ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም

ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም

ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም

ድኽነትን ጭቈናን ዳርጋ ደቅሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ንድኻታት ንምዕቋብን መከራኦም ንምፍኳስን ዝዓለመ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ሕጊ እቲ ግን ብዙሕ ግዜ ይጥሓስ ነበረ። (ኣሞጽ 2:6) ነብዪ ህዝቅኤል ነቲ ድኻታት ዚተሓዙሉ መገዲ ኺገልጽ ከሎ: “እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ: ከተረ: ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ: ንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ” ኢሉ ዀነነ።—ህዝቅኤል 22:29

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንድኻታትን ንስኡናትን ዋላ ሓንቲ ግዲ ኣይነበሮምን። ንሳቶም “ገንዘብ ዚፈትዉ:” “ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ:” ከምኡውን ንኣረጋውያንን ንስኡናትን ኣብ ክንዲ ዚሓልዩ ስርዓታቶም ንምሕላው ዚጭነቑ ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 16:14፣ 20:47፣ ማቴዎስ 15:5, 6) ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝመሰሎ ምሳሌ: ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ንሓደ ዝቘሰለ ሰብ ድሕሪ ምርኣዮም: ኪሕግዝዎ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ እናረኣይዎ ኸም ዝሓለፉ ምግላጹ ኸነቕልበሉ ዚግባእ ነገር እዩ።—ሉቃስ 10:30-37

የሱስ ንድኻታት ሓለየሎም

እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻባት: ነቲ እቶም ድኻታት ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ጸገማት ኣጸቢቑ ኸም እተረድኦን ኣመና ይርሕርሓሎም ምንባሩን ይሕብረና። የሱስ ኣብ ሰማይ ይነብር እኳ እንተ ነበረ: ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብ ኰነ: ‘ምእንታና ድማ ደኸየ።’ (2 ቈረንቶስ 8:9) ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ: “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) እቲ ብዛዕባ እታ ድኻ መበለት ዚገልጽ ጸብጻብ: የሱስ በቶም “ካብ ተረፎም” ዝሃቡ ሃብታማት ዘይኰነስ: በቲ እታ ድኻ መበለት ዝሃበቶ ሒደት ወፈያ ኸም እተተንከፈ ይሕብረና። ንሳ ‘ኻብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ ስለ ዘውደቐት’ ልቡ ተንከፎ።—ሉቃስ 21:4

የሱስ ንድኻታት ይድንግጸሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ እውን ብብሕቱ ተገዳስነት ኣርእዩ እዩ። ንሱን ሃዋርያቱን ንስኡናት እስራኤላውያን ዚህብዎ ብሓባር ዜዋህልልዎ ገንዘብ ነይርዎም እዩ። (ማቴዎስ 26:6-9፣ ዮሃንስ 12:5-8፣ 13:29) የሱስ ነቶም ሰዓብቱ ኪዀኑ ዚደልዩ: ንስኡናት ኪሕግዙ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ደለየ። ንሓደ ገዛኢ ዝዀነ ሃብታም ጐበዝ: “ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ: ንዓውን ስዐበኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ነቲ ጥሪቱ ኼካፍል ፍቓደኛ ዘይምዃኑ: ንሃብቱ ዘላቶ ፍቕሪ: ካብቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላቶ ፍቕሪ እትዓዝዝ ምዃና እዩ ዜርኢ። ስለዚ ድማ: ወደ መዝሙር የሱስ ንምዃን ዜኽእል ባህርያት ኣይነበሮን።—ሉቃስ 18:22, 23

ሰዓብቲ ክርስቶስ ንድኻታት ይሓልዩሎም

ድሕሪ ሞት የሱስ: ሃዋርያትን ካልኦት ሰዓብቲ ክርስቶስን ነቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ድኻታት ይሓልዩሎም ነይሮም እዮም። ብ49 ድ.ክ. ኣቢሉ: ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ተራኸበ እሞ: ብዛዕባ እቲ ብስራት ንኺሰብኽ ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተቐበሎ መዝነት ተመያየጡ። ጳውሎስን በርናባስን ናብ “ኣህዛብ” ብምኻድ ምናዳ ንዓታቶም ኪሰብኩሎም ከም ዘለዎም ተሰማምዑ። ይኹን እምበር: ያእቆብን ብጾቱን ንጳውሎስ ‘ነቶም ድኻታት ኪዝክርዎም’ ተማሕጸንዎም። ጳውሎስን በርናባስን እውን ነዚ ኺገብርዎ ‘ይጋደሉ ነበሩ።’—ገላትያ 2:7-10

ሃጸይ ቅላውዴዎስ ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ኣብ ኣንጾክያ ዚርከቡ ክርስትያናት ከኣ “ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 11:28-30

ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን: ሰዓብቲ የሱስ ዘበሉ ንድኻታትን ንስኡናትን: ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም: ኪሓልዩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። (ገላትያ 6:10) ስለዚ: ንሽጉራት ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ብሓቂ ሓልዮቶም የርእዩ እዮም። ንኣብነት: ብ1998 መብዛሕትኡ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ብድርቂ ተጠቕዐ። ብሰንኪ እቲ ድርቂ: ዘራእቲ ሩዝን ባልደንጓን ዕፉንን ሓረረ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ 15 ዓመት ዝኸፍአ ጥሜት ኣጋጠመ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕጽረት ዚስተ ማይ እውን ኣጋጠመ። ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብኡንብኡ ኮሚተ ረድኤት ወደቡ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምግቢ ኣኪቦም: ነቲ መጓዓዓዚኡ ብምኽፋል ለኣኹሎም።

እቶም ነቲ ረድኤት ንምሃብ እተገብረ ጻዕሪ ዝደገፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ነሕዋትና ኽንሕግዝ ብምኽኣልና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና: እዚ ብፍላይ ዘሐጐሰና ድማ ንልቢ የሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ርግጸኛታት ስለ ዝዀንና ኢና። እቲ ኣብ ያእቆብ 2:15, 16 ዘሎ ቓላት ከቶ ኣይረሳዕናዮን” ኢሎም ጸሓፉ። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ: ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ: እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ: ሓደ ኻባኻትኩም: ብሰላም ኪዱ: ሙቑ: ጽገቡ: እንተ በሎም: እንታይ ይጠቅም፧”

ኣብ ሓንቲ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓንቲ ብትሕትናኣን ብቕንኣታን እትፍለጥ ብስጋ ድኻ ዝዀነት ሓብቲ: ድራር ዕለታ ንምርካብ ብዙሕ ትጽዕር እያ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ብድኽነት እኳ ዝነብር እንተ ዀንኩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ንህይወተይ ናይ ሓቂ ትርጕም ሂብዋ እዩ። ካብ ብጾተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓገዝ እንተ ዘይረክብ ነይረ: እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን እየ።” ድሕሪ እተወሰነ ግዜ: እዛ ጻዕራም ክርስትያን መጥባሕቲ ኺግበረላ እኳ እንተ ኣድለየ: ንሆስፒታል ዚኸውን ገንዘብ ግን ኣይነበራን። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ መጥባሕቲ እትገብረሉ ወጻኢ ኺሽፍኑ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዜድልዮም ሓገዝ ይህብዎም እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ኣዝዩ ባህ ዜብል እኳ እንተዀነ: እዚ ብቕንዕና ዚግበር ጻዕርታት ግን ንድኽነት ከም ዘየጥፍኦ ርግጸኛታት ኢና። ሓያላት መንግስታትን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤትን እውን ከይተረፋ: እተወሰነ ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸባ: ነቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ድኽነት ግን ኬጥፍኣኦ ኣይከኣላን። ስለዚ: ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ሕቶ ይለዓል እዩ:- ንድኽነትን ካልእ ንደቅሰብ ዜጋጥም ጸገማትን ነባሪ ፍታሕ ዜምጽእ እንታይ እዩ፧

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነባሪ ሓገዝ ይህብ

ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻባት: የሱስ ክርስቶስ ንድኻታት ወይ ካልእ ጸገም ንዝነበሮም ኣዘውቲሩ ሰናይ ግብሪ ይገብረሎም ምንባሩ ይገልጽ። (ማቴዎስ 14:14-21) እንተዀነ ግን: ነየናይ ንጥፈት እዩ ቐዳምነት ዝህቦ ዝነበረ፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንእተሸገሩ ኺሕግዝ ድሕሪ ምጽናሕ: ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ: ንዑናይ ንኺድ” በሎም። የሱስ ነቶም ዝሓመሙን እተሸገሩን ንምሕጋዝ ዚዓዮ ዝነበረ ዕዮ ኣቋሪጹ: እንደገና ናብ ስብከቱ እተመልሰ ስለምንታይ እዩ፧ ባዕሉ “ምእንትዚ [ምእንቲ ኽሰብኽ] እየ ወጺኤ ዘለኹ” ብምባል ምኽንያቱ ገለጸ። (ማርቆስ 1:38, 39፣ ሉቃስ 4:43) ንእተሸገሩ ሰባት ሰናይ ምግባር: ንየሱስ የገድሶ እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ግን ቀዳምነት ዚወሃቦ መዝነቱ እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 1:14

መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ኣስኣሰር የሱስ ኪስዕቡ’ ስለ ዚምሕጸኖም: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዚገብርዎ ጻዕርታት ነየናይ ቀዳምነት ኪህቡ ኸም ዘለዎም ንጹር መምርሒ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 2:21) ከም የሱስ: ንስኡናት ይረድኡ እዮም። ይኹን እምበር: ከም የሱስ: ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮ: ቀዳምነት ይህብዎ እዮም። (ማቴዎስ 5:14-16፣ 24:14፣ 28:19, 20) ስለምንታይ እዩ ግን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ ምስባኽ: ካብቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዚግበር ካልእ ጻዕርታት ንላዕሊ ቐዳምነት ዚወሃቦ፧

ካብ መላእ ዓለም እተረኽበ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ: ሰባት ንግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚርድኡን ምስ ዚስዕቡን: ነቲ መዓልታዊ ጸገማቶም: እንተላይ ንድኽነት ንኺዋጽኡሉ ብዝያዳ ዕጡቓት ይዀኑ እዮም። ብዘይካዚ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሰብክዎ ዘለዉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ: ንሰባት ብዛዕባ መጻኢ ዜተባብዕ ተስፋ ይህቦም እዩ። እዚ ተስፋ እዚ: ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ይገብራ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) እዚ ተስፋ እዚ እንታይ እዩ፧

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢና: “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ይብል። (2 ጴጥሮስ 3:13) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምድሪ” ኺዛረብ ከሎ: ሓድሓደ ግዜ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ሰባት እዩ ዜመልክት። (ዘፍጥረት 11:1) ስለዚ: እቲ ኸም ዚመጽእ እተተስፈወ ጽድቂ ዚነብረሉ “ሓድሽ ምድሪ:” ስምረት ኣምላኽ ዝረኸበ ሕብረተሰብ እዩ። ብተወሳኺውን: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ: እቶም ስምረት ኣምላኽ ዚረኽቡ ዘበሉ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ኣብ ምድራዊት ገነት ዜዕግብ ህይወት ኪነብሩን ምዃኖም ቃል ኣምላኽ ይመባጻዕ እዩ። (ማርቆስ 10:30) እቲ ዜደንቕ መጻኢ ንዅሎም: እንተላይ ንድኻታት ክፉት እዩ። ኣብቲ “ሓድሽ ምድሪ” ድኽነት ዜምጽኦ ጸገም ንዘለኣለም ኪፍታሕ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

የሱስ ‘ንድኻ ዜናግፎ’ ብኸመይ እዩ፧—መዝሙር 72:12

ፍትሒ:- “ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም: ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ: ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።” (መዝሙር 72:4) ክርስቶስ ንምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን: ኣብ ኵሉ ፍትሒ ኺሰፍን እዩ። እቲ ንሓያሎ ሃብታማት ኪዀና ዚኽእላ ዝነበራ ሃገራት ድኻታት ገይርወን ዘሎ ብልሽውና: ቦታ ኣይኪህልዎን እዩ።

ሰላም:- “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።” (መዝሙር 72:7) መብዛሕትኡ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኽነት: ብሰንኪ ግጭታትን ውግኣትን ደቅሰብ ዝመጸ እዩ። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰላም ስለ ዜምጽእ: ንሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቂ ድኽነት ኬጥፍኦ እዩ።

ድንጋጸ:- “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።” (መዝሙር 72:12-14) እቶም ትሑታትን ድኻታትን ጭቍናትን: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ክፍሊ እቲ ሓድነት ዚህልዎ ሕጉስ ሰብኣዊ ስድራቤት ኪዀኑ እዮም።

ብልጽግና:-ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር [ኪኸውን እዩ]።” (መዝሙር 72:16) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ: ስጋዊ ብልጽግና ኺህሉ እዩ። ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ግዜና ብዙሕ ግዜ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ ሕጽረት ምግብን ጥሜትን ኣይኪሳቐዩን እዮም።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንድኻታት ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ብብሕቱ ተገዳስነት ኣርኣየ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ