ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራህ!

የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራህ!

የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራህ!

ቅድሚ 50 ዓመት: እታ ቐዳመይቲ ኑክልየሳዊ ቦምብ ምስ ተተኰሰት ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ናይ ኖቤል ሽልማት ተዓዋቲ ዝዀነ ሊቅ ሃሮልድ ሲ. ዩሪ ብዛዕባ መጻኢ ኺዛረብ ከሎ: “ብፍርሂ ኽንበልዕ: ብፍርሂ ኽንድቅስ: ብፍርሂ ኽንነብር: ከምኡውን ብፍርሂ ኽንመውት ኢና” በለ። ሎሚ: ዓለምና ብፍርሂ ተዋሒጣ ስለ ዘላ ነዚ ምርዳእ ዜጸግም ኣይኰነን። ኣብ ጸጽባሕ: ጋዜጣታት ብዛዕባ ግብረ-ሽበራ: ዓመጽ ዝመልኦ ገበን: ከምኡውን ብዛዕባ ዜደንጹ ሕማም ኣዝዩ ዜፍርህ ጸብጻባት ሒዘን ይወጻ።

ከም ክርስትያናት መጠን: ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንታይ ከም ዜመልክት ንፈልጦ ኢና። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ክፉእ ዘመን” ብምባል ኣቐዲሙ ዝገለጾ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንነብር ምህላውና ዚሕብር እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሆዋ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ምፍላጥና ንእምንቶና ዜደልድል እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ማለት ግን ፈጺምና ኣይንፈርህን ኢና ማለት ድዩ፧

ፍርህን ኣገልገልቲ ኣምላኽን

ያእቆብን ዳዊትን ኤልያስን ካብ መንጎ እቶም ሓደገኛ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞም ብእተወሰነ መጠን ዝፈርሁ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም። (ዘፍጥረት 32:6, 7፣ 1 ሳሙኤል 21:11, 12፣ 1 ነገስት 19:2, 3) እዞም ሰባት እዚኣቶም እምነቶም ኣይጐደለትን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም። ይኹን እምበር: ያእቆብን ዳዊትን ኤልያስን ሰባት እዮም ነይሮም፣ ስለዚ: ፍርሂ ይጸልዎም እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” ብምባል ጸሓፈ።—ያእቆብ 5:17

ንሕናውን እንተዀነ: ነቲ ሕጅን ኣብ መጻእን ዜጋጥመና ጸገም ብምሕሳብ ንሻቐል ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ፍርሂ ድማ ዘሎ እዩ። ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ድያብሎስ ምስቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ሰባት ከም ‘እተዋግአ’ እዩ ዚሕብር። (ራእይ 12:17) ዋላኳ እዚ ቓላት እዚ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዜመልክት እንተዀነ: ጳውሎስ ግን “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ይኹን እምበር: ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ብፍርሂ ኽንለምስ የብልናን። ስለምንታይ፧

“ኣምላኽ ምንጋፍ”

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 68:20) የሆዋ ኻብ ሓደገኛ ዅነታት ብምንጋፍ ይኹን ንኺጸንዑ ብርታዐ ብምሃብ ንህዝቡ ኼድሕን ከም ዚኽእል ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። (መዝሙር 34:17፣ ዳንኤል 6:22፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ካብቲ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ “ኣምላኽ ምንጋፍ” ዜርእዩ ኽንደይ ተግባራት ትዝክር፧

በቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ a ተጠቒምካ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ሎጥን እተን ክልተ ኣዋልዱን ካብ ሶዶምን ጎሞራን ዝደሓኑሉ መገዲ: እስራኤላውያን ብኸመይ ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹን ንቐይሕ ባሕሪ ብኸመይ ከም ዝሰገርዎን: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ዝገበሮ ውዲት ብኸመይ ከም ዝፈሸለ ዚገልጽ ናይ ሓቂ ፍጻመታት ህይወት ንምንታይ ምርምር ዘይትገብር፧ ነዚ ባህ ዜብል ጸብጻብ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን: የሆዋ: ኣምላኽ ምንጋፍ ምዃኑ ንዘሎካ እምነት ኬደልድሎ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ፈተና ብትብዓት ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ እዩ።

ዘመናዊ ኣብነታት

ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ዘመናውያን ኣብነታት ጽንዓት ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ተኣማንነት እተኣስረ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዋላኳ ምሉእ ጥዕና ኣይሃልዎ ንየሆዋ ዜገልግል ዘሎ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን ትፈልጥ ትኸውን። ወይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ካብ መማህርቶም ብርቱዕ ጸቕጢ እናወረዶም ክነሶም ካብዛ ዓለም እተፈልዩ ዀይኖም ዚቕጽሉ ዘለዉ መንእሰያት ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ንደቆም ብዘይ ብጻይ ዜዕብዩ ዘለዉ ንጽል ወለድን ጽምዋ እናተሰምዖም ክነሶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ዘይተመርዓዉ ውልቀ-ሰባትን እውን ኣለዉ። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ምስትንታን: ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና የጋጥመካ ብዘየገድስ: ንኽትጻወሮን ተባዕ ንኽትከውንን ኪሕግዘካ እዩ።

ትብዓት: ተቓውሞ ወይ ከኣ ስቓይ ኪወርደና ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ: የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ኽንጠራጠር ክንጅምር ከለና እውን የድልየና እዩ። በጃ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ኸም ዚሰርሕ ዘሎና እምንቶ ኸነማዕብሎ ኣሎና። (ገላትያ 2:20) ብድሕርዚ: ናብ የሆዋ ግቡእ ብዝዀነ ፍርህን ራዕድን ክንቀርብ ንኽእል ኢና። ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዘይግብኣና ዚስምዓና እንተደኣ ዀይኑ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ: “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 10:29-31

መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆ ብዘይ ፍርሂ ኸም እተዋጽኡሉ ዜርኢ ተመክሮታት ይወጽእ እዩ። እዚ ግን ብዛዕባ ዅነታቶም ፈጺሙ ኣሉታዊ ስምዒት ኣይስምዖምን እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ዝዓይነቱ ስምዒት ግን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ንኺዓግቶም ኣይፈቕዱሉን እዮም። እቲ ተሓቲሙ ዚወጽእ ተመክሮኦም ንስኻውን ብትብዓት ንኽትጸንዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚምልከት ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

መጕዳእቲ ንህይወቱ ቐየሮ

እታ ናይ 22 ሚያዝያ 2003 ሕታም ንቕሑ! “ዘጋጠመኒ መጕዳእቲ ብኸመይ ንህይወተይ ከም ዝቐየሮ” ዚብል ዓንቀጽ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። ኣብኡ ድማ ሓደ ኣብ ኬንያ ዚነብር ስታንሊ ኦምበቫ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር: ሓንቲ ብናህሪ ትኸይድ ዝነበረት መኪና ምስ ገጨወቶ ዘጋጠሞ ጸገማት ይገልጽ። ጥዕናኡ እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ስለ ዝነበረ: ስርሑን ዚረኽቦ ዝነበረ ረብሓታትን ሰኣነ። ሓው ኦምበቫ “እቲ ዅነታተይ እናኸፍአ ኪኸይድ ምስ ጀመረ: ኣሉታዊ: ኣብ ርእሰይ ጥራይ ዘተኵር: ከምኡውን ሓራቕ ክኸውን ጀመርኩ። ሓድሓደ ግዜ አንጸርጽርን አማርርን ነበርኩ” ብምባል ተኣመነ። እዚ ክርስትያን ሰብኣይ እዚ: ፈተና እናወረዶ ኽነሱ: ተባዕ ኰይኑ ቐጸለ። ጓሂ ንኺዕብልሎን ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ኸም ዚህብ ንኺገብሮን ኣይፈቀደሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ የሆዋ ተወከለ። “እዚ ዅሉ ኺወርደኒ ኸሎ የሆዋ ዅሉ ሳዕ ይድግፈኒ ስለ ዝነበረ: ሓድሓደ ግዜ ብርእሰይ እሓፍር ነበርኩ። ነቲ ኸምዚ ናተይ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥም ከሎ ኸም ዜጸናንዕ ዝፈልጦ ጥቕስታት ንኸንብብን ንኸስተንትንን ብርቱዕ ቈራጽነት ገበርኩ።”

ሓው ኦምበቫ ዝሃቦ ንጹር ርእይቶ: ካልኦት ሰባት እውን ነቲ ዜጋጥሞም ፈተና ብትብዓት ንኺዋጽኡሉ ሓጊዝዎም እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ: “ነዛ ዓንቀጽ ምስ ኣንበብክዋ ነባዕኩ። የሆዋ በዛ ዓንቀጽ ኣቢሉ ንዓይ ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን የርእየኒ ኸምኡውን ምጽንናዕ ይህበኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ “ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጽ ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዉን ነቶም ብውሽጦም ዚሳቐዩን ሰባት ምትብባዕ ዚህብ እዩ” በለ።

ምስ ስምዒታዊ ጭንቀት ምቅላስ

ካልእ እተነቓቕሕ ተመክሮ ድማ እታ ሀርበርት ጀኒንግስ ዘዘንተዋ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ዘርእስታ ዓንቀጽ እያ። b ሓው ጀኒንግስ ባይፖላር ዲስኦርደር ምስ ዚበሃል ሕማም እዩ ዚቃለስ። ነቲ ኺጅምሮ ኸሎ ዝነበረ እዋን ዘኪሩ ኺዛረብ ከሎ: “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽሳተፍ ብሓቂ ቃልሲ ኢዩ ዝዀነኒ ነይሩ። መንፈሳዊ ሕብረት ኣድላዪ ምዃኑ ግን እኣምን ኢየ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኵሉ ሰብ በቦታኡ ምስ ሓዘ እኣቱ: እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ ኸኣ ሰብ ናብዝን ናብትን ምባል ከይጀመረ ኸሎ እወጽእ” በለ።

ምስባኽ እውን እንተዀነ ኣጸጋሚ እዩ ዀይንዎ። ሓው ጀኒንግስ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ በጻሓኩ ነቲ ደወል ንኽድውል እውን ትብዓት ኣይረክብን። ይኹን እምበር: ኣገልግሎትና ንገዛእ ርእስናን ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዘለዎም ሰባትን ንምድሓን ምዃኑ ብምፍላጠይ ኣየቋረጽኩን። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ቍሩብ አዕርፍ ኣቢለ: ስሚዕታተይ ተቘጻጺረ ናብታ ቐጺላ ዘላ ማዕጾ ብምኻድ እንደገና እፍትን። ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ብምቕጻለይ መንፈሳዊ ጥዕናይ ክዕቅብ ክኢለ: እዚ ድማ ንናይ ምጽዋር ክእለተይ ወሲኹለይ ኢዩ” በለ።

እዚ ናይ ሓው ጀኒንግስ ግልጺ ተመክሮ: ሓያሎ ኣንበብቲ ንሳቶም እውን ነቲ ዜጋጥሞም ጭንቀት ብተመሳሳሊ ትብዓት ንኺዋጽኡሉ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ን28 ዓመት ኣንቢበ እየ: ከምዛ ዓንቀጽ እዚኣ ገይራ ዝደረኸትኒ ግን ኣይረኸብኩን። ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ንኸቋርጾ ተገዲደ እየ: ዝያዳ እምነት እንተ ዚህልወኒ ነይሩ ምቐጸልኩ ዚብል ናይ ገበን ስምዒት ግን ይስምዓኒ እዩ። ሓው ጀኒንግስ ነቲ ዝነበሮ ሕማም ንኺከናኸን ኢሉ ዝነበሮ ሓላፍነት ምግዳፉ: ንዅነታተይ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽርእዮ ሓገዘኒ። እዚ ብሓቂ ንጸሎተይ መልሲ እዩ!”

ብተመሳሳሊ ድማ ሓደ ሓው ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንዓሰርተ ዓመት ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ድሕሪ ምግልጋለይ: ብሰንኪ ናይ ኣእምሮ ሕማም ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽሓድጎ ነበረኒ። ነቲ ኻልኦት ህዝቢ የሆዋ ዝዓመምዎ ፍሉይ ነገራት ዚገልጽ ታሪኽ ህይወት ከንብብ ከለኹ ዋላ ሓንቲ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ብምንባሩ እጭነቕ ነበርኩ። እቲ ሓው ጀኒንግስ ዘርኣዮ ዘይምሕላል ግን ኣተባቢዑኒ እዩ። ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ደጋጊመ እየ ኣንቢበያ።”

ብምትእምማን ንቕድሚት ምግስጋስ

ልክዕ ከም ሓው ኦምበቫን ሓው ጀኒንግስን: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከቢድ ዕንቅፋት እናኣጋጠሞም ክነሶም ብትብዓት ንየሆዋ ኣምላኽ ምምላኽ ይቕጽሉ ኣለዉ። ካብ መንጎ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንተደኣ ዄንካ ናእዳ ይግብኣካ እዩ። “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”—እብራውያን 6:10

የሆዋ ነቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓወት ንኪረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ: ንዓኻውን ነቲ ዜጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ፈተና ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቲ “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ: ኣይትሸበር: ከበርትዓካ: ክረድኣካ: ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ዚብል የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—ኢሳይያስ 41:10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-8 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ስታንሊ ኦምበቫ (ላዕሊ) ከምኡውን ሀርበርት ጀኒንግስ (የማን): ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ብትብዓት የገልግልዎ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

USAF photo