ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንእተወሰኑ ኣህዛብ ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ይህብ ድዩ፧

ኣምላኽ ንእተወሰኑ ኣህዛብ ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ይህብ ድዩ፧

ኣምላኽ ንእተወሰኑ ኣህዛብ ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ይህብ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ንህዝቦም ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ኸም ዚህቦም ኰይኑ ይስምዖም። መርትዖ ኬቕርቡ እንተ ተሓቲቶም ግን: እንታይ ኪብሉ ይኽእሉ፧ ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ታሪኽ ህዝቦም ዚርከብ ከም ወተሃደራዊ ዓወታት ወይ ቍጠባዊ ዕቤት ዝኣመሰለ ፍጻመታት ይጠቕሱ ይዀኑ። እቲ ንዝጠመዩ ንምምጋብ: ንግፉዓት ንምክልኻል: ወይ ፍትሕን ማዕርነትን ንምስፋን ተባሂሉ እተገብረ ዕዉት መደባት እውን ይጠቕሱ ይዀኑ። ገሊኣቶም ከኣ ዓዶም ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ስለ ዘለዋ: ኣምላኽ ንዓዶም ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ኸም ዝሃባ ይድምድሙ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ሓበን: ኣብ ኵለን ሃገራት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ንሓደ ህዝቢ ሓለፋ ኻልኦት ሞገሱ ይህብ እዩ ዚብል ሓሳባት ይድግፎ ድዩ፧

ኣገዳሲ ባህሪ ኣምላኽ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጕሊሑ ዚገልጾ ኣገዳሲ ባህሪ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ተረዲኡና: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንጹር ይዀነልና እዩ። ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ። ንኣብነት: ግብሪ ሃዋርያት 10:34 ብንጹር “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ትብል። ብተወሳኺውን: የሆዋ ኣምላኽ “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ” ኸምኡውን “ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን . . . የልቦን” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (ዘዳግም 10:17፣ 2 ዜና መዋእል 19:7) ኣምላኽ ኣድልዎ ይጸልእ: ማዕረ ዓመጻ ገይሩ እውን ይርእዮ እዩ።

ይኹን እምበር: ‘ኣምላኽ ንጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ሓለፋ ኻልኦት ኣህዛብ ሞገሱ ኣይሃቦምንዶ፧ እዚ መርኣያ ኣድልዎዶ ኸይኰነ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣምላኽ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንህዝቢ እስራኤል ሓርይዎም: ኣብቲ ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዝነበሮ ግጭታት እውን ኣዕቊብዎም እዩ። ብዘይካዚውን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ “ቃሉ ንያእቆብ: ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን” ይብል። (መዝሙር 147:19, 20) ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ግን ኣድልዎ ኸም ዘለዎ ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋሉን። እዚ ዘይኰነሉ ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሓረዮም: ንዅሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺጠቅሞም ኢሉ እዩ። ምስቲ ኣቦ እቶም ህዝቢ ዝነበረ ኣብርሃም: “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል ኪዳን ኣተወ። (ዘፍጥረት 22:17, 18) እወ: ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ርክብ ዝገበረሉ ዕላማ: ንሓደ ህዝቢ ዘይኰነስ: ን“ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ብዙሕ በረኸት ዜምጽእ “ዘርኢ” ንምርካብ ኢሉ እዩ።

ካልኣይ: በረኸት ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ካብ ካልኦት ኣህዛብ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ሓቢሮም ንኼምልኽዎ ብዘይ ኣድልዎ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። (2 ዜና መዋእል 6:32, 33) ብዙሓት ነዚ ዕድመ እዚ ተቐቢሎምዎስ: በረኸት ረኺቦም እዮም። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ እታ ኣጸቢቓ እትፍለጥ ሩት እታ ሞኣባዊት እያ።—ሩት 1:3, 16

ሳልሳይ: ኣምላኽ ምስ ምድራውያን እስራኤል ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ግዝያዊ እዩ ነይሩ። ብ29 ድ.ክ. እስራኤል ነቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ “ዘርኢ” ኣፍረየ: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እቲ መሲህ እዩ። (ገላትያ 3:16) ደቂ ዓዱ ንየሱስ ግን: ከም መሲህ ገይሮም ኣይተቐበልዎን። ስለዚ: “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:38) ድሕሪኡ: ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ ካብ ዓለማውያን ኣህዛብን ግጭታቶምን ኣጸቢቑ ተፈልዩ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንዅሎም ደቅሰብ ብዘይ ኣድልዎ በረኸት ዘርጊሑሎም እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ዝዘርግሓሎም ውህበታት

የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ: ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እዩ። (ሮሜ 6:23) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እንወጸሉ መገዲ ኣዳልዩልና እዩ: ንነፍሲ ወከፍና ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንወርስ ኣጋጣሚ ኸፈተልና። እዚ ውህበት እዚ “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ንእተዋጽኡ ውልቀ-ሰባት እዩ ተዋሂቡ። (ራእይ 5:9) እወ: ኣምላኽ ብየሱስ “ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረክብ እዩ ዚደሊ።— ዮሃንስ 3:16

እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት: ነቶም ዚሰምዕዎ ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽኣሎም። (ራእይ 14:6, 7) ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ የሕድር: ሕጂ ዝያዳ ሓጐስ ክትረኽበሉ እትኽእል ጥበባዊ ምኽሪ ድማ ይህብ። የሆዋ ብዘይ ኣድልዎ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ” ምድላዋት ገይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:10) እዚ ወንጌል ወይ ብስራት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ኸኣ ብኸፊሉ ወይ ብምሉኡ ብልዕሊ 2,200 ቋንቋታት ይርከብ። የሆዋ ኸም ሓደ ፈቃር ኣቦ መጠን: ዳርጋ ንዅሉ ሰብ ነቲ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ኣቕሪቡ ኣሎ።—ዮሃንስ 6:68፣ እያሱ 1:8

ኣምላኽ ነዚ እተጠቕሰ ዀነ ኻልእ ውህበታት ንዅሎም ሰባት—እወ: ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ዘርጊሑሎም ኣሎ። ስለዚ: ሞገስን በረኸትን ኣምላኽ ምርካብ ኣብ እተወለድናሉ ዓዲ ወይ ዓሌትና ኣይምርኰስን እዩ።

ሞገስ ኣምላኽ ዚረኽቡ መን እዮም፧

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ” ብምባል ይምልስ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) እምበኣር: ብዛዕባ ኣምላኽ ብግብሪ ዘይርአ ተገዳስነት ምህላው ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነማዕብልን ንኸይነጕህዮ ኽንፈርህን ኣሎና። ብተወሳኺውን: ‘ቅንዕና ኽንገብር:’ ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ዘበለ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ:- ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ህዝቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ብብዝሒ ይርከብ እኳ እንተዀነ: እቶም ኣብ ክፍሊ ኣትዮም ዚመሃሩን ዜጽንዑን ጥራይ ግን እዮም ዚጥቀሙ። ብተመሳሳሊ: ሞገስ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ክፉት እኳ እንተዀነ: ንሕና ግን ክንጽዕር ኣሎና። እዚ ጻዕሪ እዚ ኸኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ምንባብ: ኣብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ እምነት ከም ዘሎና ምርኣይ: ከምኡውን ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ህይወት ምንባር የጠቓልል። ብሓቂ ንየሆዋ እንተ ‘ደሊናዮ:’ ኣብታ ኣብ ቅድሚኡ ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ንኽህልወና እተኽእል መገዲ ኽንኣቱ ኢና።—መዝሙር 105:3, 4፣ ምሳሌ 2:2-9

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ኣቕሪቡሎም ኣሎ