ምስ መጻምድትኻ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ረቛሒታት
ምስ መጻምድትኻ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ረቛሒታት
ንመጻምድትኻ ሓሳብካ ኽትገልጽ ድሕሪ ምፍታንካ: ‘ከምኡ ኽብል ኣይነበረንን’ ወይ ‘ሓሳባተይ ብንጹር ኣይገለጽኩን’ ዝበልካሉ እዋን ኣሎዶ፧ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከተማዕብሎ ዚግባእ ሓደ ዓይነት ክእለት እዩ። ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ ክእለት: ገሊኦም ሰባት ቀልጢፎም ኪመልክዎ ኸለዉ: ገሊኦም ግን የጸግሞም። እንተዀነ ግን: ካብቶም ዜጸግሞም እኳ እንተ ዀንካ: ሓሳባትካ ባህ ብዜብል መገዲ ምግላጽ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።
ሓድሓደ ግዜ ሰባት ብሰንኪ ዚወርዶም ባህላዊ ጸቕጢ: ምስ መጻምድቶም ንዘለዎም ርክብ ጽልዋ ይገብረሉ እዩ። ሰብኡት ዘበሉ: ‘ሰብኣይ እንተ ዄንካ: ብዙሕ ክትዛረብ የብልካን’ ተባሂሉ ይንገሮም ይኸውን። ብዙሕ ዚዛረቡ ሰብኡት: ከም ፈኰስቲ ወይ ግቡዛት ጌርካ ይርኣዩ ይዀኑ። ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን” ይብል እዩ። (ያእቆብ 1:19) ይኹን እምበር: እዚ ምኽሪ እዚ ንደቂ ተባዕትዮን ንደቂ ኣንስትዮን ብማዕረ ዚምልከት እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪበሃል ከሎ ኸኣ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል የመልክት። ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም ንነዊሕ እዋን ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም: ሓደ ነቲ ኻልእ ዘይሰምዖ እንተ ዀይኑ ግን እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ናይ ሓቂ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣይህሉን። ከምቲ እዛ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጥቕሲ እትሕብሮ: ብዕዉት መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ዓብዪ ረቛሒ: ምስማዕ እዩ።
ብዘይ ቃላት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰባት: ኣንስቲ ሓሳባተንን ስምዒታተንን ኪገልጻ ትጽቢት ኣይግበረለንን እዩ። ሰብኡት ከኣ ካብ ጕዳያት ስድራቤቶም እተገለሉ ኪዀኑ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ: ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ኻብቲ ኻልእ ዚደልዮ ነገር ብግምት እዮም ዚፈልጡ። ገሊአን ኣንስቲ ነቲ ንሰብኣየን ዜድልዮ ነገራት ኣስተውዒለን ብኡንብኡ የማልኣሉ እየን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ቃላት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት ግን እዚ ሓደ ጐድናዊ ጥራይ እዩ ዚኸውን። እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣያ ዚሓስቦ ወይ ዚስምዖ ነገራት ከተስተውዕል ከላ: እቲ ሰብኣይ ግን ተመሳሳሊ ኽእለት ኣየማዕብልን: ስምዒታት ሰበይቱ እውን ኣይፈልጥን።
ሓቂ እዩ: ኣብ ገሊኡ ባህልታት: ነቲ ሰበይቲ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልያ ነገራት ተዓዚቦም ኬማልእዎ ዚጽዕሩ ሰብኡት ኣለዉ። ኣብዚ ባህልታት እዚውን እንተዀነ: ሓያሎ ሰብ ሓዳር ጽቡቕ ገይሮም ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ
ሓሳብካ ብንጹር ምግላጽ: ካልኦት ንሓሳባትካ ብጌጋ ንኸይርድእዎን ግጉይ ትርጕም ንኸይህብዎን ይሕግዝ እዩ። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያን: እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን: ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ “ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ ሰርሑ።” ካልኦት ነገዳት ግን ነዚ ተግባር እዚ ብጌጋ ተረድእዎ። እቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ነገዳት: እቶም ስግር ዮርዳኖስ ዘለዉ ኣሕዋቶም ክሕደት ከም ዝፈጸሙ ብምሕሳብ: ምስቶም “ዓለወኛታት” ኢሎም ዝሓሰብዎም ኪዋግኡ ተዳለዉ። ናብ ውግእ ቅድሚ ምኻዶም ግን: ምስቶም ኣብ ምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት ንኺመያየጡ ልኡኻት ለኣኹ። ከመይ ዝበለ ጥበባዊ ስጕምቲ ዀን እዩ! እቲ መሰውኢ ዘይሕጋዊ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ ካልእ መስዋእትታት ንኬቕርቡሉ ኢሎም ከም ዘይሰርሕዎ ፈለጡ። ኣብ ክንዳኡስ: እቶም ብምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት: ኣብ መጻኢ በቶም ዝተረፉ ነገዳት “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ከይበሃሉ ኢሎም ከም ዝሰርሕዎ ነገርዎም። እቲ መሰውኢ: ንሳቶም እውን ኣምለኽቲ የሆዋ ምንባሮም ምስክር ኪኸውን እዩ ተሰሪሑ። (እያሱ 22:10-29) ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ: ከምዚ ዝበሉ ኸኣ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ምስክር ኰይኑ ስለ ዜገልግሎም እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—እያሱ 22:34
እቲ ዝሃብዎ ምኽንያት ነቶም ዝተረፉ ነገዳት ስለ ዘእመኖም: ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ነገድን ፈረቓን ኪወስድዎ ዝሓሰቡ ስጕምቲ ሓደግዎ። እወ: ብግህዶን ብንጹርን ሓሳቦም ምግላጾም: ግጭት ንኸየጋጥም መፍትሒ ዀይኑ እዩ። ጸኒሑ: እስራኤላውያን ካብቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ሰብኣዮም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ: ንሱ ‘ንልቦም ኪዛረብ’ ምዃኑ ብምሕረት ነገሮም። (ሆሴእ 2:14) እዝስ ንሰብ ሓዳር ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! እወ: መጻምድትኻ ንስምዒታትካ ምእንቲ ኺርድኦ: ልቡ ኽትትንክፍ ጽዓር። ብፍላይ ሓያል ስምዒት ኬጋጥም ከሎ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ፓቲ ሚሃሊክ እትበሃል ጋዜጠኛ: “ገሊኦም ሰባት: ቃላት እትኸፍለሉ የብልካን ይብሉ: ግናኸ ቓላት ብዋጋ ዘይሽነን ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለት። ገሊኦም ሰባት ስምዒታቶም ምግላጽ ኣጸጋሚ ዚዀኖም እኳ እንተዀነ: ከምዚ ምስ ዚገብሩ ዚረኽብዎ ፍረ ግን ካብቲ ኣብ ባንክ ዚውህለል ገንዘብ ንላዕሊ እዩ።
ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ምምዕባል
ገሊኦም ‘ሓዳርና እኳ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብላሽ እዩ ነይሩ’ ይብሉ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ‘እዚ ሓዳር እዚ ኺፈርስ እንተ ዘይኰይኑ ኺዕረ ኣይክእልን እዩ’ ኣብ ዚብል መደምደምታ ይበጽሑ ይዀኑ። ድሕሪ መዓልቲ መርዓ: ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለቶም ኬመሓይሹ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። እንተዀነ
ግን: ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ብዘመድ መማጽኢ ጌርካ መርዓ ዚፍጸመሉ ሕብረተሰባት ዘሎ ሓዳር እሞ ሕሰብ። ሓያሎ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህልታት ዚነብሩ ሰብ ሓዳር: ኣብ ሓዳሮም ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ይፈጥሩ እዮም።ኣብ ሓንቲ ኻብ ሃገራት ምብራቕ ዚነብሩ ዝነበሩ ጽምዲ ሰብ ሓዳር: ብሓደ መማጽኢ ተራኺቦም ተመራዓዉ። እቲ መማጽኢ ነቲ ሰብኣይ እትዀኖ መርዓት ንኺረኽበሉ ኢሉ ነዊሕ ጕዕዞ ኺጐዓዝ ሕቶ ቐረበሉ። ኰይኑ ግን: እቶም ኣስታት 4,000 ዓመት ይገብር ይነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር: ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለቶም ብሓቂ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ: ይስሃቅ ዚበሃል ኰይኑ: ምስቲ መማጽእን ምስታ መርዓቱ እትኸውንን ኣብ መሮር እዩ ተራኺቡ። እቲ መማጽኢ “ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ።” እቲ ብዛዕባ እዚ ሓዳር እዚ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ይስሃቅ ከኣ [ንርብቃ] ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ [እዚ ስጕምቲ እዚ ወግዓዊ መርዓ የመልክት]። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት: ፈተዋውን” ይብል።—ዘፍጥረት 24:62-67
ይስሃቅ ፈለማ ነቲ እተዘንተወሉ ዅሉ ኸም ዝሰምዐ: ድሕሪኡ ንርብቃ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸም ዝወሰዳ ኣስተብህል። እቲ መማጽኢ ነቲ ይስሃቅ ዜምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ዜምልኽ እሙን ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ይስሃቅ ነዚ ሰብኣይ እዚ ንኺኣምኖ እኹል ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ድሕሪኡ: ይስሃቅ ነታ እተመርዓዋ ርብቃ “ፈተዋ።”
ይስሃቅን ርብቃን ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣማዕቢሎምዶ፧ ኤሳው ወዶም ክልተ ኣንስቲ ሔት ምስ ኣእተወ: ኣብታ ስድራቤት ከቢድ ሽግር ተፈጥረ። ርብቃ ንይስሃቅ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ [እቲ ዝነኣሰ ወዶም] ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት: . . . ዜእቱ እንተ ዀይኑስ: ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧” ኢላ ደጋጊማ ተዛረበቶ። (ዘፍጥረት 26:34፣ 27:46) በዚ ኸምዚ: ነቲ ዜጨንቓ ነገራት ብንጹር ነጊራቶ እያ።
ይስሃቅ ነቲ ፍላይ ማንታ ኤሳው ዝነበረ ያእቆብ: ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸየእቱ ነገሮ። (ዘፍጥረት 28:1, 2) ርብቃ ኸኣ ሓሳብ ልባ ሰመረላ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ንስድራቤት ዚምልከት ኣዝዩ ተነቃፊ ጕዳይ: ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም እዮም። ንዓና ድማ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ዚዀኑና። ሰብ ሓዳር ኪሰማምዑ እንተ ዘይክኢሎም ግን እንታይ እዩ ዚግበር፧
ዘይምስምማዕ ምስ ዜጋጥም
ንስኻን መጻምድትኻን ክትሰማምዑ እንተ ዘይከኣልኩም: ኣይትሰጕደም። ከምኡ ምግባር ‘ኣነ ሕጉስ ኣይኰንኩን እሞ: ንስኻውን ሕጉስ ክትከውን ኣይደልን እየ’ ዚብል ንጹር መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። ይኹን እምበር: መጻምድትኻ ንትምኒታትካን ስምዒታትካን ፈጺሙ ኣይተረድኦን ይኸውን።
ንስኻን መጻምድትኻን ክትዘራረቡሉ ኣለኩም። እቲ ጕዳይ ተነቃፊ እንተ ዀይኑ: ብህድኣት ምዝርራብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ወለዲ ይስሃቅ ዝነበሩ ኣብርሃምን ሳራን: ኣብ ሓደ እዋን ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎም ነበረ። ሳራ መኻን ስለ ዝነበረት: ብመሰረት ልማድ እቲ ግዜ እቲ: ነታ ኣጋር እትበሃል ግዝእታ ንኣብርሃም ምእንቲ ኽትወልደሉ ሰበይቲ ወሰኑ ኽትኰኖ ሃበቶ። ኣጋር ድማ ንኣብርሃም እስማኤል ዚበሃል ወዲ ወለደትሉ። ይኹን እምበር: ጸኒሓ ሳራ እውን ጠነሰት: ንኣብርሃም ድማ ይስሃቅ ዚበሃል ወዲ ወለደትሉ። ይስሃቅ ጡብ ምስ ሓደገ: እስማኤል ንይስሃቅ ኬላግጸሉ ኸሎ ሳራ ረኣየት። ስለዚ ድማ: እዚ ንወዳ ሓደገኛ ምዃኑ ብምስትውዓል: ኣብርሃም ነታ ባርያን ንእስማኤልን ኬውጽኦም ተማሕጸነቶ። እወ: ሳራ ኸመይ ከም እተሰምዓ ብቐጥታ እያ ተዛሪባ። እቲ ዝሓተተቶ ነገር ግን ንኣብርሃም ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዮ።
እቲ ዘይምስምማዕ ብኸመይ ተፈትሐ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ይንበብ:- “ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም: ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ እሞ: ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ . . . በሎ።” ኣብርሃም ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ሰምዐ: ስጕምቲ ድማ ወሰደ።—ዘፍጥረት 16:1-4፣ 21:1-14
‘ኣምላኽ ካብ ሰማያት እንተ ዚዛረበና ነይሩ: ብቐሊሉ ኽንሰማማዕ ምኸኣልና!’ ትብል ትኸውን። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ናብ ዜኽእል ካልእ ኣገዳሲ ነገር እዩ ዚመርሓና። ሕጂውን ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ኪሰምዕዎ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ብሓባር ኰይኖም ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ነቲ መልእኽቱ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ መምርሒ ገይሮም 1 ተሰሎንቄ 2:13
ብምቕባልን እዩ።—ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ: “መብዛሕትኡ ግዜ ብዕድመ ንእስ ዝበለት ሰበይቲ ብዛዕባ ሓዳራ ምኽሪ ደልያ ናባይ ክትመጽእ ከላ: ንሳን ሰብኣያን ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ እንተልዮም እሓታ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገማት ዘለዎም እዚ ልማድ እዚ የብሎምን” በለት። (ቲቶስ 2:3-5) ካብዚ ትዕዝብታ: ኵላትና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኣዘውቲርካ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ። በዚ ኸምዚ ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዘሎካ: ቃል ኣምላኽ ‘ትሰምዕ’። (ኢሳይያስ 30:21) ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዚግባእ ነጥቢ ግን ኣሎ። ነቲ መጻምድትኻ ኣብ ግብሪ ዘየውዕሎ ዘሎ ጥቕስታት ዓሰርተ ሳዕ ብምጥቃስ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ንመጻምድትኻ መውቅዒ በትሪ ጌርካ ኣይትጠቐመሉ። ኣብ ክንዳኡስ: ክልቴኹም ነቲ ዘንበብኩምዎ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕልዎ ኸተስተውዕል ጽዓር።
ሓደ ኸቢድ ጸገም ክትፈትሕ ትጽዕር እንተደኣ ኣሊኻ: ንምንታይ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐካ ነገር ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ a ዘይትውከስ፧ ምናልባት ንዝኣረጉ ወለዲ ትከናኸን ትህሉ ትኸውን: እዚ ኸኣ ኣብ ሓዳርካ ውጥረት ይፈጥር ይህሉ ይኸውን። መጻምድትኻ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ወይ ከም ዘይግብኦ ኣብ ክንዲ ምምጓት: ብሓባር ኮፍ ኢልኩም ኣብቲ ኢንደክስ ንምንታይ ዘይትውከሱ፧ ፈለማ: ነቲ “ወለዲ” (“Parents”) ዚብል ኣርእስቲ ኽትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። ብድሕሪኡ: “ንኣረጋውያን ወለዲ ምክንኻን” (“caring for aged parents”) ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ መወከሲታት ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተም ጽሑፋት ብሓባር ኴንኩም ኣንብብዎ። ንስኻን መጻምድትኻን ካብቲ ንሓያሎ ቕኑዓት ክርስትያናት ዝጠቐመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓበሬታ ኽሳዕ ክንደይ ክትጥቀሙ ኸም እትኽእሉ ምስ ረአኻ ኼገርመካ እዩ።
ነዚ መወከሲታት እዚ ምምርማርካን ነቲ ጽሑፋት ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ምንባብካን: ነቲ ጸገምኩም ብንጹር ንኽትርእዮ ኺሕግዘካ እዩ። ሓሳባት ኣምላኽ ዚገልጽ ጥቕስታት ክትረክብ ኢኻ። ነዚ ድማ ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብቦ። እወ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገም እንታይ ከም ዚብል ክትሰምዖ ኢኻ።
ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ግበሮ
ንነዊሕ እዋን ተኸፊቱ ዘይፈልጥ ማዕጾ ኽትከፍት ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ዝመረተ መፍሰል ወይ መላግቦ ዓቐቕ እናበለ እዩ ዚኽፈት። እቲ ማዕጾ: ሰብ ኣዘውቲሩ ዚጥቀመሉ: እቲ መፍሰል ከኣ ግራሶ እተለኽየ እንተዀነኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ብቐሊሉ ኢኻ እትኸፍቶ። እቲ ብማዕጾ ኺምሰል ዚከኣል ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣዘውቲርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምስ እትለዋወጥን ከምቲ ንማዕጾ ግራሶ እትገብረሉ ጌርካ ንዘረባኻ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ምስ እትሕውሰሉን: ዘይትሰማምዑሉ ኸቢድ ጕዳያት ኪለዓል ከሎ እውን ከይተረፈ ሓሳባትካ ብቐሊሉ ኸተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።
ኰይኑ ግን: ነዚ ቘሪጽካ ኽትጅምሮ ኣሎካ። ኣብ ፈለማ እዚ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ዕየየሉ። ድሕሪኡ: ምስ መጻምድትኻ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ እዩ: እዚ ድማ ወትሩ ንኽትረዳድኡ ይሕግዝ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዘይምስምማዕ ምስ ዜጋጥም: መምርሒ ኣምላኽ ትደሊ ዲኻ፧