ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣነ ምሳኻትኩም እየ”

“ኣነ ምሳኻትኩም እየ”

“ኣነ ምሳኻትኩም እየ”

[እቲ] ልኡኽ እግዚኣብሄር . . . ኣነ ምሳኻትኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኢሉ ተዛረቦም።”ሃጌ 1:13

1. የሱስ ነየናይ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ትንቢታዊ ምምስሳል ኣመልኪቱ እዩ እተዛረበ፧

 ኣብ ታሪኽ ኣብ ኣገዳሲ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ከምቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ: ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ኢና ዘለና። (ራእይ 1:10) ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ኻብ መጽናዕቲ እትፈልጦ: የሱስ ነቲ ብሓይሊ መንግስቱ ዚመጸሉ “ዘመን ወዲ ሰብ:” ምስ “ዘመን ኖህ” ከምኡውን ምስ “ዘመን ሎጥ” ኣወዳዲርዎ እዩ። (ሉቃስ 17:26, 28) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ትንቢታዊ ምምስሳል ምዃኑ ይሕብር እዩ። ብዘይካዚ ግን ካልእ ኣርዚንና ኽንርእዮ ዚግባእ ምምስሳል ኣሎ።

2. የሆዋ ንሃጌን ንዘካርያስን እንታይ ዕዮ እዩ ሂብዎም፧

2 እቲ ብግዜ እቶም እብራውያን ዝዀኑ ነብዪ ሃጌን ነብዪ ዘካርያስን ዝነበረ ዅነታት እስከ ንመርምር። እቶም ክልተ እሙናት ነብያት: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ብንጹር ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ እንታይ መልእኽቲ እዮም ኣመሓላሊፎም፧ ሃጌን ዘካርያስን ድሕሪ እቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹሉ እዋን ናባታቶም እተላእኩ ‘ልኡኻት’ የሆዋ እዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽ ኣብ ዚገብርዎ ዕዮ: ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም መረጋገጺ ንምሃብ እዮም ተላኢኾም። (ሃጌ 1:13፣ ዘካርያስ 4:8, 9) ሃጌን ዘካርያስን ዝጸሓፍወን መጻሕፍቲ ሓጸርቲ እኳ እንተዀና: ክፍሊ እቲ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” እተባህለሉ እየን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ኬገድሰና ኣለዎ

3, 4. መልእኽትታት ሃጌን ዘካርያስን ስለምንታይ እዩ ዜገድሰና፧

3 እቲ ኣብ ሃጌን ዘካርያስን ዚርከብ መልእኽቲ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ከም ዝጠቐሞም ዜጠራጥር ኣይኰነን: እቲ ትንቢታት እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ተፈጺሙ እዩ። ሎሚ ንሕና ነዘን ክልተ መጻሕፍቲ እዚኣተን ክንግደሰለን ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንረክብ ዚሕብረና ኣመት ኣብ እብራውያን 12:26-29 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ኣምላኽ ‘ንሰማይን ምድርን ኬነቓንቖ’ ምዃኑ እትሕብር ሃጌ 2:6 ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ምንቕናቕ ኣብ መወዳእታኡ ‘ዝፋን መንግስትታት ኪገላብጥ: ሓይሊ መንግስትታት ኣህዛብ ኬጥፍእ እዩ።’—ሃጌ 2:22

4 ጳውሎስ ካብ ሃጌ ብምጥቃስ ን“መንግስትታት ኣህዛብ” እንታይ ከም ዜጋጥመን ገለጸ: እታ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እትወሃቦም ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ ዝበለጸት ምዃና ድማ ኣጕልሐ። (እብራውያን 12:28) እምበኣር: ኣብቲ መጽሓፍ እብራውያን ኣብ እተጻሕፈትሉ ቐዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ: ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ገና ንመጻኢ ኸም ዜመልክት ካብዚ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ሎሚውን እንተዀነ እቶም ምስ የሱስ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ዚወርሱ ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ኣለዉ። ስለዚ: ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ነዚ ግዜና ኣገዳስነት ኪህልዎ ኣለዎ።

5, 6. ሃጌን ዘካርያስን ኪንበዩ ኣድላዪ ኸም ዚኸውን ዝገበረ እንታይ ፍጻመታት እዩ፧

5 መጽሓፍ እዝራ ንጽሑፋት ሃጌን ዘካርያስን ታሪኻዊ ባይታ ተንብር እያ። ብ537 ቅ.ክ. ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: እቲ ምስለኔ ዝነበረ ዘሩባቤልን እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱን ብ536 ቅ.ክ. መሰረት እታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ከም ዚስረት ገበሩ። (እዝራ 3:8-13፣ 5:1) እዚ ብዙሕ ዜሐጕስ እኳ እንተ ነበረ: ነዊሕ ከይጸንሑ ግን ኣይሁድ ኪፈርሁ ጀመሩ። “እቶም ህዝቢ እታ ሃገር” ተባሂሎም ዘለዉ ተጻረርቲ “ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ: ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም” ብምባል እዝራ 4:4 ትገልጽ። እዞም ጸላእቲ እዚኣቶም: ብፍላይ ከኣ እቶም ሳምራውያን: ንኣይሁድ ብሓሶት ከሰስዎም። ንጉስ ፋርስ ነቲ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ደው ከም ዜብሎ ድማ ገበሩ።—እዝራ 4:10-21

6 እቲ ፈለማ ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ዛሕተለ። ኣይሁድ ናብ ብሕታዊ ዋኒኖም ኣተኰሩ። ይኹን እምበር: ብ520 ቅ.ክ.: ካብቲ እታ ቤተ መቕደስ እተሰረተትሉ 16 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: የሆዋ ነቶም ህዝቢ ነቲ ህንጸት ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ኪጅምርዎ ንኼነቓቕሖም ኢሉ ንሃጌን ንዘካርያስን ኣተንስኣሎም። (ሃጌ 1:1፣ ዘካርያስ 1:1) እቶም ኣይሁድ በቶም ልኡኻት ኣምላኽን በቲ ንጹር ደገፍ የሆዋን ተለዓዒሎም: ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ጀመርዎ: ብ515 ቅ.ክ. ከኣ ዛዘምዋ።—እዝራ 6:14, 15

7. ኣብዚ ግዜና ምስቲ ብግዜ ነብዪ ሃጌን ነብዪ ዘካርያስን ዝነበረ ዚመሳሰል እንታይ ኵነታት ኣሎ፧

7 እዚ ዅሉ ንዓና ዘለዎ ኣገዳስነት ትፈልጦዶ፧ ምስ ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” እተተሓሓዘ ዕዮ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:14) ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም: እቲ ዕዮ እቲ ፍሉይ ኣትኵሮ ተዋሂብዎ እዩ። ከምቲ ጥንታዎት ኣይሁድ ካብቲ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹ: ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኸኣ ካብ ምርኮ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም እዮም። እቶም ቅቡኣት ኣምላኽ ብትግሃት ንሰባት ሰበኹ: መሃሩ: ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ መርሑ። እቲ ዕዮ እቲ ሕጂ ብዝዓበየ ደረጃ ይቕጽል ኣሎ: ንስኻውን ኣብኡ ትሳተፍ ትህሉ ትኸውን። መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቐሪቡ ስለ ዘሎ: እዚ ዕዮ እዚ ዚዕየየሉ ግዜ ሕጂ እዩ! የሆዋ ኣብቲ ዓብዪ “መከራ” ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ኽሳዕ ዚኣቱ: እቲ ንሱ ዝሃበና ዕዮ ኪቕጽል ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:21) እቲ ዓብዪ መከራ ንእኩያት ኬጽንቶም: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዜስፋሕፍሕ ኪገብሮ እዩ።

8. የሆዋ ኣብ ዕዮና ኸም ዚድግፈና ኽንተኣማመን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ከም ዚሕብሮ: ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምሉእ ልብና ኽንሳተፍ ከለና: የሆዋ ኸም ዚድግፈናን ከም ዚባርኸናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ንኣገልገልቲ የሆዋ ንኺጭፍልቕዎም ወይ ዕዮኦም ንኺእግዱ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ነቲ ዕዮ ወንጌላውነት ደው ኬብሎ ዝኸኣለ መንግስቲ ግን የልቦን። የሆዋ ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ደድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ወሰኽ ከም ዚረክብ ብምግባር ብኸመይ ከም ዝባረኾ እሞ ሕስብ ኣብል። ገና ግን ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ።

9. እንታይ ጥንቲ ዝነበረ ዅነታት ኢና ቘላሕታ ኽንገብረሉ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

9 ካብ ሃጌን ዘካርያስን እንረኽቦ ትምህርቲ: ነቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽን ንኽንምህርን ዝሃበና ትእዛዝ ንኽንሕሉ ዜነቓቕሓና ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ: ካብዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ኽልተ መጻሕፍቲ ኽንረኽቦ እንኽእል ገለ ትምህርትታት እስከ ንርአ። ንኣብነት: እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ኪዓይዎ ዝነበሮም: ምስ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ እተተሓሓዘ ሒደት ዝርዝር ነጥብታት ንርአ። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ: ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ: ነቲ ዕዮ ቤተ መቕደስ ኣቋሪጾምዎ እዮም። መሰረት ድሕሪ ምንባሮም: ዛሕቲሎም እዮም። እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዮም ኣማዕቢሎም፧ ካብዚኸ ንሕና እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ቅኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ

10. እቶም ኣይሁድ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዮም ኣማዕቢሎም፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

10 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ “ጊዜ: ኣይበጽሔን” ይብሉ ነበሩ። (ሃጌ 1:2) ብ536 ቅ.ክ. መሰረት ብምስራት ነቲ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ኪጅምሩ ኸለዉ: “ጊዜ: ኣይበጽሔን” ኣይብሉን እዮም ነይሮም። ነዊሕ ከይጸንሑ ግን በቲ ኻብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ዘጋጠሞም ምጽራርን ካብ መንግስቲ ዘጋጠሞም ጣልቃ ምእታውን ተጸልዉ። ኣይሁድ ኣብ ኣባይቶምን ምሾቶምን ዝያዳ ኼተኵሩ ጀመሩ። የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ብብሉጽ ዕንጨይቲ እተሰለመ ኣባይቶምን ዘይተወድአት ቤተ መቕደስን ዘሎ ፍልልይ ብምጥቃስ: “እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ: ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።—ሃጌ 1:4

11. የሆዋ ነቶም ብግዜ ሃጌ ዝነበሩ ኣይሁድ ኪግስጾም ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

11 እወ: እቲ ኣይሁድ ቀዳምነት ዚህብዎ ዝነበሩ ነገር ተቐየረ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ እታ ቤተ መቕደስ ክትህነጽ ዝነበረ ዕላማ የሆዋ ቐዳማይ ቦታኡ ኣብ ክንዲ ዚሕልዉሉ: ኣብ ርእሶምን ኣብ መንበሪታቶምን ኣተኰሩ። ዕዮ ቤት ኣምልኾ የሆዋ ዕሽሽ ተባህለ። ኣብቲ ኣብ ሃጌ 1:5 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃል የሆዋ: ኣይሁድ ‘ብልቦም መገዶም ኪሓስቡ’ ምትብባዕ ተዋህቦም። ብኻልእ ኣበሃህላ: ሓንሳእ ደው ኢሎም እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ኼስተንትኑ: ነቲ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ቀዳምነት ብዘይምሃቦም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጸልዉ ኺሓስቡ እዩ ዚነግሮም ነይሩ።

12, 13. ሃጌ 1:6 ነቲ ኣይሁድ ዝነበሩሉ ዅነታት እትገልጽ ብኸመይ እያ፧ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ማለት እያ፧

12 ኣይሁድ ነቲ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገር ብምቕያሮም: ብብሕቲ እውን ከም ዝተንከፎም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሃጌ 1:6 ተገሊጹ ዘሎ ኣረኣእያ ኣምላኽ እሞ ኣስተብህለሉ:- “ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም: ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን: ሰቴኹም ኣይረዌኹምን: ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን: እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ።”

13 ኣይሁድ ኣብታ ኣምላኽ ዝሃቦም ምድሪ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ከምቲ ዝደለይዎ ግን ኣይተፍርን እያ ነይራ። የሆዋ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቖም: በረኸቱ ኣየፍስሰሎምን እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 28:38-48) ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ዘርኢ ዘርኡ: ዚረብሕ እቶት: ወይ ዜጽግቦም ምግቢ ኣይረኽቡን። በረኸቱ ስለ ዘይነበሮም: ዜምውቕ ክዳን ኪኽደኑ ኣይከኣሉን። እቲ ዝረኸብዎ ገንዘብ እውን እንተዀነ: ኣብ ነዃል ማሕፉዳ ወይ ቦርሳ ይኣቱ ስለ ዝነበረ: ነቶም ሰብ ደሞዝ ረብሓ ኣይነበሮን። ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ ዘፍርይዎ ወይኒ ሒደት ብምንባሩ: ዝሰተዩ እኳ እንተ ሰተዩ: ኣይረወዩን። እዚ ኸኣ እቶም ኣይሁድ በረኸት ኣምላኽ ከም ዘይነበሮም የመልክት።

14, 15. ካብ ሃጌ 1:6 እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧

14 ካብዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ እንረኽቦ ትምህርቲ: ብዛዕባ ንድፊ ወይ ስልማት ቤት ኣይኰነን። ናብ ምርኮ ቕድሚ ምኻዶም ነዊሕ ይገብር: ነብዪ ኣሞጽ ነቶም “ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ” ዘለዎም ከምኡውን “ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ” ሃብታማት እስራኤል ገንሖም። (ኣሞጽ 3:15፣ 6:4) እቲ ብሉጽ ኣባይቶምን ስሉም ኣቓሑኦምን ነዊሕ ኣይጸንሐን። እቶም ዝወረርዎም ጸላእቶም ወሰድዎ። ኰይኑ ግን: ን70 ዓመት ኣብ ምርኮ ድሕሪ ምጽናሖም: ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ካብዚ ኣይተማህሩን። ንሕናኸ ትምህርቲ ንወስድ ዲና፧ ነፍሲ ወከፍና ንርእስና: ‘ከም ሓቂ: ንቤተይን ስልማታቱን ክሳዕ ክንደይ እየ ዘተኵረሉ፧ ብሉጽ ስራሕ ንምርካብ ተባሂሉ: ንእተወሰነ ዓመታት ብዙሕ ግዜይ ዚወስደለይን ኣብ መንፈሳዊ ህይወተይ ኣገዳሲ ንዝዀነ መዳያት ዜጻብቦን ተወሳኺ ትምህርቲ ብዛዕባ ምውሳድከ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።—ሉቃስ 12:20, 21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17-19

15 እቲ ኣብ ሃጌ 1:6 ዘንበብናዮ: ኣብ ህይወትና በረኸት ከም ዜድልየና ንኽንሓስብ ኪድርኸና ኣለዎ። እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁድ በረኸት የሆዋ ኣይረኸቡን: ሳዕቤኑ ድማ ጐድኦም። ኣኺሉ ዚተርፍ ስጋዊ ነገራት ይሃልወና ወይ ኣይሃልወና ብዘየገድስ: በረኸት የሆዋ እንተ ዘይረኺብና: ብዘይ ጥርጥር ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንጕዳእ ኢና። (ማቴዎስ 25:34-40፣ 2 ቈረንቶስ 9:8-12) ኰይኑ ግን: ብኸመይ ኢና ነዚ በረኽት እዚ ኽንረክብ እንኽእል፧

የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ይሕግዝ

16-18. ዘካርያስ 4:6 በቲ ናይ ጥንቲ ኣወዓዕላኣ እንታይ ትርጕም ነበራ፧

16 እቲ ኸም ሃጌ ነብዪ ዝነበረ ዘካርያስ: ነቲ የሆዋ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ንዕኡ ውፉያት ዝነበሩ ዚድርኸሉን ዚባርኸሉን ነገር ንኼጕልሕ ተለዓዒሉ እዩ። እዚ ድማ ንዓኻውን ብኸመይ ከም ዚባርኸካ ዜርኢ እዩ። ኣብቲ ንሱ ዝጸሓፎ: “ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ነንብብ ኢና። (ዘካርያስ 4:6) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብተደጋጋሚ ኽትጥቀስ ሰሚዕካያ ትኸውን: ነቶም ብግዜ ሃጌን ዘካርያስን ዝነበሩ ኣይሁድ ግን እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዋ፧ ንዓናኸ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧

17 እቲ ሃጌን ዘካርያስን እተዛረብዎ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዜደንቕ ጽልዋ ኸም ዝነበሮ ዘክር። ንእሙናት ኣይሁድ ኣነቓቒሕዎም እዩ። ሃጌ ብሻድሸይቲ ወርሒ ናይ 520 ቅ.ክ. ኪንበ ጀመረ። ዘካርያስ ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ብሻምነይቲ ወርሒ እዩ ኺንበ ጀሚሩ። (ዘካርያስ 1:1) ኣብ ሃጌ 2:18 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ኣብታ ታሽዐይቲ ወርሒ ዕዮ እቲ መሰረት እንደገና ብውዕዉዕ መንፈስ ተጀመረ። ስለዚ: ኣይሁድ ንኺዓዩ ተለዓዒሎም እዮም: የሆዋ ኸም ዚድግፎም ብምትእምማን ድማ ተኣዘዝዎ። ኣብ ዘካርያስ 4:6 ዚርከብ ቃላት ምስ ደገፍ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እዩ።

18 ብ537 ቅ.ክ. ኣይሁድ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ: ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይነበሮምን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብቲ ኻብ ባቢሎን ዝገብርዎ ጕዕዞ ኣዕቊብዎምን መሪሕዎምን እዩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሰርሑ ምስ ጀመሩ: ብመንፈሱ ይመርሖም ነይሩ እዩ። እንደገና ኻብ ልቦም ኪዓዩ ምስ ዚጅምሩ: ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸም ዚድግፎም እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ።

19. መንፈስ ኣምላኽ እንታይ ሓያል ጽልዋ እዩ ዝሰገረ፧

19 ዘካርያስ መንፈስ ኣምላኽ ብዝነፈሶ ሸሞንተ ተኸታታሊ ራእያት ኣቢሉ: የሆዋ ምስቶም ንዕዮ እቲ ቤተ መቕደስ ብተኣማንነት ዚፍጽሙ ህዝቡ ኸም ዚኸውን ኣረጋገጸሎም። እቲ ኣብ ምዕራፍ 3 ተመዝጊቡ ዚርከብ ራብዓይ ራእይ: ሰይጣን ነቲ ኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ሃኒጾም ንምዝዛም ዚገብርዎ ጻዕሪ ይጻረሮ ምንባሩ ይሕብር። (ዘካርያስ 3:1) ሰይጣን: እያሱ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ሓድሽ ቤተ መቕደስ ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ኼገልግል ከም ዘይደሊ እተረጋገጸ እዩ። ድያብሎስ ንኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ንኸይሃንጹ ኺዓናቕፍ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ: መንፈስ የሆዋ ነቲ ዕንቅፋታት ኣብ ምውጋድን ንኣይሁድ ክሳዕ እታ ቤተ መቕደስ እትዛዘም ንቕድሚት ኪስጕሙ ኣብ ምብርታዕን ተራ ነይርዎ እዩ።

20. መንፈስ ቅዱስ ንኣይሁድ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጽሙ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

20 እቲ ኻብቶም ነቲ ዕዮ ኸም ዚእገድ ዝገበሩ ሰበ-ስልጣን ዚመጽእ ዝነበረ ምጽራር ዘይስገር ዕንቅፋት እዩ ዚመስል ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ እዚ “ኸረን” ዚመስል ነገር ከም ዚውገድን “ጐልጐል” ከም ዚኸውንን ተመባጽዐ። (ዘካርያስ 4:7) ከምኡ ድማ ኰነ! ንጉስ ዳርዮስ ቀዳማይ መርመራ ኺግበር ኣዘዘ: እቲ ቂሮስ ንኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጹ ዝኣዘዘሉ በዅሪ ጽሑፍ ድማ ተረኽበ። በዚ ምኽንያት እዚ ዳርዮስ ነቲ እገዳ ኣልዓሎ: ካብ ገንዘብ ንጉስ ንወጻኢታት እቲ ዕዮ ንምሕጋዝ ንኣይሁድ ኪወሃብ ድማ ኣዘዘ። እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ብዜደንቕ መገዲ ዀን እዩ እተገልበጠ! ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግደ ነይርዎ ድዩ፧ ከም ዝነበሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እታ ቤተ መቕደስ ብሻድሸይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ቀዳማይ: ማለት ብ515 ቅ.ክ. ተዛዘመት።—እዝራ 6:1, 15

21. (ሀ) ብግዜ ጥንቲ: ኣምላኽ ‘ንዅላቶም ኣህዛብ ዝነቓነቖም’ ብኸመይ እዩ፧ እቶም “ክቡር ነገር”ከ ብኸመይ መጹ፧ (ለ) ዘመናዊ ፍጻሜኡኸ እንታይ እዩ፧

21 ኣብ ሃጌ 2:5 እቲ ነብዪ ነቶም ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምሳታቶም ኣብ ከረን ሲና ዝኣተዎ ኺዳን ኣዘኻኸሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ: “ኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ።” (ዘጸኣት 19:18) ብግዜ ሃጌን ዘካርያስን: የሆዋ ኸምቲ ኣብ ቍጽሪ 6ን 7ን ብምሳልያዊ መገዲ ተገሊጹ ዘሎ: ካልእ ምንቅጥቃጥ ኪገብር ምዃኑ ገለጸ። እቲ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዚርከብ ጕዳያት ኪርበሽ ከሎ: እቲ ዕዮ ቤተ መቕደስ ግን ናብ መፈጸምታኡ ገጹ ይኸይድ ነበረ። ኣይሁድ ዘይኰኑ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር:” ኣብቲ ቦታ ኣምልኾ ምስ ኣይሁድ ብምሕባር ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ። ኣብዚ ግዜና: ኣምላኽ ብክርስትያናዊ ስብከትና ኣቢሉ ‘ንኣህዛብ ኣነቓኒቕዎም’ እዩ፣ እቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ድማ ናብ ኣምልኾ የሆዋ መጺኦም ኣብ ጐድኒ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ከም ዚቘሙ ብምግባር ዝዓበየ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። እወ: እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ንቤት የሆዋ ብኽብሪ ይመልእዋ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ነቲ የሆዋ ‘ንሰማይን ምድርን’ ብኻልእ መገዲ ‘ዚንቕንቐሉ’ ግዜ ብእምነት ይጽበዩ ኣለዉ። ከምኡ ዚገብር ከኣ መንግስትታት ኣህዛብ ንኺገላብጥን ንኼጥፍእን ኢሉ እዩ።—ሃጌ 2:22

22. ኣህዛብ ‘ዚነቓነቑ’ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ እዚ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧

22 ኣብቲ ብ“ሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን” እተመሰለ እተፈላለየ መዳያት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ለውጥታት ብዚምልከት መዘኻኸሪ ተዋሂቡና ኣሎ። ብቐዳምነት: ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ተደርበዩ። (ራእይ 12:7-12) ብተወሳኺ: እቲ ቕቡኣት ኣምላኽ ግንባር ቀደም ኰይኖም ዝመርሕዎ ዕዮ ስብከት: ንምድራዊ ኽፋል እዚ ኣገባብ እዚ ብርግጽ ኣነቓነቖ። (ራእይ 11:18) እንተዀነ ግን: እቶም ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር ነገር ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ምስቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ንየሆዋ ኼገልግሉ ጀመሩ። (ራእይ 7:9, 10) እቶም ብዙሓት ሰብ ኣብ ጐድኒ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብምዃን: ነቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነህዛብ ኣብ ኣርማጌዶን ኬነቓንቖም ምዃኑ ዚገልጽ ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ። እቲ ፍጻመ እቲ ኸኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ብዘላ ምድሪ ፍጹም ከም ዚኸውን ኪገብሮ እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ሃጌን ዘካርያስን መዓስን ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታትን እዮም ኣገልጊሎም፧

• ነቲ ሃጌን ዘካርያስን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧

ዘካርያስ 4:6 እተተባብዕ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሃጌን ዘካርያስን ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ደገፍ ኣምላኽ ከም እንረክብ የረጋግጸልና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ: ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፧”

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ የሆዋ ነቶም ‘ናይ ኣህዛብ ክቡር ነገር’ ኣብ ምርካብ ይሳተፉ