ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን እዮም፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን እዮም፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን እዮም፧

“የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቲ ዀነ ኣብ ተግባር ምስ ዚዝከር ጥራይ እዩ ክርስትና ኣሎ ዚበሃል።” (ኦን ቢንግ ኤ ክርስትያን) ሃንስ ኩንግ ዚበሃል ስዊዘርላንዳዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ናይ ሓቂ ክርስትና ኺህሉ ዚኽእል: ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ተግባር ምስ ዜውዕልዎ ጥራይ ምዃኑ ገለጸ። እዚ ኸኣ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

ይኹን እምበር: ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዚብሉ ውልቀ-ሰባት ኰኑ ሃይማኖታት ንትምህርታት የሱስ ኣብ ተግባር ዘየውዕሉ እንተ ዀይኖምከ፧ የሱስ ባዕሉ ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ኸም ዚብሉ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣገልገልቱ ምዃኖም ንምርግጋጽ “ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧” ኪብሉ እዮም። የሱስ ግን “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ” ብምባል: ነቲ ዜውርደሎም ፍርዲ ብንጹር ገለጸ።—ማቴዎስ 7:22, 23

እዝስ ነቶም “ገበርቲ ዓመጻ” ኸመይ ዝበለ ኸቢድ መጠንቀቕታ ዀን እዩ! የሱስ ንሰባት ከም ገበርቲ ዓመጻ ኺነጽጎም ዘይኰነስ ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪቕበሎም እንተ ዀይኑ: ኬማልእዎ ዘለዎም የሱስ ዘውጸኦ ኽልተ ኣገዳሲ ብቕዓት እስከ ንመርምር።

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም”

እቲ ቐዳማይ የሱስ ዘውጸኦ ብቕዓት “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዚብል እዩ።—ዮሃንስ 13:34, 35

የሱስ: ሰዓብቱ ኣብ ንሓድሕዶምን ንኻልኦትን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእዩ ይጽበዮም እዩ። የሱስ ናብ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ ዘመናት: ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ነዚ ብቕዓት እዚ ኣማሊኦምዎ እዮም። እተን ወከልቲ ክርስቶስ ኢና ዚብላ ሃይማኖታውያን ማሕበራትከ፧ እቲ ሕሉፍ ታሪኸን ፍቕሪ ኸም ዘለወን ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ ደም ንጹሃት ኣብ ዝፈሰሰሉ ማእለያ ዘይብሉ ውግኣት ግንባር ቀደም ኰይነን ተሳቲፈን እየን።—ራእይ 18:24

እዚ ኽሳዕ ሎሚ ቐጺሉ እዩ። ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃገራት ኣብቲ ኣብ መበል 20 ዘመን እተገብረ ብዙሕ ሰብ እተቐትለሉ ኽልተ ውግኣት ዓለም ብቐዳምነት ተሳቲፈን እየን። ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ኣባላት እተን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃይማኖታት ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ እተገብረ ዜስካሕክሕ ግፍዕን ዘርኢ ንምጽናት እተገበረ ፈተነን ቀንዲ ተሳተፍቲ ነበሩ። ናይ እንግሊዛዊት ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳሳት ነበር ዴዝሞንድ ቱቱ “ኣብዚ ደማዊ ዅነት: ኣብ ንሓድሕዶም እተቓተሉ ሰባት . . . ሕደ እምነት ዘለዎም: መብዛሕትኦም ከኣ ክርስትያናት እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።

“ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም”

ናይ ሓቂ ክርስትያን ንምዃን የሱስ ዘውጸኦ ኻልኣይ ብቕዓት: “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዚብል እዩ።—ዮሃንስ 8:31, 32

የሱስ: ሰዓብቱ ኣብ ቃሉ ኺጸንዑ ማለት ንትምህርታቱ ኣጥቢቖም ኪሕዙ ይደልዮም እዩ። ኰይኑ ግን ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ኩንግ ከም ዝበሎ ንክርስቶስ ከም ዚስዕቡ ዚዛረቡ መምህራን ሃይማኖት “ናይ ግሪኽ ኣተሓሳስባ ተቐቢሎም” እዮም። ንትምህርታት የሱስ ከም ነፍሲ ኣይትመውትን እያ: መንጽሂ ቦታ ኣሎ ዚብል ትምህርትታት: ኣምልኾ ማርያም: ከምኡውን ጕጅለ ኻህናት ምቛም ዝኣመሰለ ኻብ ኣረማዊ ሃይማኖታትን ፍልስፍናታትን ብእተወስደ ሓሳባት ተኪኦምዎ እዮም።—1 ቈረንቶስ 1:19-21፣ 3:18-20

ካብዚ ብተወሳኺ: መምህራን ሃይማኖት ምርዳኡ ዘጸግም ሰረተ-እምነት ስላሴ ብምምሃር: ንየሱስ ናብቲ ፈጺሙ ይግባኣኒ ኢልዎ ዘይፈልጥ ቦታ ኽብ ኣበልዎ። እዚ ድማ ሰባት ነቲ የሱስ ኵሉ ሳዕ ኪምለኽ ከም ዚግብኦ ዚዛረበሉ ኣቦኡ የሆዋ ንኸየምልኹ ገይርዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:16፣ 6:9፣ ዮሃንስ 14:28፣ 20:17) ሃንስ ኩንግ “የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ: ኣምላኽ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ዝዀነ ያህወህ እዩ ዚዛረብ ነይሩ . . . ንዕኡ እቲ ሓደን በይኑን ኣምላኽ ንሱ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ሎሚ ኽንደይ ዝዀኑ ሰባት እዮም ኣምላኽን ኣቦን የሱስ: ያህወህ ወይ የሆዋ ምዃኑ ዚፈልጡ፧

መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ የሱስ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛ ብዛዕባ ምዃን ዝሃቦ ትእዛዝ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። ትሬቮር ሞሮ ዚበሃል ጸሓፊ ኸም ዝገለጾ: ብግዜ የሱስ ገሊላ “ሕምብርቲ ዓሌታዊ ሃገራውነት” እያ ነይራ። ብዙሓት ሓርበኛታት ኣይሁድ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ሓርነት ንምርካብ ብረቶም ኣልዒሎም ይቃለሱ ነበሩ። የሱስ ንሰዓብቱ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ንኺሳተፉ ኣዚዝዎም ድዩ፧ ኣይፋልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” በሎም። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14) መራሕቲ ሃይማኖት ግን ኣብ ክንዲ ገለልተኛታት ዚዀኑ: ከምቲ ሁበርት ባትለር ዚበሃል ኣየርላንዳዊ ጸሓፊ ዝገለጾ “ናይ ቃልስን ናይ ፖለቲካን ስርዓታት ቤተ ክርስትያን” ኣውጽኡ። ንሱ “ፖለቲካዊ ክርስትና መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ ወተሃደራዊ ክርስትና እዩ። ሰበ-ስልጣንን መራሕቲ ሃይማኖትን እተወሰነ ጥቕምታት ምስ ዚረኽቡ ጥራይ እዮም ስምምዕ ዚገብሩ: እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ንሰራዊት እታ ሃገር ትባርኾ” ብምባል ጸሓፈ።

መምህራን ሓሶት ንየሱስ ይኽሕድዎ

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዚወጹ ኸም ዚህልዉ ኣጠንቂቑ ነበረ። ድሕሪ ሞቱ ኻብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ: “እኩያት ተዃሉ” ‘ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ከም ዚምህሩ’ ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ” ኰይኑ ግን “በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ።” (ቲቶስ 1:16) ብተመሳሳሊውን ሃዋርያ ጴጥሮስ መምህራን ሓሶት “ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ: ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ሕማቕ ተግባሮም: “መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ” በለ። (2 ጴጥሮስ 2:1, 2) ዊልያም ኢ. ቫይን ዚበሃል ግሪኻዊ ምሁር በዚ መገዲ እዚ ንክርስቶስ ምኽሓድ ማለት “ከሓዲ ብምዃንን ሓደገኛ ትምህርትታት ብምዝርጋሕን ንኣቦን ወድን ምኽሓድ” ማለት ምዃኑ ገለጸ።

የሱስ ሰዓብቱ ኢና ዚብሉ ሰባት ኰነ ኢሎም ‘ኣብ ቃሉ እንተ ዘይጸኒዖም:’ ነቲ ንሱ ዘውጸኦ ኻልእ ብቕዓታት እንተ ዘየማሊኦም: እንታይ ስጕምቲ ይወስድ፧ የሱስ “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና: ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ” ዚብል መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ 10:33) ሓቂ እዩ የሱስ እሙን ኪኸውን እናጸዓረ ኽነሱ ጌጋ ንዚገብር ሰብ ኣይክሕዶን እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ እኳ እንተ ኸሓዶ: ምስ ተነስሐ ይቕረታ ተገብረሉ። (ማቴዎስ 26:69-75) ይኹን እምበር: የሱስ ነቶም ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹ ተዃሉ ማለት ንክርስቶስ ዚስዕቡ እናመሰሉ ንትምህርታቱ ዀነ ኢሎም ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ዚብሉ ወልቀ-ሰባት ኰኑ ሃይማኖታት ኪኽሕዶም እዩ። የሱስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምህራን ሓሶት “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ።—ማቴዎስ 7:15-20

ሃዋርያት ሞቱ: ክሕደት ከኣ ማዕበለ

ናይ ሓሶት ክርስትያናት መዓስ እዮም ንክርስቶስ ኪኽሕድዎ ጀሚሮም፧ የሱስ ድሕሪ ሙማቱ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ኽሕደት ተጀሚሩ። ንሱ ባዕሉ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝዘርኦ “ጽቡቕ ዘርኢ” ወይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት: “ክርዳድ” ወይ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ከም ዚዘርእ ኣጠንቂቑ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:24, 25, 37-39) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ እዋን ጠበርቲ ድሮ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ተዛሪቡ ነይሩ። ካብ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ዘላገሱሉ ቐንዲ ምኽንያት “ፍቕሪ ሓቂ” ስለ ዘይብሎም ምዃኑ ድማ ገለጸ።—2 ተሰሎንቄ 2:10

ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ክሳዕ እቲ ብህይወት ዝነበሩሉ ግዜ ነዚ ኽሕደት እዚ ገቲኦምዎ እዮም። እንተዀነ ግን: ሃዋርያት ምስ ሞቱ: መራሕቲ ሃይማኖት “ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ: ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን” ንብዙሓት ሰባት ጠቢሮምን ካብቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝመሃርዎ ሓቂ ኸም ዚርሕቁ ገይሮምዎምን እዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 6-12) በርትረንድ ራስል ዚበሃል እንግሊዛዊ ፈላስፋ: እታ በዅሪ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናብ ሓንቲ “ንየሱስ: ንጳውሎስ እውን ከይተረፈ እተስደምም” ሃይማኖታዊ ማሕበር ከም እተቐየረት ጸሓፈ።

ናይ ሓቂ ክርስትና እንደገና ቘመ

እቲ ጸብጻብ ግልጺ እዩ። ሃዋርያት ካብ ዚሞቱ ኣትሒዙ ክርስቶስ ምስቲ ብስም ክርስትና ዚግበር ነገራት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እቲ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ምስ ሰዓብቱ ንምዃን ዝኣተዎ ቓል ኣየፍረሰን። (ማቴዎስ 28:20) ካብቲ የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበለን እዋን ጀሚሩ ን“የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቲ ዀነ ኣብ ተግባር [ከም ዚዝክሩ]” ዘርኣዩ እሙናት ውልቀ-ሰባት ነይሮም እዮም። የሱስ ክርስቶስ እውን ነቶም ነታ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚልለዩላ ፍቕሪ ንምርኣይን ኣብቲ ንሱ ዝመሃሮ ሓቅታት ንምጽናዕን ዚጽዕሩ ሰባት ከም ዚድግፍ ዝኣተዎ መብጽዓ ሓልዩ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚጥቀመላ ብቐሊሉ እትልለ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኬቕውም: ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ኸም ዚእክቦም ተማባጺዑ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14, 45-47) ኣብዚ እዋን እዚ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም “ብዙሓት ሰብ” ኣኪቡ ምስተን ‘ጓሳኤን ሓደ’ ዝዀነ “መጓሰ” ኣብ ትሕቲ ርእስነቱ ንምግባር: በታ ጉባኤ ይጥቀም ኣሎ።—ራእይ 7:9, 14-17፣ ዮሃንስ 10:16፣ ኤፌሶን 4:11-16

ስለዚ: ካብተን ካብ ዝሓለፈ ኽልተ ሽሕ ዓመት ኣትሒዘን ንስም ክርስቶስን ክርስትናን ዜካፍኣ ዘለዋ ሃይማኖታት ኰነ ማሕበራት ውጻእ። እንተ ዘይኰነ ግን ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዝነገሮ: ኣብ ቀረባ እዋን ፍርዲ ኣምላኽ ምስ ዚቕበላ ‘ኻብቲ መዓተን ተኻፋሊ’ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ራእይ 1:1፣ 18:4, 5) ካብ መንጎ እቶም ብነብዪ ሚክያስ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ወይ ሰዓብቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ንመምርሒታት ኣምላኽ ሰሚዖም ‘ብመገድታት’ እታ እንደገና ዝቘመት ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚኸዱ እተነግረሎም ንምዃን ቈራጽነት ግበር። (ሚክያስ 4:1-4) ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ንመንነት እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኽትፈልጥ ኪሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለምንታይ እዮም ኣብ ውግእ ዘይሳተፉ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Soldiers, left: U.S. National Archives photo; flamethrower, right: U.S. Army Photo

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኬማልእዎ ዚግባእ የሱስ ዜውጽኦ ብቕዓታት ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’: ‘ኣብ ቃለይ ጽንዑ’ ዚብል እዩ