ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ!

ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ!

ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ!

“ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”2 ቈረንቶስ 6:17

1. ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ኣብ ምንታይ መንፈሳዊ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

 ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑን ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብን ኣይፈልጡን እዮም። ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ሕቶታቶም መልሲ ስለ ዘይረኸቡሉ: ንጹር ኣንፈት ኰነ ርግጽ ኰይኖም ዚጐዓዙሉ መገዲ የብሎምን። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ባሮት እቲ ንፈጣሪ ዜጕሂ ማሪታዊ ፍርህን ጽምብላትን በዓላትን እዮም። ንስኻውን ሲኦል ከም መሳቐዪ ሓዊ ገይሮም ዚርእዩ: ኣምላኽ ስላሴ እዩ ዚብሉ: ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚኣምኑ: ወይ ካልእ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዚኣምኑ ጐረባብቲ ወይ ኣዝማድ ይህልዉኻ ይዀኑ።

2. መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ እዮም ገይሮም፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

2 በዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መንፈሳዊ ጸልማት ተሓታቲ መን እዩ፧ እቲ ዜገርም: በዚ ተሓታቲ ሃይማኖት እዩ። ብፍላይ ከኣ እተን ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ዚጻረር እምነታት ዜስፋሕፍሓ ማሕበራትን መራሕተንን በዚ ተሓተትቲ እየን። (ማርቆስ 7:7, 8) በዚ ምኽንያት እዚ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እናኣጕሃይዎ ኽነሶም: ዜምልኽዎ ዘለዉ እዩ ዚመስሎም። ናይ ሓሶት ሃይማኖት በዚ ዜሕዝን ኵነታት እዚ ብቐጥታ ተሓታቲት እያ።

3. ቀንዲ መስፋሕፍሒ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መን እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

3 ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚድግፍ ዘይርአ ፍጡር ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ: “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:4) እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ዘሎ ብዘይካ ሰይጣን ድያብሎስ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ንሱ ቐንዲ መስፋሕፍሒ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እዩ። ጳውሎስ: “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ: እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ: ዓብዪ ነገር ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 11:14, 15) ሰይጣን ንሕማቕ ነገራት ጽቡቕ ከም ዚመስል ይገብር: ንሰባት ከኣ ሓሶት ንኺኣምኑ የታልሎም እዩ።

4. ኣምላኽ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ነብያት እንታይ ይብል፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣትሪሩ ዚዅንነሉ ምኽንያት እምበኣር ንጹር እዩ! ንኣብነት: ሕጊ ሙሴ ነቶም እተሓርዩ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ናይ ሓሶት ነብያት ኪርሕቑ ኣጠንቀቖም። ሓቂ ዘይኰነ ትምህርትታትን ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ዜተባብዕ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ‘ካብ የሆዋ ንኼዕሉ ብምዝራቡ ኺመውት’ ነበሮ። እስራኤላውያን ‘ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከሎም ኬርሕቕዎ’ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 13:1-5) እወ: የሆዋ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ክፉእ ነገር ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ህዝቅኤል 13:3

5. ሎሚ እንታይ መጠንቀቕታታት ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧

5 የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበሮ ሓያል ስምዒት ኣንጸባሪቖም እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 7:15፣ ማርቆስ 13:22, 23) ጳውሎስ: “ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:18) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ኺስዕቡን ካብ ዝዀነ ይኹን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኺዓብጥ ወይ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ኪዝርግሕ ዚፍትን ኪርሕቑን ኣለዎም።—1 ዮሃንስ 4:1

ካብ “ዓባይ ባቢሎን” ህደም

6. “ዓባይ ባቢሎን” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እያ ተገሊጻ ዘላ፧

6 መጽሓፍ ራእይ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዚገልጻ እስከ ንርአ። ከም ሓንቲ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መንግስትታትን ህዝብታትን ስልጣን ዘለዋ ዝሰኸረት ኣመንዝራ ገይሩ እዩ ዚገልጻ። እዛ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዚኣ ምስ ሓያሎ ነገስታት ምንዝር ትፍጽም: ብደም እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ድማ ዝሰኸረት እያ። (ራእይ 17:1, 2, 6, 18) ኣብ ግምባራ ነቲ ጽዩፍን ዜስገድግድን ተግባራታ ዚበቅዕ ስም ተጻሒፉላ ኣሎ። እቲ ስም ከኣ “ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን” ዚብል እዩ።—ራእይ 17:5

7, 8. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ እያ መንዚራ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

7 እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዓባይ ባቢሎን እተዋህበ መግለጺ: ነተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሓፈሻ ዚምልከት እዩ። በሽሓት ዚቝጸራ ሃይማኖታት ከም ሓንቲ ማሕበር ኰይነን ብወግዓዊ መገዲ እኳ እንተ ዘይሓበራ: ብዕላማአንን ብተግባራተንን ግን ኣጸቢቐን ሓቢረን እየን። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምቲ ኣብታ ኣብ ራእይ እትርከብ ብዕልግቲ ሰበይቲ እተገልጸቶ ኣብ መንግስትታት ጽልዋ ኣለዋ። ንቓል ኪዳና ምስ ዝጠለመት ሰበይቲ እትመሳሰል ኰይና: ምስ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኪዳን ብምትእትታው መንዚራ እያ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 4:4

8 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ መንግስትታት ምትሕውዋሳ: ኣብ ሰባት ብዙሕ መከራ ኣምጺኡ እዩ። ዶ/ር ኦነና ማንጉ ዚበሃል ኣፍሪቃዊ ፖለቲካዊ ተንታኒ: “ታሪኽ ዓለም ብሰንኪ እቲ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ዝገበሮ ምትሕንፋጽ ዘስዓቦ ጃምላዊ ቕትለታት ዝመልአ እዩ” በለ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓንቲ ጋዜጣ: “ሎሚ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ደማውን ሓደገኛን ግጭታት: ኣብ ሃይማኖት ዝማእከለ እዩ” በለት። ብሃይማኖታት ኣብ ዚድገፍ ግጭታት ህይወት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ጠፊኡ እዩ። ዓባይ ባቢሎን ሕሉፍ ሓሊፋ ነቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጐትን ዝቐተለትን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብደሞም ሰኺራ ተባሂላ ኣላ።—ራእይ 18:24

9. የሆዋ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘለዎ ጽልኢ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸም ዚጸልእ: ኣብቲ ንዓባይ ባቢሎን ዜጋጥማ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ራእይ 17:16 “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም” ትብል። ፈለማ: ሓደ ዓብዪ ኣራዊት ኪቐትላን ስጋኣ ኺበልዖን እዩ። ድሕሪኡ ዝተረፋ ዘበለ ፈጺሙ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስትታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኪፍጽሙ እዮም። ኣምላኽ እዩ ነዚ ኸም ዚፍጽሙ ዚገብሮም። (ራእይ 17:17) እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ንጥፍኣት ተፈሪዳ እያ። “ከቶ ኣይክትርከብን እያ።”—ራእይ 18:21

10. ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ኣቕዋም እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

10 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኣቕዋም እዩ ኺህልዎም ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘየማትእ ቃላት “ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ” ይብል። (ራእይ 18:4) እቶም ኪነሓፉ ዚደልዩ: እቲ ግዜ ኸይተጸንቀቐ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪወጹ ኣለዎም። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሓት ሰዓብቱ ኢና ኸም ዚብሉ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:3-5) ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ: “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ” እዩ ዚብሎም። (ማቴዎስ 7:23) እቲ ሕጂ ኣብ ዝፋኑ ንጉስ ኰይኑ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ: ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓንቲ እኳ የብሉን።

ብኸመይ ትርሕቕ፧

11. ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምርሓቕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

11 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት ብምንጻግ: ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ይርሕቑ እዮም። እዚ ኺበሃል ከሎ: ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉን ሓሶት ዜስፋሕፍሕ ብረድዮን ብተለቪዥንን ዚፍኖ ሃይማኖታዊ መደባት ኣይንሰምዕን: ሃይማኖታዊ ጽሑፋት እውን ኣይነንብብን ማለት እዩ። (መዝሙር 119:37) ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ማሕበር ኣብ ዜዳልዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ምዝንጋዓትን እንተ ዘይተሳተፍና እውን ጥበባዊ እዩ። ብተወሳኺ: ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይንድግፍን ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:21) ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት ምውሳድ: “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን” ከይንማረኽ ዕቝባ ይዀነና።—ቈሎሴ 2:8

12. ሓደ ሰብ ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ኪበትኮ ይኽእል፧

12 ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዚደሊ ሰብ: ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኰይኑ እተመዝገበ እንተ ዀይኑ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: ናይ ስንብታ ደብዳበ ምጽሓፉ: ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጌርካ ኺርአ ኸም ዘይደሊ ዚሕብር መርትዖ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መንፈሳዊ ብከላ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርሕቕ: ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዚደሊ ዚወስዶ ስጕምቲ: ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበሮ ርክብ ከም ዝበተኾ ንሃይማኖታውያን ማሕበራት ኰነ ንተዓዘብቲ ብሓፈሻ ንጹር ኪኸውን ኣለዎ።

13. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምርሓቕ ብዚምልከት እንታይ ማዕዳ እዩ ዚህብ፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ . . . ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።” (2 ቈረንቶስ 6:14-17) ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምርሓቕ: ነዘን ቃላት እዚኣተን ንስዕበን ኢና። እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ግን ካብ ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ እውን ክንርሕቕ ዚሓትት ድዩ፧

“ብጥበብ ተመላለሱ”

14. ነቶም ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚሳተፉ ምሉእ ብምሉእ ክንርሕቖም ኣሎና ድዩ፧ ግለጽ።

14 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምስቶም ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚሳተፉ ሰባት ዋላ ሓንቲ ርክብ ኪህልዎም የብሉን ድዩ፧ ካብቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክንግለል ድዩ ዘሎና፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። ካብተን ዓበይቲ ትእዛዛት እታ ኻልአይቲ: “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ትብል። (ማቴዎስ 22:39) ንብጾትና ማለት ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ከለና: ፍቕሪ ኢና እነርእዮም። ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ: ምሳታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብርን ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺርሕቑ ኸነፍልጦምን ከለና እውን ትርአ እያ።

15. ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ንሰባት ብስራት ንሰብከሎም እኳ እንተ ዀንና: ከም ሰዓብቲ የሱስ መጠን ‘ካብ ዓለም ኣይኰንናን።’ (ዮሃንስ 15:19) እታ ኣብዚ “ዓለም” እትብል ቃል ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እያ እተመልክት። (ኤፌሶን 4:17-19፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ካብ ዓለም እተፈለና ኺበሃል ከሎ: ካብቲ ንኣምላኽ ዜጕሂ ኣረኣእያን ዘረባን ተግባራትን ንርሕቕ ማለት እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ብዘይካዚ: ምስቲ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ብምስምማዕ: ምስቶም ብክርስትያናዊ ስርዓታት ዘይመላለሱ ሰባት ዕርክነት ኣይህልወናን። (1 ቈረንቶስ 15:33) ካብ ዓለም ዘይምዃን ኪበሃል ከሎ: ‘ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው’ ማለት እዩ። (ያእቆብ 1:27) ስለዚ: ካብ ዓለም እተፈለኻ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ምስ ካልኦት ሰባት ካብ ዘሎና ርክባት ብምሉኡ ብኣካላዊ ምርሓቕ ማለት ኣይኰነን።—ዮሃንስ 17:15, 16፣ 1 ቈረንቶስ 5:9, 10

16, 17. ክርስትያናት ነቶም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘይፈልጡ ሰባት ብኸመይ እዮም ኪቐርብዎም ዘለዎም፧

16 ነቶም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘይፈልጡ ሰባት ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንቀርቦም ዘሎና፧ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ: “ጊዜ እናዐደግኩም: ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 4:5, 6) ብተወሳኺውን: ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን [“ብለውሃትን ብኽብርን:” ትርጕም 1990] ደኣ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ንክርስትያናት እውን “ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ” መዓዶም።—ቲቶስ 3:2

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና: ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ስድታትን ዕቡያትን ኣይንኸውንን ኢና። ካልኦት ሃይማኖታት ንዚስዕቡ ሰባት ንምግላጽ ዜናሹ ቓላት ኣይንጥቀምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ብዓል ቤት: ጐረቤት: ወይ መሳርሕትና ሕሱምን ተጻራፍን እኳ እንተዀነ: ንሕና ግን ብሜላ ኢና እንመላለስ።—ቈሎሴ 4:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24

‘ነቲ ጥዑይ ቃል ንምሳሌ ሓዞ’

18. እቶም ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚምለሱ ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እዮም ዚወድቁ፧

18 ሓደ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ድሕሪ ምፍላጡ: ናብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንተ ተመሊሱሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም: ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ: ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። . . . ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ: ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ: ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት: ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።”—2 ጴጥሮስ 2:20-22

19. ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኻብ ዜእቱ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጥንቀቕ ኣሎና። እዚ ብሓቂ ሓደገኛ ዅነታት እዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ: “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) ንሕና ኣብቲ “ዳሕራይ ዘመናት” ኢና እንነብር ዘለና። እቶም ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘይርሕቁ: “በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው” ኪድፍኡ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌሶን 4:13, 14

20. ካብቲ ጐዳኢ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል፧

20 ካብቲ ጐዳኢ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ኢና ርእስና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘዳለወልና እሞ ንርአ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ እውን ኣዳልዩልና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45) ኣብ ሓቂ ዕቤት እናገበርና ምስ ከድና: ነቲ ‘ንብጹሓት ዝዀነ ዕጹም ብልዒ’ ኽንብህጎ: ኣብቲ መንፈሳዊ ሓቅታት እንመሃረሉ ቦታ ንምእካብ ድማ ድሌት ኪሓድረናንዶ ኣይግባእን፧ (እብራውያን 5:13, 14፣ መዝሙር 26:8) ነቲ ዝሰማዕናዮ ‘ጥዑይ ቃል ንምሳሌ ምእንቲ ኽንሕዞ:’ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) በዚ ኸምዚ ኻብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽንርሕቕ ንኽእል።

እንታይ ተማሂርካ፧

• “ዓባይ ባቢሎን” እንታይ እያ፧

• ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምርሓቕ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

• ካብ ምንታይ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገራት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እታ “ዓባይ ባቢሎን” ስለምንታይ ከም ብዕልግቲ ሰበይቲ ጌርካ ኸም እተገልጸት ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

“ዓባይ ባቢሎን” ንጥፍኣት ተፈሪዳ እያ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት “ብለውሃትን ብኽብርን” ክንቀርቦም ኣሎና