ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ መገዲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧

ምስ መገዲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧

ምስ መገዲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧

ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚነብር ሰብኣይ 25,000 ዶላር ሒዙ ንእተወሰነ ግዜ ኬቐምጦ ናብ ሓደ ባንክ ከደ። እቲ ኣብቲ ባንክ ዚሰርሕ ሰብ ግን ንገንዘቡ ኣብቲ ዋጋኡ ኺድይብ እንተ ዘይኰይኑ ፈጺሙ ኺወርድ ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዚሓሰቦ ዕዳጋ ኦክስዮን ኬዋፍሮ መኸሮ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ምኽሪ ተቐቢሉ ገንዘቡ ምስ ኣዋፈረ ግን: ነዊሕ ከይጸንሐ ዋጋኡ ታሕቲ ወረደ።

እዚ ተመክሮ እዚ: ጥበባዊ ውሳነ ምግባር ከቢድ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና። ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና እተፈላለየ ውሳነታትከ፧ መብዛሕትኡ ዓወት ወይ ውድቀት: ውዒሉ ሓዲሩ እውን ህይወት ወይ ሞት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር: ተኣማሚንና ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

“እዚኣ እያ እታ መገዲ”

መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ እንበልዖ ምግብን እንኽደኖ ኽዳንን እንኸዶ ቦታን ካልእ ነገራትን ውሳነታት ንገብር ኢና። ገሊኡ ውሳነታት ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስል እኳ እንተዀነ: ሳዕቤኑ ግን ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንመጀመርታ ግዜ ሽጋራ ንምትካኽ ዚግበር ውሳነ ኣብ ምሉእ ዕድመኻ ዚቕጽል ወልፊ ሽጋራ ኼትሕዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ እንገብሮ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስል ውሳነታት ፈጺምና ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን።

ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ውሳነታት ክንገብር ከለና እውን ከይተረፈ: ካበይ ኢና መምርሒ ኽንረክብ እንኽእል፧ ከቢድ ውሳነ ኽንገብር ከለና ንሓደ ትውክልቲ ኺግበረሉ ዚኽእል ኣማኻሪ ኸነማኽርሲ ኣየ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! ከምዚ ዓይነት ኣማኻሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንግዜና ዚኸውን መልእኽቲ ዝሓዘለ ሓደ ጥንታዊ መጽሓፍ ከምዚ በለ:- “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።” (ኢሳይያስ 30:21) ነዘን ቃላት እዚኣተን መን እዩ ተዛሪብወን፧ መምርሒኡ ትውክልቲ ዚግበረሉ ምዃኑኸ ኸመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ውሕስነት ዚህብ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ነዚ መጽሓፍ እዚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣጽኒዖምዎ: መንፈስ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ ኸኣ ተገንዚቦም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) የሆዋ ኣፈጣጥራና ስለ ዚፈልጥ: እቲ ዝበለጸ ምንጪ መምርሒና እዩ። “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ: ምኽረይ ኪቐውም እዩ . . . ዝበልኩ ኣነ እየ” ስለ ዝበለ: ብዛዕባ መጻኢ እውን ኣቐዲሙ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 46:10) ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ኣብ ቃል የሆዋ ዘለዎ ትውክልቲ: “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ብምባል ገሊጹ እዩ። (መዝሙር 119:105) ሎሚ ኣብዛ ብሽግር ኣዕለቕሊቓ ዘላ ዓለም እናቐዘፍና ናብ ደሓን ዘለዎ ቦታ ንኽንጐዓዝ የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ምስ መገዲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕየየሉ

የሆዋ ኣምላኽ ንክርስትያናት ርጡብ ዝዀነ ውሳነታት ንኺገብሩ ዚሕግዞም መለኮታዊ ስርዓታት ሂብዎም እዩ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጥካ ኣብ ግብሪ እተውዕለሉ ኣገባብ: ምስቲ ንሓደ ቛንቋ ፈሊጥካ እትጥቀመሉ ኣገባብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነቲ ቛንቋ እናመለኽካዮ ምስ ከድካ ድማ: ሓደ ሰብ ኣብ ሰዋስው ምስ ዚጋገ ዘረባኡ ቕኑዕ ትርጕም ስለ ዘየመሓላልፍ ጌጋኡ ቐልጢፍካ ኸተለልዮ ትኽእል ኢኻ። ጌጋኡ ኣበየናይ ክፍሊ ሰዋስው ምዃኑ ኣነጺርካ ኽትጠቅስ እኳ እንተ ዘይከኣልካ: ጌጋ ምዃኑ ግን ትፈልጥ ኢኻ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጥካ ኽትዓየሉ ምስ ጀመርካ: እትገብሮ ውሳነ ምስቲ መለኮታዊ ስርዓታት ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ቀልጢፉ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ንጸጕሩ ዚምልከት ኣብ ዚገብሮ ምርጫ ብኸመይ ውሳነ ኸም ዚገብር ንመልከት። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ዚዅንኖ ዓይነት ኣመሻሽጣ ጸጕሪ እኳ እንተ ዘየለ: ሓደ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንመርምር። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን [“ትሕትና ዜርእን:” ትርጕም 1990]: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣንስቲ እኳ ይዛረብ እንተሎ: እቲ መሰረታዊ ስርዓቱ ግን ንሰብኡትን ኣንስትን ዚዓዪ እዩ። እቲ መሰረታዊ ስርዓት እንታይ እዩ፧ ትርኢትና ሕንክን ምቕጻዕ ነፍስን ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ትሕትና ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ ዚብል እዩ። ስለዚ: እቲ መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ ‘ጸጕረይ ነቲ ኣብ ሓደ ክርስትያን ኪርአ ዘለዎ ትሕትና ዜንጸባርቕ ድዩ፧’ ኢሉ ኺሓትት ኣለዎ።

ሓደ መንእሰይ ካብዚ ዚስዕብ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር እተዛረቦ ቓላት እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ኺረክብ ዚኽእል፧ “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።” (ያእቆብ 4:4) ክርስትያናት ፈታው እዛ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነት ዓለም ፈጺሞም ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ እምበኣር: መዛኑኡ ዚመርጽዎ ዓይነት ኣመሻሽጣ ጸጕሪ ምስ ዚስዕብ: ፈታው ኣምላኽ ድዩ ዚኸውን ወይስ ፈታው ዓለም፧ እቲ እንታይ ዓይነት ኣመሻሽጣ ጸጕሪ ኺመርጽ ከም ዘለዎ ዚሓስብ ዘሎ መንእሰይ ጥበባዊ ውሳነ ንኺገብር ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። እወ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ ተመርኲስና ውሳነታት ምግባር እንተደኣ ለሚድና ኸኣ: ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘይብሉ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ቀሊል ኪዀነልና እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ መሰረታዊ ስርዓታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ፈልዩ ንዅነታትና ዚሕብር ጥቕሲ ኸም ዘይንረክብ ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግን ብዛዕባ እቶም ንመለኮታዊ መምርሒ እተኣዘዙን ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝበሉን ሰባት ዚገልጽ ታሪኽ ከነንብብ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 4:6, 7, 13-16፣ ዘዳግም 30:15-20፣ 1 ቈረንቶስ 10:11) ነዚ ጸብጻባት እዚ ብምንባብን ብዛዕባ ውጽኢቱ ብምስትንታንን: ንኣምላኽ ዜሐጕስ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘና መለኮታዊ ስርዓታት እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኢና።

የሱስ ክርስቶስ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ሓጺር ዝርርብ ከም ኣብነት ውሰድ። እቶም ክልተ ድሪም ግብሪ ዚእክቡ ሰብኡት: ንጴጥሮስ “መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ: ጴጥሮስ “ይፈዲባ” ኢሉ መሊሱሎም ነበረ። ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ የሱስ ንጴጥሮስ: “ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ “ካብ ካልኦትባ” ኢሉ ምስ መለሰ: የሱስ “ደቆምስኸ ናጻ እዮም። ከይንዕንቅፎም ግና: ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ: ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ: ኣፉ ምስ ከፈትካ: ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ: ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም” በሎ። (ማቴዎስ 17:24-27) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት ኢና እንረክብ፧

የሱስ እተፈላለየ ሕቶታት ብምሕታት ንጴጥሮስ ኣረድኦ። የሱስ ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን: ካብ ግብሪ ናጻ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ: ፈለማ ኸምኡ ገይሩ ዘይወሰዶ እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ግን ብሕያውነት ኣረድኦ። ንሕናውን ካልኦት ኪጋገዩ ኽንርኢ ኸለና ጕድለቶም ብትሪ ኣብ ክንዲ ምሕባር ወይ ኣብ ክንዲ ምዅናን: ከም የሱስ ብድንጋጽ ከነረድኦም ንኽእል ኢና።

ጴጥሮስ ኣብ መወዳእታ ግብሪ ዝኸፈሉሉ ምኽንያት ንኻልኦት ምእንቲ ኸይዕንቅፉ ምዃኑ ተረዲእዎ እዩ። ካብዚ ጸብጻብ እዚ ኽንመሃሮ እንኽእል ካልእ መሰረታዊ ስርዓት እምበኣር: መሰልና ኺሕሎ ኣለዎ ኢልና ትርር ኣብ ክንዲ ምባል: ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ምእታው ዝሓሸ ምዃኑ እዩ።

ንሕልና ኻልኦት ዜኽብር ውሳነታት ንኽንገብር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ንብጾትና ዘላትና ፍቕሪ እያ። የሱስ ክርስቶስ ንብጾትና ኸም ነፍስና ኸነፍቅር እተዋህበትና ትእዛዝ: ካብታ ንኣምላኽ ከም ነፍስና ጌርና ኸነፍቅሮ እተዋህበት ትእዛዝ ቀጺላ ብኻልኣይ ደረጃ ኽትክበር ዘለዋ ኣገዳሲት ትእዛዝ ምዃና ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 22:39) ይኹን እምበር: ኣብዛ ስስዐ እተተባብዕ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና: እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባለ ኸኣ ከም እንስስዕ እዩ ዚገብረና። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ንብጻዩ ኸም ርእሱ ገይሩ ንኼፍቅር: ሓሳቡ ኼሐድስ ኣለዎ።—ሮሜ 12:2

ሓያሎ ሰባት: ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ብምግባር ዓበይቲ ይኹን ንኣሽቱ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ንኻልኦት ኣብ ግምት ኣእትዮም እዮም። ጳውሎስ: “ኣሕዋተየ: ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ: ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር: ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ” ብምባል ጸሓፈ። (ገላትያ 5:13) ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧ ንሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪመሃሩ ንኽትሕግዞም ናብ ሓንቲ ሓውሲ ገጠር ዝዀነት ንእሽቶ ኸተማ ዝኸደት መንእሰይ ንርአ። እቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ብደረጃ እቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚግበር ኣከዳድና: ሕንኪ ዘለዎ ቕቡል ክዳን እዩ ነይሩ: ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ሰባት ክትቀርቦም ከላ ግን ክዳና መዘራረቢ ኣርእስቲ ነበረ። ክዳናን ትርኢታን ሕንኪ ዘለዎ እኳ እንተ ነበረ: “እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ” ኢላ ድሙቕ ዘይኰነ ኽዳን ክትክደን ወሰነት።—ቲቶስ 2:5

ንስኻኸ ብዛዕባ ትርኢትካ ወይ ካልእ ንናይ ብሕቲ ምርጫኻ ብዛዕባ ዚምልከት ጕዳይ ውሳነ ምግባር እንተ ዜድልየካ: እንታይ ምገበርካ፧ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ተእቱ እንተደኣ ዄንካ: የሆዋ ኸም ዚሕጐስ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣርሒቕካ ጠምት

ውሳነታት ክንገብር ከለና ኣብ ርእሲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ሕልና ኻልኦትን ካልእ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ነገር እንታይ እዩ፧ ክርስትያናት ዚኸዱላ መገዲ ዘይጥጥሕትን ጸባብን እኳ እንተዀነት: ኣምላኽ ገደብ ዘለዎ ናጽነት ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ውሳነታትና ንናይ መጻኢ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕናና ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ኽንሓስበሉ ኼድሊ እዩ።

ምናልባት ኣብ ሓደ ስራሕ ክትኣቱ ንዚቐርበልካ ሕቶ ‘ክቕበሎዶ ወይስ ክነጽጎ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። እቲ ስራሕ ምስ ዘይስነ-ምግባር ይኹን ካልእ ዘይግቡእ ነገራት ዘይተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሰሙናዊ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ እውን ዜፍቅደልካ እዩ። እቲ ደሞዝ ካብቲ እትጽበዮ ዝነበርካ ንላዕሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣስራሒ ንኽእለትካ ኣዝዩ ኽብ ኣቢሉ ስለ ዚምልከቶ: ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀመልካ እዩ ዚደሊ። ንስኻ እውን ነቲ ስራሕ እቲ ትፈትዎ ኢኻ። እሞኸ ንምቕባሉ ድሕር ምሕር ክትብልዶ ይግባእ፧ ምናልባት ነቲ ስራሕ ካብ ምፍታውካ እተላዕለ ብዙሕ ግዜ ኸም እትስውኣሉ እንተ ተራእዩካኸ፧ ካብቲ ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኽትሰርሕ ከም ዘይትግደድ ተነጊሩካ እዩ ንበል። እንተዀነ ግን: ሓደ ዕማም ንምውዳእ ኢልካ ኻብቲ ኽትሰርሖ ዚግብኣካ ንላዕሊ ንምስራሕ ፍቓደኛ ኽትከውን ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻብቲ ልሙድ ሰዓታት ወጻኢ እትሰርሖ ስራሕ ይደጋገም ደዀን ይኸውን፧ ካብ ስድራቤትካ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ካብቲ ፈጺሙ ኼምልጠካ ዘይብሉ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከም እትርሕቕ ይገብረካ ደዀን ይኸውን፧

ጂም ምስ ስራሑ እተተሓሓዘ ዝገበሮ ዓብዪ ውሳነ ንርአ። ደኺመ ኸይበለ ይሰርሕ ነበረ: ኣብቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ከኣ ናይ ስራሕ ዕቤት ረኸበ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዚ ትካል እዚ ኣብ ዚንቀሳቐሰሉ ሓያሎ ቦታታት ማለት ኣብ ምብራቓውያን ሃገራት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ ሓላፍነት ተዋህቦ። ይኹን እምበር: ኣብ ጃፓን ቍጠባዊ ቕልውላው ምስ ኣጋጠመ: ደድሕሪ ገንዘብን ስልጣንን ምጕያይ ክሳዕ ክንደይ ከንቱ ምዃኑ ተገንዘበ። እቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝኣከቦ ገንዘብ ብሓንሳእ ህልም በለ። እንታይ ከም ዚገብር ድማ ሕርብት በሎ። ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ‘ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እንታይ እየ ኽገብር፧’ ኢሉ ሓተተ። ድሕርዚ: ሰበይቱን ደቁን ኣብ ህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ሸቶታት ይስዕቡ ምንባሮም ተገንዘበ። ስድራቤቱ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሓብሩ ጸኒሖም እዮም። ጂም ነቲ ስድራቤቱ ዝረኸብዎ ሓጐስን ዕግበትን ኪረክብ ስለ ዝደለየ: መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ።

ጂም ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣነባብራኡ ኸም ክርስትያን መጠን ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንኸይስዕብ ከም ዝዓገቶ ኺግንዘብ ከኣለ። ወትሩ ናብ እስያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ይጐዓዝ ስለ ዝነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ኺሓብርን እኹል ግዜ ኣይነበሮን። ስለዚ: ‘ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ዚመርሖ ዝነበርኩ ህይወትዶ ክቕጽሎ ወይስ ሓድሽ መገዲ ህይወት ክስዕብ፧’ ዚብል ውሳነ ዚሓትት ኵነታት ኣጋጠሞ። ውሳኔኡ እንታይ ከም ዜስዕበሉ ኣርሒቑ ብምጥማት ብጸሎት ሓሰበሉ እሞ: ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ ምእንቲ ኺረክብ ንዅሉ ስራሑ ጠንጢኑ ሓደ ስራሕ ጥራይ ሓዘ። (1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) እቲ ዝገበሮ ውሳነ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ትሑዝ ኪዀነሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተሉ: ዝያዳ ሕጉስ ኰነ።

እቲ እትገብሮ ውሳነታት ይዕበ ይንኣስ ኣገዳሲ እዩ። ሎሚ እትገብሮ ውሳነታት ዓወት ወይ ውድቀት: አረ ንመጻእሲ ህይወት ወይ ሞት እውን ከይተረፈ ዜስዕበልካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ንሕልና ኻልኦትን ኣብ ግምት ብምእታው: ብዛዕባ ሳዕቤኑ ኸኣ ኣርሒቕካ ብምጥማት ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እምበኣርከስ: ምስ መገዲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ግበር።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስል ውሳነታት ከቢድ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንጴጥሮስ ብድንጋጽ ተዛረቦ