ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ እንኮ ፍታሕ

እቲ እንኮ ፍታሕ

እቲ እንኮ ፍታሕ

ኣልኣዛር ዚበሃል ሰብኣይን ማርታን ማርያምን ዚበሃላ ኣሓቱን: ካብ የሩሳሌም ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቢታንያ እትበሃል ከተማ ይነብሩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ እቲ ዓርኮም ዝነበረ የሱስ ኣብ ዘይብሉ ኣልኣዛር ብርቱዕ ሕማም ሓመመ። ኣሕዋቱ ኣዝየን ስለ እተሻቐላ: ናብ የሱስ መልእኽቲ ሰደዳ። የሱስ እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሖ: ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ንኣልኣዛር ኪርእዮ ኸደ። ኣብ መገዲ ኸለዉ ንደቀ መዛሙርቱ ንኣልኣዛር ካብ ድቃሱ ኼተንስኦ ይኸይድ ምህላዉ ነገሮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ስለ ዘይተረድኦም ከኣ “ኣልኣዛር ሞይቱ” ኢሉ ብግህዶ ነገሮም።—ዮሃንስ 11:1-14

የሱስ ናብቲ መቓብር ምስ በጽሐ: ንመእተዊ እቲ መቓብር ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ኼልዕልዎ ኣዘዘ። ዓው ኢሉ ድሕሪ ምጽላይ ከኣ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ። ኣልኣዛር ከኣ ወጸ። እቲ ነርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብኣይ ተንስአ።—ዮሃንስ 11:38-44

እዚ ብዛዕባ ኣልኣዛር ዚገልጽ ጸብጻብ: ትንሳኤ ርጉጽ ፍታሕ ሞት ከም ዝዀነ ዜርኢ እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ንኣልኣዛር እንደገና ህያው ብዛዕባ ምግባር ዚገልጽ ተኣምር ብሓቂ ተፈጺሙ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብሓቂ እተፈጸመ ምዃኑ እዩ ዚገልጸልና። ነቲ ኣብ ዮሃንስ 11:1-44 ዚርከብ ጸብጻብ ምስ እተንብቦ: እቲ ዝርዝር ከመይ ንጹር ከም ዝዀነ ኽትርኢ ኢኻ። እዚ ኣይተፈጸመን ኢልካ ትሓስብ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ሓሲብካ: ሓቅነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ተኣምራት: ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ ንኸተእቱ ምኽንያት ይዀነካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ: እምነትኩም ከንቱ እያ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:17) ትንሳኤ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ እተመስረተ መሰረታዊ ትምህርቲ እዩ። (እብራውያን 6:1, 2) እሞ ደኣ እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧

“ትንሳኤ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል 40 ግዜ ተጠቒሳ ትርከብ። እዛ ቓል እዚኣ ኻብታ “እንደገና ምትንሳእ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል እያ ተወሲዳ። ብእብራይስጢ ኸኣ “ካብ ሞት ምምላስ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሓደ ሰብ ምስ ሞተ: እንታዩ እዩ ዚትንስእ፧ ነቲ ዝመሽመሸን ናብ ሓመድ ምድሪ እተመልሰን ስጋኡ ሒዙ ኺትንስእ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዝሞተ ሰብ ባዕሉ እምበር እቲ ዝነበሮ ኣካል ኣይኰነን ዚትንስእ። ስለዚ: ትንሳኤ ንሓደ ሰብ እንደገና ህያው ምግባር ማለት ንባህርያቱ: ታሪኹ: ከምኡውን ንመንነቱ ዚምልከት ዝርዝራት: ናብ ዝነበሮ ምምላስ የጠቓልል።

እቲ ፍጹም ናይ ምዝካር ክእለት ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ ሰብ ዝርዝር ነገራት ምዝካር ኣየጸግሞን እዩ። (ኢሳይያስ 40:26) የሆዋ ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ ነቲ ሰብ ሓድሽ ስጋ ብምሃብ ኬተንስኦ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 36:9) ብተወሳኺ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ከም ‘ዚናፍቕ’ ማለት ሃረር ከም ዚብል ይገልጽ። (እዮብ 14:14, 15) የሆዋ ንሓደ ሰብ እንደገና ህያው ንምግባር ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ: ድሌት እውን ከም ዘለዎ ምፍላጥስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ!

የሱስ ክርስቶስ እውን ምዉታት ኣብ ምትንሳእ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። የሱስ ኣገልግሎቱ ኻብ ዚጅምር ሓደ ዓመት ኣቢሉ: “ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም: ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 5:21) ናይ ኣልኣዛር ተመክሮ የሱስ ክርስቶስ ምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ዀነ ድሌት ከም ዘለዎ ዜርኢዶ ኸይኰነ፧

እቲ ድሕሪ ሞት ብህይወት ዚነብር ነገር ኣብ ውሽጥና ኣሎ ዚብል ኣተሓሳስባኸ ቕኑዕ ድዩ፧ ትምህርቲ ትንሳኤን እቲ ነፍሲ ወይ መንፈስ ሰብ ኣይትመውትን እያ ዚብል ትምህርትን ፈጺሙ ዘይሰማማዕ እዩ። ድሕሪ ሞት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ነገር ብህይወት ዚነብር እንተ ዀይኑ: ትንሳኤ ንምንታይ የድሊ፧ ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር: ሓዋ ምስ ሞተ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብህይወት ኪቕጽል እዩ ዚብል እምነት ኣይነበራን። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ትንሳኤ እዩ እምነት ነይርዋ። የሱስ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ምስ በላ: “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። (ዮሃንስ 11:23, 24) ኣልኣዛር እውን ምስ ተንስአ: ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዋላ ሓንቲ ኣየዘንተወን። ሞይቱ እዩ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር ደቅሰብ] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ይብል።—መክብብ 9:5, 10

ስለዚ እምበኣር ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንኮ ፍታሕ ሞት: ትንሳኤ እዩ። እንተዀነ ግን: ካብዞም ኵሎም ዝሞቱ ሰባት መን እዮም ኪትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪትንስኡ፧

መን እዮም ኪትንስኡ፧

የሱስ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” NW] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) በዚ መብጽዓ መሰረት እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ: ማለት ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ: ኪትንስኡ እዮም። ‘ካብ ኵሎም እቶም ዝሞቱ: ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኰይኖም ትንሳኤ ዚጽበዩ ዘለዉ መን እዮም፧’ ዚብል ሕቶ ይለዓል ይኸውን።

ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ምዕራፍ 11: ዝርዝር ስማት እቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልገሉ ሰብኡትን ኣንስትን ይርከብ። ንሳቶምን እቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን: ካብ መንጎ እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ እዮም። ምናልባት ብሰንኪ ዘይምፍላጥ ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘይሓለዉ ሰባትከ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ድዮም፧ እወ: ብዙሓት ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ: ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ይኹን እምበር: ኵሉ ዝሞተ ሰብ ትንሳኤ ኣይረክብን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና: ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና: ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርዲ . . . ኪኸውን እዩ እምበር: ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ይብል። (እብራውያን 10:26, 27) ገሊኦም ይቕረታ ዘይግበረሉ ሓጢኣት ይፍጽሙ እዮም። እዚኣቶም ኣብ ሃደስ (መቓብር ደቅሰብ) ዘይኰነስ: ኣብቲ ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዜመልክት ገሃነም እዮም ዘለዉ። (ማቴዎስ 23:33) እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኪትንስእ እዩ ወይ ኣይትንስእን እዩ ኢልና ኸይንፈርድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከመይሲ: ኣምላኽ እዩ ዚፈርድ። መን ኣብ ሃደስ መን ኣብ ገሃነም ከም ዘሎ ንሱ እዩ ዚፈልጥ። ንሕና ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዕና ኽንነብር ጥራይ እዩ ዚግብኣና።

ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ መን እዮም፧

ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝበለጸ እዩ። ምኽንያቱ “ብስጋ ሞተ: ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” (1 ጴጥሮስ 3:18) ቅድሚኡ ዋላ ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ትንሳኤ ኣይረኸበን። የሱስ ባዕሉ እውን “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ: ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 3:13) እወ: ንመጀመርታ ግዜ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ዝተንስአ እዚ ወዲ ሰብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:23) ብድሕሪኡ ኻልኦት እውን መንፈሳዊ ፍጡራን ኰይኖም ተንሲኦም እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት “ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፣ ክርስቶስ ከም በዅሪ: ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:23

ንእሽቶ ጕጅለ ሰባት: ማለት “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ” ንእተፈልየ ዕላማ ሰማያዊ ትንሳኤ ኺረኽቡ እዮም። (ሮሜ 6:5) ምስ ክርስቶስ ‘ኣብ ምድሪ ኺነግሱ እዮም።’ (ራእይ 5:9, 10) ብተወሳኺ ድማ ንሳዕቤን እቲ ብሰሪ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ናብ ደቅሰብ ዝሓለፈ ሓጢኣት ንምልጋስ: ካህናት ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም። (ሮሜ 5:12) ቍጽሪ እዞም ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ 144,000 እዩ። (ራእይ 14:1, 3) እዚኣቶም ኪትንስኡ ኸለዉ እንታይ ዓይነት ኣካል እዩ ዚወሃቦም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈሳዊ ስጋ” ይብል። እዚ ድማ ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ የኽእሎም።—1 ቈረንቶስ 15:35, 38, 42-45

ሰማያዊ ትንሳኤ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ 1 ቈረንቶስ 15:23 “ብምጽኣቱ” ወይ “ብግዜ ህላወ [ክርስቶስ]” (NW) ከም ዚፍጸም ትገልጽ። ካብ 1914 ንነጀው ዘሎ ፍጻመታት ዓለም: ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ምሳና ምህላዉን “መወዳእታ ዓለም” ከም ዝጀመረን ብግልጺ ዜርኢ እዩ። (ማቴዎስ 24:3-7) እምበኣር ዋላኳ ብዓይኒ ሰባት ኣይርአ: ሰማያዊ ትንሳኤ እቶም እሙናት ክርስትያናት ድሮ ጀሚሩ እዩ ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ። ስለዚ: ሃዋርያትን ቀዳሞት ክርስትያናትን ናብ ሰማያዊ ህይወት ተንሲኦም እዮም ማለት እዩ። እቶም ምስ ክርስቶስ ከም ዚገዝኡ ኻብ ኣምላኽ ርግጸኛ ተስፋ እተዋህቦም: ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ክርስትያናትከ፧ “ብቕጽበት ዓይኒ:” ማለት ምስ ሞቱ ብኡንብኡ እዮም ዚትንስኡ። (1 ቈረንቶስ 15:52) ትንሳኤ እዞም 144,000 ዝቝጽሮም ንእሽቶ ጕጅለ: ካብ ትንሳኤ እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ብዙሓት ሰባት ስለ ዚቕድም: “ቀዳማይ ትንሳኤ” ይበሃል።—ራእይ 20:6

ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ መን እዮም፧

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት መብዛሕትኦም ምዉታት ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። (መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 6:10) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝረኣዮ ዜደንቕ ራእይ ኪጽሕፍ ከሎ: “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ” በለ። (ራእይ 20:11-14) ኣብቲ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ወይ ሃደስ ዘለዉ: ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ኣለዉ። ኵላቶም ኪትንስኡ እዮም። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ነፍሲ-ወከፍ ከኣ ብመሰረት እቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዚገብሮ ኺፍረድ እዩ። ሞትን ሲኦልንከ፧ “ናብቲ ቐላይ ሓዊ” ኺድርበዩ እዮም። እዚ ማለት ድማ ደቅሰብ ካብ ሽዑ ንደሓር በቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ሞት ኣይኪትንከፉን እዮም።

ተስፋ ትንሳኤ ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ብሞት ዝሰኣኑ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ተስፋ ኸም ዝዀነ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ ነታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት ነቲ ሓደ ወዳ ምስ ኣተንስኦ: ክንደይ ኰን ተሓጒሳ ትኸውን! (ሉቃስ 7:11-17) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወለዲ እታ የሱስ ዜተንስኣ ጓል 12 ዓመት ኪዛረብ ከሎ “ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ” ይብለና። (ማርቆስ 5:21-24, 35-42፣ ሉቃስ 8:40-42, 49-56) ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓላ ሓዳስ ዓለም: ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራት ምቕባል ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ።

ብዛዕባ ትንሳኤ ነቲ ሓቂ ምፍላጥ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ብዙሓት ሰባት ሞት ስለ ዜፍርሆም: ብዛዕባኡ ኺሓስቡ ኣይደልዩን እዮም” ይብል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሰባት ሞት ኪፍራህ ዚግብኦ ምስጢር ዝዀነ ነገር ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ነቲ ሓቂ ምፍላጥን ተስፋ ትንሳኤን: ምስቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ: ሞት’ እኳ እንተ ተጋጠምና: ትብዓት ይህበና። (1 ቈረንቶስ 15:26) እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ ሞት እንፈትዎ ዓርክና ወይ ዘመድና ዜስዕበልና ሓዘን ንምጽዋር ዝቐለለ ይገብረልና።

ምድራዊ ትንሳኤ መዓስ እዩ ዚጅምር፧ ሎሚ ምድሪ ብዓመጽ: ብናዕቢ: ብምፍሳስ ደም: ከምኡውን ብብከላ ተመሊኣ እያ ዘላ። ምዉታት ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ምድሪ እንተ ተንሲኦም: እቲ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሓጐስ ቀጻሊ ኣይከውንን እዩ። ኰይኑ ግን ፈጣሪ ነዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም መወዳእታ ኸም ዚገብረላ መብጽዓ ኣትዩ እዩ። (ምሳሌ 2:21, 22፣ ዳንኤል 2:44፣ 1 ዮሃንስ 5:19) እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ቀረባ እዋን ኪፍጸም እዩ። ካብኡ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሰላማዊት ሓዳስ ዓለም እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ኣዒንቶም ኪኸፍቱ እዮም።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም