ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልውኻ ትደሊዶ፧

ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልውኻ ትደሊዶ፧

ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልውኻ ትደሊዶ፧

መብዛሕትኦም ሰባት ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልውዎም ይደልዩ እዮም። ነቶም ናይ ማሕርሮ ብጾትካ ተመክሮኻ ምንጋር ንህይወትካ ዜበልጽግ እዩ። ናይ ሓቂ ዕርክነት ክትረክብ እትኽእል ግን ብኸመይ ኢኻ፧ የሱስ ኣብ ርክባት ደቅሰብ እታ ቐንዲ ኣገዳሲት ነገር: ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ምዃና ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ተዛሪቡ ነበረ። “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ ድማ መሃረ። (ሉቃስ 6:31) እዛ መብዛሕትኡ እዋን ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ እትፍለጥ: ኣዕሩኽ ክትረክብ እንተ ደሊኻ: ዘይስሱዕን ለጋስን ክትከውን ከም ዘሎካ እያ እተርኢ። ብሓጺሩ: ዓርኪ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ: ንስኻውን ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ። ብኸመይ፧

ጥብቅን ምውቕን ዕርክነት ብሃንደበት ኪምዕብል ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ: ኣዕሩኽ ካብቶም ሌላ ዘሎካ ሰባት ንላዕሊ እዮም። ምሳታቶም ስምዒታዊ ምትእስሳር ይህልወካ እዩ። ድልዱል ማእሰር ንኸተማዕብልን ዓቂብካዮ ንኽትጸንሕን ድማ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ዕርክነት ካብ ጥቕሚ ርእስኻ ንጥቕሚ ብጻይካ ቐዳምነት ምሃብ እዩ ዝሓትት። ኣዕሩኽ ተኻፈልቲ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰኑስ: ኣብቲ ጓሂኻ እውን ሓቢሮምኻ ይካፈሉ እዮም።

ናይ ሓቂ ዕርክነት ነቶም ዜድልዮም ሰባት ስምዒታውን ግብራውን ደገፍ ብምሃብ እውን ከተርኢ ይከኣል እዩ። ምሳሌ 17:17 “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ትብል። አረ ሓድሓደ ግዜስ ማእሰር ዕርክነት ካብ ዝምድና ስድራቤት ንላዕሊ ዚድልድለሉ እዋናት ኣሎ። ምሳሌ 18:24 “ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ: ግናኸ ኻብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ብምባል ተዘኻኽር። ከመይ ጌርካ ትርጕም ዘለዎ ዕርክነት ከተማዕብል ከም እትኽእል ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ሓደ ኻብቶም ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ዘለዎም ጕጅለ ሰባት ክትከውን ትደሊዶ፧ (ዮሃንስ 13:35) ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከመይ ጌርካ ኽትረክብ ከም እትኽእል ተሓጕሶም ኬርእዩኻ ይኽእሉ እዮም።