ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ምግልጋል

ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ምግልጋል

ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ምግልጋል

ሃዋርያ ዮሃንስ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ራእይ 14:6) ከም ፍጻመ እዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ። ሓያሎ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ ኸኣ በቶም ካብ ሃገሮም ርሒቖም ዚነብሩ ስደተኛታት ዚዝረብ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እውን ካብቶም ካልእ ቋንቋ እተማህሩ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት ይሰምዑ ኣለዉ።

ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዲኻ፧ ወይስ ኣብ ዚመጽእ ምስኣቶም ሓቢርካ ኸተገልግል ትሓስብ ኢኻ ዘለኻ፧ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ንኽትዕወት: ስስዐ ዘይብሉ ድራኸን ግቡእ ኣተሓሳስባን ኪህልወካ ኣለዎ። ዕላማኻ: ካልኦት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንኺመሃሩ ኽትሕግዞም ስለ ዝዀነ: ንኣምላኽን ንብጾትካን ምፍቃር ዚብል ካብ ኵሉ ዝሓሸ ቕኑዕ ድራኸ እዩ ዘሎካ። (ማቴዎስ 23:37-39፣ 1 ቈረንቶስ 13:1) ዝያዳ ድራኸ ኼሕድረልና ዚኽእል: ካልእ ዜግነት ወይ መበቈል ዘለዎም ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጡ ኽንሕግዞም ዚብል ባህጊ ደኣ እምበር: ምሕዝነቶምን ምግቦምን ባህሎምን ንምስትምቓር ዚብል ባህጊ ኣይኰነን። ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ኢልካ ኽትሓስብ ከለኻ የፍርሃካ ድዩ፧ ዜፍርሃካ እንተደኣ ዀይኑ: ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ምሕዳር እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል። ጀምስ እተባህለ ቛንቋ ጃፓን እተማህረ ሰብ “በቲ ቛንቋ ኣይትፍራህ” በለ። ሓያሎ ቕድሜኻ ዝነበሩ ኻልኦት ከም እተዓወቱ ምፍላጥካ: ንኽትጸንዕን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኸተማዕብልን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከመይ ጌርካ ደኣ ኢኻ እሞ ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር እትኽእል፧ ኵነታትካ ምስ ኵነታት እታ ነቲ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ንኸተተዓራሪ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብመንፈስ ድልዱል ኴንካ ንኽትቅጽልከ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ምስ ቋንቋ ምቅላስ

ቋንቋ ኽትመሃረሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ተመሃሮን መምህራንን ዚመርጹሉ ኣገባብ ኣመሃህራ ይፈላለ እዩ። ብሓደ ብቑዕ መምህር እተወሰነ ትምህርቲ ምክትታል ግን መብዛሕትኦም ተመሃሮ ብዝቐልጠፈን ብዝቐለለን መገዲ ኺመሃሩሉ ዚኽእሉ ኣገባብ እዩ። በቲ ሓድሽ ቋንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ምንባብ ከምኡውን ክትረኽቦ እተኽእል ኣብ ካሴት እተቐርጸ ድምጺ ምስማዕ ቃላትካ ንኸተማዕብልን ብዛዕባ ቲኦክራስያዊ ስያመታት ዘሎካ ፍልጠት ንኸተስፍሕን ኪሕግዘካ እዩ። ጥዑይ ናይ ረድዮን ቲቪን ቪድዮን መደባት ምክትታል እውን ምስቲ ቛንቋን ባህልን ንኽትላለ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጠን እቲ ኣብ ትምህርቲ ኸተሕልፎ ዘሎካ ግዜ ኸኣ: ኣብ ክንዲ ስሕት እናበልካ ጥራይ ነዊሕ ትምህርቲ ምውሳድ መዓልቲ መዓልቲ ሒደት ትምህርቲ ምቕሳም ዝያዳ ኣሳልጦ ኣለዎ።

ቋንቋ ኽትመሃር ከለኻ እትሓልፎ መስርሕ: ልክዕ ምሕንባስ ክትመሃር ከለኻ ምስ እትሓልፎ መስርሕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ብምንባብ ጥራይ ክትመሃሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብቲ ማይ ኣቲኻ ጨብረቕረቕ ክትብል ኣሎካ። ቋንቋ ኽትመሃር እውን ከምኡ እዩ። ብመጽናዕቲ ጥራይ ክትመሃሮ ኣጸጋሚ እዩ። ብእተኻእለ መጠን ምስ ሰባት ኴንካ ኽትጥቀመሉ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ኪዛረቡ ኸለዉ ኽትሰምዖም: ክትቀርቦም: ብእተኻእለ መጠን ከኣ ክትዛረበሉ ኣሎካ ማለት እዩ። እዚ ንምግባር ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምሹእ ኣጋጣሚታት ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ እተማሃርካዮ ብኡንብኡ ኣብ ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ቻይንኛ እትመሃር ዘላ ሚዶሪ ኸምዚ ትብል:- “ዜፍርህ ዀይኑ ኺርኣየካ ይኽእል እዩ: ይኹን እምበር: ሰብ ቤት ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቕና ንጽዕር ከም ዘለና ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ንኺሰምዑና ኺድርኾም ይኽእል እዩ። ብቛንቋኦም ‘ሰላም: ደሓንዶ ውዒልኩም’ ጥራይ ምስ እንብሎም: ገጾም ይበርህ።”

ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ብዙሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እንተ ወሓደ ሓንሳእ መልሲ ኽትህብ ፈትን። ኣብቲ መጀመርታ ዜፍርህ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ ኣይትጨነቕ። እታ ጉባኤ ኽትዕወት እያ እትደልየካ! ኮሪያኛ እተጽንዕ ዘላ ሞኒፋ ኸምዚ ትብል:- “ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢላ ናይ ገሊኡ ቓላት ትርጕም ስለ እትጽሕፈለይ: ኣዝየ ኸመስግና እፈቱ። እቲ ኻብ ልብን ብትዕግስትን እትገብረለይ ደገፍ ብሓቂ እዩ ሓጊዙኒ።” ብዙሕ ቃላት ብዝፈለጥካ መጠን: በቲ ሓድሽ ቋንቋ ኽትሓስብ ትጅምር: እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቃል ብኣእምሮኻ ኣብ ክንዲ እትትርጕሞ ብቐጥታ ምስቲ ዚውክሎ ነገር ተተሓሕዞ ማለት እዩ።

ምስ ቋንቋ እተተሓሓዘ ናይ መጀመርታ ሸቶኻ ‘ከም ዚስትውዓል ጌርካ ምዝራብ’ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 14:8-11) ሽሕኳ ሰባት ጸገምካ ዚርድኡልካ እንተዀኑ: ጌጋታት ወይ ከኣ ፍልይ ዝበለ ኣደማምጻ ነቲ መልእኽትኻ ብዚግባእ ንኸይሰምዕዎ ዕቅንፋት ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ ግቡእ ኣደማምጻን ቅኑዕ ሰዋስውን ምስ እተማዕብል ዳሕራይ ንኸተወግዶ ዜጸግም ሕማቕ ኣመላት ንኸይተጥሪ ይሕግዘካ። ስዋሂሊ እተማህረ ማርክ: “ነቶም ንፉዓት ተዛረብቲ ነቲ ርኡይ ጌጋታትካ ኺእርሙኻ ሕተቶም: ምስ ኣረሙኻ ኸኣ ኣመስግኖም” ይብል። ምስናይዚ ግን ነቶም በዚ መገዲ እዚ ዚሕግዙኻ ሰባት ንግዜኦምን ሓይሎምን ሕለየሎም። መደረን ሓሳባትን ከተቕርብ ከለኻ ኣቐዲምካ ሓደ ሰብ ኪርእየልካ ኽትሓትት ግቡእ እኳ እንተዀነ: በቲ ድሮ ዘጽናዕካዮ ወይ ካብ መዝገበ-ቓላት ዝረኸብካዮ ቓላት ተጠቒምካ ባዕልኻ ኽትዳሎ ጻዕሪ ግበር። ከምዚ ምግባርካ ንትምህርትኻ ኼቀላጥፎ: ብምትእምማን ንኽትዛረብ ከኣ ኪሕግዘካ እዩ።

ዕቤት ግበር

ሞኒፋ ኸምዚ ትብል:- “ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝፈተንክዎ እቲ ዝኸበደ ዕዮ ኻልእ ቋንቋ ኽመሃር ዝገበርክዎ ጻዕሪ እዩ። ከቋርጽ ዝሓሰብኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: እታ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኣነ ዝጥቀመሉ ቐሊል ኮሪያኛ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቂ ንምስማዕ ዝነበራ ባህጊ ኸምኡውን ቍሩብ ምዕባለ እውን ይኹን ከርኢ ኸለኹ እቶም ኣሕዋት ዜንጸባርቕዎ ዝነበሩ ሓጐስ እዝክር።” ንስኻ እውን ብቐሊሉ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ዕላማኻ ነቲ ህይወት ዚህብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንኻልኦት ምምሃር እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:10) ብኻልእ ቋንቋ ጌርካ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምህር ኢልካ ነቲ ቛንቋ ኽትመሃር እምበኣር: ናይ ነዊሕ እዋን ጻዕርን ዘይምሕላልን ይሓትት። እናወሰኽካ ኽትከይድ ከለኻ ንገዛእ ርእስኻ ብኣሉታዊ መገዲ ምስ ካልኦት ብምውድዳር ዕቤትካ ኽትልክዕ ኣይትፈትን። እቶም ሓድሽ ቋንቋ ዚመሃሩ ሰባት ብእተፈላለየ መጠንን ብእተፈላለየ መገድታትን እዮም ዕቤት ዚገብሩ። ይኹን እምበር: ክሳዕ ክንደይ ዕቤት ከም ዝገበርካ ምፍላጥካ ጠቓሚ እዩ። (ገላትያ 6:4) ቻይንኛ እተማህረ ጁን ከምዚ በለ:- “ቋንቋ ኽትመሃር ከለኻ እትሓልፎ መስርሕ ምስ መሳልል ምድያብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ትመሓየሽ ከም ዘሎኻ ዀይኑ እኳ እንተ ዘይተሰምዓካ: በጋጣሚ ግን ዕቤት ከም ዝገበርካ ትግንዘብ።”

ሓድሽ ቋንቋ ምልማድ ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ዕዮ እዩ። ስለዚ: ባህ ይበልካ: ፍጽምና ኸኣ ኣይትጸበ። (መዝሙር 100:2) ምግጋይ ዘይተርፍ እዩ። ክፍሊ እቲ ትምህርቲ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ኢጣልያ ስብከት ምስ ጀመረ: ንሓደ በዓል ቤት “ዕላማ ህይወት” እብል ኣለኹ ኢሉ: “መዀስተር ህይወት ትፈልጦዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። ፖላንድኛ ኺመሃር ዝጀመረ ናይ የሆዋ ምስክር ንጉባኤኡ መዝሙር እብል ኣለኹ ኢሉ ከልቢ ኺዝምሩ ዓደሞም። ሓደ ቻይንኛ ዜጽንዕ ዘሎ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ንሰማዕቱ ኣብ ክንዲ ኣብ በጃ ኣብ ከብሒ የሱስ እምነት ኪገብሩ ተማሕጸኖም። እትገብሮ ጌጋታት ዘለዎ ጥቕሚ ግን ካብኡ ንደሓር እቲ ቕኑዕ ስያመ እንታይ ምዃኑ ዘይትርስዖ ምዃንካ እዩ።

ምስ ጉባኤ ምትሕብባር

ሰባት ብቛንቋ ጥራይ ኣይኰኑን ዚፈላለዩ። ብዝያዳ እኳ ደኣ ደቅሰብ ብባህሊ: ብዓሌት: ከምኡውን ብሃገር እዮም ዚፈላለዩ። ይኹን እምበር: እዚ ሓጹር እዚ ኺስገር ዘይክእል ኣይኰነን። ኣብ ኣውሮጳ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዚጥቀማሉ ቛንቋ ቻይና ዜጽንዕ ሓደ ምሁር: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሃገር ዚቕየዱ ኸም ዘይኰኑ ገለጸ። ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ዓሌታዊ ፍልልይ ቦታ ኸም ዘይብሉ: ቋንቋ ድማ ቃል ኣምላኽ ንምርዳእ ዚሕግዝ መሳርሒ ኻብ ምዃን ሓሊፉ ንኻልእ ከም ዘየገልግል” ገለጸ። እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ሃገራዊ ምፍልላያት ኪሰግሩ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብቶም “ሓድሽ ሰብ” ዝለበሱ ሰባት ‘ጽርኣውን ኣይሁዳውን ባርባርን የልቦን።’—ቈሎሴ 3:10, 11

ስለዚ: ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓድነት ንምድልዳል ኪጽዕሩ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ሓድሽ ኣገባብ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ተግባራትን ንምቕባል ነእምሮኻን ልብኻን ክፉት ምግባሩ ዚሓትት እዩ። ንናይ ብሕቲ ምርጫታት ዕሽሽ ብምባል ሃገራዊ ምፍልላያት ናብ ምክፍፋል ንኸይመርሕ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 1:10፣ 9:19-23) ነቲ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ክትመሃረሉ ጽዓር። ጽቡቕ ርክብን ናይ ሓቂ ሓድነትን ኪህሉ ዚኽእል ስስዐ ብዘይብሉ ፍቕሪ ምዃኑ ዘክር።

መብዛሕትአን ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚጥቀማ ጉባኤታት ብንኣሽቱ ጕጅለታት ዚጅምራ ዀይነን: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ዚመሃሩ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣብ ቀረባ እዋን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ዝጀመሩ ሒደት ሓደስቲ ሰባትን ዝሓቘፋ እየን። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ምስቲ ኣብተን ድልዱል መሰረት ዘለወን ዓበይቲ ጉባኤታት ኬጋጥም ዚኽእል ዘይምርድዳእ ኪወዳደር ከሎ ብዝያዳ ኣብ ከምዚአን ዝኣመሰላ ጕጅለታት ብቐሊሉ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ስለዚ: ብሱላት ክርስትያናት ኣብታ ጉባኤ ርጉእ ኵነታት ንምፍጣር ጽልዋ ንምግባር ኪጽዕሩ ይግባእ። ሓደስቲ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩሉ ዚኽእሉ ጥዑይ ሃዋሁ ንምፍጣር ብቓልን ብግብርን ፍቕርን ሕያውነትን ምንጽብራቕ የድሊ።

እቶም ፍቓደኛታት ኰይኖም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኣብ እትጥቅም ጉባኤ ዜገልግሉ ኣሕዋት ካብ ካልኦት ኣብ ዚጽበይዎ ነገራት ሚዛናውያን ኪዀኑ ይግባእ። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጉባኤ ዜገልግል ሪክ ዚበሃል ሽማግለ ኸምዚ ብምባል ይግልጽ:- “እቶም ኣብዛ ጉባኤ ዘለዉ ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ እቶም ናይዛ ሃገር ቋንቋ ኣብ ዚጥቀማ ጉባኤታት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚረኸብዎ ግቡእ ምምሕዳራዊ ስልጠና ዘይረኸቡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ጕድለቶም መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘርእይዎ ፍቕርን ውዕዉዕ ስምዒትን ይሽፈን እዩ። ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ከኣ ናብ ሓቂ ይመጹ ኣለዉ።” ምስ ጉባኤ ዅሉ ሳዕ ሓቢርካ ብምግልጋልን ብእተኻእለካ መጠን ከኣ ሓገዝካ ብምብርካትን: ነቲ ሓድሽ ቋንቋ እናተመሃርካ ብሓቂ ንጉባኤ ኽትጠቅም ትኽእል ኢኻ። ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሓቢሮም ብምዕያይ ንመንፈሳዊ ዕቤት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

መንፈሳዊ ሓይልኻ ምዕቃብ

ኣብ ሓንቲ ናይ ወጻኢ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ዚርከብ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር ሓድሽ ዝዀነ ሓው: ሓንቲ ኣደ ንወዳ ሓሳባት ከተዳልዎ ኸላ ይሰምዓ ነበረ። ወዳ: “ማማ ኻብዚ ኺሓጽርዶ ኣይክእልን፧” በላ፣ ንሳ ግን “ኣይፋልን ዝወደይ: እቲ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ነቶም ቋንቋ ዚመሃሩ ኽንገድፈሎም ይግባእ” በለቶ።

ሓደ ዓብዪ ሰብ: ንኣዋርሕ አረ ንዓመታት እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ገይሩ ኺዘራረብ ዘይምኽኣሉ ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መገዲ ኺህሰ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ስጳንኛ ጽቡቕ ገይራ እትዛረብ ዘላ ጃኔት ናይ ቅድም ዘኪራ ኽትዛረብ ከላ: “በቲ ድሩት ዓቕመይ ብቐሊሉ እበሳጮ ነበርኩ” ትብል። እንግሊዝኛ እተማህረት ሂሮኮ ‘ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ኣኽላባትን ደማሙን እኳ እንግሊዝኛ ኻባይ ንላዕሊ ይርድኦም’ ኢላ ትሓስብ ከም ዝነበረ ትዝክር። ካቲ ኸምዚ ትብል:- “ናብ ጉባኤ ስጳንኛ ምስ ቀየርኩ: ካብቲ ዝመርሖ ዝነበርኩ ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበረኒ ብተመላሊስካ ምብጻሕ ዝመልአ መዘኻኸሪ ጽሑፍን ናብ ዜሮ እየ ወሪደ። ቍም ነገር ዘይብለይ ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ።”

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከኣ እዩ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸተሕድር ዜድሊ። ሂሮኮ ተስፋ ኽትቈርጽ ከላ: “ካልኦት ክመልክዎ ኻብ ከኣሉ: ኣነ እውን ክመልኮ እኽእል እየ” ትብል ነበረት። ካቲ ኸኣ ከምዚ ትብል:- “ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ምዕብልና ዚገብር: ኣብ ጉባኤ ኸኣ ብዙሕ ዕዮ ዚዓዪ ዘሎ ብዓል ቤተይ ሓሰብኩ። እዚ ድማ ሓቦ ኽገብር ሓጊዙኒ እዩ። ብዙሕ ጻዕሪ ምግባር ዚሓትት እኳ እንተዀነ: በብቝሩብ ግን ናይ ምስባኽን ምምሃርን ክእለት አጥሪ ኣለኹ: በዚ ኸኣ እሕጐስ ኣለኹ።” ጀፍ ሰብኣያ ድማ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ኣብ ምልክታ ይኹን ኣብ ናይ ሽማግለታት ኣኼባ ዚቐርብ ሓሳባት ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ዘይምኽኣል ተስፋ ኬቝርጽ ይኽእል እዩ። ብቕንዕና ትሕት ኢለ: ሓንቲ ብሓንቲ ኺግለጸለይ ክሓትት ኣሎኒ: እቶም ኣሕዋት ከኣ ተሓጒሶም እዮም ዜረድኡኒ።”

ምስ ሓንቲ ናይ ወጻኢ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ዄንካ ኸተገልግል ከለኻ: ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ ተገንዚብካ’ ንመንፈሳዊ ጥዕናኻ ቐዳምነት ካብ ምሃብ ክትቍጠብ የብልካን። (ማቴዎስ 5:3 NW) ንሓያሎ ዓመታት ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ዚነብሩሉ ኸባቢ ዘገልገለ ካዙዩኪ ኸምዚ ይብል:- “እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና: ከነጽንዕን ንኣኼባታት ክንዳሎን ከለና ብቛንቋናን ብፖርቱጋልኛን እንጥቀም።” ገሊኣቶም ስሕት እናበሉ ኣብቲ ብቛንቋኦም ዚካየድ ኣኼባታት ይካፈሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ ጠቓሚ እዩ።—ማርቆስ 6:31

ኣቐዲምካ ምጽብጻብ

ናብ ሓንቲ ኻልእ ቋንቋ እትጥቀም ጉባኤ ኽትከይድ ትሓስብ እንተደኣ ኣሊኻ: ኣቐዲምካ ምጽብጻብ ኬድልየካ እዩ። (ሉቃስ 14:28) ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣጸቢቕካ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ጕዳይ: መንፈሳውነትካን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብን እዩ። ኵነታትካ ብጸሎት ሕሰበሉ። ብዛዕባ መጻምድትኻን ደቅኻን ሕሰብ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ነዚ ነዊሕ ግዜ ዚወስድ መደብ ንኽጅምሮ ዅነታተይ ይፈቕደለይ ድዩ፧ መንፈሳውን ስምዒታውን ሓይሊኸ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልካ ተወከስ። ንመንፈሳውነትካን ንመንፈሳውነት ስድራኻን ዚጠቅም ነገር ምሕሳብካ መገዲ ጥበብ እዩ። ከም ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ኣብ እተገልግለሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮን ብዙሕ ዚዕጸድ ሓጐስን ኣሎ።

እቶም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ኼገልግሉ ዚኽእሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎም። ምስ ሰብኣያ ናብ ሓንቲ ስጳንኛ እትጥቀም ጉባኤ ዝቐየረት ባርባራ: “እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ዜሐጕስ ተመክሮታት እዩ: እንደገና ናብ ሓቂ ዝመጻእኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ብፍላይ ድማ ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ካልእ ሃገር ከነገልግል ስለ ዘይንኽእል: እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምርካበይ ኣዝየ እየ ዘመስግን።”

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ እተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ተራ ሰባት: ብስራት ንምስፋሕ ኢሎም: ንዜስዕቦ ጸገማት ተቐቢሎም ካልእ ቋንቋ ይመሃሩ ኣለዉ። ንስኻውን ሓደ ኻባታቶም እንተደኣ ዄንካ: ቅኑዕ ድራኸን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ይሃሉኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ጻዕርታትካ ንኺባርኾ ኣብ የሆዋ ተወከል።—2 ቈረንቶስ 4:7

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብሓደ ብቑዕ መምህር እተወሰነ ትምህርቲ ቛንቋ ምክትታል ብዝቐልጠፈን ብዝቐለለን መገዲ ኽትመሃረሉ እትኽእል ኣገባብ እዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኽትመሃር ከለኻ ንመንፈሳዊ ጥዕናኻ ዕሽሽ ክትብሎ የብልካን