ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልቢ ቘልዓ ምትንካፍ

ልቢ ቘልዓ ምትንካፍ

ልቢ ቘልዓ ምትንካፍ

ሓደ ቘልዓ ናይ ውግእ ጸወታ ኺጻወት ብምርኣይካ ጒሂኻዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ዓይነት ትርኢት ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፈ ዚገብርዎ እተለምደ ነገር ኰይኑ ኣሎ፣ ከመይሲ: ዓመጻ ነቲ ናይ ምዝንጋዕ ዓለም ተቘጻጺርዎ እዩ ዘሎ። ንሓደ ቘልዓ ኣብ ክንዲ ናይ ውግእ ጸወታ: ካልእ ጥዑይ ጸወታ ንኺጻወት ብኸመይ ምሓገዝካዮ፧ እታ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊት ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ዘገልገለት ቫልትሩት: ሓደ ቘልዓ ነዚ ንኺገብር ሓገዘቶ።

ቫልትሩት ብሰንኪ ዂናት ካብቲ እትነብረሉ ዝነበረት ሃገር ናብ ካልእ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ገዓዘት። ኣብኡ ድማ ምስ ኣደ ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። ነታ ኣደ ኽትበጽሓ ኸላ: እቲ ቘልዓ ድማ በታ ኻብ ፕላስቲክ እተሰርሐት ጠበንጃ ገይሩ ይጻወት ነበረ። ቫልትሩት ናብ ሓደ ዕላማ ገይሩ ኺትኵስ እኳ እንተ ዘይረኣየቶ: ኵሉ ግዜ ግን ልክዕ ከም ብሓድሽ ጠያይት ይመልኣ ኸም ዘሎ ገይሩ ይኸፍታን ይዓጽዋን ነበረ።

ብድሕርዚ ቫልትሩት ነቲ ቘልዓ: “ቫርነር: ስለምንታይ ኣብ ዓድኹም ከም ዝነብር ትፈልጥዶ፧ ኣብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበርኩ ዓዲ ውግእ ስለ ዘሎ እዩ: ካብቶም ልክዕ ከምዛ ናትካ ዓይነት ጠበንጃ ገይሮም ኣብ ሰባት ዚትኵሱ ሓደገኛታት ሰባት ንኸምልጥ ኢለ እየ ኻብቲ ዝነበርኩሉ ሃገር ሃዲመ። ኣብ ሰባት ምትኳስ ጽቡቕ ድዩ፧” ኢላ ሓተተቶ።

ቫርነር እናጐሃየ “ጽቡቕ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰላ።

ቫልትሩት ድማ “ሓቅኻ ኢኻ” በለቶ። ቀጺላ ኸኣ ከምዚ ኢላ ሓተተቶ:- “ነዴኻ ኣብ ሰሰሙን ክበጽሓ ዝመጽእ ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልኦት ሰባት ምስ ኣምላኽ ይኹን ምስ ጐረባብቶም ብሰላም ንኺነብሩ ኺሕግዝዎም ስለ ዝደልዩ እዩ።” ነዲኡ ድሕሪ ምፍቃድ: “ነዛ ጠበንጃኻ እንተደኣ ሂብካኒ: ንዓኣ ደርብየ ኻልእ ኣርባዕተ መንኰርኵር ዘለዋ መጻወቲት ማኪና ኸምጽኣልካ እየ” በለቶ።

ቫርነር ነታ ዝጻወተላ ዝነበረ ጠበንጃኡ ሃባ። ነርባዕተ ሰሙን ድሕሪ ምጽባይ ድማ ነታ ኻብ ዕንጨይቲ እተሰርሐት መጻወቲት ማኪና ብሓጐስ ተቐበላ።

ደቅኻ ነቲ ንውግእ ተባሂሉ ዚስራሕ ኣጽዋር ዚመስል መጻወቲኦም ምእንቲ ኼወግድዎ: ልቦም ንምትንካፍ ግዜ ወሲድካ ተዘራርቦም ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ንምሉእ ህይወቶም ዚጠቕሞም ትምህርቲ ኢኻ እትምህሮም ዘለኻ።