ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብቲ ሕጊ ሙሴ: እቲ ምስ ጾታዊ ኣካላት ዚተሓሓዝ ተፈጥሮኣዊ ፍጻመ ንሓደ ሰብ ‘ዜርክሶ’ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንጾታዊ ርክብ: ደቅሰብ ንኺፋረዩን ሰብ ሓዳር ባህታ ንኺረኽቡሉን ኢሉ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ምሳሌ 5:15-18) ይኹን እምበር: ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 12ን 15ን: ንምኽዓው ዘርእን ጽግያትን ምውላድን ከም ጠንቂ ምርካስ ገይሩ ዚርእዮ ዝርዝራዊ ሕጊ ንረክብ ኢና። (ዘሌዋውያን 12:1-6፣ 15:16-24) እዚ ንጥንታዎት እስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ: ብጥዕና ንኺነብሩ: ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ንኺዕቅቡ: ከምኡውን ንቕድስና ደምን ኣድላይነት ምትዕራቕ ሓጢኣትን ዜጕልሕ ነበረ።

ሕጊ ሙሴ ንጾታዊ ተግባራት ብዚምልከት ኪማላእ ዚሓቶ ብቕዓት: ብሓፈሻኡ ንጥዕና እስራኤላውያን ዜደንፍዕ እዩ ነይሩ። ዘ ባይብል ኤንድ ሞደርን ሜዲስን ዘርእስታ መጽሓፍ “ብግዜ ጽግያት ንእተወሰነ እዋን ዚግበር ዛህዲ ጾታዊ ርክብ ካብ ገሊኡ ጾታዊ ሕማም ዚከላኸል እዩ ነይሩ: . . . ናይ ማሕጸን መንሽሮ ንኸየጋጥምን ዕቤት ንኸይገብርን እውን ይከላኸል ነበረ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዘይፈልጥዎ ሕማም ኣዕቊብዎም እዩ። እዚ ጽቡቕ ጾታዊ ስነ-ጥዕና ድማ ነዞም ኣምላኽ ከም ዜብዝሖምን ዜበልጽጎምን መብጽዓ ብምእታው ዝባረኾም ህዝቢ: ከም ዚስስኑ ገበሮም። (ዘፍጥረት 15:5፣ 22:17) ስምዒታዊ ጥዕና ህዝቢ ኣምላኽ እውን እንተዀነ ምስዚ ዚጠቓለል እዩ ነይሩ። ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ሕጊ እዚ ብምእዛዝ ንርእሶም ካብ ጾታዊ ስምዒት ምቍጽጻር ተማህሩ።

ይኹን እምበር: ብምኽንያት ጾታዊ ጕዳያት ዚመጽእ ምርካስ: ብቐንዱ ምስ ምፍሳስ ደም እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንደም ብዚምልከት ዝሃቦ ሕጊ: ኣብ ኣእምሮ እስራኤላውያን ቅድስና ደም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኣምልኾ የሆዋ: ብፍላይ ድማ ኣብ መስዋእትን ምትዕራቕን ሓጢኣት ፍሉይ ቦታ ኸም ዘለዎ ዚቐርጽ እዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 17:11፣ ዘዳግም 12:23, 24, 27

እምበኣር: እቲ ሕጊ በዚ መዳይ እዚ ኺገብርዎ ዚግባእ ነገራት ብዝርዝር ምስፋሩ: ምስ ዘይፍጽምና ዚተሓሓዝ እዩ። እስራኤላውያን: ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጣኦም ፍጹማት ቈልዑ ኺወልዱ ኸም ዘይከኣሉ ይፈልጡ እዮም። ኵሎም ዘርኦም ሳዕቤን እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት: ማለት ዘይፍጽምናን ሞትን ኣጋጠሞም። (ሮሜ 5:12) በዚ ምኽንያት እዚ ወለዲ ዘይፍጹምን ሓጥእን ህይወት ጥራይ እዮም ዜማሓላልፉ: ብመሰረቱ ግን ናይ ሰብ ኣካላት ምፍራይ በቲ ናይ ሓዳር ምድላው: ፍጹም ህይወት ኬመሓላልፍ እዩ ተዳልዩ።

ኣብቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ስርዓት ምንጻህ: ንእስራኤላውያን ዝወረስዎ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ: ሓጢኣት ንምሽፋንን ፍጽምና ደቅሰብ ንምምላስን መስዋእታዊ በጃ ኸም ዜድሊ የዘኻኽሮም ነበረ። ልክዕ እዩ: ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ እንስሳታት ነዚ ኺገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:3, 4) ዕላማ ሕጊ ሙሴ: ናብ ክርስቶስ ንምምራሕ ከምኡውን ናይ ሓቂ ሕድገት ኪረኽቡን ነቶም እሙናት ሰባት መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኽፈተሎምን እተኻእለ ሳላ እቲ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ የሱስ ምዃኑ ንኺርድኡ ምሕጋዝ እዩ ነይሩ።—ገላትያ 3:24፣ እብራውያን 9:13, 14