ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዚጠቕመና “ኣምሳል”

ዚጠቕመና “ኣምሳል”

ዚጠቕመና “ኣምሳል”

ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ብኻልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ መብርሂ እንተ ዘይወሃቦ ነይሩ: ምሉእ ትርጕሙ ንምርዳእ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸጋሚ ምዀነ! ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ታሪኻዊ ጸብጻባት ከም ዘለዎ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ዛንታታት ግን ብቐሊሉ ዘይፍለጥ ዓሚቝ ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ሓደ ኣብነት እቲ ኣብ ቤት ኣብርሃም ብዛዕባ ዝነበራ ኽልተ ኣንስቲ ዚገልጽ ጸብጻብ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ምስሊ” ወይ “ኣምሳል” (ትርጕም 1990) ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ገላትያ 4:24

እዚ ፍጻመ እዚ ዚውክሎ ነገራት ንዅሎም እቶም ካብ የሆዋ ኣምላኽ በረኸት ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዚግባእ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ቅድሚ ምምርማርና: ነቲ ጳውሎስ ንትርጕም እዚ ፍጻመ እዚ ኺገልጽ ዝደረኾ ዅነታት እስከ ንመርምር።

ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ጸገም ነይሩ እዩ። ገለ ኻባታቶም ነቲ ብሕጊ ሙሴ ተኣዚዙ ዝነበረ “መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን [ይሕልዉ]” ነበሩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም: ኣመንቲ ዘበሉ ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም ንሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኸም ዘለዎም ይዛረቡ ነበሩ። (ገላትያ 4:10፣ 5:2, 3) ጳውሎስ ግን ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ በዓል ኪሕልዉ ትጽቢት ከም ዘይግበረሎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነዚ መርትዖ ንኬቕርብ ኢሉ ድማ: ኵሎም እቶም ኣይሁድ ዘበሉ ዚፈልጥዎ ጸብጻብ ጠቐሰሎም።

ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ: እቲ ኣቦ ኣይሁድ ዝዀነ ኣብርሃም: ንእስማኤልን ንይስሃቅን ከም ዝወለደ ኣዘኻኸሮም። እቲ ቐዳማይ ካብታ ባርያ ዝነበረት ኣጋር እተወልደ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ግን ካብታ ጭዋ ወይ ናጻ ዝነበረት ሳራ እተወልደ ነበረ። እቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ሕጊ ሙሴ ኪኽበር ኣለዎ ዚብሉ ዝነበሩ ሰባት: ሳራ ፈለማ መኻን ከም ዝነበረትን ኣጋር ምእንቲ ኽትወልደላ ኢላ ንኣብርሃም ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸም ዝሃበቶን ዚፈልጡ ምዃኖም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣጋር ንእስማኤል ምስ ጠነሰት: ንእመቤታ ሳራ ኸም ዝነዓቐታ እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግን: ብመሰረት መብጽዓ ኣምላኽ: ሳራ ኣብ እርግናኣ ንይስሃቅ ወለደት። ጸኒሑ ድማ እስማኤል ንይስሃቅ ስለ ዘጋፍዖ: ኣብርሃም ንኣጋርን ንእስማኤልን ሰደዶም።—ዘፍጥረት 16:1-4፣ 17:15-17፣ 21:1-14፣ ገላትያ 4:22, 23

ክልተ ኣንስቲ: ክልተ ኺዳን

ጳውሎስ ነተን ኣብዚ “ኣምሳል” ወይ “ምስሊ” እዚ ግደ ዘለወን ገጸ-ባህርያት ጠቒስወን ኣሎ። “እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኺዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ: ንሳ ኣጋር እያ። . . . ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 4:24, 25) ኣጋር ቃል ብቓሉ ነታ የሩሳሌም ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት እስራኤል ተመልክት። ህዝቢ ኣይሁድ በቲ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ሕጊ ኺዳን ኣቢሎም ምስ የሆዋ ተጸሚዶም እዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኺዳን: እስራኤላውያን ባሮት ሓጢኣት ምዃኖምን ዜድሕኖም ከም ዜድልዮምን ብቐጻሊ ይዘኻኸሩ ነበሩ።—ኤርምያስ 31:31, 32፣ ሮሜ 7:14-24

እታ “ጭዋ” ዝዀነት ሳራን ይስሃቅ ወዳን ደኣ እሞ ንመን እዮም ዜመልክቱ፧ ጳውሎስ: እታ “መኻን” ሳራ ነታ ሰማያዊ ኽፋል ማሕበር ኣምላኽ ዝዀነት ሰበይቲ ኣምላኽ ከም እተመልክት ሓበረ። እዛ ሰማያዊት ሰበይቲ እዚኣ: ቅድሚ የሱስ ምምጻኡ: ኣብ ምድሪ ብመንፈስ እተወልዱ “ደቂ” ስለ ዘይነበርዋ: መኻን ነይራ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ገላትያ 4:27፣ ኢሳይያስ 54:1-6) ይኹን እምበር: ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ ጕጅለ ሰብኡትን ኣንስትን መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ: በዚ ኸምዚ ድማ ደቂ እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ዀይኖም ዳግም ተወልዱ። እቶም በዛ ማሕበር እዚኣ ዝፈረዩ ደቂ: ከም ውሉድ ኣምላኽ ኰይኖም ተቐባልነት ረኸቡ: ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ንየሱስ ክርስቶስ መዋርስቱ ዀኑ። (ሮሜ 8:15-17) ሓደ ኻብዞም ውሉድ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪኸውን ከሎ: “እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ: ንሳ ኣዴና እያ” ኢሉ ጸሓፈ።—ገላትያ 4:26

ደቂ እተን ኣንስቲ

ብመሰረት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: እስማኤል ንይስሃቅ መስጐጕቲ ኣውሪዱሉ እዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እቶም ደቂ እታ ባርያ ዝዀነት የሩሳሌም ነቶም ደቂ እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ኣላጊጾምሎምን ሰጒጎምዎምን እዮም። ጳውሎስ: “ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ [እስማኤል] ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ [ይስሃቅ] ዝሰጐጎ: ሕጂውን ከምኡ እዩ” ኢሉ ገለጸ። (ገላትያ 4:29) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ምስ መጸን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ምስ ጀመረን: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከምቲ እስማኤል ወዲ ኣጋር ነቲ ናይ ሓቂ ወራሲ ዝዀነ ይስሃቅ ዝገበሮ እዮም ገይሮምዎ። ንርእሶም ከም ሕጋውያን ወረስቲ ኣብርሃም: ንየሱስ ከኣ ከም ኣብ ዘይቦታኡ ዝመጸ ገይሮም ብምርኣይ: ኣላገጹሉን ሰጐጕዎን።

መራሕቲ እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ንየሱስ ቀቅድሚ ምቕታሎም: ንሱ: “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በለ።—ማቴዎስ 23:37, 38

እቲ ብዛዕባ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገብረ ፍጻመታት ዚገልጽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ: እቲ ብኣጋር ተመሲሉ ዘሎ ብስጋ ዝቘመ ህዝቢ ብገዛእ ርእሱ ንየሱስ መዋርስቱ ዚዀኑ ደቂ ኸም ዘየፍረየ እዩ ዜርኢ። እቶም ብውልድነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ውርሲ ኸም ዚግብኦም ብትዕቢት ዚኣምኑ ዝነበሩ ኣይሁድ: ብየሆዋ ተሰጉ ወይ ተነጽጉ። ልክዕ እዩ: ገለ ኻብቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት መዋርስቲ ክርስቶስ ኰይኖም እዮም። ይኹን እምበር: እቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም ዝኸኣለ: ብመሰረት እቲ ስጋዊ ውልድነቶም ዘይኰነስ: ብመሰረት እቲ ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምነት እዩ።

መንነት ናይ ሓያሎ መዋርስቲ ክርስቶስ: ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ተጋህደ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ: የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ደቂ እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ኪዀኑ ቐብኦም።

ጳውሎስ ነቲ “ኣምሳል” ዝገለጸሉ ዕላማ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ካብቲ ሙሴ ዝሞንጎኛኡ ሕጊ ኺዳን ዘለዎ ብልጫ ንምብራህ እዩ። ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ: ሕጊ ሙሴ ኸኣ ሰባት ባሮት ሓጢኣት ምዃኖም ዜጕልሕ ስለ ዝዀነ: ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ሕጊ ሙሴ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን: ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ: የሱስ “ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ: ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም” መጸ። (ገላትያ 4:4, 5) ስለዚ: ኣብቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘለዎ ዋጋ ምእማን: ካብ ኵነኔ እቲ ሕጊ ናብ ሓርነት መርሐ።—ገላትያ 5:1-6

ንዓና ዘለዎ ጥቕሚ

እዚ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝገለጾ ኣምሳል ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት: ነቲ ዘይንጹር ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትርጕም ንኸነስተውዕሎ ስለ ዜኽእለና እዩ። እቲ መግለጺ ነቲ ኣብ ሓድነትን ስኒትን መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምትእምማን የደልድሎ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

ብዘይካዚ: እቲ ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ብኣምሳል ተገሊጹ ዘሎ ነገራት: ንናይ መጻኢ ሓጐስና ኣገዳሲ እዩ። እቶም ደቂ እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም እንተ ዘይመጹ ነይሮም: ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓሊፉ ተስፋ ኣይምሃለወናን። ግናኸ: ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ምቍጽጻር ክርስቶስን እቶም መዋርስቱ ዝዀኑ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓን: “ህዝብታት ኵላ ምድሪ . . . ኪባረኹ እዮም።” (ዘፍጥረት 22:18) እዚ ዚፍጸም ከኣ: ካብ ሳዕቤናት ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሓዘንን ሞትን ንሓዋሩ ናጻ ምስ ኰኑ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8, 9) እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ ኪኸውን!

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሕጊ ኺዳን ኣብ ከረን ሲና እዩ ቘይሙ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ “ኣምሳል” እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧