ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንመጓሰኡ ዚዀኑ ጓሶት የሰልጥን

የሆዋ ንመጓሰኡ ዚዀኑ ጓሶት የሰልጥን

የሆዋ ንመጓሰኡ ዚዀኑ ጓሶት የሰልጥን

“እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”—ምሳሌ 2:6

1, 2. እተጠመቑ ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንምስካም ዚመጣጠሩ ስለምንታይ እዮም፧

 ንሸውዓተ ዓመት ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ኒክ ከምዚ በለ:- “ሽማግለ ዀይነ ምስ ተሸምኩ: ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዘስፍሓሉ ኣጋጣሚ ገይረ እየ ርእየዮ። ስለቲ ዅሉ ዝገበረለይ ከመስግኖ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ንኣባላት እታ ጉባኤ: ከምቲ ኻልኦት ሽማግለታት ንዓይ ዝሓገዙኒ ገይረ ብእተኻእለኒ መጠን ክሕግዞም ደለኹ።” ይኹን እምበር: ኒክ እተሰምዖ ስምዒት ሓጐስ ጥራይ ኣይኰነን: የግዳስ: ዜተሓሳስቦ ነገር እውን ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ: “ክሽየም ከለኹ 30 ዓመት ዘይመላእኩ ስለ ዝነበርኩ: ነታ ጉባኤ ብዚግባእ ንምጕሳይ: ዜድሊ ኽእለት: ማለት ምስትውዓልን ጥበብን ከይጐድለኒ ተጨነቕኩ” በለ።

2 እቶም የሆዋ ንመጓሰኡ ኺሓልዩ ዝሸሞም ሽማግለታት: ብዙሕ ዚሕጐሱሉ ምኽንያታት ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት: “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል ቃላት የሱስ ኪጠቕሰሎም ከሎ: ሓደ ዚሕጐሱሉ ምኽንያት እዩ ዚጠቕሰሎም ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዄንካ ምግልጋል: ንእተጠመቑ ሰብኡት ንየሆዋን ንጉባኤን ኪህቡሉ ዚኽእሉ ተወሳኺ መገድታት እዩ ዚኸፍተሎም። ንኣብነት: ኣገልገልቲ ጉባኤ ምስ ሽማግለታት ሓቢሮም ይዓዩ እዮም። እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም እተፈላለየ ግዜ ዚወስድ ኣገዳሲ ዕዮታት ይዓዩ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ጠቓሚ ኣገልግሎት ንኺህቡ እትድርኾም: ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘላቶም ፍቕሪ እያ።—ማርቆስ 12:30, 31

3. ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምስካም ኪመጣጠሩ ዘይደልዩ ስለምንታይ ኪዀኑ ይኽእሉ፧

3 ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ስለ ዚስምዖ: ፈለማ ኣገልጋሊ ኻብ ምዃን: ጸኒሑ ድማ ሽማግለ ኻብ ምዃን ዚፈርህ እንተ ዀይኑኸ፧ ከምቲ ንኒክ እተሰምዖ: ንፉዕ ጓሳ ንምዃን ዜድልዮ ኽእለት ስለ ዘይብሉ የተሓሳስቦ ይኸውን። ንስኻኸ ኸምዚ ዚስምዓካ እተጠመቕካ ሓው ዲኻ፧ እዚ ዜተሓሳስብ ነጥቢ እዚ መሰረት ዘይብሉ ኣይኰነን። የሆዋ ንእተሸሙ ጓሶት በቲ ነተን መጓሰ ዚሕዙሉ መገዲ ተሓተትቲ ይገብሮም እዩ። የሱስ “ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ: ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም” በለ።—ሉቃስ 12:48

4. የሆዋ ነቶም ነባጊዑ ኺከናኸኑ ዚሸሞም ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ነቶም ኣገልገልቲ ወይ ሽማግለታት ኪዀኑ ዚሸሞም: ነቲ ተወሳኺ ጾር ብርእሶም ኪስከምዎ ድዩ ዚጽበዮም፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ነቲ ጾር ንኺስከምዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ዕዉታት ንኪዀኑ ዜኽእሎም ግብራዊ ሓገዝ ይህቦም እዩ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ: የሆዋ መንፈሱ ይህቦም እዩ። እቲ መንፈስ ዜፍርዮ ፍረ ኸኣ ነተን ኣባጊዕ ተጠንቂቖም ንኺከናኸንወን የኽእሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ገላትያ 5:22, 23) ኣብ ርእሲ እዚውን: የሆዋ ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ይህቦም እዩ። (ምሳሌ 2:6) ነዚ ብኸመይ እዩ ዚገብሮ፧ የሆዋ ነቶም ነባጊዑ ኺከናኸኑ ዚሸሞም ውልቀ-ሰባት ዜሰልጥነሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ብምኩራት ጓሶት ይስልጥኑ

5. ጴጥሮስን ዮሃንስን ንፉዓት ጓሶት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

5 ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ኣብ ቅድሚ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ቈሙ: እቶም ብዓለም ከም ጥበበኛታት ዚረኣዩ ናይቲ ቤት ፍርዲ ደያኑ: ነቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰብኡት ከም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ገይሮም ረኣይዎም። ልክዕ እዩ: ኬንብቡን ኪጽሕፉን ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ብዛዕባ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ግን ነቶም ረቢ ዚበሃሉ ናይ ሃይማኖት መምህራን ዚወሃብ ዋላ ሓንቲ ስልጠና ኣይረኸቡን። ይኹን እምበር: ጴጥሮስን ዮሃንስን ኰኑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ንሓያሎ ዝሰምዕዎም ሰባት ኣመንቲ ንኪዀኑ ብምድራኽ: ንፉዓት መምህራን ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። እዞም ጭዋታት ወይ ተራ ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ እዮም ሓለፍ ዝበሉ መምህራን ዝዀኑ፧ እቶም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝነበሩ ነቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን እተዛረብዎ ድሕሪ ምስማዖም: “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ . . . አለለይዎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-4, 13) ሓቂ እዩ: መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ኰይኑ ግን: ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉራት ዝነበሩ ደያኑ እውን ከይተረፈ: የሱስ ከም ዘሰልጠኖም ንጹር እዩ ነይሩ። የሱስ ምሳታቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንሃዋርያቱ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ከም ዚእክቡ ጥራይ ዘይኰነስ: ክፍሊ እቲ መጓሰ ድሕሪ ምዃኖም ብኸመይ ከም ዚጓስይዎም እውን ምሂርዎም እዩ።—ማቴዎስ 11:29፣ 20:24-28፣ 1 ጴጥሮስ 5:4

6. የሱስን ጳውሎስን ብምስልጣን ዝመጸ እንታይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧

6 የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ: ነዞም እተሸሙ ጓሶት ካብ ምስልጣን ኣየቋረጸን። (ራእይ 1:1፣ 2:1-3:22) ንኣብነት: ንጳውሎስ ባዕሉ መረጾ: ንስልጠናኡ ድማ ተቘጻጸሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:6-10) ጳውሎስ ነቲ እተዋህቦ ስልጠና ኣማሲዉሉ: ነቲ እተማህሮ ትምህርቲ ድማ ናብ ካልኦት ሽማግለታት ኣመሓላሊፍዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:17-35) ንኣብነት: ንጢሞቴዎስ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ “ዜሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ” ኪኸውን ንምስልጣን: ብዙሕ ግዜኡን ጕልበቱን ኣሕሊፉ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ኣብ መንጎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጥብቂ ፍቕሪ ነይራ እያ። ጳውሎስ ኣቐዲሙ: ብዛዕባ ጢሞቴዎስ “ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል: ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 2:22) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኰነ ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ወደ መዝሙሩ ኺገብር ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ‘ኸምቲ ንሱ ንክርስቶስ ዚመስሎ: ንሳቶም ንዕኡ ኺመስሉ’ እዩ ኣተባቢዕዎም።—1 ቈረንቶስ 11:1

7, 8. (ሀ) ሽማግለታት ንየሱስን ንጳውሎስን ኪመስልዎም ከለዉ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚርከብ ዜርኢ እንታይ ተመክሮ እዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቶም ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኪዀኑ ተስፋ ዚግበረሎም መዓስ እዮም ኬሰልጥንዎም ኪጅምሩ ዘለዎም፧

7 ምኩራት ጓሶት ንየሱስን ንጳውሎስን ብምምሳል: ንእተጠመቑ ኣሕዋት ብተበግሶኦም የሰልጥኑ: ተመሳሳሊ ጽቡቕ ፍረ ድማ ይረኽቡ እዮም። ቻድ ዘሕለፎ ተመክሮ እሞ ንርአ። ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት እኳ እንተ ዓበየ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሽማግለ ዀይኑ ተመዘዘ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣብ ዘሕለፍክዎ ዓመታት: እተፈላለዩ ምኩራት ሽማግለታት ብመንፈስ ንኽዓቢ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣቦይ ዘይኣማኒ ስለ ዝነበረ: እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ንዓይ ፍሉይ ተገዳስነት ኣርእዮምኒ: መንፈሳውያን ኣቦታት ድማ ኰይኖምኒ እዮም። ግዜ ወሲዶም ኣብ ኣገልግሎት ኣሰልጢኖምኒ: ጸኒሑ ብፍላይ ሓደ ሽማግለ ንእተዋህበኒ ናይ ጉባኤ ዕዮታት ኣብ ምስካም ኣሰልጢኑኒ እዩ።”

8 ከምቲ ተመክሮ ቻድ ዚሕብሮ: መስተውዓልቲ ጓሶት ነቶም ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኪዀኑ ተስፋ ዚግበረሎም ሰባት: ቅድሚ ነቲ ሓላፍነት እቲ ምብጻሖም ኣቐዲሞም እዮም ኬሰልጥንዎም ዚጅምሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀኑ ሽማግለታት ንኼገልግሉ መዝነት ቅድሚ ምቕባሎም: ልዑል ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ኪህልዎም እዩ ዚእዝዝ። ‘ቅድም ኪምርመሩ’ እዩ ዘለዎም።—1 ጢሞቴዎስ 3:1-10

9. ብሱላት ጓሶት እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

9 እተጠመቑ ኣሕዋት ኪምርመሩ እንተ ዀይኖም: ፈለማ ኺስልጠኑ ኣለዎም። ነዚ ንምብራህ:- ሓደ ተመሃራይ: መምህራኑ ፈጺሞም ዘይመሃርዎ ኸቢድ መርመራ እንተ ወሲዱ: ምሓለፈዶ፧ ንምሕላፍ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ስለዚ: ስልጠና የድሊ እዩ። እንተዀነ ግን: ጥንቁቓት መምህራን ንተመሃሮኦም ፈተና ንኺሓልፉ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ዜጥርይዎ ፍልጠት ንኺጥቀሙሉ እውን የሰልጥንዎም እዮም። ብተመሳሳሊ: ትጉሃት ሽማግለታት ንእተጠመቑ ኣሕዋት: ንጹር ስልጠና ብምሃብ ነቲ ኻብ እተሸመ ሰብኣይ ትጽቢት ዚግበር ባህርያት ንኼማዕብሉ ይሕግዝዎም እዮም። ከምዚ ዚገብሩ ድማ እቶም ኣሕዋት ምእንቲ ኺሽየሙ ጥራይ ኢሎም ዘይኰነስ: ነተን መጓሰ ብዚግባእ ንኺከናኸንወን ኢሎም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:2) ልክዕ እዩ: እተጠመቑ ኣሕዋት ብእጃሞም ኪዓዩ: ነቲ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኼማልኦ ዚግባእ ብቕዓታት ንኼማልኡ ድማ ኪጽዕሩ ኣለዎም። (ቲቶስ 1:5-9) ይኹን እምበር: ምኩራት ጓሶት ነቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንኺስከሙ ዚመጣጠሩ ዘለዉ ብፍታው ብምስልጣን ቀልጢፎም ዕቤት ንኺገብሩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

10, 11. ጓሶት ንኻልኦት ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኺስከሙ ብኸመይ ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ፧

10 ምኩራት ጓሶት ንኻልኦት ኣሕዋት ሓላፍነታት ጉባኤ ኸም ዚስከሙ ንምግባር: ከመይ ገይሮም እዮም ብንጹር ኬሰልጥንዎም ዚኽእሉ፧ ፈለማ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋት ተገዳስነት የሕድሩ: ማለት ኣዘውቲሮም ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ምሳታቶም የገልግሉ: “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና” ናይ ምጥቃም ክእለቶም ንኼማሕይሹ ድማ ይሕግዝዎም። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ብሱላት ጓሶት ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ምግልጋል ዜምጽኦ ሓጐስ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ንባዕሎም እዚ መንፈሳዊ ሸቶታት ብምግባሮምን ብምብጻሖምን ዝረኸብዎ ዕግበት ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም የመያይጥዎም። ንሓደ ሓው “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ብምዃን ዝመጸ እንታይ ምምሕያሽ ኪገብር ከም ዘለዎ ብሕያውነት ንጹር ሓሳባት ይህብዎ።—1 ጴጥሮስ 5:3, 5

11 ሓደ ሓው ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይኑ ምስ ተሸመ: ጥበበኛታት ጓሶት ካብ ምስልጣኑ ኣየቋርጹን እዮም። ን50 ዓመት ዚኸውን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ብሩስ: “ምስ ሓድሽ እተሸመ ኣገልጋሊ ኾፍ ኢለ: ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘሕተሞ መምርሒታት ብሓባር ምርኣይ እፈቱ እየ። ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ ዕዮ ብፍላይ ዚገልጽ መምርሒታት እውን ነንብብ: ድሕሪኡ ነቲ ሓላፍነቱ ኽሳዕ ዚለምዶ ምስኡ ኽዓዪ እደሊ እየ” በለ። ሓደ ኣገልጋሊ ተመክሮ ምስ ኣጥረየ: ኣብ ዕዮ ጕስነት እውን ኪስልጥን ይኽእል እዩ። ብሩስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ንሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ናብ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክወስዶ ኸለኹ: ነቲ እንበጽሖ ውልቀ-ሰብ ወይ ነቶም እንበጽሖም ስድራቤት ዜተባብዕን ዜነቓቕሕን ጥቕስታት ንኺመርጽ እሕግዞ። ሓደ ኣገልጋሊ ንፉዕ ጓሳ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ልቢ ብዚትንክፍ መገዲ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።”—እብራውያን 4:12፣ 5:14

12. ምኩራት ጓሶት ንሓደስቲ እተሸሙ ሽማግለታት ብኸመይ እዮም ኬሰልጥንዎም ዚኽእሉ፧

12 ሓደስቲ እተሸሙ ጓሶት እውን: ካብ ተወሳኺ ስልጠና ይጥቀሙ እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኒክ ከምዚ በለ:- “ብፍላይ ካብ ክልተ ብዕድመ ዝዓብዩኒ ተዓዘብቲ ዝረኸብክዎ ስልጠና: ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ገሊኡ ጕዳያት ብኸመይ ከም ዚተሓዝ ይርድኡ ነይሮም እዮም። ኵሉ ሳዕ ብትዕግስቲ ይሰምዑኒ: ንኣረኣእያይ ድማ ዋላ እውን እንተ ዘይተሰማምዑሉ: ኣርዚኖም ይርእይዎ ነበሩ። ነቲ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ትሕትናን ኣኽብሮትን ዝመልኦ ርክብ ብምዕዛብ ብዙሕ እየ ተማሂረ። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም: ኣብቲ ኣነ ጸገማት ዝሕዘሉ መገዲ ወይ ምትብባዕ ክህብ ከለኹ መጽሓፍ ቅዱስ ብውሕሉል መገዲ ኽጥቀም ከም ዜድልየኒ ኣስሪጾምለይ እዮም።”

ብቓል ኣምላኽ ይስልጥኑ

13. (ሀ) ሓደ ሓው ንፉዕ ጓሳ ንኪኸውን እንታይ እዩ ዜድልዮ፧ (ለ) የሱስ “ትምህርተይ . . . ናተይ ኣይኰነን” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

13 እወ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጓሳ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም” ኪኸውን ዜኽእሎ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብነታትን ዝሓዘ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ሓደ ሓው ጽቡቕ ዓለማዊ ትምህርቲ እኳ እንተ ተማህረ: ንፉዕ ጓሳ ኸም ዚኸውን ዚገብሮ ግን ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋትን ነዚ ኣብ ግብሪ ዜውዕለሉ መገድን እዩ። ኣብነት የሱስ እስከ ንውሰድ። ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ብፍልጠቱን ብምስትውዓሉን ብጥበቡን መወዳድርቲ ኣይነበሮን: ነባጊዕ የሆዋ ኺምህር ከሎ ግን ኣብ ጥበቡ ኣይተጸግዐን። “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” በለ። የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኽብሪ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ “እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ” ኢሉ ባዕሉ መለሰ።—ዮሃንስ 7:16, 18

14. ጓሶት ክብረት ርእሶም ካብ ምድላይ ዚርሕቑ ብኸመይ እዮም፧

14 እሙናት ጓሶት ክብረት ርእሶም ኣይደልዩን እዮም። እቲ ዚህብዎ ምኽርን ምትብባዕን ካብ ናይ ርእሶም ጥበብ ዘይኰነስ: ካብ ቃል ኣምላኽ እዮም ዚወስድዎ። ከመይሲ: ንሓደ ጓሳ እተዋህቦ ዕዮ: ነተን ኣባጊዕ “ሓሳብ ክርስቶስ” ከም ዚህልወን ምግባር ደኣ እምበር: ሓሳብ ሽማግለታት ከም ዚህልወን ምግባር ከም ዘይኰነ ይርድኡ እዮም። (1 ቈረንቶስ 2:14-16) ንኣብነት: ኣብ ሓዳር ጸገም ንዘለዎም ሰብ ሓዳር ዚሕግዞም ሽማግለ: ምኽሩ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተሓትመ ትምህርትን ዘይኰነስ: ኣብ ናይ ብሕቱ ተመክሮ ተመርኲሱ እንተ ሂብዎምከ፧ (ማቴዎስ 24:45) እቲ ማዕዳኡ ብባህሊ እቲ ኸባቢ ኣጸቢቑ ኺጽሎን ብፍልጠቱ ኺድረትን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: ገሊኡ ባህልታት ክፉእ ከም ዘይኰነን እቲ ሽማግለ ኣብ ህይወቱ ዘሕለፎ ብዙሕ ተመክሮ ኺህልዎ ኸም ዚኽእልን ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: እተን ኣባጊዕ ኣብ ክንዲ ሓሳባት ሰባት ወይ ስርዓታት ኣብቲ ዓዲ ዚርከብ ባህሊ: ንድምጺ የሱስን ንቓላት የሆዋን ኪሰምዓ እቶም ጓሶት ምስ ዜተባብዕወን እየን ዝያዳ ዚጥቀማ።—መዝሙር 12:6፣ ምሳሌ 3:5, 6

በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ይስልጥኑ

15. የሱስ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎ፧ እቲ ባርያ ዕዉት ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

15 ኵሎም እቶም ከም ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝኣመሰሉ ጓሶት: ኣባላት እቶም የሱስ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኢሉ ዝጸውዖም እዮም ነይሮም። እቲ ባርያ በቶም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት የሱስ ዝቘመ እዩ። (ራእይ 5:9, 10) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኣገባብ እዚ: ቍጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ኣሕዋት ክርስቶስ ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ነክዩ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ክርስቶስ ኪፍጽምዎ ዝሓተቶም ዕዮ: ማለት መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ዚግበር ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ: ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ተዘርጊሑ ኣሎ። ኰይኑ ግን: እቲ ባርያ ኣዝዩ ዕዉት እዩ! ስለምንታይ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት: ኣባላት እቲ ባርያ ንኣባላት እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ምእንቲ ኺሕግዝዎም ኢሎም ስለ ዘሰልጠንዎም እዩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 24:14፣ 25:40) ሎሚ: መብዛሕትኡ እቲ ዕዮ በዞም እሙናት ጕጅለ እዩ ዚዕየ።

16. እቲ ባርያ ንእተሸሙ ሰብኡት ዜሰልጥን ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ ባርያ ስልጠና ዚህብ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ተወከልቲ እቲ ባርያ ኣብ ጉባኤታት ዚርከቡ ተዓዘብቲ ንኼሰልጥኑን ንኺሸሙን ስልጣን ተዋሂብዎም ነበረ፣ እቶም ተዓዘብቲ እውን ብተራኦም ነተን ኣባጊዕ የሰልጥኑ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 4:17) ሎሚውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል: ማለት ነቲ ባርያ ዚውክሉ ሒደት ኣባላት ዘለውዎ ጕጅለ ቕቡኣት ሽማግለታት: ነቶም ተወከልቱ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጉባኤታት ኬሰልጥኑን ኣገልገልቲ ዀነ ሽማግለታት ኪሸሙን ስልጣን ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ: እቶም ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነተን ኣባጊዕ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኸም ዚከናኸንወን ንኺፈልጡ: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ትምህርትታት የዳልወሎም እዩ። ተወሳኺ መምርሒታት ብደብዳበታት: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብዚሕተም ዓንቀጻት: ከምኡውን ብኸም ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል (ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ) ዝኣመሰለ ኻልእ ጽሑፋት ኣቢሉ የዳሉ እዩ። a

17. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ባርያ ዘለዎ ምትእምማን ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ለ) መንፈሳውያን ጓሶት ኣብቲ ባርያ ምትእምማን ከም ዘለዎም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

17 የሱስ ኣብቲ ባርያ ዝነበሮ ምትእምማን ኣዝዩ ጽኑዕ ብምንባሩ: “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ:” ማለት ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ መንፈሳዊ ነገራት ሸሞ። (ማቴዎስ 24:47) እተሸሙ ጓሶት ነቲ ኻብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚረኽብዎ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ኣብቲ ባርያ ምትእምማን ከም ዘለዎም የርእዩ። እወ: ጓሶት ንኻልኦት ምስ ዜሰልጥኑ: ንገዛእ ርእሶም ብቓል ኣምላኽ ምስ ዚስልጥኑ: ከምኡውን ነቲ እቲ ባርያ ዚህቦም ስልጠና ምስ ዚዓዩሉ: ኣብተን መጓሰ ሓድነት እዩ ዚሰፍን። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ኣጸቢቖም ዚሓልዩ ሰብኡት ምስልጣኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብሱላት መንፈሳውያን ጓሶት ንኻልኦት ዜሰልጥኑ ብኸመይ እዮም፧

• ጓሶት ሓሳብ ርእሶም ዘይምህሩ ስለምንታይ እዮም፧

• ጓሶት ኣብቲ ባርያ ዘለዎም ምትእምማን ብኸመይን ስለምንታይን እዮም ዜርእዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት የሰልጥኑ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንሽማግለታት እኹል ስልጠና ይህቦም