕ ሕጂ ግን ዚሰማምዖም ብጻይ ኣይረኸቡን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ንኽትምርዖ ኸቢድ ማሕበራዊ ጸቕጢ ይወርደካ እዩ። ይኹን እምበር: ካብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትያናት ብጻይ ምርካብ ጸቢብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 13:12) ክርስትያናት ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ እተዋህቦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ: ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ከም ዜርኢ ይፈልጡ እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:39) ንጽል ክርስትያናት ነቲ ዜጋጥሞም ጸቕጥታትን ፈተናታትን ምቅዋም ምእንቲ ኪኽእሉ: ኪጥንቀቑ ኣለዎም።

8. እታ ሱላሚት እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዘጋጠማ፧ ሎሚኸ ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ተመሳሳሊ ብድሆ እዩ ኼጋጥመን ዚኽእል፧

8 ኣብ መሃልየ መሃልይ ሓንቲ ሱላሚት እትበሃል ዕባይ ገጠር: ኣቓልቦ እቲ ንጉስ ሰሓበት። ድሮ ምስ ሓደ መንእሰይ ፍቕሪ ሒዝዋ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ንጉስ በቲ ዜደንቕ ሃብቱን ክብረቱን ጽባቔኡን ገይሩ ኺሓባብላ ፈተነ። (መሃልየ መሃልይ 1:9-11፣ 3:7-10፣ 6:8-10, 13) ንስኺውን ክርስትያን ሰበይቲ እንተ ዄንኪ: ዘይትደልዪዮ ሰብ ኬተኵረልኪ ይኽእል እዩ። ኣብ ስራሕ እተፈልጥዮ ሰብ: ምናልባት እውን ስልጣን ዘለዎ ሰብ: ብተደጋጋሚ ይንእደኪ: ሓለፋታት ይገብረልኪ: ከምኡውን ምሳኺ ዚዀነሉ ኣጋጣሚታት የናዲ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቓልቦ ተጠንቀቒ። ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ኵሎም ፍቕሪ ኺምስርቱ ዚደልዩ ወይ ብዕሉጋት እኳ እንተ ዘይኰኑ: መብዛሕትኦም ግን ከምኡ እዮም። ከምታ ሱላሚት “ቀጽሪ” ኹኒ። (መሃልየ መሃልይ 8:4, 10) ዘይድለ ምቅርራብ ኣትሪርኪ ንጸግዮ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዝኪ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንኪ ንመሳርሕትኺ ኣፍልጥዮም: ንዅሉ ኣጋጣሚታት ድማ ምስክርነት ንምሃብ ተጠቐምሉ። እዚ ኸኣ ንዓኺ ዕቝባ ኪዀነኪ እዩ።

9. ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምስ እትረኽቦ ሰብ ርክብ ምምስራት እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧ (ኣብ ገጽ 25 ዚርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

9 ንንጽል ውልቀ-ሰባት ዚምርዓውዎ ብጻይ ንምርካብ ተባሂሉ እተዳለወ: ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚርከብ ዌብ ሳይት ህቡብ ይኸውን ኣሎ። ገሊኦም እዚ መገዲ እዚ ነቲ ኺረኽብዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ሰብ ንምፍላጥ ከም ዚሕግዞም ገይሮም ይርእይዎ። ይኹን እምበር: ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ርክብ ምምስራት ብሓቂ ሓደገኛ እዩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ: ሓቅን ፈጠራን ፈሊኻ ኽትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ። (መዝሙር 26:4) ኵሉ እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ እየ ዚብል ብሓቂ ኣገልጋሊ ኣይኰነን። ብዘይካዚውን: ብመርበብ ሓበሬታ ብቐጥታ ብዚግበር ርክብ: ቀልጢፍካ ሓያል ምቅርራብ ኪፍጠር ይከኣል: እዚ ድማ ነቲ ሓደ ሰብ ዘለዎ ናይ ምምዝዛን ክእለት ኬዛብዖ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 28:26) ኣጸቢቕካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ: ብመርበብ ሓበሬታ ይኹን ብኻልእ መገዲ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ጥበባዊ ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 15:33

10. ሓደ ንጽል ክርስትያን ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺተባባዕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ንኣገልገልቱ “ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ።” (ያእቆብ 5:11) ነቶም ብምርጫኦም ንጽል ዘይኰኑ ክርስትያናት ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ሓድሓደ ግዜ ዚደቍስ ምዃኑ ይፈልጦ: ተኣማንነቶም ድማ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ካልኦትከ ብኸመይ ኬተባብዕዎም ይኽእሉ፧ ስለቲ ተኣዛዝነቶምን ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣዘውቲርና ኽንንእዶም ይግባእ። (መሳፍንቲ 11:39, 40) ኣብ ሃናጺ ምትእኽኻብ ድማ ክንጽውዖም ንኽእል ኢና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸምኡ ጌርካዶ፧ ብዘይካዚውን: መንፈሳዊ ሚዛኖም ንኺሕልዉን ንየሆዋ ብምግልጋል ሓጐስ ንኺረኽቡን የሆዋ ኺሕግዞም ምእንታኦም ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ተገዳስነት ብምርኣይ: ከም የሆዋ ነዞም እሙናት ከም እነማስዎም ከነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:28

ናይ ጥዕና ጸገማት ምጻር

11. ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜምጽእ፧

11 ንሕና ወይ እነፍቅሮ ሰብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ: ብዙሕ ኢና እንጭነቕ። (ኢሳይያስ 38:1-3) ጽቡቕ ሕክምና ኽንረክብ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን: ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ጠቢቕና ኽንስዕብ ኣሎና። ንኣብነት: ክርስትያናት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ደም ኪኽልከሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ተጠንቂቖም ይሕልውዎ: ምስ ሓተታ መናፍስቲ ኻብ እተተሓሓዘ መርመራ ዀነ ሕክምና እውን ይርሕቑ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ገላትያ 5:19-21) ነቶም ናይ ሕክምና ስልጠና ዘይብሎም: እተፈላለየ ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ምምርማር ዜደናግርን ካብ ዓቕሞም ንላዕልን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጥንቁቓት ክንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12. ሓደ ክርስትያን ንሕክምና ዚምልከት ኣማራጺታት ኪግምግም ከሎ ብኸመይ እዩ ሚዛኑ ኺሕሉ ዚኽእል፧

12 “ለባም” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምርምር ብምግባር: “ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” እዩ። (ምሳሌ 14:15) ኣብቲ ዶክተራትን ሆስፒታላትን ብብዝሒ ዘይርከቡሉ ኽፍልታት ምድሪ: ብቘጽለመጽልን ሰራውርን ዚዳሎ ባህላዊ ሕክምና እቲ እንኮ ኽትረኽቦ እትኽእል ዓይነት ሕክምና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና ኽንገብር ንሓስብ እንተሊና: ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ገጽ 26-9 ሓጋዚ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ: ካብ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት እያ እተጠንቅቐና። ንኣብነት: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ንደሊ ንኸውን:- እቲ ባህላዊ ሓኪም ሓተታ መናፍስቲ ይጥቀም ድዩ፧ እቲ ሕክምና ሕማምን ሞትን ዚመጽእ ብእተቐየሙ ኣማልኽቲ (ወይ መናፍስቲ ኣባሓጎታት): ወይ ጸላእቲ ብዚገብርዎ ስራይ እዩ ኣብ ዚብል እምነት እተመርኰሰ ድዩ፧ እቲ ፈውሲ ኺዳሎ ኸሎ ዀነ ኽትጥቀመሉ ኸለኻ: መስዋእትታት: ድጋም: ወይ ካልእ መናፍስታዊ ተግባራት ምግባር የድሊ ድዩ፧ (ዘዳግም 18:10-12) ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ ነቲ “ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ኽንስዕብ ይሕግዘና። b (1 ተሰሎንቄ 5:21) ሚዛንና ንኽንሕሉ ድማ ይሕግዘና።

13, 14. (ሀ) ንኣካላዊ ጥዕናና ብምክንኻን ዝመጸ ርትዓውያን እንኸውን ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብዛዕባ ጥዕናን ሕክምናን ምስ ካልኦት ክንመያየጥ ከለና ርትዓውያን ክንከውን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና: ንኣካላዊ ጥዕናና ኣብ ምክንኻን እውን እንተዀነ: ‘ርትዓውያን’ ወይ ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና። (ፊልጲ 4:5 NW) ንጥዕናና ሚዛናዊ ትዅረት ምሃብና: ነቲ ኽቡር ውህበት ህይወት ሞሳ ኸም ዘሎና የርኢ። ናይ ጥዕና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ነዚ ቘላሕታ ምሃብና ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ “ፈውሲ ህዝብታት” ዚህበሉ እዋን ክሳዕ ዚኣክል ግን ፍጹም ጥዕና ኣይኪርከብን እዩ። (ራእይ 22:1, 2) እቲ ዝሓሸ ነገር ዝዀነ ‘ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት’ ክሳዕ ዚጕሰ ብኣካላዊ ጥዕናና እምብዛ ኸይንጭነቕ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ማቴዎስ 5:3 NWፊልጲ 1:10

14 ብዛዕባ ጥዕናን ሕክምናን ምስ ካልኦት ክንመያየጥ ከለና: ሚዛናውያንን ርትዓውያንን ክንከውን ኣሎና። መንፈሳዊ ጥቕሚ ንኽንረክብ ኣብ ሰሙናውን ኣብ ዓበይትን ኣኼባታት ክንእከብ ከለና: እዚ ጕዳይ እዚ ንዘረባና ኺዕብልሎ የብሉን። ብዘይካዚውን: ንሕክምና ዚምልከት ውሳነታት ብዙሕ ግዜ ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ንሕልና ውልቀ-ሰብ: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ንዘለዎ ርክብ ዚትንክፍ እዩ። ስለዚ: ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ኣረኣእያና ኪቕበል ምስ እነገድዶ ወይ ንሕልናኡ ዕሽሽ ኪብል ጸቕጢ ምስ እንገብረሉ ፍቕራዊ ኣይኰነን። ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ምኽሪ ወይ ሓገዝ ምሕታት ዚከኣል እኳ እንተዀነ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ስጕምቲ ብምውሳድ ዝመጸ “ጸጾሩ ኺጸውር” ኣለዎ: ከምኡውን “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ገላትያ 6:5፣ ሮሜ 14:12, 22, 23

ውጥረት ኬጋጥመና ኸሎ

15. ውጥረት ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚኽእል፧

15 ውጥረት ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ ዘይጥበባዊ ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። (መክብብ 7:7) እዮብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ኸሎ: ሚዛኑ ስለ ዝሰሓተ: ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ነበሮ። (እዮብ 35:2, 3፣ 40:6-8) “ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ” እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን ተቘጢዑ ብሃወኽ ተዛረበ። (ዘሁልቍ 12:3 ትርጕም 1990፣ 20:7-12፣ መዝሙር 106:32, 33) ዳዊት ንንጉስ ሳኦል ብዘይምቕታሉ ዚነኣድ ርእሱ ናይ ምቍጽጻር ባህሪ እኳ እንተ ኣርኣየ: ናባል ምስ ጸረፎን ንሰቡ ምስ ኣዋረዶምን ግን: ስለ ዝነደረ ነቲ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ኣጥፍአ። ኣቢጋይል ጣልቃ ምስ ኣተወት እዩ ናብ ልቡ ኺምለስን ካብ ከቢድ ጌጋ ኼምልጥን ዝኸኣለ።—1 ሳሙኤል 24:3-8adj.፣ 25:9-13, 32, 33

16. ተሃዊኽና ስጕምቲ ንኸይንወስድ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

16 ንሕናውን ነቲ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለትና ኺጸሉ ዚኽእል ውጥረት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ ነረኣእያ ኻልኦት ተጠንቂቕና ምምዛኑ: ብሃወኽ ንኸይንውስንን ተቐላጢፍና ኣብ ሓጢኣት ንኸይንወድቕን ይሕግዘና። (ምሳሌ 19:2) ኣብ ርእሲ እዚ: ቃል ኣምላኽ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ: ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” ኢሉ ይምዕደና። (መዝሙር 4:4) ስጕምቲ ንምውሳድ ወይ ውሳነ ንምግባር: ብእተኻእለ መጠን ክሳዕ እንሃድእ ምጽናሕና ጥበባዊ እዩ። (ምሳሌ 14:17, 29) ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ንኽእል ኢና: “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ [ንልብናን ሓሳብናን] ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) እዚ ኣምላኽ ዚህበና ህድኣት የረጋግኣና: ንኽንጥንቀቕ ድማ የኽእለና።

17. ጥንቁቓት ንኽንከውን ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ካብ ሓደጋታት ንኽንርሕቕን ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብርን ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና: ኵላትና ጌጋታት ንገብር ኢና። (ያእቆብ 3:2) ከይፈለጥና ጌጋ ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 19:12, 13) ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት መጠን: ካብ የሆዋ ተፈሊና ስጕምትና ንኸነቕንዕ ክእለት ኰነ መሰል የብልናን። (ኤርምያስ 10:23) የሆዋ ባዕሉ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ኢሉ ዜጸናንዓና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግነሉ! (መዝሙር 32:8) እወ: ብሓገዝ የሆዋ ኽንጥንቀቕ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እቲ ንስራሕ ዚምልከት ውዕላት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ 1997: ገጽ 30-1፣ ናይ 15 ሕዳር 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ገጽ 16-17፣ ከምኡውን ናይ 8 ለካቲት 1983 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ): ገጽ 13-15 ተወከስ።

b እዚ ኣቀራርባ እዚ ነቶም ዜተሓታትት ዓይነት ሕክምና ኺገብሩ ዚሓስቡ ዘለዉ እውን ይጠቕሞም እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል:-

• ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ እንተ ቐሪቡልና፧

• ዚምርዓወና ብጻይ ክንደሊ ኸለና፧

• ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፧

• ውጥረት ኬጋጥመና ኸሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧

ንንጽል ዘበሉ ኣብ እተዳለወ ዌብ ሳይት: ኣዳለውቱ ነዚ ዚስዕብ ብሓላፍነት ዘይሕተቱሉ ነጥብታት ገሊጾም ኣለዉ:-

“ዝከኣለና ዘበለ ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና: እቲ ውልቀ-ሰብ ናይ ሓቂ መንነቱ ይገልጽ ከም ዘሎ ውሕስነት የልቦን።”

“ንልክዕነት: ምሉእነት: ወይ ጥቕሚ እቲ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዚርከብ ሓበሬታ ውሕስነት ክንህበሉ ኣይንኽእልን ኢና።”

“በዚ ኣገልግሎት እዚ ኣቢሉ ዚቐርብ ርእይቶታት: ማዕዳ: ሓሳባት: ካልእ ሓበሬታ ወይ ትሕዝቶ: ናይቶም ጸሓፍቱ እዩ . . . ናይ ግድን ትውክልቲ ኺግበሮ ዘለዎ ድማ ኣይኰነን።”

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ለባም . . . ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን”

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣንስቲ ንሱላሚት ኪመስላኣ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ንዅሉ ተዐዘብዎ: ነቲ ሰናይ ሐዝዎ”