ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ብተኣማንነት ምግልጋል

ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ብተኣማንነት ምግልጋል

ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ብተኣማንነት ምግልጋል

“ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ።” —ዳንኤል 7:14

1, 2. ክርስቶስ ብ33 ድ.ክ. ምሉእ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይሓዘ ብኸመይ ንፈልጥ፧

 ህይወቱ ንተገዛእቱ ሂቡ ኽነሱ: እንደገና ህያው ኰይኑ ዚገዝእ ኣየናይ ንጉስ እዩ፧ ተገዛእቱ እምንቶ ምእንቲ ኼሕድሩሉን እሙናት ምእንቲ ኪዀንዎን ኢሉ ምሳታቶም ኣብ ምድሪ ድሕሪ ምንባሩ: ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእከ ኣየናይ ንጉስ እዩ፧ እዝን ካልእ ነገራትን ኪገብር ዝኸኣለ: የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። (ሉቃስ 1:32, 33) ክርስቶስ ሞይቱ ተንሲኡ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ: ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣምላኽ “ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ: ነታ ማሕበር ወፈዮ።” (ኤፌሶን 1:20-22፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32-36) በዚ ኸምዚ ክርስቶስ ብእተወሰነ መዳይ ኪገዝእ ጀመረ። እቶም ቀዳሞት ተገዛእቱ: እቶም ንመንፈሳዊ እስራኤል ወይ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜቝሙ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እዮም ነይሮም።—ገላትያ 6:16፣ ቈሎሴ 1:13

2 ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዳርጋ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስቶስ ምሉእ ስልጣን መንግስቱ ኸም ዘይተቐበለ ኣረጋገጸ። የግዳስ: የሱስ “እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ: ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (እብራውያን 10:12, 13) ድሕሪኡ: እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብዛዕባ መጻኢ ሓደ ራእይ ረኣየ። እዚ ራእይ እዚ እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ ንጉስ እታ ሓዳስ እተወልደት ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ኬንግሶ ኸሎ ዜርኢ ራእይ እዩ። (ራእይ 11:15፣ 12:1-5) ካብዚ ኣብ ታሪኽ ዘለናዮ እዋን ኴንና: ብ1914 ክርስቶስ ኣብ ሰማይ መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከም ዝጀመረ ዜረጋግጽ ዓበይቲ መርትዖታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። a

3. (ሀ) ካብ 1914 ኣትሒዙ እቲ ብስራት መንግስቲ እንታይ ሓድሽ መዳይ እዩ ኣጠቓሊሉ ዘሎ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

3 እወ: ካብ 1914 ኣትሒዙ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ዜሐጕስ መዳይ ኣጠቓሊሉ ኣሎ። ክርስቶስ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ብንጥፈት ይገዝእ ኣሎ: ልክዕ እዩ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ’ እዩ ዚገዝእ ዘሎ። (መዝሙር 110:1, 2፣ ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 12:7-12) ብዘይካዚውን: ኣብ ብዘላ ምድሪ እቶም እሙናት ተገዛእቱ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኣብ ዓለምለኻዊ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስታፍ ንስልጣኑ ብውዕዉዕ ስምዒት ይግዝኡ ኣለዉ። (ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 28:18) እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት: ማለት እቶም “ደቂ መንግስቲ:” “ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት” ኰይኖም የገልግሉ እዮም። እቶም ልኡኻት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ዜገልግሉ: እናሰሰኑ ዚኸዱ ናይ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ድማ ብተኣማንነት ይድግፍዎም እዮም። (ማቴዎስ 13:38፣ 2 ቈረንቶስ 5:20 ትርጕም 1990ዮሃንስ 10:16) ይኹን እምበር: ብውልቅና ብሓቂ ንስልጣን ክርስቶስ ኣፍልጦ እንተ ሂብናሉ ኽንምርምር ኣሎና። ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ዘይነቓነቕ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚገዝእ ንጉስ ብኸመይ ኢና ተኣማንነትና ኸነርኢ እንኽእል፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ቅድሚ ምርኣይና: ንክርስቶስ እሙናት ንምዃን እንታይ ምኽንያታት ከም ዘሎና ፈለማ ንመያየጥ።

ንተገዛእቱ እሙናት ኪዀኑ ዜለዓዕል ንጉስ

4. የሱስ ከም እተመዘዘ ንጉስ መጠን ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እንታይ እዩ ዓሚሙ፧

4 ንክርስቶስ ዘሎና ተኣማንነት: ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ ነገራትን ዘርኣዮ ሓለፍ ዝበለ ባህርያትን ዘሎና ሞሳ እተመስረተ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:8) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንጉስ ኪኸውን እተመዘዘ ኸም ምዃኑ መጠን: ምስ ነገሰ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈቕዶ ግዜ ብዓለምለኻዊ ደረጃ እንታይ ከም ዚገብር ብንእሽቶ ኣርኣየ። ንሱ ንዝጠመዩ መገበ። ንዝሓመሙን ንዕዉራትን ሓንካሳትን ጸማማትን ዓባሳትን ኣሕወየ። ንዝሞቱ ውልቀ-ሰባት እንደገና ህያው እውን ገይሩ እዩ። (ማቴዎስ 15:30, 31፣ ሉቃስ 7:11-16፣ ዮሃንስ 6:5-13) ብዘይካዚ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት ምፍላጥ: ኣብ መጻኢ ገዛኢ ንጉስ ብምዃን ዚህልዎ ባህርያት ክንፈልጥ የኽእለና እዩ። ካብቲ ባህርያቱ ብፍላይ እትጐልሕ: እታ ርእሰ-መስዋእታዊት ፍቕሪ እያ። (ማርቆስ 1:40-45) ምስዚ ብዚተኣሳሰር: ናፖልዮን ቦናፓርተ ኸምዚ ኢሉ ኸም እተዛረበ ይንገረሉ እዩ:- “ኣለክሳንደርን ቄሳርን ሻርለማኝን ኣነ ባዕለይን ሃጸያዊ ግዝኣታት መስሪትና ኢና: እንተዀነ ግን ነቲ ብብልሕና ዝፈጠርናዮ ኣብ ምንታይ ኢና መስሪትናዮ፧ ኣብ ሓይሊ። የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ንመንግስቱ ኣብ ፍቕሪ ዝመስረታ: ኣብዚ ግዜና ድማ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንዕኡ ምሞቱሉ።”

5. ባህርያት የሱስ ኣዝዩ ሰሓቢ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ለዋህን ልቡ ትሑትን ስለ ዝነበረ: እቶም ጸቕጥታትን ጾርን ዝኸበዶም በቲ ሃናጺ ትምህርትታቱን ሕያውነት ዝመልኦ ባህርያቱን ዕረፍቲ ይረኽቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 11:28-30) ቈልዑ ናብኡ ምቕራብ ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ። ትሑታትን መስተውዓልትን ሰባት ብሃንቀውታ ደቀ መዛሙርቱ ዀኑ። (ማቴዎስ 4:18-22፣ ማርቆስ 10:13-16) ሓልዮቱን ኣኽብሮቱን ከኣ ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ንዑኡ እሙናት ንኪዀና ደሪኽወን እዩ: ሓያሎ ኻባታተን ከኣ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ ንኺከናኸናኦ ግዜአንን ጕልበተንን ጥሪተንን ወፍየን እየን።—ሉቃስ 8:1-3

6. ኣልኣዛር ምስ ሞተ: የሱስ እንታይ ብቝባቘ እዩ ኣርእዩ፧

6 እቲ ኣልኣዛር ዚበሃል ፍቑር ዓርኪ የሱስ ምስ ሞተ: ክርስቶስ ገለ ኻብቲ ብቝባቘኡ ብዝያዳ እተንጸባረቐሉ ስምዒታት ኣርእዩ እዩ። ብሓዘን ማርያምን ማርታን ኣመና ስለ እተተንከፈ: ብሓዘን ተኪዙ “ነብዔ።” ንኣልኣዛር ድሕሪ ሓጺር እዋን እንደገና ህያው ኪገብሮ ምዃኑ እናፈለጠ: በቲ መሪር ጓህን ሓዘንን ስለ እተረበሸ ‘ኣሕነቕነቐ።’ ድሕሪኡ: ብፍቕርን ድንጋጽን ተላዒሉ: በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን ገይሩ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ።—ዮሃንስ 11:11-15, 33-35, 38-44

7. የሱስ ተኣማንነትና ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

7 ነቲ የሱስ ንቕኑዕ ዘበለ ዝነበሮ ፍቕርን ንግብዝና ዀነ ንእከይ ዝነበሮ ጽልእን ክንርኢ ኸለና: ነድንቖ ኢና። ነታ ቤተ መቕደስ ካብ ስሱዓት ነጋዶ ንምጽራይ ክልተ ሳዕ ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ። (ማቴዎስ 21:12, 13፣ ዮሃንስ 2:14-17) ብዘይካዚውን: ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንዅሉ ዓይነት ጸበባ ተቓሊዑ ብምንባሩ: ነቲ ዜጋጥመና ጸቕጥታትን ጸገማትን ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። (እብራውያን 5:7-9) የሱስ ኣደዳ ጽልእን በደልን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። (ዮሃንስ 5:15-18፣ 11:53, 54፣ 18:38-19:16) ኣብ መወዳእታ: ፍቓድ ኣቦኡ ንምፍጻምን ንተገዛእቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብን: ዜሰቅቕ ዓይነት ሞት ንኺመውት ብትብዓት ፍቓደኛ ዀነ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ባህርያት ክርስቶስ እዚ ብተኣማንነት ምግልጋሉ ንኽትቅጽል ዚድርኽዶ ኸይኰነ፧ (እብራውያን 13:8፣ ራእይ 5:6-10) ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ተገዛኢኡ ንምዃን ግን እንታይ እዩ ዜድሊ፧

ተገዛኢ ንምዃን ብቑዕ ምዃን

8. ተገዛእቲ ክርስቶስ እንታይ ኬማልኡ እዩ ዚድለ፧

8 ነዚ ዚስዕብ ምምስሳል እሞ ሕሰበሉ:- መብዛሕትኡ ግዜ ዜጋ ኻልእ ሃገር ምዃን: እተወሰነ መሰረታዊ ብቕዓታት ምምላእ የጠቓልል። እቶም ዜጋታት ኪዀኑ ትጽቢት ዚግበረሎም: ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎምን እተወሰነ ጥዕና ዘለዎምን ኪዀኑ እዮም ዚድለዩ። ብተመሳሳሊ: ተገዛእቲ ክርስቶስ ልዑል ስርዓታት ስነ-ምግባርን ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ኪህልዎም እዮም ዚድለዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ገላትያ 5:19-23

9. ንክርስቶስ እሙናት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

9 ብተወሳኺ: የሱስ ክርስቶስ: ተገዛእቱ ንዕኡን ንመንግስቱን እሙናት ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። እዚ ተኣማንነቶም እዚ ምስቲ ንሱ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም እተመዘዘ ንጉስ መጠን ዝመሃሮ ትምህርቲ ተሰማሚዖም ብምንባር የርእዩ። ንኣብነት: ንመንግስቲ ኣምላኽን ፍቓድ ኣምላኽን ቅድሚ ስጋዊ ነገራት እዮም ዚሰርዕዎ። (ማቴዎስ 6:31-34) ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ: ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ኬንጸባርቑ ኻብ ልቦም ይጽዕሩ እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:21-23) ብዘይካዚ: ተገዛእቲ ክርስቶስ ንኻልኦት ሰናይ ንምግባር ተበግሶ ብምውሳድ ኣብነቱ ይስዕቡ እዮም።—ማቴዎስ 7:12፣ ዮሃንስ 13:3-17

10. ንክርስቶስ ዘሎና ተኣማንነት (ሀ) ኣብ ስድራቤት: (ለ) ኣብ ጉባኤ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ስድራቤቶም ባህርያቱ ብምንጽብራቕ እውን ንዕኡ ዘለዎም ተኣማንነት የርእዩ እዮም። ንኣብነት: ሰብኡት ነቲ ሰማያዊ ንጉሶም ዘለዎም ተኣማንነት: ንኣንስቶምን ንደቆምን ኣብ ዚሕዙሉ መገዲ ባህርያት ክርስቶስ ብምቕዳሕ የርእዩ። (ኤፌሶን 5:25, 28-30፣ 6:4፣ 1 ጴጥሮስ 3:7) ኣንስቲ ንክርስቶስ ዘለወን ተኣማንነት በቲ ንጹህ ኣኻይዳአን ከምኡውን “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ብምንጽብራቕ የርእያ። (1 ጴጥሮስ 3:1-4፣ ኤፌሶን 5:22-24) ውሉዳት ነቲ ክርስቶስ ዝሓደጎ ናይ ተኣዛዝነት ኣብነት ኪስዕቡ ኸለዉ: ንዕኡ እሙናት ይዀኑ። የሱስ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ወለዱ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ ይእዘዞም ነበረ። (ሉቃስ 2:51, 52፣ ኤፌሶን 6:1) ተገዛእቲ ክርስቶስ ‘ዚደናገጹን ሕውነት ዜፍቅሩን ለዋሃትን’ ብምዃን ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። ከም ክርስቶስ ‘ትሑታት ደኣ እምበር: እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ዚመልሱ ኸይኰኑ’ ይጽዕሩ እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:8, 9፣ 1 ቈረንቶስ 11:1

ሕጊ ዜኽብሩ ተገዛእቲ

11. ተገዛእቲ ክርስቶስ ነየናይ ሕግታት እዮም ዚግዝኡ፧

11 ከምቲ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ኪዀኑ ዚደልዩ: በቲ ሕግታት እታ ሓዳስ ሃገር ዚቕየዱ: ተገዛእቲ ክርስቶስ እውን ህይወቶም ምስቲ ዅሉ የሱስ ዝመሃሮን ዝኣዘዞን ብምስምማዕ ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ይግዝኡ እዮም። (ገላትያ 6:2) ብፍላይ ከኣ: ብተኣማንነት በቲ “ንጉሳዊ ሕጊ” እዮም ናብራኦም ዚመርሑ። (ያእቆብ 2:8) እዚ ሕግታት እዚ እንታይ የጠቓልል፧

12, 13. ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ብተኣማንነት እንግዛእ ብኸመይ ኢና፧

12 ተገዛእቲ ክርስቶስ ካብ ዘይፍጽምናን ጕድለትን ናጻ ኣይኰኑን። (ሮሜ 3:23) ስለዚ: ‘ብንጹህ ልቢ ንሓድሕዶም ብሓቂ ምእንቲ ኺፋቐሩ: ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ’ ወትሩ ኼማዕብሉ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 1:22) “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ:” ክርስትያናት ‘ንሓድሕዶም ብምጽውዋርን ይቕረ ብምብህሃልን’ ሕጊ ክርስቶስ ብተኣማንነት ኣብ ግብሪ የውዕሉ እዮም። ነዚ ሕጊ እዚ ምሕላዎም: ንዘይፍጽምና ዕሽሽ ንኺብሉን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ዜኽእሎም ምኽንያታት ንኺረኽቡን ይሕግዞም። ምስቶም ነቲ ፈቃር ንጉስና ብተኣማንነት ንኺግዝኡ ኢሎም ነታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ ዝለበሱ ሰባት ምዃንካ ኣይተማሱን ዲኻ፧—ቈሎሴ 3:13, 14

13 ብተወሳኺ: የሱስ እታ ንሱ ብኣብነት ዘርኣየና ፍቕሪ: ካብቲ ሰባት ንሓድሕዶም ዘርእይዋ ፍቕሪ ሓለፍ ዝበለት ምዃና ገሊጹ እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ነቶም ዜፍቅሩና ጥራይ እንተ ኣፍቀርና: ዋላ ሓንቲ “ሓለፋ” ኣይገበርናን። ከምኡ እንተ ዀይኑ: ፍቕርና ዘይተማልአትን ጐደሎን ትኸውን። የሱስ ነቶም ዚጸልኡናን ዜሳጕጉናን ጸላእትና ንኸነፍቅር እተኽእለና ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ ብምምዕባል: ንፍቕሪ ኣቦኡ ኽንቀድሓ ተማሕጸነና። (ማቴዎስ 5:46-48) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ነቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብቲ ቐንዲ ዕዮኦም ብተኣማንነት ጸኒዖም ንኪቕጽሉ ትድርኾም እያ። እቲ ቐንዲ ዕዮኦምከ እንታይ እዩ፧

ተኣማንነቶም ይፍተን

14. ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሎሚ ዘለዉ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምምስካር’ ወሳኒ ዕዮ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:23) እታ መሲሓዊት መንግስቲ ንልዑላውነት የሆዋ ስለ እተረጋግጽ: ከምዚ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና: ሰማዕቲ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም። ኣብ ልዕሊ እዚ: እቲ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ዚህብዎ ምላሽ: እቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ንደቅሰብ ኪፈርድ ከሎ መለክዒ ይዀኖ እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-10) ስለዚ: ንክርስቶስ ዘሎና ተኣማንነት እነርእየሉ ቐንዲ መገዲ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ክንነገር ዝሃበና ትእዛዝ ብምሕላው እዩ።—ማቴዎስ 28:18-20

15. ተኣማንነት ክርስትያናት ዚፍተን ስለምንታይ እዩ፧

15 ልክዕ እዩ: ሰይጣን ነቲ ዕዮ ስብከት ብእተኻእሎ ዘበለ ይጻረሮ እዩ: ሰብኣውያን ገዛእቲ እውን ነቲ ኣምላኽ ንክርስቶስ ዝሃቦ ስልጣን ኣፍልጦ ኣይህቡሉን እዮም። (መዝሙር 2:1-3, 6-8) በዚ ምኽንያት እዚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: . . . ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ዮሃንስ 15:20) ስለዚ: ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብቲ ንተኣማንነቶም ዚፍትን መንፈሳዊ ውግእ እዮም ዘለዉ።—2 ቈረንቶስ 10:3-5፣ ኤፌሶን 6:10-12

16. ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ዚህቡ’ ብኸመይ እዮም፧

16 ይኹን እምበር: ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ንሰብኣውያን ሰበ-ስልጣን ክብሮም ከየጕደሉ: ነቲ ዘይርአ ንጉሶም ዘለዎም ተኣማንነት ይሕልዉ እዮም። (ቲቶስ 3:1, 2) የሱስ: “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። (ማርቆስ 12:13-17) ስለዚ: ተገዛእቲ ክርስቶስ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጻረር ሕግታት መንግስቲ ይሕልዉ እዮም። (ሮሜ 13:1-7) ኰይኑ ግን: እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስባኽ ደው ኬብሉ ብምእዛዝ: ኣንጻር ሕግታት ኣምላኽ ምስ ከደ: ንሳቶም ብጽኑዕ ግን ከኣ ብኣኽብሮት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 5:27-32

17. ንተኣማንነትና ዚፍትን ነገር ብትብዓት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ተገዛእቲ ክርስቶስ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሶም: ንንጉሶም እሙናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ብዙሕ ትብዓት ከም ዜድልዮም ፍሉጥ እዩ። የሱስ ግን: “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ። (ማቴዎስ 5:11, 12) እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ተመኪሮምወን እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኾም ምስ ተገርፉ እውን ከይተረፈ: “ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:41, 42) ንስኻውን መከራ: ሕማም: ሞት እተፍቅሮ ሰብ: ወይ ምጽራር ኣብ ዜጋጥመካ እዋን ተመሳሳሊ መንፈስ ተኣማንነት ስለ ዘርኣኻ: ናእዳ ይግብኣካ እዩ።—ሮሜ 5:3-5፣ እብራውያን 13:6

18. የሱስ ንጶንጥዮስ ጲላጦስ እተዛረበን ቃላት እንታይ የመልክታ፧

18 የሱስ ኣብ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ተመዚዙ ኸሎ: ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ: “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ስለዚ: ተገዛእቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ: ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣጽዋር ኣየልዕሉን እዮም: ኣብ ግጭታት ደቅሰብ እውን ምስ ሓደ ኣይውግኑን እዮም። ነቲ “መስፍን ሰላም” እሙናት ብምዃን: ካብቲ ዚኸፋፍል ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት እዮም።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ 9:6, 7

እሙናት ኣገልገልቲ ዚወሃቦም ዘለኣለማዊ ዓስቢ

19. ተገዛእቲ ክርስቶስ ንመጻኢ ብምትእምማን ኪጽበይዎ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

19 እቶም እሙናት ተገዛእቲ እቲ “ንጉሰ ነገስት” ዝዀነ ክርስቶስ: ብዛዕባ መጻኢ ምትእምማን ኣለዎም። ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚርአ መግለጺ ልዕለ-ባህርያዊ ንጉሳዊ ሓይሉ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። (ራእይ 19:11-20:3፣ ማቴዎስ 24:30) ተረፍ እቶም እሙናትን ብመንፈስ እተቐብኡን “ደቂ መንግስቲ:” ነቲ ኣብ ሰማይ ነገስታት ኰይኖም ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡሉ ብዋጋ ዘይሽነን ውርሶም ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበይዎ። (ማቴዎስ 13:38፣ ሉቃስ 12:32) እቶም ናይ ክርስቶስ እሙናት “ካልኦት ኣባጊዕ” ነቲ ንጉሶም: “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ብምባል ስምረቱ ኺገልጸሎም ከሎ ዚዛረቦ ቓላት ሃርር ኢሎም እዮም ዚጽበይዎ። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:34) እምበኣር: ኵሎም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ብተኣማንነት ምግልጋል ንኪቕጽሉ ቘራጽነት ይግበሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ: ኣብ ገጽ 95-7 “ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ቈይማ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ክርስቶስ ተኣማንነትና ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

• ተገዛእቲ ክርስቶስ ንዕኡ ዘለዎም ተኣማንነት ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

• ነቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ እሙናት ክንከውን እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ተወሳኺ ሓለፍ ዝበለ ባህርያት ክርስቶስ

ኣድልዎ ዘይምህላውዮሃንስ 4:7-30

ድንጋጸማቴዎስ 9:35-38፣ 12:18-21፣ ማርቆስ 6:30-34

ርእሰ-መስዋእታዊት ፍቕሪ—ዮሃንስ 13:1፣ 15:12-15

ተኣማንነት—ማቴዎስ 4:1-11፣ 28:20፣ ማርቆስ 11:15-18

ሓልዮትማርቆስ 7:32-35፣ ሉቃስ 7:11-15፣ እብራውያን 4:15, 16

ርትዓውነትማቴዎስ 15:21-28

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንሓድሕድና ፍቕሪ ብምርኣይ: ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ብተኣማንነት ንግዛእ ኢና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ባህርያት ክርስቶስ ብተኣማንነት ንኸተገልግሎ ይድርኸካዶ፧