ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት

ንኣይሁድ ብኣልማማን ብጃምላን ንምጽናት ኪፈሽል ዘይክእል ዚመስል ውዲት ተኣልመ። እቲ ነዚ ውዲት እዚ ዝኣለመ ሰብ ንዅሎም እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዚሓቍፍ ሃጸያዊ ግዝኣት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ምድብቲ መዓልቲ ኼጽንቶም ሓሰበ። ይኹን እምበር: እዚ ሰብ እዚ ኣምላኽ ሰማይ ንሕሩያቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዜስግእ ኵነታት ኬድሕኖም ከም ዚኽእል ኣይፈለጠን ነይሩ። እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ድሕነት ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዛ በቲ ማርዶካይ ዚስሙ ብዕደመ ዝሸምገለ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኣስቴር: ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ወይ ዘርክሲስ ቀዳማይ ንዝነበረ ናይ 18 ዓመት ታሪኽ እያ እትሽፍን። እዚ ህያው ዝዀነ ድራማዊ ትረኻ እዚ: የሆዋ ነገልገልቱ ሽሕኳ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ግዝኣት ፋሕ እንተበሉ: ከመይ ገይሩ ኻብ እኩይ ውዲት ጸላእቶም ኬድሕኖም ከም ዚኽእል ዘርኢ እዩ። ሎሚ እዚ ፍልጠት እዚ ንእምነት እቶም ኣብ 235 ሃገራት ኰይኖም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ዜደልድል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚርከብ ገጸ-ባህርያት: ክንስዕቦን ከነወግዶን ዘሎና ኣብነታት ዝሓቘፈ እዩ። እወ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

እታ ንግስቲ ኸተማልድ ነበራ

(ኣስቴር 1:1-5:14)

ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ብሳልሳይ ዓመት ንግስነቱ (493 ቅ.ክ.) ዓብዪ ምሳሕ ገበረ። እታ ብመልክዓ ውርይቲ ዝነበረት ንግስቲ ዋሽቲ: ብንጉስ ተጸልአት ካብ ንግስነታ ኸኣ ኣውረዳ። ኣብ ክንዳኣ ኸኣ ሓንቲ ኻብ ኵለን ምልኩዓት እታ ሃገር እተመርጸት ሃዳሳ ዝስማ ኣይሁዳዊት ተመርጸት። ነቲ ማርዶካይ ዚበሃል ወዲ ሓወቦኣ ዝሃባ መምርሒ ብምስዓብ ከኣ ኣይሁዳዊ መንነታ ሓቢኣ: ነቲ ኣስቴር ዚብል ፋርሳዊ ስማ ተጠቕመት።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ሃማን ዚበሃል ዕቡይ ሰብ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር መዓርግ ተዋህቦ። ሃማን: ማርዶካይ ‘ፍግም ኢሉ ስለ ዘይሰገደሉ’ ተቘጢዑ: ንዅሎም እቶም ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኬጽንቶም ውዲት ኣለመ። (ኣስቴር 3:2) ሃማን ንኣሓሽዌሮስ ምስኡ ኺሰማማዕ ኣእመኖ: ነዚ ጃምላዊ ቕትለት ንምፍጻም ከኣ ኣዋጅ ከም ዜውጽእ ገበሮ። ማርዶካይ ከኣ “ከሊ ተኸድነ: ኣብ ርእሱውን ሓመዅስቲ ነስነሰ።” (ኣስቴር 4:1) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስቴር ኢዳ ኸተእቱ ነበራ። ነቲ ንጉስን ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተርን ምሳሕ ዓደመቶም። ተሓጒሶም ምስ መጹ ኸኣ ንጽባሒቱ ኣብ እትገብሮ ኻልኣይ ምሳሕ ኪመጹ ለመነቶም። ሃማን ሽሕኳ እንተ ተሓጐሰ: ማርዶካይ ክብሪ ስለ ዘይሃቦ ግን ተቘጥዐ። ሃማን ንጽባሒቱ ቐቅድሚ እቲ ምሳሕ ንማርዶካይ ኬቕትሎ ውዲት ኣለመ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:3-5—እቲ ምሳሕ ክሳዕ 180 መዓልቲ ድዩ ጸኒሑ፧ እታ ጥቕሲ: እቲ ምሳሕ ንኽንድዚ ዚኣክል መዓልቲ ኸም ዝጸንሐ ዘይኰነስ: እቲ ንጉስ ነቶም ሰበ-ሰልጣን ሃብትን ክብረትን እቲ ብሉጽ ግርማ መንግስቱ ን180 መዓልቲ ኸም ዘርኣዮም እያ እትነግረና። ምናልባት እቲ ንጉስ ነዚ ነዊሕ መዓልትታት ዝወሰደ ኣኼባ: ግርማ መንግስቱ እናኣርኣየ ነቲ ዝሓንጸጾ መደብ ኪፍጽም ክእለት ከም ዘለዎ ብምእማን ንመሳፍንቱ ንምምሳጥ ተጠቒሙሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ ቍጽሪ 3ን 5ን ነቲ ኣብ መወዳእታ እተን 180 መዓልቲ እተገብረ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝጸንሐ ምሳሕ ዜመልክታ ኪዀና ይኽእላ እየን።

1:8‘እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ደኣ ኪኸውን እምበር: ንሓደ እኳ ኸም ዘይግድድ’ እተገብረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ: ካብቲ ኣብ ፋርስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽንድዚ ዚኣክል ስተ ኢሉ ግዲ ኺብሎ ዝነበረ ልምዲ እተፈልየ ስርዓት እዩ ኣውጺኡ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ: “ከም ድላዮም ብዙሕ ወይ ሒደት ኪሰትዩ ይኽእሉ ነበሩ።”

1:10-12—ንግስቲ ዋሽቲ ናብ ንጉስ ምምጻእ ዝኣበየት ስለምንታይ እያ፧ ገሊኦም ምሁራት: ንግስቲ ዋሽቲ ምእዛዝ ዝኣበየት: ኣብ ቅድሚ እቶም ዝሰተዩ ኣጋይሽ ንጉስ ርእሳ ኸይተዋርድ ኢላ ኸም ዝዀነት ርእይቶ ይህቡ። ወይ ከኣ ምናልባት እዛ ብደጊኣ ምልክዕቲ ዝነበረት ንግስቲ ተገዛኢት ኣይነበረትን ክትከውን ትኽእል እያ። እንታይ ዓይነት ውሽጣዊ ድራኸ ኸም ዝነበራ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነግረና እኳ እንተዀነ: እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ጠቢባን: ንበዓል ቤታ ዘይምእዛዛ ብቐሊሉ ዚሕለፍ ጕዳይ ከም ዘይኰነን እቲ ሕማቕ ኣብነታ ድማ ንዅለን እተን ኣብ ኣውራጃታት ፋርስ ዝነበራ ኣንስቲ ኺጸልወን ከም ዚኽእልን ተሰሚዕዎም ነበረ።

2:14-17ኣስቴር ምስቲ ንጉስ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ድያ፧ መልሱ ኣይፋልን እዩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚነግረና: እተን ናብ ንጉስ ዝመጻ ኻልኦት ኣንስቲ: ብጊሓት ናብታ ኻልአይቲ ቤት ይምለሳ ነበራ። እታ ኻልአይቲ ቤት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ንንጉስ “ሓላው ኣንስቲ ወሰኑ” ዝነበረ ስሉብ እያ ነይራ። ስለዚ: እተን ምስቲ ንጉስ ዝሓድራ ዝነበራ ኣንስቲ: ኣንስቲ ወሰኑ ዀና። ኣስቴር ግን ነቲ ንጉስ ምስ ረኣየቶ: ናብ ቤት ኣንስቲ ወሰን ኣይተወስደትን። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ቀረበት: “ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሓለፋ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት።” (ኣስቴር 2:17) ኣስቴር “ሞገስን ፍቕርን” ኣሕሽዌሮስ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ ካብቲ ኻብ ካልኦት ሞገስ ዝረኸበትሉ መገዲ እተፈልየ ኣይኰነን። “እታ ጓል ከኣ ኣብ ዓይኑ [ኣብ ዓይኒ ሄጋይ] ባህ ኣበለቶ: ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት።” (ኣስቴር 2:8, 9) ሄጋይ ንኣስቴር ትርኢታን ጽቡቕ ባህርያታን ብምዕዛብ እዩ ሞገስ ዝሃባ። ብተወሳኺውን: “ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረኣይዋ ዅላቶም ተፈትወት።” (ኣስቴር 2:15) እቲ ንጉስ እውን ብተመሳሳሊ በቲ ኣብ ኣስቴር ዝረኣዮ ባህርያት ስለ እተመሰጠ እዩ ፈትይዋ።

3:2፣ 5:9—ማርዶካይ ንሃማን ምስጋድ ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧ እስራኤላውያን ንሓደ ዝለዓለ ስልጣን እተዋህቦ ሰብ ብምስጋድ ቦታኡ ኸየኽብሩሉ ዚኽልክል ሕጊ ኣይነበሮምን። ጕዳይ ሃማን ግን እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሃማን እቲ ኣጋጋዊ: ኣማሌቃዊ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል: የሆዋ ኸኣ ንኣማሌቃውያን ኬጽንቶም መዲቡ ነበረ። (ዘዳግም 25:19) ስለዚ: ንማርዶካይ ኣብ ቅድሚ ሃማን ምስጋድ ማለት ንየሆዋ ዘይእሙን ምዃን ማለት ስለ ዝነበረ: ኣይሁዳዊ ምዃኑ ብምግላጽ: ምስጋድ ኣበየ።—ኣስቴር 3:3, 4 ትርጕም 1990

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:10, 20፣ 4:12-16 ኣስቴር ካብ ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ብሱል ሰብ እተዋህባ መምርሕን ምኽርን ተቐበለት። ንሕናውን ‘ንመራሕትና ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን’ ይግባእ።—እብራውያን 13:17

2:11፣ 4:5 ‘ነፍሲ ወከፍና ንብጻይና ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ዚሕሸና ኽንጥምት’ ኣይግባእን።—ፊልጲ 2:4

2:15 ኣስቴር ብጀካ እቲ ሄጋይ ዝበላ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ተወሳኺ ስልማትን ብሉጽ ክዳውንትን ብዘይምሕታት ትሕትናን ርእሰ-ግትኣትን ኣርእያ እያ። ሞገስ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ዝረኸበት “እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ስለ ዝነበራ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:4

2:21-23 ኣስቴርን ማርዶካይን ‘ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ንዘለዎም ተገዛእቲ’ ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎም።—ሮሜ 13:1

3:4 (ትርጕም 1990) ኣብ ገሊኡ ዅነታት ከምቲ ኣስቴር መንነታ ዘይነገረት: መንነትና ዘይምንጋር ጥበብ እዩ። ይኹን እምበር: ከም ምስ ልዑላውነት የሆዋን ንጽህናና ምስ ምሕላውን እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ጕዳያት ኣቕዋምና ኸነርኢ ምስ ዜድሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንምንጋር ክንፈርህ የብልናን።

4:3 ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ሓይልን ጥበብን ምእንቲ ኽንረክብ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ የድሊ።

4:6-8 ማርዶካይ ነቲ ሃማን ብውዲት ዝኣለሞ ዜስግእ ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ሕጋዊ መገዲ ደለየ።—ፊልጲ 1:7

4:14 እቲ ማርዶካይ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኣብነት ዚኸውን እዩ።

4:16 ኣስቴር ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ነቲ ሞት ኬስዕበላ ዚኽእል ኵነታት ብተኣማንነትን ብትብዓትን ተጋጠመቶ። ኣብ ርእስና ዘይኰነስ: ኣብ የሆዋ ኽንውከል የድሊ።

5:6-8 ኣስቴር ሞገስ ኣሓሽዌሮስ ንኽትረክብ ኢላ: ካልኣይ ምሳሕ ዓደመቶ። ብልሓት እያ ተጠቒማ: ንሕናውን ብልሓተኛታት ወይ ለባማት ክንከውን ኣሎና።—ምሳሌ 14:15

ምግልብባጥ

(ኣስቴር 6:1–10:3)

እቲ ነገር ምስ ተቐልዐ: እቲ ዅነታት ተገልበጠ። ሃማን ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ተሰቕለ: እቲ ኺስቀል ተሓሲቡ ዝነበረ ማርዶካይ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰነ። እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድከ፧ እዚውን ብዜደንጹ መገዲ ተገልቢጡ እዩ።

እታ እምንቲ ዝነበረት ኣስቴር እንደገና ብትብዓት ተጣበቐት። እቲ ሃማን ዝኣለሞ ውዲት ዚቕየረሉ መገዲ ኺፍጠር ንምልማን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበት። ኣሓሽዌሮስ እንታይ ኪግበር ከም ዝነበሮ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድማ እቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድ ዚፍጸመሉ መዓልቲ ምስ ኣኸለ: እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑስ: እቶም ኪጐድእዎም ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ተቐትሉ። ማርዶካይ ነዚ ዓብዪ ድሕነት እዚ ንምዝካር ዓመት ንዓመት በዓል ጱሪም ኪበዓል ሓገገ። እዚ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ካልኣዩ ዝነበረ ማርዶካይ: “ንህዝቡ ጽቡቕ ደለየ: ንዅላቶም ዘርኡ ደሓኖም ተዛረበ።”—ኣስቴር 10:3

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

7:4—ምጽናት ኣይሁድ ‘ንንጉስ ጕድኣት’ ዜምጽእ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ኣስቴር: ኣይሁድ ንባርነት ኪሽየጡ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ብሜላ ብምጥቃስ: ንሳቶም ብምጥፋኦም ነቲ ንጉስ ኬስዕበሉ ዚኽእል ጕድኣት ኣጕልሐት። እቲ ሃማን ንኣሓሽዌሮስ ኪህቦ እተመባጽዓሉ 10,000 ታለንት ብሩር: ምስቲ ንባርነት ኪሽየጡ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ እንተ ዚኸውን ኪርከብ ዚኽእል ዝነበረ ሃብቲ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። እቲ እተኣልመ ውዲት እንተ ዚፍጸም: እታ ንግስቲ እውን ምጠፍአት ነይራ።

7:8—እቶም ስሉባት ንሃማን ገጹ ዝሸፈንዎ ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ንውርደት ወይ ነቲ ዚወርዶ ጥፍኣት ንምምልካት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዚቕተሉ ርእሶም ይሽፍንዎም ነበሩ።”

8:17—‘ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ: ብዙሓት ኣይሁድ ዝዀኑ’ ከመይ ኢሎም እዮም፧ ሓያሎ ፋርሳውያን: እቲ እተቐየረ ኣዋጅ: ኣምላኽ ንኣይሁድ ሞገሱ ኸም ዝሃቦም ዜመልክት ገይሮም ስለ ዝወሰድዎ: ናብ ኣይሁድነት እተቐየሩ ጵሮሰሊት ኰይኖም እዮም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ዘካርያስ ዘሎ ትንቢት እውን ብመሰረት እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ዚፍጸም ዘሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም።”—ዘካርያስ 8:23

9:10, 15, 16—እቲ ሕጊ ምርኮ ኺዘርፉ ዜፍቅድ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ኣይሁድ ግን እዚ ኻብ ምግባር እተቘጠቡ ስለምንታይ እዮም፧ ምርኮ ዘይምዝራፎም: ዕላማኦም ርእሶም ንምድሓን ደኣ እምበር: ንምህብታም ከም ዘይኰነ ብንጹር ዜመልክት ነበረ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

6:6-10 “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።”—ምሳሌ 16:18

7:3, 4 ሽሕኳ መስጐጕቲ ኼስዕበልና ዚኽእል እንተዀነ: ብትብዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንገልጽ ዲና፧

8:3-6 ንሕናውን ካብ ጸላእቲ ንኽንዕቈብ ናብ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ናብ ኣብያተ-ፍርድን ክንጠርዕ ንኽእል ኢና: ክንጠርዕውን ኣሎና።

8:5 ኣስቴር ነቲ ህዝባ ንምጽናት እተኣልመ ውዲት ሓላፍነት እቲ ንጉስ ምዃኑ ብዘይምጥቃሳ ሜላ እያ ተጠቒማ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክንምስክረሎም ከለና ሜላ ኽንጥቀም ኣሎና።

9:22 ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ድኻታት ክንርስዖም ኣይግብኣናን።—ገላትያ 2:10

የሆዋ ‘ሓገዝን ሓርነትን’ ይህብ

ማርዶካይ: ኣስቴር ኣብ ቤተ-መንግስቲ ምእታዋ ዕላማ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓበረ። ኣይሁድ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ምስ ወደቑ: ሓገዝ ኪወሃቦም ጾሙን ጸለዩን። እታ ንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኸይተዓደመት ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበት: ሞገሱ ኸኣ ረኸበት። እቲ ንጉስ ኣብታ ኣገዳሲት ለይቲ ኸይደቀሰ ሓደረ። እወ: መጽሓፍ ኣስቴር: የሆዋ ንጥቕሚ ህዝቡ ኢሉ ንዅነታት ከም ዚቐያይሮ ዚገልጽ ታሪኽ ዝሓዘት እያ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚርከብ ዚምስጥ ጸብጻብ: ብፍላይ ነቶም ኣብ “ዘመን መወዳእታ” እንነብር ሰባት ፍሉይ መተባብዒ ዚህበና እዩ። (ዳንኤል 12:4) “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት:” ወይ ኣብ መወዳእታ ጎግ ማጎግ ማለት ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ብዘለዎ ሓይሊ ጥቕዓት ኬውርድ እዩ። ዕላማኡ ኸኣ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምሉእ ብምሉእ ንምጽናት እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኸምቲ ብግዜ ኣስቴር ዝገበሮ: ንኣምለኽቱ ‘ሓገዝን ሓርነትን’ ኪህቦም እዩ።—ህዝቅኤል 38:16-23፣ ኣስቴር 4:14

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣስቴርን ማርዶካይን ኣብ ቅድሚ ኣሓሽዌሮስ