ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣእዳውኩም ኣጽንዑ

ኣእዳውኩም ኣጽንዑ

ኣእዳውኩም ኣጽንዑ

“ኣቱም በዘን መዓልትታት እዚኣተን . . . ካብ ኣፎም [ኣፍ ነብያት] እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም: ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።ዘካርያስ 8:9

1, 2. ንትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ከነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

 ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር እዩ ተጻሒፉ። ኰይኑ ግን: ብርግጽ ንህይወትና ዚምልከት እዩ። እቲ ኣብዘን ክልተ መጻሕፍቲ ዚርከብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ሕሉፍ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን። ክፍሊ እቲ: “እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” እተባህለሉ እዩ። (ሮሜ 15:4) መብዛሕትኡ እቲ ኣብኡ እነንብቦ: ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ካብ እተመስረተትሉ 1914 ኣትሒዙ ኺፍጸም ዝጸንሐ ናይ ሓቂ ዅነታት ከም እንሓስበሉ ዚገብር እዩ።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጥንታዎት ህዝቢ ኣምላኽ ዘሕለፍዎ ፍጻመታትን ኵነታትን ኪጠቅስ ከሎ: “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ስለዚ: ‘ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ነዚ ግዜና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

3. ሃጌን ዘካርያስን ኣብ ምንታይ እዮም ዘተኰሩ፧

3 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተጠቕሰ: ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ነቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ምስ ወጹ ናብታ ኣምላኽ ዝሃቦም ዓዶም እተመልሱሉ እዋን ዜጠቓልል እዩ። እቶም ክልተ ነብያት ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ እዮም ኣተኲሮምሉ። ኣይሁድ ንመሰረት እታ ቤተ መቕደስ ብ536 ቅ.ክ. ኣንበርዎ። ገሊኦም ኣረጋውያን ኣይሁድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኬተኵሩ ኸለዉ: ብሓፈሻኡ እቶም ህዝቢ “ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።” ከም ሓቂ ግን ኣብዚ ግዜና ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ተፈጺሙ እዩ። ብኸመይ፧—እዝራ 3:3-13

4. ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ ኣጋጠመ፧

4 ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ነዊሕ ከይጸንሐ: ቅቡኣት የሆዋ ኻብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጹ። እዚ ድማ ደገፍ የሆዋ ኸም ዝረኸቡ ዚሕብር ዓብዪ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካውያን መሻርኽቶምን ነቲ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ መወዳእታ ዝገበሩሉ እዩ ዚመስል ነይሩ። (እዝራ 4:8, 13, 21-24) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቲ ንዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕንቅፋት ኰይኑ ዝነበረ ነገር ኣወገዶ። ካብ 1919 ኣትሒዙ: እቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰሰነ ኸደ: ንግስጋሰኡ ደው ኬብሎ ዝኸኣለ ድማ የልቦን።

5, 6. ዘካርያስ 4:7 ነየናይ ዓብዪ ፍጻመ እያ እተመልክት፧

5 እቶም እዙዛት ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፍጽምዎ ዘለዉ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ብደገፍ የሆዋ ኸም ዚቕጽል ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ዘካርያስ 4:7 “ጸጋ: ጸጋ ንእኡ: እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ” ዚብል ነንብብ። እዚ ነየናይ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዓብዪ ፍጻመ እዩ ዜመልክት፧

6 ዘካርያስ 4:7 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ልዑላዊ ጐይታ: ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ኣብ ፍጽምና ዚበጽሓሉ እዋን እያ እተመልክት። እቲ ቤተ መቕደስ እቲ: የሆዋ ብመሰረት እቲ መስዋእቲ ክርስቶስ የሱስ ኣቢልና ንኸነምልኾ ኽንቀርቦ ኢሉ ዝገበረልና ምድላው እዩ። ልክዕ እዩ: እቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ካብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድራዊ ኣጸድ ናብ ፍጽምና ኺበጽሕ እዩ። ሕጂ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣምለኽቲ ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የገልግሉ ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ: እዚኣቶምን ካብ ሞት ዚትንስኡ ብዙሓትን ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት: ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ እዮም ዚተርፉ።

7. ኣብዚ ግዜና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ፍጽምና ኣብ ምብጻሕ: የሱስ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ እዚኸ ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

7 እታ ቤተ መቕደስ ብ515 ቅ.ክ. ክትዛዘም ከላ: ዘሩባቤል እቲ ምስለኔን እያሱ እቲ ሊቀ ኻህናትን ብህይወት ነይሮም እዮም። ዘካርያስ 6:12, 13 ነቲ የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ: ኢልካውን ተዛረቦ፤ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ: ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺጭንፍር: መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኪሀንጽ እዩ። ንሱ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪሀንጽ: ክብሪ ኸኣ ኪጸውር: ኣብ ዝፋኑ ድማ ኪቕመጥን ኪገዝእን እዩ: ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን [እዩ]።” እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎን ንመስመር ወለዶ ነገስታት ዳዊት ከም ዚጭንፍር ዚገብርን የሱስ: ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፎ ኻብ ኰነ: ንግስጋሰኡ ኺዓግቶ ዚኽእል ኣሎዶ፧ የልቦን! እሞኸ እዚ ኣብ ኣገልግሎትና ንኽንቅጽልን ናብ መዓልታዊ ጕዳያት ንኸይነስግልን ዜተባብዓና ደይኰነን፧

ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገራት

8. ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዕዮ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

8 ደገፍን በረኸትን የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዕዮ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ኣሎና። ከምቶም “ጊዜ: ኣይበጽሔን” ዝበሉ ኣይሁድ ዘይኰነስ: እቲ እንነብረሉ ዘለና ግዜ “ዳሕሮት መዓልትታት” ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። (ሃጌ 1:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሱስ: እቶም እሙናት ሰዓብቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዚገብሩን ተነብዩ ነይሩ። ነቲ እተዋህበና ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። እቲ ብሰንኪ ዓለማዊ ምጽራር ንእተወሰነ እዋን ተዓናቒፉ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1919 እንደገና ዝጀመረ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ: ክሳዕ ሕጂ ኣይተዛዘመን። ብርግጽ ግን ኪዛዘም እዩ።

9, 10. በረኸት የሆዋ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

9 በቲ ተጊህና እንዓዮ መጠን: ብደረጃ ህዝቢ ዀነ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ: ንባረኽ ኢና። ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ ዜተባብዕ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ። ካብቲ ኣይሁድ ነቲ ኣብ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ እንደገና ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ: “ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርኽ እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ሃጌ 2:19) እንደገና ሞገሱ ኸም ዚረኽቡ እዩ ተገሊጹሎም። ሕጂ ኸኣ ነቲ ኣብቲ መብጽዓ ኣምላኽ ዚርከብ በረኸት ንርአ:- “ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ: ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ: ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ: ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ: ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ።”—ዘካርያስ 8:9-13

10 ከምቲ የሆዋ ንኣይሁድ ብመንፈስን ብስጋን ዝባረኾም: ንሕናውን ነቲ ዝመደበልና ዕዮ ብትግሃትን ብሕጉስ ልብን ምስ እንዓዪ ኺባርኸና እዩ። እዚ በረኸት እዚ ኣብ መንጎና ሰላም: ህድኣት: ብልጽግና: ከምኡውን መንፈሳዊ ዕቤት ምርካብ የጠቓልል። እንተዀነ ግን: ብቐጻሊ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ: ነቲ ኣብቲ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ዚፍጸም ዕዮ በቲ የሆዋ ዚደልዮ መገዲ ኣብ ምግባርና እዩ ዚምርኰስ።

11. ብኸመይ ርእስና ኽንምርምር ንኽእል፧

11 ሕጂ ‘ብልብና መገድና እንሓስበሉ’ እዋን እዩ። (ሃጌ 1:5, 7) ግዜ ወሲድና: ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ሂብናዮ ዘለና ነገር ክንምርምር ኣሎና። የሆዋ ሎሚ ዚህበና በረኸት: ኣብቲ ንስሙ እነጕልሓሉን ኣብ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዕዮና እንፍጽመሉን መጠን እዩ ዚምርኰስ። ስለዚ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ:- ‘ቀዳምነት ዝህቦ ነገራት ተቐዪሩ ድዩ፧ ንየሆዋን ንሓቅን ንዕዮኡን ዘሎኒ ቕንኣት: ምስቲ ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን ዝነበረኒ ቕንኣት ኪወዳደር ከሎ ኸመይ እዩ፧ ጣዕሚ ናብራ ንምርካብ ዘሎኒ ድሌት ነቲ ንየሆዋን ንመንግስቱን ዝህቦም ቈላሕታ ይቕይሮ ድዩ፧ ንሰብ ምፍራህ ወይ ካልኦት እንታይ ከም ዚሓስቡ ምጭናቕ: ዕንቅፋት ይዀነኒ ኣሎዶ፧’—ራእይ 2:2-4

12. ኣብ ሃጌ 1:6, 9 እንታይ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ዅነታት እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

12 ነቲ ስም ኣምላኽ ከነጕልሕ እተዋህበና ዕዮ ዕሽሽ ብምባልና: ኣምላኽ በረኸቱ ኺዓግተና ኸም ዘይንደሊ ፍሉጥ እዩ። እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ብጽቡቕ ድሕሪ ምጅማሮም: ከምቲ ኣብ ሃጌ 1:9 እተገልጸ ‘ነፍሲ ወከፎም ናብ በቤቶም ጐየዩ።’ ነቲ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ምምላእ ትሑዛት ኰኑ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ‘ሒደት እቶት:’ ሕጽረት ጽቡቕ ምግብን መስተን: ከምኡውን ዋሕዲ ዜምውቕ ክዳን ነበሮም። (ሃጌ 1:6) የሆዋ በረኸቱ ኣቋረጸ። ሎሚኸ ኻብዚ እንወስዶ ትምህርቲ ኣሎዶ፧

13, 14. ነቲ ኻብ ሃጌ 1:6, 9 እንረኽቦ ትምህርቲ ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

13 ወትሩ በረኸት የሆዋ ንኽንረክብ: ንየሆዋ ኽብሪ ንኸይንህብ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ነገራት ክንስዕብ ከም ዘይብልና ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ገለ ኻብቲ ንኣቓልቦና ዚወስዶ ነገራት: ሃብቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ: ቀልጢፍካ ንምህብታም ዚዝውተር ሜላታት: ህርፋን ዝለዓለ ትምህርቲ ንምርዋይ ዚወጽእ ግዜኻ ዜጥፍእ መደባት: ወይ ብሕታዊ ዕግበት ንምርካብ ዚወጽእ መደባት የጠቓልል።

14 ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብገዛእ ርእሱ ሓጢኣት እኳ እንተ ዘይኰነ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው ክትርእዮ ኸለኻ ግን ብሓቂ “ምዉት ግብሪ” ምዃኑስ ኣይምተገንዘብካንዶ፧ (እብራውያን 9:14) ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ምዉትን ብላሽን ከንቱን እዩ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብሪ ዚስዕብ እንተ ዀይኑ: መንፈሳዊ ሞት እዩ ዜስዕበሉ። ብግዜ ሃዋርያት ንዝነበሩ ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ከምኡ ኣጋጢምዎም እዩ። (ፊልጲ 3:17-19) ኣብዚ ግዜና እውን ገሊኦም ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ቀስ ብቐስ ካብ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶምን ካብ ጉባኤኦምን ናብ ካልእ ዘስገሉ እሞ: ሕጂ ናብ ኣገልግሎት የሆዋ ኺምለሱ ዋላ ሓንቲ ዝንባለ ዘይብሎም ገለ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ናብ የሆዋ ኺምለሱ ተስፋ ንገብር ኢና። እንተዀነ ግን: “ምዉት ግብሪ” ምስዓብ: ሞገስን በረኸትን የሆዋ ኸም ዚስእኑ ዚገብር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ምዃኑ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዜፍርዮ ሓጐስን ሰላምን ኣይህልዎምን ማለት እዩ። ኣብቲ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘይምክፋል እውን ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ምዃኑ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ።—ገላትያ 1:6፣ 5:7, 13, 22-24

15. ሃጌ 2:14 ርዝነት ኣምልኾና እትገልጽ ብኸመይ እያ፧

15 እዚ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ እዩ። የሆዋ ነቶም ቃል ብቓሉ ዀነ ብምሳልያዊ መገዲ ቤቶም ንኺሰላልሙ ኢሎም ንቤት ኣምልኾ የሆዋ ዕሽሽ ዝበሉ ኣይሁድ ብኸመይ ይርእዮም ምንባሩ ኣብ ሃጌ 2:14 እሞ ተመልከት:- “እዚ ዓሌት እዚ ኸምኡ እዩ: ኣብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር: ኵሉ ዕዮ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ: እቲ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ።” እቶም ብፍርቂ ልቦም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዕሽሽ ክሳዕ ዝበሉ: እቲ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ግዝያዊ መሰውኢ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ተቐባልነት ኣይነበሮን።—እዝራ 3:3

ርግጽ ደገፍ

16. ብመሰረት እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ: ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧

16 እቶም ኣብ ህንጸት እቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እተሳተፉ እዙዛት ኣይሁድ: በቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ተኸታታሊ ሸሞንተ ራእያት ኣቢሉ ኣምላኽ ከም ዚድግፎም መረጋገጺ ሃቦም። እቲ ቐዳማይ ራእይ: እቶም ኣይሁድ ብተኣዛዝነት ነቲ ዕዮ ኽሳዕ ዝቐጸሉ: እታ ቤተ መቕደስ ከም እትዛዘምን የሩሳሌምን ይሁዳን ከም ዚባረኻን ውሕስነት ዚኣቱ እዩ ነይሩ። (ዘካርያስ 1:8-17) እቲ ኻልኣይ ራእይ: ኵለን እተን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጻረራ መንግስትታት ከም ዚጠፍኣ ዚመባጻዕ እዩ ነይሩ። (ዘካርያስ 1:18-21) ካልእ ራእያት ከኣ እቲ ዚዕየ ህንጻ ዕቝባ ኣምላኽ ከም ዚረክብ: ካብ ብዙሓት ህዝብታት ናብቲ እተዛዘመ ቤት ኣምልኾ ኸም ዚውሕዙ: ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከም ዚርከብ: እቲ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ዘይስገር ዚመስል ዝነበረ ዕንቅፋት ጐልጐል ከም ዚኸውን: እከይ ከም ዚውገድ: ከምኡውን መላእኽቲ ነቲ ዕዮ ኸም ዜካይድዎን ከም ዜዕቝብዎን ይገልጽ። (ዘካርያስ 2:5, 11፣ 3:10፣ 4:7፣ 5:6-11፣ 6:1-8) እቶም እዙዛት ዘበሉ ኣነባብራኦም ኬዐርዩን ኣቓልቦኦም ኣብቲ ኣምላኽ ኪዓይዎ ኢሉ ኻብ ባቢሎን ሓራ ዘውጸኣሉ ዕዮ ኺገብሩን ዝኸኣሉ: ደገፍ ኣምላኽ ከም ዚረኽቡ ውሕስነት ብምርካቦም ምዃኑ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ።

17. ነቲ ዘሎና ውሕስነት ኣብ ግምት ብምእታው: ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧

17 ብተመሳሳሊውን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚዕወት እተዋህበና ውሕስነት: ንዕዮ ኼነቓቕሓናን ብዛዕባ ቤት ኣምልኾ የሆዋ ኣርዚንና ኽንሓስብ ኪድርኸናን ይግባእ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ግዜኡ ሕጂ ምዃኑ እኣምነሉ እንተደኣ ዀይነ: ሸቶታተይን ኣነባብራይን ምስቲ እምነተይ ይሰማማዕ ድዩ፧ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ንምጽናዕ: ብዛዕባኡ ንምሕሳብ: ከምኡውን ምስ ብጾተይ ክርስትያናትን ምስ ካልኦት ዝረኽቦም ሰባትን ብዛዕባኡ ንምዝርራብ እኹል ግዜ እወስድ ድየ፧’

18. ብመሰረት ዘካርያስ ምዕራፍ 14 ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

18 ዘካርያስ: ዓባይ ባቢሎን ከም እትጠፍእን ድሕሪኡ ውግእ ኣርማጌዶን ከም ዚጅመርን ሓቢሩ እዩ። ነዚ ብዚምልከት: “ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኸውን: መዓልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን: ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሃን ኪኸውን እዩ” ዚብል ነንብብ። እወ: መዓልቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ጸላእቱ ብሓቂ መዓልቲ ጸልማትን ዛሕልን እያ እትኸውን! ነቶም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ግን ቀጻሊ ብርሃንን ሞገስን ዚርከበላ እያ እትኸውን። ብዘይካዚውን: ዘካርያስ: ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ዅሉ ነገራት ንቕድስና የሆዋ ኸም ዚእውጅ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚግበር ናይ ሓቂ ኣምልኾ: ኣብ ምድሪ ዚህሉ እንኮ ዓይነት ኣምልኾ ኪኸውን እዩ። (ዘካርያስ 14:7, 16-19) ከመይ ዝበለ ውሕስነት ኰን እዩ! እቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ኺፍጸም ከሎን ልዑላውነት የሆዋ ኺረጋገጽ ከሎን ክንርኢ ኢና። ብርግጽ: ፍልይቲ መዓልቲ የሆዋ እያ እትኸውን!

ነባሪ በረኸት

19, 20. ዘካርያስ 14, 8, 9 ብኸመይ ኣተባቢዓትካ፧

19 ድሕሪ እቲ ዜደንቕ ፍጻመ: ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ስለ ዚእሰሩ: ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ኣይኪህልዎምን እዩ። (ራእይ 20:1-3, 7) ድሕሪኡ: ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ በረኸት ኪውሕዝ እዩ። ዘካርያስ 14:8, 9 ከምዚ ትብል:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ: ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም: ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ: ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ: ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ: በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ: ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ።”

20 እቲ ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ ህይወት ዜመልክት “ህያው ማያት” ወይ “ርባ ማይ ህይወት:” ካብቲ መንበር መሲሓዊት መንግስቲ ብቐጻሊ ኺውሕዝ እዩ። (ራእይ 22:1, 2) ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ንየሆዋ ዜምልኹ ብዙሓት ሰብ: ካብ ኵነኔ ሞት ኣዳም ሓራ ብምዃን ኪጥቀሙ እዮም። ምዉታት እውን ከይተረፉ: ብትንሳኤ ኺጥቀሙ እዮም። በዚ ኸምዚ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ሓድሽ ግዝኣት የሆዋ ኺጅምር እዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ሰባት: የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረትን ኪምለኽ ዘለዎ በይኑ ምዃኑን ኣፍልጦ ኺህቡ እዮም።

21. እንታይ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና፧

21 ነቲ ሃጌን ዘካርያስን እተነበይዎን ክሳዕ ሕጂ ፍጻሜኡ ዝረኸበን ትንቢት ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ኣምላኽ ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ኽንዓዮ ዝመደበልና ዕዮ ንኽንፍጽም ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ክሳዕ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ፍጽምና ዚበጽሓሉ እዋን: ኵላትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ንሃባ። ዘካርያስ 8:9 “ኣቱም በዘን መዓልትታት እዚኣተን . . . ካብ ኣፎም [ካብ ኣፍ ነብያት] እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም: ኣእዳውኩም ኣጽንዑ” ብምባል ትምሕጸነና።—ዘካርያስ 8:9

ትዝክሮዶ፧

• እንታይ ታሪኻዊ ምምስሳል እዩ ንትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ነዚ ግዜና ዚምልከት ዚገብሮ፧

• ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ብዛዕባ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ እንታይ ትምህርቲ ይህበና፧

• ትንቢት ሃጌን ዘካርያስን ምምርማርና ብዛዕባ መጻኢ ምትእምማን ዜሕድረልና ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሃጌን ዘካርያስን ነቶም ኣይሁድ ብምሉእ ነፍሶም ንኺዓዩን በረኸት ንኺረኽቡን ኣተባብዕዎም

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

‘ናብ ቤትካ ትጐዪ ዲኻ፧’

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ በረኸት ከም ዚህብ ተመባጽዐ: ፈጸሞ ኸኣ