ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ምኽኣሉ ሓጐስ የምጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ምኽኣሉ ሓጐስ የምጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ምኽኣሉ ሓጐስ የምጽእ

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽቡር ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ዕላማ ህይወት: ጠንቂ ጸገማት ደቅሰብ: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ይነግረና። ከመይ ጌርና ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል: ከመይ ጌርና ኣዕሩኽ ከነጥሪ ኸም እንኽእል: ከምኡውን ከመይ ጌርና ጸገማት ክንፈትሕ ከም እንኽእል ይምህረና። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪናን ሰማያዊ ኣቦናን ዝዀነ የሆዋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ሓጐስ የምጽኣልና: ንህይወትና ድማ ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ምጥራይ: ምስ ምብላዕ እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። የሱስ: “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4፣ እብራውያን 5:12-14) ከምቲ ብህይወት ንኽንቅጽል መዓልታዊ ዜዐንግል ምግቢ ኽንምገብ ዜድልየና: ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንጥቀም እውን ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ከነንብብ የድልየና።

ምግቢ ምብላዕ ብተፈጥሮና ስለ ዜሐጕሰናን ነቲ መሰረታዊ ነገር ስለ ዜማልኣልናን: ክንበልዕ ከለና ባህ እዩ ዚብለና። ይኹን እምበር: ክንሕጐስ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ኪማላእ ዜድልዮ ኻልእ መሰረታዊ ነገር እውን ኣሎ። የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) እዚ መሰረታዊ ዜድልየና ነገር እዚ: ቃል ኣምላኽ ብምርዳእ ምስ ዚማላእ ሓጐስ ይርከብ።

ንገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ኸም ዜጸግሞም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት: ገሊኡ ጽሑፍ ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ልምድታት ዚሕብር ወይ ከኣ ምሳልያዊ ስያመታት ዚጥቀም ኪኸውን ከሎ ንምርዳኡ ሓገዝ የድልየካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስቲ ኣርእስቲ እቲ እተተሓሓዘ ኻልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ብምውካስ ጥራይ ኪርድኣካ ዚኽእል ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እተጻሕፈ ትንቢታት እውን ኣሎ። (ዳንኤል 7:1-7፣ ራእይ 13:1, 2) ምስናይዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

ኵሉ ሰብ ኪሕጐሰሉ ዚኽእል

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ገሊጹልና ኣሎ። ግናኸ ፈጣሪ ሓደ ኽርድኣካ ዘይክእል ወይ ከኣ ንምሁራት ሰባት ጥራይ ኪርድኦም ዚኽእል መጽሓፍ ድዩ ሂቡና፧ ኣይፋሉን: የሆዋ ሕሱም ኣይኰነን። ክርስቶስ የሱስ “ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ: ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ: እምኒ ዚህቦ፧ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ: ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ: ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በለ። (ሉቃስ 11:11-13) ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ኸም ዚኽእልን ኣምላኽ ከኣ ቃሉ ንኺርድኣካ ኺሕግዘካ እንተደኣ ለሚንካዮ ዜድልየካ ሓገዝ ኪህበካ ኸም ዚኽእልን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። አረ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስሲ: ንህጻናት እውን ከይተረፈ ኺርድኦም ዚኽእል እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ንኺርድኣና ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ከምኡ ምግባርና ግን ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም እሞ: ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተዛረቦም። ጸብጻብ ሉቃስ “ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ” ይብለና። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብታ ምሸት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ እተመሃርዎ እናሓሰቡ ንሓድሕዶም “እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ። (ሉቃስ 24:13-32) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምርዳኦም ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ንዘለዎም እምነት ስለ ዘደልደሎ: ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ስለ ዝሓገዞም: ሓጐስ ኣምጺኡሎም እዩ።

ስለዚ እምበኣር: ቃል ኣምላኽ ምርዳእ ከቢድ ዘይኰነስ: ልክዕ ከምቲ ዜጽግብ ምግቢ ኽትበልዕ ከለኻ ባህ ዚብለካ: ዚስሕብን ጠቓምን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርዳእ ንኽትረክብ ግን እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ከመይ ጌርካ ኸተስተማቕሮ ኸም እትኽእል ክትሕብረካ እያ።—ምሳሌ 2:1-5

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣና ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ይህበና