ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽነት ህሉው ኵነታት

ድኽነት ህሉው ኵነታት

ድኽነት ህሉው ኵነታት

ቪንሰንተ a መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጐደናታት እታ ኣብ ብራዚል እትርከብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ብዙሕ ነገራት እተጻዕና ዓረብያ ኺጐትት እዩ ዚርአ። ካርቶን: ሓጻውን: ከምኡውን ፕላስቲክ ይእክብ። ምስ መሰየ: ኣብ ትሕቲ እታ ዓረብያኡ ካርቶን ኣንጺፉ ይድቅስ። ንጫውጫው እተን በቲ ዚድቅሰሉ ጐደና ዚሓልፋ ሓያሎ መካይንን ኣውቶቡሳትን ዝለመዶ እዩ ዚመስል። ኣብ ሓደ እዋን: ስራሕን መንበሪ ቤትን ስድራቤትን ነይርዎ እዩ። ሕጂ ግን ጥራይ ኢዱ እዩ ተሪፉ። ብኽንደይ ገልታዕታዕ ከኣ እዩ ዚነብር።

እቲ ዜሕዝን ድማ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ከም ቪንሰንተ ኣብ ከርፋሕ ድኽነት እዮም ዚነብሩ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት: ብዙሓት ሰባት ኣብ ጐደናታት ወይ ኣብ እተጨቓጨቐ ኣባይቲ ኺነብሩ እዮም ዚግደዱ። ሓንካሳት: ዓይነ-ስዉራን: ሕጻናት ዝሓቘፋ ኣንስቲ: ኰታስ እተፈላለዩ ለመንቲ ብብዝሒ እዮም ዚረኣዩ። ቈልዑ ዘይረብሕ ሰናቲም እንተ ኸሰቡ ኢሎም ኣብ መንጎ እተን ኣብ መብራህቲ ትራፊክ ደው ዝበላ ማካይን እናተጓየዩ ካራሜላ ይሸጡ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ድኽነት ኪህሉ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ክትገልጾ ዜሸግር እዩ። እታ ኣብ ብሪጣንያ እትሕተም ዘ ኢኮኖሚስት እትበሃል መጽሔት: “ወድሰብ ንድኽነት ንምስናፍ ከም ሕጂ ገይሩ ሃብቲሙ: ወይ ብሕክምናዊ ፍልጠትን ብተክኖሎጅያዊ ኽእለትን ብኣእምሮኣዊ ብልሓትን ተዓጢቑ ኣይፈልጥን” በለት። ብዙሓት በዚ ፍልጠት እዚ ኸም እተጠቕሙ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓያሎ ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት: ጐደናታተን ብዜብረቕርቓ ሓደስቲ ማካይን መሊኡ ኣሎ። ኣደራሻት ዕዳጋ: ዘመናዊ ኣቝሑ መሊኡ ኺርአ ኸሎ: ዚዕድግዎ ሰባት ድማ ኣይተሳእኑን። ንኣብነት: ኣብ ብራዚል ዚርከብ ክልተ ማእከላት ዕዳጋ: ፍሉይ ረክላማት ገበረ። ካብ 23 ክሳዕ 24 ታሕሳስ 2004 ምሉእ ለይቲ ተኸፊቱ ሓደረ። ሓደ ኻብቲ ማእከላት ዕዳጋ: ነቶም ዓደግቲ ንምዝንጋዕ ሳምባ ዚበሃል ዓይነት ሳዕስዒት ምስ ዚስዕስዑ ሰባት ተወዓዓለ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ድማ ን500,000 ዝዀኑ ዓደግቲ ሰሓበ።

ኰይኑ ግን: ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዘለዎም ሃብቲ የብሎምን። ኣብ መንጎ ተጃራትን ነዳያትን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ: ብዙሓት ሰባት ድኽነት ንምጥፋእ ህጹጽ ጻዕሪ ኺግበር ከም ዜድሊ ኣብ መደምደምታ ንኺበጽሑ ደሪኽዎም እዩ። እታ ኣብ ብራዚል እትሕተም ቬዣ እትበሃል መጽሔት: “ኣብዛ ዓመት እዚኣ [ኣብ 2005] ምስ ድኽነት ዚግበር ቃልሲ ኣብ ዓለምለኻዊ ኣጀንዳ ቐንዲ ጕዳይ ኪኸውን ኣለዎ” በለት። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ነተን ክቱር ድኽነት ዘለወን ሃገራት: ብፍላይ ከኣ ንኣፍሪቃ ኺሕግዝ ዝሓለነ ሓድሽ መደብ ማርሻል ጸብጺባ እያ። b ከምዚ ዝኣመሰለ እማመታት ምምሕያሽ ይግበር ከም ዘሎ ዜምስል እኳ እንተዀነ: እዛ መጽሔት እዚኣ ግን “ንውጽኢቱ ኣብ ሕቶ ኸም ዚኣቱ ዚገብር እኹል ምኽንያታት ኣሎ። መብዛሕትአን ሃገራት ወፈያ ኻብ ምግባር ዜድሓርሕራሉ ምኽንያት: እቲ ገንዘብ ነቶም እተሓለነሎም ሰባት ዳርጋ ስለ ዘይበጽሖም እዩ” በለት። እቲ ዜሕዝን ከኣ: ብሰንኪ ብልሽውናን ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓን መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ መንግስትታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ዚውፍይዎ ገንዘብ: ነቶም ብሓቂ ዜድልዮም ሰባት ፈጺሙ ኣይበጽሖምን እዩ።

የሱስ ድኽነት ቀጻሊ ጸገም ከም ዚኸውን ፈሊጡ ነይሩ እዩ። “ድኻታትሲ ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም እዮም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 26:11) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ድኽነት ኵሉ ግዜ ኣብ ዓለም ኪህሉ እዩ ማለት ድዩ፧ ነዚ ዅነታት ንምምሕያሽ ዋላ ሓንቲ ኺግበር ኣይከኣልን ድዩ፧ ክርስትያናት ንድኻታት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b መደብ ማርሻል: ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ንኢኮኖሚ ኣውሮጳ ንምሕዋይ ዝዓለመ ሕ.መ.ኣ. ዘዳለወቶ መደብ እዩ ነይሩ።