ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

‘ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ሓባእካዮ: ንሕጻናት ከኣ ገለጽካዮ።’ (ሉቃስ 10:21) እዘን የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዘውሰአን ቃላት: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣና: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ዚሕብራ እየን። የሆዋ ብቐሊሉ ኺመሃሩ ዚኽእሉ ትሑታት ሰባት ጥራይ ዚርድእዎ መጽሓፍ ብምድላዉ ጥበቡ እዩ ገሊጹ።

መብዛሕትና ትሕትና ምንጽብራቕ ይኸብደና እዩ። ኵላትና ናይ ትዕቢት ዝንባለ ወሪስና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብቲ “ፈተውቲ ርእሶም . . . ህዉኻት: ተፈኽነንቲ” ዝዀኑ ሰባት ዘለዉሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) እዚ ባህርያት እዚ: ቃል ኣምላኽ ንኸይርድኣና ዕንቅፋት ዚኸውን እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ ብእተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን ኵላትና በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ባህርያት ንጽሎ ኢና። ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣና ኺሕግዘና ዚኽእል ባህርያት ብኸመይ ኢና ኸነጥሪ እንኽእል፧

ኣእምሮን ልብን ምድላው

እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ መራሒ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ እዝራ ‘ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማር ልቡ ኣዳለወ።’ (እዝራ 7:10) ልብና ኸነዳልወሉ እንኽእል ገለ መገዲ ኣሎዶ፧ እወ: ኣሎ። ብመጀመርታ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ . . . ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ [ኣይተቐበልኩምዎን]” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) የሆዋ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብሰባት ገይሩ እኳ እንተ ጸሓፎ: እቲ ዝጸሓፍዎ ሓሳባት ግን ካብኡ እዮም ተቐቢሎምዎ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ምሃብና ነቲ እነንብቦ ልብና ኸፊትና ንኽንቅበሎ የኽእለና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ልብና ንምድላው ኪሕግዘና ዚኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ጸሎት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ብምዃኑ: እቲ መንፈስ እቲ መልእኽቱ ንኺርድኣና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ሓገዝ እዚ ንኺወሃበና ኽንጽሊ ይግባእ። እቲ “ምስትውዓል ሀበኒ እሞ: ንሕግኻ ኽሕልዎ: ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ” ብምባል ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር እውን እዚ ነገር እዚ የገድሶ ኸም ዝነበረ ኣስተብህል። (መዝሙር 119:34) እቲ እተጻሕፈ ንኺርድኣና ዜኽእል ክእለት ኣእምሮ ኺወሃበና ጥራይ ዘይኰነስ: ንኽንቅበሎ ዜኽእል ኵነታት ልቢ ኺወሃበና እውን ክንጽሊ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣና: ነቲ ሓቂ ዘበለ ልብና ኸፊትና ኽንቅበሎ የድሊ።

ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ንኸተጥሪ ኢልካ ኸተስተንትን ከለኻ: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕካ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ሕሰበሉ። ቃል ኣምላኽ እነጽንዓሉ ሓያሎ ጽቡቕ ምኽንያታት እኳ እንተሎና: እቲ ቐንዲ ምኽንያት ግን ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ስለ ዚሕግዘና እዩ። (ያእቆብ 4:8) የሆዋ ኣብ እተፈላላየ ዅነታት እንታይ ምላሽ ከም ዚህብ: ነቶም ዜፍቅርዎ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜኽብሮም: ከምኡውን ነቶም ዚሓድግዎ ብኸመይ ከም ዚሕዞም ዚገልጽ ጸብጻብ ከነንብብ ከለና: እንታይ ዓይነት ባህሪ ኸም ዘለዎ ነስተውዕል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እነንብበሉ ቐንዲ ምኽንያት: ምስ ኣምላኽ ብዝበለጸ ንኽንፋለጥን ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምድልዳልን ኪኸውን ይግባእ።

ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ንኸይህልወካ ዚዕንቅፍ ነገራት

ቃል ኣምላኽ ንኸይርድኣና ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ነገር እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ዕንቅፋት ግጉይ ተኣማንነት እዩ። ንኣብነት: ንእምነትን ኣመለኻኽታን እቶም ዓብዪ ግምት ዚወሃቦም ሰባት ኣኽቢርካ ትርእዮ ትኸውን። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ኣኽቢሮም ዘይርእይዎ እንተደኣ ዀይኖምከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ምርዳኡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቕድሚ ሕጂ እተመሃርናዮ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ዜተባብዓና።—1 ተሰሎንቄ 5:21

ማርያም: ኣደ የሱስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆ ኣጋጢምዋ ነበረ። ኣተዓባብያኣ ኣብ ልምድታት ኣይሁድ እተመስረተ እዩ ነይሩ። ንሕጊ ሙሴ ጽቡቕ ገይራ እያ ትፈልጦ ነይራ: ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ትኸይድ ከም ዝነበረት እውን ፍሉጥ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን: እቲ ወለዳ ዝመሃርዋ መገዲ ኣምልኾ ብኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተገንዘበት። ስለዚ ድማ ንትምህርትታት የሱስ ተቐቢላ ኻብቶም ቀዳሞት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነት። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) እዚ ንወለዳ ወይ ንልምድታቶም ስለ ዝነዓቐቶ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም እንተደኣ ዄንና: ከም ማርያም ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ: ንኣምላኽ እሙናት ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና።

እቲ ዜሕዝን ግን ሓያሎ ሰባት ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣኽቢሮም ኣይርእይዎን እዮም። ገሊኣቶም ኣብ ሓሶት እተመስረተ ሃይማኖታዊ ልምድታት ብምስዓብ ይዓግቡ። ካልኦት ከኣ በዘራርባኦምን በነባብራኦምን ንሓቂ ዘለዎም ንዕቐት የርእዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምቕባል መስዋእቲ ምግባር ኪሓተካ ይኽእል እዩ። ምስ ፈተውትኻን ጐረባብትኻን መሳርሕትኻን: አረ ምስ ስድራቤትካ እውን ከይተረፈ ኼጋጭወካ ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 17:14) እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝነበረ ሰሎሞን “ንሓቂ ዐድጋ እሞ ኣይትሽጣ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 23:23) ንሓቂ ኣኽቢርካ ትርእያ እንተደኣ ዄንካ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ።

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይርድኣና ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ካልእ ረቛሒ ኸኣ ንመልእኽቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ፍቓደኛ ዘይምዃን እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ: ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ: ምስማዕስ ይሰምዑ: ግናኸ ኸቶ ኣየስተውዕሉን’ በሎም። (ማቴዎስ 13:11, 15) መብዛሕትኦም እቶም የሱስ ዝሰበኸሎም ሰባት ኪልወጡ ዘይደልዩ: ተረርቲ እዮም ነይሮም። ካብቲ የሱስ ብምስላ እተዛረበሉ ነጋዳይ ፍጹም እተፈልዩ ነበሩ። እቲ ነጋዳይ ነታ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸባ: ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ። ንሕና እውን ነቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምርዳእ ዚርከብ ረብሓ: ከምኡ ጌርና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ይግባእ።—ማቴዎስ 13:45, 46

ክትመሃር ፍቓደኛ ዘይምዃን

መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንርዳእ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ዓብዪ ረቛሒ ኸኣ ክትመሃር ፍቓደኛ ዘይምዃን እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ዚመስል ሰብ: ሓድሽ ሓሳባት ምቕባል ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ግን “ዘይተማህሩ ጭዋታት [ተራ]” ሰባት እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ምኽንያት “ኣሕዋተየ: ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት: ብዙሓት ስልጡናት: ብዙሓት ጭዋታት [ምዕቡላት] ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና: ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ: ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ” ብምባል ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 1:26, 27) ብሓደ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ሰብ ክትመሃር ዜጸግመካ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ሰብ እቲ ኣምላኽ ንኺምህረካ ዚጥቀመሉ ዘሎ መሳርሒ ጥራይ ምዃኑ ተገንዘብ። በቲ ዓብዪ ‘መምህር’ ዝዀነ የሆዋ ኻብ ምምሃር ዚዓቢ እሞ እንታይ ኣሎ፧—ኢሳይያስ 30:20፣ 54:13

እቲ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ንእማን ካብ ሓደ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ ሰብ መምርሒ ምቕባል ጸጊምዎ ነበረ። ካብ ለምጹ ኺሓዊ ደልዩ: ናብቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ኤልሳእ ከደ። ዚሓውየሉ መገዲ ዚሕብር መምርሒታት ኣምላኽ ግን ብሓደ ኣገልጋሊ ተነግሮ። እቲ መልእኽትን እተነግረሉ መገድን ግን ንንእማን ምቕባሉ ስለ ዘጸገሞ: ኣብቲ መጀመርታ ነቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነገሮ ቓል ምእዛዝ ኣበየ። ዳሕራይ ግን ኣመለኻኽታኡ ስለ ዝቐየረ ሓወየ። (2 ነገስት 5:9-14) ንሕና እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና: ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን መገዲ ኽንሓዊ እንተደኣ ዄንና: ሓድሽ መገዲ ህይወት ክንስዕብ ከም ዘሎና ንመሃር ንኸውን። እሞኸ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ሓደ ሰብ ኬረድኣና ኸሎ ትሕት ኢልና ንመሃር ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኪመሃሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ እዩ ኺርድኦም ዚኽእል።

ሓደ ኣብ ትሕቲ ህንደኬ: ንግስቲ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝነበሮ ሰብኣይ ጽቡቕ ኣመላኻኽታ ነበሮ። ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኣፍሪቃ እናተመልሰ ኸሎ ፊልጶስ እቲ ወደ መዝሙር ጐድኒ ጐድኑ እናጐየየ ቐረቦ እሞ እቲ ዜንብቦ የስተውዕሎ እንተልዩ ሓተቶ። እቲ ብዓል ስልጣን ብትሕትና “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” በሎ። ቃል ኣምላኽ ምስ ተረድኦ ድማ ተጠምቀ። ብድሕሪኡ “ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:27-39

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ ኺርኣዩ ኸለዉ ተራ ሰባት እዮም። ኣብ ሰሰሙን ኣብ ኣባይቲ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እንታይ ምዃኑ ስለ ዚምህር: እቲ ርጉጽ እንኮ ተስፋ ወድሰብ እንታይ ምዃኑ ስለ ዚገልጽ: ከመይ ጌርና ምስ ኣምላኽ ክንፋለጥ ከም እንኽእል ከኣ ስለ ዚሕብረና: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ምርዳእን ዓብዪ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣስተውዒሎም እዮም። ንስኻውን ከምዚ ብምግባር ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንእማን ካብ ሓደ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ ኣገልጋሊ መምርሒ ምቕባል ኣጸገሞ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ የሐጕሰና