ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ናይ ምህላው መሰል

ስም ናይ ምህላው መሰል

ስም ናይ ምህላው መሰል

ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ስም ኪህልዎ መሰሉ እዩ። ኣብ ታሂቲ: እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘይፍለጥ እተደርበየ ናጽላ እውን ከይተረፈ ስም ይወጸሉ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ነዚ ዘኽታም ቈልዓ እዚ ስምን ስም ኣቦን የውጽኣሉ።

ይኹን እምበር: እዚ ዳርጋ ንዅሎም ሰባት እተዋህበ መሰረታዊ መሰል እተኸልከለ ሓደ ኣካል ኣሎ። እዚ ኸኣ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ” ምዃኑ ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ ኪጥቀሙሉ ኣይደልዩን እዮም። በቲ “ኣምላኽ:” “ጐይታ:” ወይ ከኣ “ዘለኣለማዊ” ዚብል መዓርጋት እዮም ዚትክእዎ። ስሙ ግን መን እዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዛ ሕቶ እዚኣ: “ንስኻ: የሆዋ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል መሊስዋ ኣሎ።—መዝሙር 83:18 NW

ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ መበል 19 ዘመን: ካብ ማሕበር ሚስዮናውያን ለንደን እተላእኩ ሚስዮናውያን ናብ ታሂቲ ኣብ ዝመጹሉ እዋን: ህዝቢ ፖሊኔዥያ ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። እቶም ቀንዲ ኣማልኽቲ ኦሮ ኸምኡውን ታኣሮኣ ዚበሃሉ ዀይኖም: እቶም ካልኦት ድማ ነናቶም ስም ነበሮም። እዞም ሚስዮናውያን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ካብቶም ካልኦት ኣማልኽቲ ንምፍላይ: ነቲ የሆቫ ዚብል መለኮታዊ ስም ብቛንቋ ታሂቲ ኻብ ምጥቃም ድሕር ምሕር ኣይበሉን።

እዚ ስም እዚ ዅሉ ሰብ ኪፈልጦን: ኣብ መዓልታዊ ዝርርብ ከምኡውን ኣብ ደብዳበ ኺዝውተርን ጀመረ። እቲ ኣብ መጀመርታ መበል 19 ዘመን ኣብ ታሂቲ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ፖማረ ዳግማይ: ኣብቲ ናይ ብሕቱ ደብዳበ ብተደጋጋሚ ይጥቀመሉ ነበረ። እዚ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ብእንግሊዝኛ ተጻሒፉ ኣብ ቤተ-መዘክር ታሂቲን ደሴታታን እተቐመጠ ደብዳበ ሓደ መርትዖ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ነቲ መለኮታዊ ስም ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብቲ ብ1835 እተዛዘመ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስም ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ፖማረ ዳግማይ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

King and letter: Collection du Musée de Tahiti et de ses Îles, Punaauia, Tahiti