ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኪዱ እናኣጥመቕኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም’

‘ኪዱ እናኣጥመቕኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም’

‘ኪዱ እናኣጥመቕኩም: ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም’

“ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”ማቴዎስ 28:19, 20

1. ህዝቢ እስራኤል ኣብ ከረን ሲና እንታይ ውሳነ እዩ ዝገበረ፧

 ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር: ብምሉኦም ኣባላት ሓደ ህዝቢ ንኣምላኽ መብጽዓ ኣተዉ። እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ተኣኪቦም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም ተዛረቡ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: እስራኤል ንኣምላኽ እተወፈየ ህዝቢ ዀነ: ወይ ንኣምላኽ ‘ገንዘቡ’ ዀነ። (ዘጸኣት 19:5, 8፣ 24:3) ዕቝባኡ ኺረኽቡን ንውሉድ ወለዶ ኣብታ “ጸባን መዓርን እትውሕዝ” ምድሪ ኺነብሩን ብሃንቀውታ ኺጽበዩ ጀመሩ።—ዘሌዋውያን 20:24

2. ሎሚ ሰባት ምስ ኣምላኽ እንታይ ርክብ እዩ ኺህልዎም ዚኽእል፧

2 ይኹን እምበር: ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: እስራኤላውያን “ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን: ብሕጉ ምምልላስ ከኣ አበዩ” ኢሉ ተኣመነ። (መዝሙር 78:10) እቲ ኣቦታቶም ንየሆዋ ዝኣተውዎ መብጽዓ ኣይሓለዉን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ህዝቢ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ኣጥፍአ። (መክብብ 5:4፣ ማቴዎስ 23:37, 38) በዚ ምኽንያት እዚ: “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ . . . ኼውጽእ” መደበ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ኣምላኽ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” እናበሉ ብሓጐስ ኣፍልጦ ዚህቡ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ይእክብ ኣሎ።—ራእይ 7:9, 10

3. ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎ እንታይ ስጕምትታት እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧

3 ሓደ ሰብ ካብቶም ምስ ኣምላኽ ክቡር ርክብ ዘለዎም ሰባት ንኪኸውን: ርእሱ ንየሆዋ ኺውፍን ነዚ ድማ ብማይ ብምጥማቕ ኬርእን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦም ቀጥታዊ ትእዛዝ ንምሕላው እዩ ዚግበር። (ማቴዎስ 28:19, 20) እስራኤላውያን: “መጽሓፍ ኪዳን” ኪንበበሎም ከሎ ሰሚዖም እዮም። (ዘጸኣት 24:3, 7, 8) ስለዚ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታታት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ቅድሚ ምስጓሙ: ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ርጡብ ፍልጠት ኪፈልጦ ኣለዎ።

4. ሓደ ሰብ ንጥምቀት ብቑዕ ንኪኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሳጹን እውን ሓሳባት ሃብ።)

4 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቕድሚ ምጥማቖም ድልዱል መሰረት ዘለዋ እምነት ክትህልዎም ከም ዝደለየ ንጹር እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ዝኣዘዞም ኵሉ ኺሕልዉ’ እውን ኪምህርዎም መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 7:24, 25፣ ኤፌሶን 3:17-19) ስለዚ: እቶም ንጥምቀት ዚበቕዑ መብዛሕትኡ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ኣዋርሕ: አረ ንዓመት ወይ ክልተ ዓመት ዚኸውን እውን ዜጽንዑ እዮም። እምበኣር: ውሳነኦም ብታህዋኽ ወይ ብዘይ እኹል ፍልጠት ኣይኰነን። ቅድሚ ጥምቀት እውን: እቶም ሕጹያት ንኽልተ ኣገዳሲ ሕቶታት እወ ኢሎም ይምልሱ እዮም። የሱስ ‘ነገርና፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን’ ኪኸውን ስለ ዘጕልሐ: ንኣገዳስነት እዘን ክልተ ናይ ጥምቀት ሕቶታት እንደገና ምምርማርና ንዅልና ጠቓሚ እዩ።—ማቴዎስ 5:37

ንስሓን ወፈያን

5. እታ ቐዳመይቲ ናይ ጥምቀት ሕቶ እንታይ ክልተ መሰረታዊ ስጕምትታት እያ እተጕልሕ፧

5 እታ ቐዳመይቲ ናይ ጥምቀት ሕቶ: ነቲ ሕጹይ ካብ ናይ ቀደም ህይወቱ እንተ ተነሲሑን ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ርእሱ ንየሆዋ እንተ ወፍዩን እያ እትሓቶ። እዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ጥምቀት ኪውሰድ ዘለዎ ኽልተ ኣገዳሲ ስጕምትታት ተጕልሕ። እዚ ኸኣ ንስሓን ወፈያን እዩ።

6, 7. (ሀ) ንስሓ ንዅሎም እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ምስ ተነስሐ እንታይ ለውጥታት እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

6 ሓደ ሰብ ርእሱ ንጥምቀት ቅድሚ ምቕራቡ: ኪንሳሕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ዅላትና . . . ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና” ብምባል ይገልጽ። (ኤፌሶን 2:3) ርጡብ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ምጥራይና: ብስርዓታትን መለክዒታትን ዓለም ኢና እንመላለስ ኔርና። ህይወትና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን እያ ነይራ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝፈለጥና ግን: ‘ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ንፍትወት ሰብ ከይንነብር’ ቈሪጽና ኢና።—1 ጴጥሮስ 4:2

7 እዚ ሓድሽ ናብራ ህይወት እዚ ብዙሕ ዓስብታት የምጽእ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ የሆዋ ኽቡር ርክብ ንኽትምስርት መገዲ ይኸፍት። ዳዊት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስቲ ናብ “ድንኳን” ከምኡውን “ከረን ቅድስና” ኣምላኽ ንኽትኣቱ ዚቐርብ ብሓቂ ኽቡር ዝዀነ ዕድመ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (መዝሙር 15:1) የሆዋ ንሓደ “ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ሰብ እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ኪዕድም ኣይንጽበዮን ኢና። (መዝሙር 15:2) ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና ዝነበረና ዅነታት እተፈላለየ ብምዃኑ: ምስዚ ኣብዚ ጥቕስታት ዘሎ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ኣብ ኣካይዳና ዀነ ኣብ ባህሪና እተወሰነ ለውጥታት ክንገብር ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ቈሎሴ 3:5-10) እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ንኽንገብር ዚድርኸና ነገር ንስሓ: ማለት ብዛዕባ እቲ ናይ ቀደም ኣነባብራና ዚስምዓና ልባዊ ጣዕሳን ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ እንገብሮ ሓያል ቈራጽነትን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ስስዐ ዝመልኦ ዓለማዊ ናብራ ሓዲግና ንኣምላኽ ዜሐጕስ መገዲ ብምስዓብ ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ናብ ምግባር ይመርሕ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20adj.

8. ርእስና እንውፊ ብኸመይ ኢና፧ ምስ ጥምቀትከ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ፧

8 እቲ ኻልኣይ ክፋል እታ ቐዳመይቲ ናይ ጥምቀት ሕቶ: ነቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ርእሶም ንዕኡ እንተ ወፍዮም እያ እትሓትት። ወፈያ ቕድሚ ጥምቀት ኪግበር ዘለዎ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ። ርእስና እንውፊ ብጸሎት ኣቢልና ኢና: ኣብኡ ኸኣ ህይወትና ብክርስቶስ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንህብ ከም እንደሊ ባህግና ንገልጽ። (ሮሜ 14:7, 8፣ 2 ቈረንቶስ 5:15) ድሕሪኡ የሆዋ ጐይታናን ዋናናን ይኸውን: ከም የሱስ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ንሕጐስ። (መዝሙር 40:8፣ ኤፌሶን 6:6) እዚ ንየሆዋ እንኣትዎ ልባዊ መብጽዓ እዚ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዚግበር። ብብሕትና ርእስና ስለ እንውፊ ግን: ኣብ መዓልቲ ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ሰባት እንእመኖ ነገር: ንሰማያዊ ኣቦና ልባዊ ወፈያ ኸም ዝገበርና ኻልኦት ኵሎም ንኺፈልጡ የኽእሎም።—ሮሜ 10:10

9, 10. (ሀ) ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ሰበ-ስልጣን ናዚ እውን ከይተረፉ ነዚ ብኸመይ እዮም ኣፍልጦ ዝሃቡሉ፧

9 ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኣብነት የሱስ ምስዓብ እንታይ የጠቓልል፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ [“ብቐጻሊ:” NW] ይስዐበኒ” በሎም። (ማቴዎስ 16:24) ኣብዚ ኽንገብሮ ዘሎና ሰለስተ ነገራት እዩ ኣጕሊሑ። ቀዳማይ: ‘ህይወትና ንቐብጽ።’ ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ ስሱዕን ዘይፍጹምን ዝንባለና ሓዲግና: ምኽርን መምርሕን ኣምላኽ ንስዕብ። ካልኣይ ‘መስቀልና [“መሳቐዪ ዕንጨይቲ:” NW] ነልዕል።’ ብግዜ የሱስ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ምልክት ሕፍረትን መከራን እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ስለ ዝዀንና: ሓድሓደ ግዜ ምእንቲ እቲ ብስራት መከራ እንተ ጸገብና ንቕበሎ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 1:8) ዓለም ዋላ እውን እንተ ኣላገጸትልና ወይ እንተ ጸረፈትና: ከም ክርስቶስ ንኣምላኽ ባህ ነብሎ ኸም ዘለና ብምፍላጥና ስለ እንሕጐስ: ‘ሕፍረት ንንዕቕ’ ኢና። (እብራውያን 12:2) ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ንየሱስ “ብቐጻሊ” ንስዕቦ።—መዝሙር 73:26፣ 119:44፣ 145:2

10 እቲ ዜገርም: ገሊኦም ተጻረርቲ እውን ከይተረፉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኬገልግልዎ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ይርድእዎ እዮም። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ቡከንዋልድ ዚርከብ ዝነበረ መዳጎኒ ደምበ ናዚ ጀርመን: እቶም እምነቶም ምኽሓድ ዚኣብዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ሕጂውን ውፉይ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እየ: ንየሆዋ ዝመሓልክዎ መብጽዓ ድማ ከቶ ኣይከፍርሶን እየ” ዚብል ጽሑፍ ኪፍርሙ ይሕተቱ ነበሩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ንኣረኣእያ እቶም ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዚግባእ ዚገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:32

ከም ናይ የሆዋ ምስክር ዜፍልጠካ

11. ሓደ ዚጥመቕ ሰብ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዚረክብ፧

11 እታ ኻልአይቲ ሕቶ ነቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ: ምጥማቑ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዜፍልጦ ምዃኑ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ትሓትት። ሓደ ሰብ ምስ ተጠመቐ: ስም የሆዋ ዚጸውር እተመዘዘ ኣገልጋሊ ይኸውን። እዚ ዓብዪ መሰልን ረዚን ሓላፍነትን እዩ። ነቲ እተጠመቐ ኸኣ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እንተ ቐጺሉ: ዘለኣለማዊ ድሕነት ንኺረክብ ተስፋ ይህልዎ።—ማቴዎስ 24:13

12. ምስቲ ስም የሆዋ ብምጻር ዚርከብ ክብሪ እንታይ ግዴታ እዩ ዚመጽእ፧

12 ስም እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምጻር: ብርግጽ ፍሉይ ክብሪ እዩ። ነብዪ ሚክያስ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” በለ። (ሚክያስ 4:5) ይኹን እምበር: ምስዚ ኽብሪ እዚ ዚመጽእ ግዴታ ኣሎ። ነቲ እንጾሮ ስም ክብሪ ብዜምጽእ መገዲ ህይወትና ንምምራሕ ክንጽዕር ኣሎና። ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጠንቀቖም: ሓደ ሰብ በቲ ዚሰብኮ ዘይመላለስ እንተ ዀይኑ: ስም ኣምላኽ ‘ይጽረፍ’ ወይ ይሓስር።—ሮሜ 2:21-24

13. ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣምላኾም ንኺምስክሩ ሓላፍነት ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

13 ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ከሎ: ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺምስክር እውን ሓላፍነት ይስከም እዩ፧ የሆዋ ነቶም ርእሶም ዝወፈዩ ህዝቢ እስራኤል ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽነቱ ንኺነግሩ መሰኻኽሩ ኪዀኑ ዓዲምዎም ነይሩ። (ኢሳይያስ 43:10-12, 21) እቶም ህዝቢ ግን ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣይተሰከሙን: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሞገስ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍኡ። ሎሚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስም የሆዋ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል ምርካቦም የሐብኖም እዩ። ከምዚ ዚስምዓና ኸኣ: ስለ እንፍቅሮን ስሙ ኪቕደስ ሃረር ስለ እንብልን እዩ። ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦናን ዕላማኡን እቲ ሓቂ እናፈለጥና ኸመይ ጌርና ኢና እሞ ስቕ ክንብል እንኽእል፧ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብግዲ በጺሑኒ እዩ . . . ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ኪብል ከሎ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘሎና።—1 ቈረንቶስ 9:16

14, 15. (ሀ) ማሕበር የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትና እንታይ ግደ እዩ ዘለዋ፧ (ለ) ብመንፈስ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ ምድላዋት ኣሎ፧

14 እታ ኻልአይቲ ሕቶ ነቲ ሕጹይ ምስታ ብመንፈስ የሆዋ እትምራሕ ማሕበር ሓቢሩ ኺዓዪ ሓላፍነት ከም ዘለዎ እውን ተዘኻኽሮ እያ። ንኣምላኽ ኣብ እንገብሮ ኣገልግሎት ርእስና ኽንፈሊ ኣይንኽእልን ኢና: ካብቲ “ሕውነት” ሓገዝን ደገፍን ምትብባዕን የድልየና እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:17፣ 1 ቈረንቶስ 12:12, 13) ማሕበር ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትና ኣገዳሲ ግደ እዩ ዘለዋ። ኣብቲ ርጡብ ፍልጠት እናወሰኽና ንኽንከይድን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ብጥበብ ንኽንመላለስን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኸነማዕብልን ዚሕግዘና ኣኺሉ ዚተርፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተዳልወልና እያ። “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ከምቲ ውሉዳ ብግቡእ ከም እተዓንገለን ጽቡቕ ክንክን ከም ዝረኸበን እትከታተል ኣደ: ንመንፈሳዊ ዕቤትና ዜድሊ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ የዳሉ እዩ።—ማቴዎስ 24:45-47፣ 1 ተሰሎንቄ 2:7, 8

15 ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ንምዃን ዜድሊ ስልጠናን ምትብባዕን ይረኽቡ እዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንኽንዛረብ ይምህረና: ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኸኣ መልእኽትና ብኣስላጢ መገዲ ንኸነቕርቦ የሰልጥነና። ካብቲ ኣብ ኣኼባታትና ዀነ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት እንገብሮ መጽናዕቲ: መንፈስ የሆዋ ንማሕበሩ ይመርሓ ኸም ዘሎ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ በዚ ስሩዕ ምድላዋት እዚ ኣቢሉ ኻብ ሓደጋ የጠንቅቐና: ኣስለጥቲ ኣገልገልቲ ኽንከውን የሰልጥነና: ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውን ድማ ይሕግዘና።—መዝሙር 19:7, 8, 11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:6, 11፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:13

ነቲ ውሳነ ንምግባር ዚድርኽ ነገር

16. ርእስና ንየሆዋ ንኽንውፊ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

16 እምበኣር: እቲ ኽልተ ናይ ጥምቀት ሕቶታት ነቶም ሕጹያት ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ናይ ማይ ጥምቀትን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነትን እዩ ዜዘኻኽር። ንጥምቀት ውሳነ ንኺገብሩ ድራኸ ኼሕድረሎም ዘለዎ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ተገዲድና ዘይኰነስ: የሆዋ ስለ ‘ዚስሕበና’ ኢና ተጠሚቕና ደቀ መዛሙርቲ እንኸውን። (ዮሃንስ 6:44) “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ:” ስለዚ ንዩኒቨርስ ብፍቕሪ ደኣ እምበር: ብሓይሊ ኣይኰነን ዚገዝኦ። (1 ዮሃንስ 4:8) በቲ ሕያውነት ዝመልኦ ባህርያትን በቲ ምሳና ዘለዎ ርክብን ናብ የሆዋ ንሰሓብ ኢና። የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ሂቡና እዩ: ብሉጽ ዚበሃል መጻኢ እውን ኣንቢሩልና ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16) ንሕናውን ብተራና ህይወትና ንዕኡ ኽንውፊ ንድረኽ ኢና።—ምሳሌ 3:9፣ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15

17. ርእስና ዝወፈና ንምንታይ ኣይኰነን፧

17 ርእስና ንሓደ ሓሳብ ወይ ዕዮ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ኢና ወፊና። እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝሃቦም ዕዮ ኪቕየር እዩ: እቲ ንሳቶም ንዕኡ ዝገበርዎ ወፈያ ግን ኣይቅየርን እዩ። ንኣብነት: ንኣብርሃም ኪገብሮ ዝነገሮ ነገር: ካብቲ ንኤርምያስ ዝነገሮ ነገር ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። (ዘፍጥረት 13:17, 18፣ ኤርምያስ 1:6, 7) እንተዀነ ግን: ክልቲኦም ንየሆዋ ስለ ዘፍቅርዎን ብተኣማንነት ፍቓዱ ኺገብሩ ስለ ዚደልዩን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ፈጺሞምዎ እዮም። ኣብዚ ግዜ መወዳእታ: ኵሎም ጥሙቓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ ክርስቶስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብሩን ዝሃቦም ትእዛዝ ኪፍጽሙ ይጽዕሩ እዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ነዚ ዕዮ እዚ ብምሉእ ልቢ ምፍጻምና: ንሰማያዊ ኣቦና ዘላትና ፍቕርን ንዕኡ ብሓቂ እተወፈና ምዃንናን ከነርእየሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ እዩ።—1 ዮሃንስ 5:3

18, 19. (ሀ) ክንጥመቕ ከለና ንሰባት እንታይ ኢና እነፍልጥ ዘሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 ጥምቀት ብዘይ ጥርጥር ሓያሎ በረኸት ንምርካብ መገዲ ዚኸፍት እኳ እንተዀነ: ኣፍኲስካ ኺርአ ዘለዎ ስጕምቲ ግን ኣይኰነን። (ሉቃስ 14:26-33) ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሓላፍነት ኣብሊጽካ ኺርአ ኣለዎ። (ሉቃስ 9:62) ክንጥመቕ ከለና: ከም ሓቂ “እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ: ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ” ኢልና ኢና ንሰባት ነፍልጥ ዘሎና።—መዝሙር 48:14

19 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ምስ ብማይ ምጥማቕ እተተሓሓዘ ተወሳኺ ሕቶታት ክንምርምር ኢና። ሓደ ሰብ ካብ ጥምቀት ንኼድሓርሕር ዚገብሮ ብቑዕ ምኽንያታት ኪህሉ ይኽእልዶ፧ ዕድመ ረቛሒ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ኵላትና ንእዋን ጥምቀት ክብሪ ኸም ዚዓስሎ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ቅድሚ ጥምቀት ኪንሳሕ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧

• ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይ እንታይ የጠቓልል፧

• ስም የሆዋ ብምጻር ዚርከብ ክብሪ እንታይ ሓላፍነታት የምጽእ፧

• ንኽንጥመቕ ኪድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እተን ክልተ ናይ ጥምቀት ሕቶታት

ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ: ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩም ፍቓዱ ንምግባር ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹም ዲኹም፧

ርእስኹም ምውፋይኩምን ምጥማቕኩምን ምስታ ብመንፈስ እትምራሕ ማሕበር ኣምላኽ ብምሕባር ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜፍልጠኩም ምዃኑ ተረዲእኩም ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ወፈያ ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ እንኣትዎ ልባዊ መብጽዓ እዩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዕዮ ስብከትና ርእስና ንየሆዋ ኸም ዝወፈና የርኢ