ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ዚዀኑ ጓሶት

“ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ዚዀኑ ጓሶት

“ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ዚዀኑ ጓሶት

“ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው . . . ብታሕጓስ . . . ኣርኣያ እናዀንኩምዎ።” —1 ጴጥሮስ 5:2, 3

1, 2. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዝሃቦ፧ የሱስ ኣብኡ ዝነበሮ ምትእምማን ጌጋ ዘይነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እቶም እተሸሙ ጓሶት ከመይ ይስምዖ፧

 ቅድሚ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.: ጴጥሮስን ሽዱሽተ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ነቲ የሱስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ዘዳለወሎም ቍርሲ ይበልዑ ነበሩ። ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንመጀመርታኡ ኣይኰነን ርእይዎ: የሱስ ብህይወት ከም ዘሎ ምፍላጡ ድማ ብዙሕ ከም ዘሐጐሶ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ ተጨኒቑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ: ቅድሚ እተወሰነ መዓልትታት: ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክሒዱ እዩ። (ሉቃስ 22:55-60፣ 24:34፣ ዮሃንስ 18:25-27፣ 21:1-14) የሱስ ነቲ እተነስሐ ጴጥሮስ እምነት ስለ ዝጐደለቶ ገኒሕዎ ድዩ፧ ኣይገንሖን። ኣብ ክንዳኡስ: ነተን ‘ኣባጊዑ’ ናይ ምምጋብን ናይ ምጕሳይን ሓላፍነት ሃቦ። (ዮሃንስ 21:15-17) ከምቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ታሪኽ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚሕብሮ: የሱስ ኣብ ጴጥሮስ ዝነበሮ ምትእምማን ንኸንቱ ኣይነበረን። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታትን ብሓባር ኰይኑ: ኣብቲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸቢድ ፈተናታትን ቅልጡፍ ዕቤትን ዝነበራ እዋን ጓስይዋ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:15-26፣ 2:14፣ 15:6-9

2 ሎሚ: የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ: ነባጊዑ ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዘየላቡ እዋን እዚ ዚመርሑ መንፈሳውያን ጓሶት ዝዀኑ ብቑዓት ሰብኡት ሸይሙ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:11, 12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክንድዚ ምትእምማን ምሕዳሩ ንኸንቱ ድዩ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ሰላማዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ከምኡ ዘይምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ። ልክዕ እዩ: እዞም ጓሶት እዚኣቶም ከም ጴጥሮስ: ዚጋገዩ ደቅሰብ እዮም። (ገላትያ 2:11-14፣ ያእቆብ 3:2) ኰይኑ ግን: የሆዋ ነተን ‘ብደም ገዛእ ወዱ ዝዓደገን’ ኣባጊዕ ከም ዚከናኸኑ ይኣምኖም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28 NW) የሆዋ ነዞም ሰብኡት እዚኣቶም ኣጸቢቑ ይፈትዎም: ‘ዕጽፊ ኽብሪ ኸም ዚግብኦም’ ገይሩ ድማ ይርእዮም እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:17

3. መንፈሳውያን ጓሶት ወትሩ ብፍታውን ብታሕጓስን ኬገልግሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

3 መንፈሳውያን ጓሶት ነተን መጓሰ ኣርኣያ ብምዃን: ወትሩ ብፍታውን ብታሕጓስን ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧ ከም ጴጥሮስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጓሶትን: ኣብቲ ሓላፍነቶም ንኺጾሩ ሓይሊ ዚህቦም ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ዚምርኰሱ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ብተወሳኺውን: መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ፍረ መንፈስ: ማለት ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ [“ሰላም:” ትርጕም 1990]: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል [“ርእስኻ ምግታእ:” ትርጕም 1990] የፍሪ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ጓሶት ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ኪጓስዩ ኸለዉ: ነዚ ፍረ እዚ ኼፍርዩሉ ዚኽእሉ ንጹር መገድታት እስከ ንርአ።

ነቲ መጓሰ ብሓፈሻን ንነፍሲ ወከፍ በጊዕን ኣፍቅሩ

4, 5. (ሀ) የሆዋን የሱስን ነተን መጓሰ ፍቕሪ ዜርእይወን ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መንፈሳውያን ጓሶት ነተን መጓሰ ፍቕሪ ዜርእዩሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

4 ካብ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እታ ቐንዲ ባህሪ: ፍቕሪ እያ። የሆዋ ነተን መጓሰኡ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ብምድላው: ብሓፈሻ ዘላቶ ፍቕሪ የርኢ እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14፣ ማቴዎስ 24:45-47) ኰይኑ ግን: ንመጓሰኡ ኻብ ምምጋብ ንላዕሊ እውን ይገብረለን እዩ። ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ብብሕቲ ይሓልየላ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) የሱስ እውን ነተን መጓሰ የፍቅረን እዩ። ነፍሱ በጃአን ኣሕሊፉዋ እዩ: ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ከኣ ብብሕቲ: ወይ ‘ብስማ’ ይፈልጣ እዩ።—ዮሃንስ 10:3, 14-16

5 መንፈሳውያን ጓሶት ንየሆዋን ንየሱስን እዮም ዚመስልዎም። ነተን መጓሰ ኣምላኽ ብሓፈሻ ዘላቶም ፍቕሪ: ነታ ጉባኤ ‘ናብ ምምሃር ብምቕላብ’ የርእይዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታቶም ነተን መጓሰ ኣብ ምምጋብን ኣብ ምዕቋብን ግደ ኣለዎ: ኣብዚ መዳይ እዚ ዚገብርዎ ጻዕርታት ድማ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13, 16) ኰይኑ ግን: እቲ ነቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ካልእ ንጥፈታትን “ብስርዓትን በጋባብን” ንምክያድ ኢሎም: መዛግብቲ ጉባኤ ኣብ ምዕቃብ: ኣብ ምጽሕሓፍ: መደባት ኣብ ምውጻእ: ከምኡውን ካልእ ሓያሎ ነገራት ኣብ ምዕያይ ዜሕልፍዎ ግዜ ብዙሕ ዚፍለጥ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 14:40) መብዛሕትኡ እዚ ዕዮታት እዚ ኺዕየ ኸሎ ሰባት ስለ ዘይርእይዎ: ብዙሕ ኣይፍለጥን ይኸውን። ብሓቂ እምበኣር: ብፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ዚጽዕሩ!—ገላትያ 5:13

6, 7. (ሀ) ጓሶት ምስተን ኣባጊዕ ኣጸቢቖም ዚፋለጡሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ስምዒታትካ ንሽማግለ ምንጋር ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ፈቃራት ክርስትያን ጓሶት ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጉባኤ ዘላ በጊዕ ብሕታዊ ተገዳስነት የርእዩ እዮም። (ፊልጲ 2:4) ሓደ ኻብቲ ጓሶት ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ኣጸቢቖም ዚፈልጡሉ መገዲ: ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ኣብ ጐድነን ኰይኖም ብምግልጋል እዩ። የሱስ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዕዮ ስብከቱ ንሰዓብቱ ሒዝዎም ይኸይድ ነበረ: ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ ምትብባዕ ንምሃብ ይጥቀመሉ ነበረ። (ሉቃስ 8:1) ሓደ ምኩር ክርስትያን ጓሳ: “ሓደ ኻብቲ ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ኽትፈልጠሉን ከተተባብዓሉን እትኽእል ብሉጽ መገድታት: ምስኡ ወይ ምስኣ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ምዕያይ ኰይኑ እየ ረኺበዮ” በለ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስ ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ እንተ ዘይረኺብካ: ነዚ ንምግባር ንምንታይ ቈጸራ ዘይትሕዝ፧

7 የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ: ተኻፋሊ ሓጐስን ሓዘንን ሰዓብቱ ዀነ። ንኣብነት: እቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስብከት ብሓጐስ ምስ ተመለሱ: የሱስ “ተሐጐሰ።” (ሉቃስ 10:17-21) ይኹን እምበር: ሞት ኣልኣዛር ኣብ ማርያምን ኣብ ኣባላት ስድራቤታን ፈተውታን ዘሕደሮ ጽልዋ ምስ ረኣየ: “ነብዔ።” (ዮሃንስ 11:33-35) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሓለይቲ ጓሶት ንስምዒታት እተን ኣባጊዕ ግዲ ዘይብሎም ኣይኰኑን። ብፍቕሪ ተደሪኾም: ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ይሕጐሱ: ምስቶም ዚበኽዩ ይበኽዩ’ እዮም። (ሮሜ 12:15) ኣብ ህይወትካ ሓጐስ ወይ ጓሂ እንተ ኣጋጢሙካ: ስምዒታትካ ንክርስትያን ጓሶት ንምክፋል ኣይትሰከፍ። ብዛዕባ ሓጐስካ ምስማዖም: የተባብዖም እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ብዛዕባ ፈተናታትካ ምፍላጦም: ንኼበራትዑኻን ንኼጸናንዑኻን የኽእሎም እዩ።—1 ተሰሎንቄ 1:6፣ 3:1-3

8, 9. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ንብዓልቲ ቤቱ ፍቕሪ ዘርኣያ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ጓሳ ንስድራቤቱ ፍቕሪ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

8 ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ ዘለዎ ፍቕሪ: ኣብቲ ንስድራቤቱ ዚሕዘሉ መገዲ ይርአ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 4) ብዓል ሓዳር እንተ ዀይኑ: እቲ ንብዓልቲ ቤቱ ዜርእያ ፍቕርን ክብርን: ንኻልኦት ሰብኡት ኪቐድሕዎ ዘለዎም ኣብነት ይዀኖም። (ኤፌሶን 5:25፣ 1 ጴጥሮስ 3:7) ሊንዳ እትበሃል ክርስትያን ሰበይቲ ዝሃበቶ ሓሳባት እሞ ንርአ። ብዓል ቤታ ቕድሚ ሙማቱ ንልዕሊ 20 ዓመት ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ብዛዕባኡ ኸምዚ በለት:- “ብዓል ቤተይ ንጉባኤ ኣብ ምእላይ ወትሩ ትሑዝ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዕዮ እጃም ዘሎኒ ዀይኑ ኸም ዝስምዓኒ እዩ ገይሩ። ስለቲ ዝገብረሉ ደገፍ ብዙሕ ሳዕ ሞሳኡ ገሊጹለይ: ትርፊ ግዜኡ ድማ ምሳይ የሕሊፉ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ከም እተፈቐርኩ ስለ ዚስምዓኒ: በቲ ንሱ ንጉባኤ ኣብ ምግልጋል ዜሕልፎ ግዜ ቐኒአ ኣይፈልጥን።”

9 ሓደ ክርስትያን ጓሳ ውሉዳት እንተልዮምዎ: እቲ ንደቁ ብፍቕሪ ዚግስጸሉን ኣዘውቲሩ ዚንእደሉን መገዲ: ንኻልኦት ወለዲ ኺስዕብዎ ዚግባእ ኣርኣያ ይዀኖም እዩ። (ኤፌሶን 6:4) እቲ ንስድራቤቱ ዜርእዮም ፍቕሪ: ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ጓሳ ዀይኑ ኺሽየም ከሎ እተዋህቦ ሓላፍነት ብዚግባእ ተሰኪሙ ይመላለስ ከም ዘሎ ቐጻሊ መርትዖ ይኸውን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5

ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ: ሓጐስን ሰላምን ከም ዚሰፍን ግበሩ

10. (ሀ) ኣብ ሓጐስን ሰላምን ጉባኤ ኣሉታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ጕዳይ እዩ ንሰላም እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎ፧ እቲ ጕዳይከ ብኸመይ ተፈትሐ፧

10 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን: ኣብ መንጎ ኣካል ሽማግለታት: ከምኡውን ኣብ ምልእቲ ጉባኤ ሓጐስን ሰላምን ኬፍሪ ይኽእል እዩ። ብግሁድ ሓሳብ ንሓሳብ ዘይምልውዋጥ ግን ኣብ ሓጐስን ሰላምን ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ጥንቲ ዝነበረ ሰሎሞን “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” በለ። (ምሳሌ 15:22) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ብኣኽብሮትን ብግሁድን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ: ሓጐስን ፍቕርን ከም ዚሰፍን ይገብር። ንኣብነት: እቲ ንግዝረት ዚምልከት ጕዳይ ንሰላም እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዎ: እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ደልዩ እዩ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሽማግለታት ኣብቲ ጕዳይ እቲ ዘለዎም እተፈላለየ ኣረኣእያታት ገሊጾም እዮም። ሓያል ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮም: ኣብ ውሳነ በጽሑ። እቲ ብሓደ ድምጺ ዝገበርዎ ውሳነ ነተን ጉባኤታት ምስ ለኣኹለን: እቶም ኣሕዋት “በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:6-23, 25, 31፣ 16:4, 5) ሓጐስን ሰላምን ከኣ ሰፈነ።

11. ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ሓጐስን ሰላምን ከም ዚሰፍን ኪገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

11 ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ጓሶት ብዚግባእ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ኣብ ጉባኤ ሰላምን ሓጐስን የስፍኑ እዮም። ጸገማት ንሰላም ጉባኤ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእቲዎ: ብሓባር ተኣኪቦም ስምዒታቶም ብግሁድ ይገልጹ። ነቲ ብጻዮም ጓሳ ዚህቦም ሓሳባት ብኣኽብሮት ይሰምዕዎ። (ምሳሌ 13:10፣ 18:13) መንፈስ ቅዱስ ኪመርሖም ድሕሪ ምጽላይ ከኣ: ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘሕተሞ መምርሒታትን ተመርኲሶም ውሳነ ይገብሩ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ 1 ቈረንቶስ 4:6) እቶም ኣካል ሽማግለታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ውሳነ ድሕሪ ምግባሮም: ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ዋላ እውን ናይ ብሕቱ ኣረኣእያ ብመብዛሕትኦም ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ: ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ይግዛእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና: ሓጐስን ሰላምን የምጽእ: ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚመላለሳ ድማ ሰናይ ኣብነት ይዀነን። (ሚክያስ 6:8) እሞኸ ንስኻ እቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ምስ ውሳነኦም ብትሕትና ትተሓባበርዶ ኣለኻ፧

ዓቃላትን ለዋሃትን ኩኑ

12. የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዓቃልን ለዋህን ኪኸውን ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሃዋርያት ብተደጋጋሚ ይጋገዩ እኳ እንተ ነበሩ: የሱስ ምሳታቶም ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ግን ዓቃልን ለዋህን ነበረ። ንኣብነት: ትሑታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ኼጕልሓሎም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 18:1-4፣ 20:25-27) እንተዀነ ግን: ኣብታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: እግሮም ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ትምህርቲ ድሕሪ ምሃቡ: “መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ: ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ።” (ሉቃስ 22:24፣ ዮሃንስ 13:1-5) የሱስ ንሃዋርያቱ ተቛይቝዎምዶ፧ ኣይፋሉን: የግዳስ “እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ” ብምባል ብለውሃት ኣረድኦም። (ሉቃስ 22:27) ዓቕልን ለውሃትን የሱስ: ምስቲ ሰናይ ኣብነቱ ተወሲኹ: ኣብ መወዳእታ ኣልባብ እቶም ሃዋርያት ተንከፈ።

13, 14. ጓሶት ብፍላይ መዓስ እዮም ለዋሃት ኪዀኑ ዘለዎም፧

13 ብተመሳሳሊ: ሓደ መንፈሳዊ ጓሳ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ጕድለቱ ብተደጋጋሚ ምኽሪ ኺህቦ የድልዮ ይኸውን። እቲ ጓሳ በቲ ውልቀ-ሰብ ኪሓርቕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ‘ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ኪምዕዶ’ ኸሎ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጕድለት ምዝካሩ: ንሓዉ ዓቕልን ለውሃትን ኬርእዮ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ነቶም ንዅሎም ክርስትያናት: እንተላይ ንጓሶት ዓቃላትን ለዋሃትን ዝዀኑ የሱስን የሆዋን ይመስሎም።—1 ተሰሎንቄ 5:14፣ ያእቆብ 2:13

14 ሓድሓደ ግዜ: ጓሶት ንሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ: ተሪር ተግሳጽ ኪህቡ የድልዮም እዩ። እቲ ውልቀ-ሰብ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ ኸኣ: እቶም ጓሶት ነቲ ኣበሰኛ ኻብ ጉባኤ ኼውጽእዎ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) ኰይኑ ግን: እቲ ነቲ ውልቀ-ሰብ ዚሕዙሉ መገዲ: ነቲ ሓጢኣተኛ ዘይኰነስ: ነቲ ሓጢኣት ከም ዚጸልኡ ዜርኢ እዩ። (ይሁዳ 23) እቶም ጓሶት ለዋሃት ምዃኖም: ንሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ኣብ መወዳእታ ናብ ደምበኣ ንኽትምለስ ዝቐለለ ኸም ዚዀነላ ይገብር ይኸውን።—ሉቃስ 15:11-24

ብሕያውነት ዚግበር ተግባራት: ካብ እምነት ተላዒልካ እዩ ዚግበር

15. ጓሶት ንሕያውነት የሆዋ ኪቐድሑሉ ዚኽእሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ ነዚ ንኺገብሩ ዚድርኾምከ እንታይ እዩ፧

15 “እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ:” ዋላ እውን ነቶም ንዚገብረሎም ነገራት ዘየማስዉሉ ሰባት ከይተረፈ ሰናይ ወይ ሕያዋይ እዩ። (መዝሙር 145:9፣ ማቴዎስ 5:45) ሕያውነት የሆዋ ብፍላይ ዚንጸባረቐሉ መዳይ: ንህዝቡ “ወንጌል መንግስቲ” ኺሰብኩ ምልኣኹ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ጓሶት ኣብዚ ዕዮ ስብከት እዚ ግንባር ቀደም ብምዃን ሕያውነት ኣምላኽ የንጸባርቑ። ደኺመ ኸይበሉ ኽንድዚ ንኺጽዕሩ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዘለዎም ሓያል እምነት እዩ።—ሮሜ 10:10, 13, 14

16. ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ‘ሰናይ ኪገብሩ’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ጓሶት ኣብ ልዕሊ እቲ “ንዅሉ ሰብ” ብምስባኽ ዚገብርዎ ሰናይ ነገር: “ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ” ኪገብሩ ሓላፍነት ኣለዎም። (ገላትያ 6:10) ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብሩሉ መገዲ: ዜተባብዕ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ብምግባር እዩ። ሓደ ሽማግለ “ናይ ጕስነት ምብጻሕ ምግባር ባህ እዩ ዚብለኒ። ነሕዋትን ኣሓትን ስለቲ ዝገበርዎ ጻዕርታት ንኽንእዶምን እቲ ኣበርቲዖም ዚዓይዎ ዕዮ ኣኽቢርካ ዚርአ ምዃኑ ኺግንዘቡ ንኽሕግዞምን ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ እዩ” በለ። ሓድሓደ ግዜ: ጓሶት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብቲ ንየሆዋ ዚገብሮ ኣገልግሎት ዜመሓይሸሉ መገድታት ይሕብርዎ ይዀኑ። ጥበበኛታት ጓሶት ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ ንሃዋርያ ጳውሎስ እዮም ዚመስልዎ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ምሕጽንታ ዝሃበሉ መገዲ እሞ ንርአ። “እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን: ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት አላትና” በሎም። (2 ተሰሎንቄ 3:4) ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ዚገልጽ ቃላት: ነቲ ጽቡቕ ዝንባለታት እተን ኣባጊዕ የለዓዕል: ‘ንመራሕተን ንኺእዘዛን ንኺግዝኣን’ ድማ ዝቐለለ ይዀነለን። (እብራውያን 13:17) እሞኸ ንስኻ ዜተባብዕ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ምስ ተገብረልካ: ንምንታይ ሞሳኻ ዘይትገልጽ፧

ህድኣት: ርእስኻ ምግታእ ይሓትት

17. ጴጥሮስ ካብ የሱስ እንታይ ትምህርቲ እዩ እተማህረ፧

17 የሱስ ኬቘጥዖ ኣብ ዚኽእል ኵነታት እውን ከይተረፈ: ለዋህ ወይ ህዱእ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:29) ኣሕሊፍካ ምስ ተዋህበን ምስ ተታሕዘን: ዓብዪ ህድኣትን ርእስኻ ምግታእን ኣርእዩ እዩ። ጴጥሮስ ብታህዋኽ ሰይፊ መሊሑ ሕነ ፈደየ። የሱስ ግን “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧” ብምባል ኣዘኻኸሮ። (ማቴዎስ 26:51-53፣ ዮሃንስ 18:10) ጴጥሮስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ልቡ ኣሕደሮ: ጸኒሑ ድማ ንክርስትያናት “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። . . . ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: . . . ዘየፋራርሄ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም።—1 ጴጥሮስ 2:21-23

18, 19. (ሀ) ጓሶት ብፍላይ መዓስ እዮም ህድኣትን ርእስኻ ምግታእን ዜድልዮም፧ (ለ) ኣብ ዚቕጽል እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

18 ብተመሳሳሊ: ንፉዓት ጓሶት ኪግፍዑ ኸለዉ እውን ከይተረፈ: ህዱኣት ወይ ልኡማት እዮም። ንኣብነት: ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ኺሕግዝዎም ዚፍትኑ ሰባት: ጽቡቕ ምላሽ ኣይህቡን ይዀኑ። እቲ ሓገዝ ዜድልዮ ውልቀ-ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ እተጐድአ ወይ ዝሓመመ እንተ ዀይኑ: ነቲ ዚወሃቦ ምኽሪ “ኸም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ” ብምዝራብ ኪምልስ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ይኹን እምበር: እቶም ጓሶት ከም የሱስ ብበሊሕ ቃላት ወይ ብሕማቕ ተግባራት ገይሮም ሕነ ኣይፈድዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ርእሶም ይገትኡን ይድንግጹሉን እዮም: እዚ ድማ ነቲ ሓገዝ ዜድልዮ በረኸት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8, 9) ንስኻኸ ኻብ ኣብነት ሽማግለታት ትምህርቲ ብምውሳድ: ምኽሪ ኺወሃበካ ኸሎ ህድኣትን ርእስኻ ምግታእን ተንጸባርቕ ዲኻ፧

19 የሆዋን የሱስን ነቲ እቶም በሽሓት ዚቝጸሩ ጓሶት ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ መጓሰ ንምክንኻን ብፍታው ዚዓይዎ ዕዮ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋን ወዱን ‘ነቶም ቅዱሳት ኣብ ምግልጋል’ ንሽማግለታት ዚድግፍዎም በሽሓት ዚቝጸሩ ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ኣጸቢቖም ይፈትውዎም እዮም። (እብራውያን 6:10) ስለምንታይ ደኣ እዮም ገሊኦም እተጠመቑ ኣሕዋት ነዚ “ሰናይ ግብሪ” እዚ ኺመጣጠሩ ዘይደልዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:1) የሆዋ ነቶም ጓሶት ኪዀኑ ዝሸሞም ብኸመይ እዩ ዜሰልጥኖም፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምረን ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ጓሶት ንመጓሰኦም ፍቕሪ ዜርእዩሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ሓጐስን ሰላምን ከም ዚሰፍን ኪገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ጓሶት ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ ዓቃላትን ለዋሃትን ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ሽማግለታት ሕያውነትን እምነትን ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ንጉባኤ ዜገልግሉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ስድራቤቶም ኣብ ምዝንጋዕ . . .

. . . ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ግዜ የሕልፉ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንጎ ሽማግለታት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እንተሎ: ኣብ ጉባኤ ሓጐስን ሰላምን ይሰፍን