ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንክርስትያናዊ ጥምቀት ምብቃዕ

ንክርስትያናዊ ጥምቀት ምብቃዕ

ንክርስትያናዊ ጥምቀት ምብቃዕ

“ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧”ግብሪ ሃዋርያት 8:36

1, 2. ፊልጶስ ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብኸመይ እዩ ዝርርብ ዝጀመረ፧ እቲ ሰብኣይ መንፈሳዊ ዝንባለ ኸም ዝነበሮ ብምንታይ ንፈልጥ፧

 ድሕሪ ሞት የሱስ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ ኣብ እትወስድ መገዲ ንደቡብ ገጹ ይጐዓዝ ነበረ። ምናልባት ናይ 1,500 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን ብሰረገላ ዚግበር ኣድካሚ ጕዕዞ ይጽበዮ ነበረ። እዚ ውፉይ ሰብኣይ እዚ ንየሆዋ ንኼምልኽ ኢሉ ኻብ ኢትዮጵያ ናብ የሩሳሌም ንምብጻሕ ነዊሕ እዩ ተጓዒዙ። ኣብቲ ናብ ዓዱ ንምምላስ ዚገብሮ ዝነበረ ነዊሕ ጕዕዞ: ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ነቲ ግዜኡ ብጥበብ ይጥቀመሉ ነበረ። እዚ ኸኣ ንእምነቱ ዜርኢ እዩ። የሆዋ ነዚ ቕኑዕ ሰብኣይ እዚ ኣስተብሃለሉ: ብመልኣኽ ኣቢሉ ድማ ነቲ ፊልጶስ ዚበሃል ወደ መዝሙር ነዚ ሰብኣይ እዚ ንኺሰብከሉ መምርሒ ሃቦ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-28

2 ፊልጶስ ብቐሊሉ ምስኡ ኺዘራረብ ጀመረ። ከመይሲ: እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። ስለዚ: ፊልጶስ: እቲ ሰብኣይ ካብ ጥቕላል ኢሳይያስ የንብብ ምንባሩ ሰምዖ። “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” እትብል ፊልጶስ ዘቕረባ ሓንቲ ሕቶ: ንተገዳስነት እቲ ሰብኣይ ኣለዓዓለት። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኢሳይያስ 53:7, 8 ንኺመያየጡ መገዲ ኸፈተሎም። ቀጺሉ: ፊልጶስ “ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ።”—ግብሪ ሃዋርያት 8:29-35

3, 4. (ሀ) ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኸይደንጐየ ዘጠመቖ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ: እቲ ኢትዮጵያዊ ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኸምኡውን እተጠመቐ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ተረድአ። ንጥምቀት ዚኣክል ማይ ምስ ረኣየ ድማ: ንፊልጶስ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ ሓተቶ። ልክዕ እዩ: እዚ ፍልይ ዝበለ ዅነታት እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ድሮ ኸም ናይ ኣይሁድ ጵሮሴሊት መጠን ንኣምላኽ ዜምልኽ ዝነበረ ናይ እምነት ሰብ ነበረ። ድሕርዚ ንነዊሕ ግዜ ንኺጥመቕ እንደገና ኣጋጣሚ ኣይረክብን ይኸውን። ልዕሊ ዅሉ ድማ: እዚ ሰብኣይ እዚ ኣምላኽ ንዕኡ እንታይ ብቕዓት ኬማልእ ከም ዚደልዮ ተረዲኡስ: ብምሉእ ልቡ ምላሽ ንምሃብ ደልዩ ነይሩ። ፊልጶስ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ተሓጒሱ ተቐበሎ: እቲ ኢትዮጵያዊ ምስ ተጠምቀ ኸኣ “ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ።” ኣብ ዓዱ ውዕዉዕ ሰባኺ እቲ ብስራት ከም ዝዀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 8:36-39

4 ወፈያን ጥምቀትን ኣፍኲስካ ዚርአ ወይ ብታህዋኽ ኪውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ዝሓደጎ ኣብነት ግን ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምስ ሰምዑ ድሕሪ ሓጺር እዋን እተጠመቑሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ እዩ ዚሕብረና። a ስለዚ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምምርማርና ግቡእ እዩ:- ቅድሚ ጥምቀት እንታይ ምድላዋት እዩ ኺግበር ዘለዎ፧ ዕድመ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ረቛሒ ኪኸውን ዘለዎ፧ ሓደ ሰብ ቅድሚ ምጥማቑ እንታይ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ ኼርኢ ዘለዎ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ: የሆዋ ነገልገልቱ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኺወስዱ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧

ረዚን መብጽዓ

5, 6. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ እዋን ህዝቢ ኣምላኽ ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ ዝሃቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ምስ ተጠመቕና ምስ ኣምላኽ እንታይ ጥብቂ ርክብ እዩ ዚህልወና፧

5 የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ኣውጸኦም: ከም ‘ገንዘቡ’ ገይሩ ንኪቕበሎም: ንኼፍቅሮም: ንኼዕቝቦም: ከምኡውን ከም “ቅዱስ ህዝቢ” ገይሩ ንኬቝሞም ፍቓደኛ ነበረ። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ንኺረኽቡ: ንፍቕሪ ኣምላኽ ብጭቡጥ መገዲ ምላሽ ኪህቡ ነበሮም። ነዚ ኸኣ ፈለማ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ” ኺገብሩ ብምስምማዕን ምስኡ ኺዳን ብምእታውን ገበርዎ። (ዘጸኣት 19:4-9) ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኣዘዞም: እቶም ንትምህርቱ እተቐበሉ ኸኣ ተጠመቑ። ምስ ኣምላኽ ዚህሉ ጽቡቕ ርክብ: ኣብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዚህልወካ እምነትን ስዒቡ ዚግበር ጥምቀትን እተመርኰሰ ነበረ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41

6 እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻባት እዚ የሆዋ ነቶም ንኼገልግልዎ ረዚን መብጽዓ ዚገብሩን ዚሕልውዎን ከም ዝባርኾም ዜርኢ እዩ። ንክርስትያናት ወፈያን ጥምቀትን ናብ በረኸት የሆዋ ዚመርሕ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዩ። መገድታቱ ንምስዓብን መምርሒ ንምርካብን ቈሪጽና ኢና። (መዝሙር 48:14) የሆዋ እውን ብግዲኡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብኢድና ሒዙ በታ ኽንከደላ ዘሎና መገዲ ይመርሓና እዩ።—መዝሙር 73:23፣ ኢሳይያስ 30:21፣ 41:10, 13

7. ወፈያን ጥምቀትን ብሕታዊ ውሳነ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

7 ነዚ ስጕምትታት እዚ ኽንወስድ ድራኸ ኼሕድረልና ዘለዎ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን ንኸነገልግሎ ዘሎና ባህግን ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ሰብ እኹል መጽናዕቲ ኸም ዝገበረ ኻልእ ሰብ ስለ እተዛረቦ ወይ ኣዕሩኹ ይጥመቑ ስለ ዘለዉ ኢሉ ጥራይ ኪጥመቕ የብሉን። ልክዕ እዩ: ወለድን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ወፈያን ጥምቀትን ኪሓስብ ኬተባብዕዎ ይኽእሉ እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ‘ኺጥመቑ’ ተማሕጺንዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38) ይኹን እምበር: ብብሕትና ኢና ርእስና እንውፊ: ዋላ ሓደ ሰብ ድማ ነዚ ኺገብረልና ኣይክእልን እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር እንገብሮ ውሳነ ናይ ገዛእ ርእስና ኪኸውን ኣለዎ።—መዝሙር 40:8

ንጥምቀት ብዚግባእ ምድላው

8, 9. (ሀ) ንሕጻናት ምጥማቕ ብቕዱሳት ጽሑፋት ተቐባልነት ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንኣሽቱ ዘበሉ ቕድሚ ምጥማቖም እንታይ መንፈሳዊ ዕቤት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

8 ቈልዑ ብምስትውዓል ርእሶም ኪውፍዩ ይኽእሉ ድዮም፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንጥምቀት ብቑዕ እትዀነሉ ዕድመ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግን: ሕጻናት ኣመንቲ ኪዀኑ: ኣብ እምነት ተመርኲሶም ኪውስኑ: ወይ ንኣምላኽ ርእሶም ኪውፍዩ ኸም ዘይክእሉ እተረጋገጸ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:12) ኣጉስተስ ኒያንደር ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: ኣብታ ጀነራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስትያን ረሊጅን ኤንድ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፉ: “ሰባት ጥምቀትን እምነትን ኣጸቢቑ ዚተሓሓዝ ገይሮም ይርእይዎ ብምንባሮም: ኣብ መጀመርታ ብጹሓት ጥራይ እዮም ዚጥመቑ ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ።

9 ገሊኦም ሰባት ገና ንኣሽቱ ኸለዉ መንፈሳውነቶም የማዕብሉ እዮም: ገሊኦም ግን ዝነውሐ ግዜ እዩ ዜድልዮም። ኰይኑ ግን: ሓደ ቘልዓ ቕድሚ ምጥማቑ: ከምቲ ብጹሓት ዘበሉ ኼማልእዎ ትጽቢት ዚግበረሎም: ንሱውን ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርት: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት መሰረታዊ ምርዳእ ኪህልዎ: ርእሱ ምውፋይ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብንጹር ኪግንዘብ ኣለዎ።

10. ቅድሚ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ እዩ ዜድሊ፧

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ንሓደስቲ ዘበሉ ዅሉ እቲ ዝኣዘዞም ኪምህርዎም መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:20) ስለዚ: ቅድም ቀዳድም እቶም ሓደስቲ ዘበሉ ብዛዕባ ሓቂ ርጡብ ፍልጠት ኬጥርዩ ኣለዎም: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ዘለዎም እምነት ንኼዕብዩ የኽእሎም። (ሮሜ 10:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ እብራውያን 11:6) ድሕሪኡ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ልቢ እቲ ሰብ ምስ ተንከፎ: ንኺንሳሕን ካብ ናይ ቀደም መገዲ ህይወቱ ንኺምለስን ይድርኾ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20adj.) ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ሰብ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፍን ኪጥመቕን ድሌት ይሓድሮ።

11. ቅድሚ ጥምቀት ኣብ ዕዮ ስብከት ኣዘውቲርና ኽንሳተፍ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ካልእ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ስጕምቲ: ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስታፍ እዩ። እዚ የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝቡ ዝመደበሎም ቀንዲ ዕዮ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ: ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ብምንጋር ሓጐስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ዕዮ እዚ ምስታፎም: ድሕሪ ጥምቀት ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ኣዘውቲሮም ብቕንኣት ንኺሳተፉ የዳልዎም እዩ።—ሮሜ 10:9, 10, 14, 15

ከይትጥመቕ ዚኽልክለካ ነገር ኣሎዶ፧

12. ገሊኦም ካብ ጥምቀት ከም ዜድሓርሕሩ ዚገብሮም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

12 ገሊኦም ሰባት ነቲ ጥምቀት ዜምጽኦ ሓላፍነት ኪስከሙ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም: ካብ ጥምቀት የድሓርሕሩ ይዀኑ። መለክዒታት የሆዋ ንምምላእ: ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ለውጥታት ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። ወይ ከኣ ድሕሪ ጥምቀት ኣምላኽ ዝሓቶ ብቕዓታት ኣማሊኦም ምምልላስ ዜጸግሞም ከይኸውን የፍርሆም። አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ “ሓደ መዓልቲ ገለ ኽፉእ እንተ ገይረ: ካብ ጉባኤ ኽውገድ እየ” ኢሎም ይሓስቡ።

13. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ገሊኣቶም ሰባት ሰዓብቱ ንኸይኰኑ ዕንቅፋት ዝዀኖም እንታይ እዩ ነይሩ፧

13 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ገሊኦም ሰባት ብሕታዊ ጥቕሞምን ምስ ስድራቤቶም ዘለዎም ምትእስሳርን ደቀ መዛሙርቲ ንኸይኰኑ ዕንቅፋት ኰይንዎም እዩ። ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚስዕቦ ተዛረበ። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት መሕደሪ እኳ ኸም ዘይብሉ ሓበሮ። የሱስ ንኻልእ ሰማዒ: ሰዓቢኡ ኪኸውን ጻውዒት ምስ ኣቕረበሉ: እቲ ሰብኣይ ፈለማ ነቦኡ ‘ኪቐብሮ’ ኸም ዚደሊ መልሲ ሃበ። ንየሱስ ስዒቡ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ምስ መጸ ኣብ ክንዲ ዚስከሞ: ኣብ ቤቱ ዀይኑ ኣቦኡ ኽሳዕ ዚመውት ኪጽበ እዩ መሪጹ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብ መወዳእታ: ሓደ ሳልሳይ ንየሱስ ቅድሚ ምስዓቡ: ካብ ስድራቤቱ ‘ኺሳናበት’ ከም ዚደሊ ገለጸ። የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምድንጓይ: ከም ‘ንድሕሪት ምርኣይ’ ገይሩ ገለጾ። ስለዚ: እቶም ኪደናጐዩ ዚደልዩ ንክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ንኺጐስይዎ ኵሉ ሳዕ መመኽነይታታት ከም ዘይስእኑ ተራእዩ እዩ።—ሉቃስ 9:57-62

14. (ሀ) የሱስ ንጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ምስ ጸውዖም እንታይ ገበሩ፧ (ለ) ኣርዑት የሱስ ንምጻር ከነማትእ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 እቲ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ዝሓደግዎ ኣብነት ግን ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። የሱስ ንኺስዕብዎን ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑን ምስ ጸውዖም: “ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (ማቴዎስ 4:19-22) ብቕልጡፍ ነዚ ውሳነ እዚ ብምግባር: ነቲ የሱስ ጸኒሑ “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ብምባል እተዛረቦ ነገር ብብሕቶም ተመኲሮምዎ እዮም። (ማቴዎስ 11:29, 30) ጥምቀት: ኣርዑት ሓላፍነት ዜሰክመና እኳ እንተዀነ: እዚ ኣርዑት እዚ ብዙሕ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ፈኵሽን ተጸዋርን ምዃኑ የሱስ ቃል ኣትዩልና ኣሎ።

15. ኣብነት ሙሴን ኤርምያስን: ደገፍ ኣምላኽ ከም እንረክብ ንኽንተኣማመን ምኽንያት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

15 ዘይብቑዕ ከይከውን ዚብልዎ ስክፍታ ንቡር እዩ። ሙሴን ኤርምያስን ኣብ ፈለማ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መዝነት ኪስከምዎ ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። (ዘጸኣት 3:11፣ ኤርምያስ 1:6) ኣምላኽ ግን ብኸመይ እዩ ኣተባቢዕዎም፧ ንሙሴ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። ንኤርምያስ ከኣ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ” ኢሉ ተመባጽዓሉ። (ዘጸኣት 3:12፣ ኤርምያስ 1:8) ንሕናውን ኣምላኽ ከም ዚድግፈና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና ትውክልትን: ነቲ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባር ንኽእል እንተ ዄንና ሓዲሩና ዝነበረ ምጥርጣር ንኸነወግዶ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደአ እምበር: ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:18) ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ በይኑ ኪኸይድ ከሎ ይፈርህ ይኸውን: ምስ ኣቦኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪኸይድ ከሎ ግን ምትእምማን ይሓድሮ እዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ብምሉእ ልብና ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና: ምስኡ ሓቢርና ኽንከይድ ከለና ‘ኣኻይዳና ኬቕንዕ’ ምዃኑ ተመባጺዑልና ኣሎ።—ምሳሌ 3:5, 6

ክቡር ኣጋጣሚ

16. ጥምቀት ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ምጥላቕ ዜጠቓልል ብኸመይ እዩ፧

16 መብዛሕትኡ ግዜ ቕድሚ ጥምቀት ብዛዕባ ኣገዳስነት ክርስትያናዊ ጥምቀት ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረ ይቐርብ እዩ። ኣብ መደምደምታ እዚ መደረ እዚ: ሕጹያት ዘበሉ ነተን ክልተ ናይ ጥምቀት ሕቶታት ብምምላስ እምነቶም ኣብ ቅድሚ ሰባት ኪእመኑ ይሕተቱ እዮም። (ሮሜ 10:10፣ ኣብ ገጽ 22 ዚርከብ ሳጹን ርአ።) ድሕሪኡ እቶም ሕጹያት ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ብምስዓብ: ኣብ ማይ ብምጥሓል ይጥመቑ። የሱስ ምስ ተጠምቀ: “ካብ ማይ ወጸ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 3:16፣ ማርቆስ 1:10) እምበኣር: ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ኣጥሊቕዎ ኪኸውን ኣለዎ። b ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ምጥላቕ: ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ዓብዪ ለውጢ ብዚግባእ ዚውክሎ መግለጺ እዩ። በቲ ቕድም እንስዕቦ ዝነበርና ናብራ ህይወትና ብምሳልያዊ መገዲ ሞይትና: ህይወትና ኸም ብሓድሽ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጅምር።

17. ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኰኑ ተዓዘብቲ ንኽብሪ ጥምቀት ኣበርክቶ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ጥምቀት ረዚንን ዜሐጕስን ኣጋጣሚ እዩ። ዮሃንስ ንየሱስ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኬጠምቖ ኸሎ: የሱስ ይጽሊ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ሉቃስ 3:21, 22) ሎሚውን ናይ ጥምቀት ሕጹያት ምስዚ ኣብነት እዚ ብምስምማዕ: ግቡእ ባህሪ ኼንጸባርቑ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብሕንኪ ኽንክደን ስለ ዚምሕጸነና: ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ነዚ ምኽሪ እዚ ብዝያዳ ኽንስዕቦ ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) ተዓዘብቲ እውን ነቲ ናይ ጥምቀት መደረ ተጠንቂቖም ብምስማዕን ነቲ ኣጋጣሚ ብስርዓት ብምዕዛብን ግቡእ ኣኽብሮት ኬርእዩ ይኽእሉ።—1 ቈረንቶስ 14:40

እተጠመቑ ደቀ መዛሙርቲ ዚረኽብዎ በረኸት

18, 19. ጥምቀት እንታይ ፍሉይ መሰላትን በረኸትን እዩ ዜምጽእ፧

18 ርእስና ንኣምላኽ ወፊና ምስ ተጠመቕና: ክፍሊ ፍሉይ ስድራቤት ንኸውን ኢና። ፈለማ: የሆዋ ኣቦናን ዓርክናን ይኸውን። ቅድሚ ጥምቀትና ኻብ ኣምላኽ ርሒቕና ኢና ኔርና: ምስ ተጠመቕና ግን ተዓሪቕና ኢና። (2 ቈረንቶስ 5:19፣ ቈሎሴ 1:20) ብመስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢልና: ንኣምላኽ ቀሪብናዮ: ንሱውን ቀሪቡና እዩ። (ያእቆብ 4:8) ነብዪ ሚልክያስ: የሆዋ ነቶም ስሙ ዚጥቀሙን ዚጾሩን ብኸመይ ከም ዜቕልበሎምን ዚሰምዖምን: ከምኡውን ስሞም ኣብ መጽሓፍ መዘከርታ ኸም ዚጽሕፎ ገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ: “ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ: ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ: ክንሕፎም እየ” በለ።—ሚልክያስ 3:16-18

19 ጥምቀት ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ክንከውን እውን የኽእለና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዘበሉ መስዋእቲ ብምኽፋሎም እንታይ በረኸት ከም ዚረኽቡ ምስ ሓተተ: የሱስ “ስለ ስመይ ኢሉ: ኣባይቲ ዀነ: ወይስ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ: ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ማቴዎስ 19:29) ጴጥሮስ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ “ኣብ ዓለም” ዝማዕበለ “ሕውነት” ጸሓፈ። ጴጥሮስ ነቲ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሕውነት ዝገበረሉ ደገፍን ዘምጸኣሉ በረኸትን ብብሕቱ ተመኲርዎ እዩ: ንሕናውን ክንምኰሮ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:17፣ 5:9

20. ጥምቀት እንታይ እተባረኸ ተስፋ እዩ ዚኸፍተልና፧

20 ብዘይካዚ: የሱስ እቶም ዚስዕብዎ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወርሱ’ ምዃኖም ሓቢሩ እዩ። እወ: ወፈያን ጥምቀትን ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ መገዲ ይኸፍተልና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ንርእስና ዀነ ንስድራቤትና ብዛዕባ መጻኢ ኻብዚ ዚሓይሽ እንታይ መሰረት ኢና እሞ ኽንስርት እንኽእል፧ እዚ እተባረኸ ተስፋ: “ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ” የኽእለና።—ሚክያስ 4:5

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቶም ነቲ ጴጥሮስ ኣብ ጴንጠቆስጠ ዘቕረቦ መደረ ዝሰምዑ ሰለስተ ሽሕ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን እውን ከይደንጐዩ እዮም ተጠሚቖም። ልክዕ እዩ: ንሳቶም እውን ከምቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታትን ስርዓታትን ቃል ኣምላኽ ድሮ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:37-41

b እታ ባፕቲዝማ (ጥምቀት) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ብመሰረት እቲ ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ “ጠሊቕካ ወይ ጥሒልካ ናይ ምውጻእ መስርሕ” ዚብል ትርጕም ተዋሂብዋ ኣሎ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ ክንህብ ዘሎና ብኸመይን ስለምንታይን እዩ፧

• ቅድሚ ጥምቀት እንታይ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ ኺርአ ዘለዎ፧

• ከይንጐድል ዚብል ስክፍታ ወይ ሓላፍነት ንኸይንስከም ምውልዋል ካብ ጥምቀት ኪዓግተና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

• እተጠመቑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ፍሉይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀት ረዚንን ዜሐጕስን ኣጋጣሚ እዩ