ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣንካ ንክርስቶስ ምሰሎ

ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣንካ ንክርስቶስ ምሰሎ

ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣንካ ንክርስቶስ ምሰሎ

ገለ ዓመታት ይገብር: ኣብ ጠባይ ወድሰብ መጽናዕቲ ንምግባር እተገብረ ፈተነ ዜገርም ውጽኢት ኣርኣየ። እቶም ኣብቲ ፈተነ እተኻፈሉ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቕሉ። ፍርቆም ሓለውቲ: ፍርቆም ከኣ እሱራት ኰይኖም ተመደቡ እሞ እቶም ሓለውቲ ኣብቶም እሱራት ስልጣን ተዋህቦም። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ “ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት መብዛሕትኦም እቶም [ሓለውቲ] ሃሰይትን ደንደንትን መቕጻዕቲ ዜብዝሑን ኪዀኑ ኸለዉ: እቶም እሱራት ግን ድሁላትን ምእዙዛትን ነበሩ።” እቶም ተመራመርቲ: ዳርጋ ዅሉ ሰብ ስልጣን ምስ ዚወሃቦ ብዘይግቡእ ኪጥቀመሉ ኸም ዚፍተን እዮም ገሊጾም።

ግቡእን ዘይግቡእን ኣጠቓቕማ ስልጣን

ግቡእ ኣጠቓቕማ ስልጣን ጠቓሚ ጽልዋ ኣለዎ። ባህ ዜብል መምርሒ ብምሃብ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ረብሓታት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 1:5፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፈተነ ኸም ዚሓበሮ: ኵሉ ሳዕ ኬጋጥም ዚኽእል ሓደጋ ምህላዉ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣጠቓቕማ ስልጣን ሚዛናዊ ዘይምዃን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓደጋ እዚ ኺሕብር ከሎ “ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና: ህዝቢ የስቈርቍር” ይብል።—ምሳሌ 29:2፣ መክብብ 8:9

ብጽቡቕ ድራኸ ተላዒልካ እውን ይኹን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ጐዳኢ እዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣየርላንድ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት: በቲ ገሊኣቶም መምህራን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚምህርዎም ቈልዑ ዘውረድዎ ማህሰይቲ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም መምህራን ዕላማኦም ጽቡቕ ከም ዝነበረ ንጹር እኳ እንተዀነ: እቲ ገሊኣቶም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ግን ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ ነይሩ። ዘ ኣይሪሽ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ “እቲ ብዙሓት ዚምህሩ ኣሕዋት [ካህናት ዘይኰኑ ፈለስቲ] ዘውረድዎ መጠኑ ዝሓለፈ ዓመጽን ጭካነን ንብዙሓት ቈልዑ በሰላ ገዲፉሎም እዩ” በለት። ንኻልኦት ብቓላት ወይ ብግብሪ ኣብ ክንዲ እትጐስዮም ወይ እትሃስዮም: ኪርብሕሉ ብዚኽእሉ መገዲ ስልጣንካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—ምሳሌ 12:18

“ኵሉ ስልጣን” ንየሱስ ክርስቶስ ተዋሂብዎ

ኣብነት የሱስ ክርስቶስ እውን ንርአ። ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ: “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በሎም። (ማቴዎስ 28:18) እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ዜጃጁ ድዩ ነይሩ፧ ድሕሪ ደጊም የሱስ መንፈስ እቶም ንተጻረርቶም ወይ ዕልዋ ኺገብሩ ንዚፍትኑ ብምጭፍላቕ ውሩያት ዝነበሩ ናይ ሮማ ቄሳር ኬንጸባርቕ እዩ ዚብል ስግኣት ኣሕዲሮም ድዮም፧

ከምዚ ዓይነት ስምዒት ከም ዘይሓደሮም ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይገልጸልና። የሱስ ክርስቶስ ንስልጣኑ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ካብቲ ናይ ኣቦኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ሽሕኳ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ልዑላዊ ፈጣሪ እንተዀነ: ተገዛእቱ ብፍታው ኬገልግልዎ ደኣ እምበር ባህ ከይበሎም: ብፍርሂ ወይ ከም ባርያ ተገዲዶም ኪእዘዝዎ ኣይደልን እዩ። (ማቴዎስ 22:37) የሆዋ ንስልጣኑ ፈጺሙ ብዘይግቡእ ኣይጥቀመሉን እዩ። ንነብዪ ህዝቅኤል እተዋህቦ መሳጢ ራእይ ነዚ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

ህዝቅኤል ኣብዚ ራእይ እዚ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚጣበቑ ኣርባዕተ መላእኽቲ ረኣየ። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ ነበሮም። ህዝቅኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ: ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ: ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።” (ህዝቅኤል 1:10) እዚ ኣርባዕተ ገጻት እዚ: ነቲ ፍጹም ሚዛኑ ዝሓለወ ኣርባዕተ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ዜመልክት ኪኸውን ከሎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ብገጽ ሰብ እተመሰለ ፍቕሪ: እቲ ብገጽ ኣንበሳ እተመሰለ ፍትሒ: እቲ ብገጽ ንስሪ እተመሰለ ኸኣ ጥበብ ምዃኑ እዩ። እዚ ሰለስተ ባህርያት እዚ ምስቲ ራብዓይ ብገጽ ብዕራይ እተመሰለ ሓይሊ ሓቢሩ እዩ ዚዓዪ። ኵሉ እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ እቲ ራእይ ከም ዚሕብሮ: የሆዋ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ወይ ስልጣኑ ምስቲ ኻልእ ቀንዲ ባህርያቱ ብምውህሃድ ጥራይ ከም ዚጥቀመሉ ዚሕብር እዩ።

የሱስ ክርስቶስ እውን ነቦኡ ብምምሳል ንስልጣኑ ወትሩ ምስ ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ትሕቲ ስልጣን የሱስ ኰይኖም ብምግልጋል ዓብዪ ዕረፍቲ ረኺቦም እዮም። (ማቴዎስ 11:28-30) የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብሓይሊ ወይ ብስልጣን ዘይኰነስ: ብፍቕሪ እዮም ዚልለዩ።—1 ቈረንቶስ 13:13፣ 1 ዮሃንስ 4:8

ንስልጣንካ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀመሉ፧

ንስኻኸ ንስልጣንካ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀመሉ፧ ንኣብነት: ኣብ ስድራቤትካ ናይ ብሕትኻ ምርጫ ተቐባልነት ንኺረክብ ጸቕጢ ትገብር ዲኻ፧ ኣባላት ስድራቤትካ ምስ ውሳነታትካ ዚሰማምዑ ብፍርሂ ድዮም: ወይስ ብፍቕሪ፧ ስለ እትመልኮም ድዮም ዚእዘዙኻ፧ ርእስታት ስድራቤት: ስድራቤቶም ብቲኦክራስያዊ ስርዓት ምእንቲ ኽትምራሕ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ይግባእ።—1 ቈረንቶስ 11:3

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተወሰነ ስልጣን እንተ ዚህልወካኸ፧ ንስልጣንካ ብግቡእ ትጥቀመሉ ምህላውካን ዘይምህላውካን ንምፍላጥ: ንርእስኻ በዚ ዚስዕብ ብመንፈስ የሆዋ ኣምላኽ እተጻሕፈ: ብኣብነት የሱስ ክርስቶስ ከኣ እተራእየ መሰረታዊ ስርዓታት ምዘን።

“ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: . . . ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። . . . ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም።”—2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25

ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ዓብዪ ስልጣን ነይርዎም እዩ። ንኣብነት: ጢሞቴዎስ ‘ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ኺእዝዝ’ ይኽእል ነይሩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:3-4) ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ “ብህድኣት” ኪገንሕን ክርስትያናዊ ሓላፍነቱ ኺፍጽም ከሎ “ንዅሉ ለዋህ” ኪኸውንን ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓሎ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ: ኣብ ኵሉ ተግባራቱ ንባህርያት ኣምላኽ የንጸባርቕ ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጢሞቴዎስ ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝነበረ: ነቶም ዓበይቲ ኸም ሓደ ኣኽብሮት ዜርኢ ውሉድ ነቶም ንኣሽቱ ድማ ከም ሓላዪ ሓው ኰይኑ ኪቐርቦም ነበሮ። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሓልዮት: መንፈስ ናይ ሓደ ርሕራሐ ዘይብሉ ንግዳዊ ትካል ዘይኰነስ: መንፈስ ናይ ሓንቲ ምውቕትን ፈቃርን ስድራቤት እያ እተንጸባርቕ።—1 ቈረንቶስ 4:14፣ 1 ተሰሎንቄ 2:7, 8

“ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን: እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን።”—ማቴዎስ 20:25, 26

ዓለማውያን ገዛእቲ ነቶም ተገዛእቶም ድላዮም ኪገብሩሎም ብምግዳድ እዮም “ዚገዝእዎም:” እንተ ዘይተኣዚዞምዎም ከኣ ብመቕጻዕቲ የፈራርህዎም። የሱስ ክርስቶስ ግን ንኻልኦት ምግልጋል ደኣ እምበር: ጸቕጢ ምግባር ኣየተባብዐን። (ማቴዎስ 20:27, 28) ንደቀ መዛሙርቱ ወትሩ ብፍቕርን ብሓልዮትን እዩ ዚሕዞም ነይሩ። ንስኻውን ኣብነት የሱስ ትስዕብ እንተደኣ ዄንካ: ካልኦት ብቐሊሉ ኺተሓባበሩኻ እዮም። (እብራውያን 13:7, 17) ‘ክልተ ምዕራፍ ኪኸዱ’ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ተገዲዶም ዘይኰነስ: ብፍታው ንኺገብርዎ ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም።—ማቴዎስ 5:41

“ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: . . . ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።”—1 ጴጥሮስ 5:2, 3

ሎሚ ሽማግለታት መንፈሳዊ ድሕነት ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ኺሕልዉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ይግንዘቡ እዮም። ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። ንመጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ ኸለዉ ብፍታውን ብታሕጓስን ብፍቕራዊ መገድን ኪገብርዎ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ: ንእምነት እቶም ብሓላፍነት ዚሕተቱሎም ሰባት ንምህናጽን ንምድልዳልን ደኣ እዮም ዚጽዕሩ እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነቶም ኪጕይተቱ ኣይደልዩን እዮም።—2 ቈረንቶስ 1:24

ሽማግለታት ግቡእ ምኽሪ ኺህቡ ኣብ ዜድልዮም ኵነታት ንዝበደለ ሰብ ንምቕናዕ ወይ ከኣ ንክርስትያን ብጻዮም ብመንፈስ ንኺዓቢ ንምሕጋዝ ብህዱእ መንፈስ እዮም ዚቐርብዎ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን: ንርእስኻ ተጠንቀቕ” ብምባል ዝጸሓፎ መዘኻኸሪ ይዝክርዎ እዮም።—ገላትያ 6:1፣ እብራውያን 6:1, 9-12

“ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: . . . ይቕረ ተባሃሀሉ። . . . ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:13, 14

ነቶም ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ ምስምማዕ ዜሸግሮም ሰባት ብኸመይ ኢኻ እትቐርቦም፧ ከምቲ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ዚገብርዎ ንዘይፍጽምናኦም ኣብ ግምት ተእቱ ዲኻ፧ (ኢሳይያስ 42:2-4) ወይስ ኣብ ኵሉ ነገራት: እቲ ሕጊ ሓንቲ ብሓንቲ ኺሕሎ ኣለዎ ኢልካ ትርር ኢኻ እትብል፧ (መዝሙር 130:3) ብእተኻእለ መጠን ኵሉ ሳዕ ልዙብ ክትከውን ከም ዚግባእ: ኬድሊ ኸሎ ጥራይ ግን ተሪር ክትከውን ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣንካ ዘለዉ ሰባት ብፍቕራዊ መገዲ ምስ እትሕዞም: ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኦምን ጽኑዕ ማእሰር ምትእምማን ከም ዚህሉ እዩ ዚገብር።

ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ስልጣን ምስ ዚወሃበካ: ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ስልጣን ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ክትመስሎም ጽዓር። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ንስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ንምብራህ እተጠቕመሉ ዜደንቕ ኣገላልጻ ዘክሮ። ዳዊት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ: ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ: ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።” ብዛዕባ የሱስ እውን ከምዚ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ:- “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ: ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።” ንስልጣንና ብፍቕራዊ መገዲ ብምጥቃም ዝመጸ: ካብዚኣቶም ዝሓሸ ኣርኣያ እሞ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧—መዝሙር 23:1-3፣ ዮሃንስ 10:14, 15

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ንሓይሉ ወትሩ ምስ ፍትሑን ጥበቡን ፍቕሩን ምሉእ ብምሉእ ብምውህሃድ እዩ ዚጥቀመሉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት ንዝበደሉ ሰባት ፍቕራዊ ምኽሪ ኺህቡ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: ኣኽብሮት ዜርኢ ውሉድን ሓላዪ ሓውን ኰይኑ ኪቐርብ መኸሮ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክርስቶስ ንስልጣኑ ብጥበባውን ብፍትሓውን ብፍቕራውን መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ