ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሱን ክነሰይ ብሓጐስ አገልግል

ምሱን ክነሰይ ብሓጐስ አገልግል

ታሪኽ ህይወት

ምሱን ክነሰይ ብሓጐስ አገልግል

ቫርናቫስ ስፐትስዮቲስ ዘዘንተዎ

ብ1990 ወዲ 68 ዓመት ከለኹ: ምሉእ ብምሉእ ለመስኩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመት ግን ኣብ ደሴት ቆጵሮስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ብሓጐስ አገልግል ኣለኹ። ምሱን ክነሰይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ኰይነ ንክቕጽል ዝሓገዘኒ እንታይ እዩ፧

11 ጥቅምቲ 1922 ኣብታ ትሽዓተ ቘልዑ: ማለት ኣርባዕተ ኣወዳትን ሓሙሽተ ኣዋልድን ዚርከብዋ ስድራቤት ተወለድኩ። ኣብታ ኣብ ቆጵሮስ እትርከብ ክሲሎፋጉ እትበሃል ቍሸት ኢና እንነብር ኔርና። ዋላኳ ወለደይ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሃብታማት እንተ ነበሩ: ብዙሓት ኣባላት ዚርከብዋ ስድራቤት ንምዕባይ ግን ኣብ ግራት ብዙሕ ጻዕሪ ዜድልዮ ስራሕ ምስራሕ የድሊ ነበረ።

ኣቦይ ኣንዶኒስ ብተፈጥሮኡ ጻዕረኛን ህንጡይን ነበረ። ኣነ ኻብ ዝውለድ ነዊሕ ከይጸንሐ: ነቲ ኣብታ ቍሸት ዚነብር መምህር ኪበጽሖ ምስ ከደ: እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበሃሉ) ዘሕተምዋ ፒፕልስ ፑልፒት (መስበኽያ ህዝቢ) ዘርእስታ ትራክት ረኣየ። ኬንብባ ጀመረ: ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ በቲ ትሕዝቶኣ ተሳሕበ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣቦይን እቲ ኣንድረያስ ክሪስቱ ዚበሃል ዓርኩን ካብቶም ኣብታ ደሴት መጀመርታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሓብሩ ዝጀመሩ ሰባት ኰኑ።

ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ እተረኽበ ዕቤት

ድሕሪ ግዜ: ክልቲኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪቕበሉ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣቦይን ኣንድረያስን ነቲ ዝፈለጥዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነቶም ነበርቲ እቲ ቍሸት ንኼካፍልዎም ደረኾም። እዚ ናይ ስብከት ዕዮኦም: ካብቶም ኣቕሽሽቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕማቕ ጽልዋ ዜሕድሩ ዀይኑ እተሰምዖም ካልኦት ሰባትን ሓያል ተቓውሞ ኸም ዚለዓል ገበረ።

ብዙሓት ካብቶም ነበርቲ ነዞም ክልተ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎም ነበሩ። ኣቦይ ብሕያውነቱን ልግሱን ይፍለጥ ነበረ። ብዙሕ ግዜ ነቶም ድኻታት ስድራቤት ይድግፎም ነበረ። ሓድሓደ ግዜ: ለይቲ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ኣብ ኣፍ ደገ እቶም እተሸገሩ ስድራቤት: ስርናይ ወይ ሕብስቲ የቐምጥ ነበረ። ከምዚ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ ክርስትያናዊ ኣካይዳ ንመልእኽቲ እዞም ክልተ ኣገልገልቲ ዝያዳ ማራኺ ገበሮ።—ማቴዎስ 5:16

ስለዚ ድማ: ሓያሎ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ሃቡሉ። ንሓቂ ዘለዎም ምርዳእ እናዛየደ ምስ ከደ: ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ኸም ጕጅለ ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ብሓደ ኺእከቡ ኣድላዪ ምዃኑ ተረድኦም። ብ1934 ኣቢሉ ኒኮስ ማታኣኪስ ዚበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኻብ ግሪኽ መጸ: ምስታ ኣብ ክሲሎፋጉ እትርከብ ጕጅለ ድማ ተራኸበ። ነታ ጕጅለ ኣብ ምውዳብን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ምርዳእ ንኺረኽቡን ብትዕግስትን ቈራጽነትን ሓገዞም። እዛ ጕጅለ እዚኣ ኣብ ቆጵሮስ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ዀነት።

እቲ ክርስትያናዊ ዕዮ እናዓበየ ኸምኡውን ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እናተቐበልዎ ምስ ከዱ: እቶም ኣሕዋት ቀዋሚ ዚእከቡሉ ቦታ ኸም ዜድሊ ተሰምዖም። ጆርጅ ዚበሃል በዅሪ ሓወይን ኢለኒ ሰበይቱን: ነቲ ኸም ሪቕ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ገዛ ሃቡ። እዚ ኣብ ጥቓ ገዛኦም ዚርከብ ሪቕ ተሓደሰ: ንኣኼባ ምሹእ ከም ዚኸውን ጌርካ ድማ ተቐየረ። በዚ ኸምዚ እቶም ኣሕዋት ኣብታ ደሴት ናይ መጀመርታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪውንኑ ኸኣሉ። ነዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዜማስዉሉ! ተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ንምግባር እውን ደሪኹ እዩ።

ንሓቂ ናተይ ገበርክዋ

ብ1938 ወዲ 16 ዓመት ከለኹ ጸራባይ ክኸውን ወሰንኩ። በዚ ምክንያት እዚ ድማ: ኣቦይ ናብታ ርእሰ-ኸተማ ቆጵሮስ ዝዀነት ኒቆሲያ ሰደደኒ። ንመጻኢ ኣርሒቑ ብምሕሳብ ምስ ኒኮስ ማታኣኪስ ንኽጸንሕ መሰናድዎ ገበረለይ። እዚ እሙን ሓው እዚ በቶም ኣብታ ደሴት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ብቕንኣትን ብምቕባል ኣጋይሽን እዩ ኽሳዕ ሕጂ ዚፍለጥ። እቲ ዝነበሮ ውዕዉዕ ስምዒትን ትብዓትን ንሓደ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ዚነብር ዝነበረ ክርስትያን ኣድላዪ ባህርያት እዩ ነይሩ።

ሓው ማታኣኪስ ብዛዕባ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ድልዱል መሰረት ንኺህልወኒ ኸምኡውን ብመንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብር ኣጸቢቑ ሓጊዙኒ እዩ። ምስኡ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን: ኣብቲ ኣብ ገዛኡ ዚግበር ዝነበረ ኣኼባ እካፈል ነበርኩ። ንመጀመርታ ግዜ ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ እናዓበየት ትኸይድ ከም ዘላ ተሰምዓኒ። ምስ ኣምላኽ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ንኽምስርት ድማ ቈራጽነት ገበርኩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ንሓው ማታኣኪስ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስኡ ክኸይድ እኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። እዚ ብ1939 እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ንስድራይ ክበጽሖም ናብ ዓድና ተመለስኩ። እተወሰነ እዋን ምስ ኣቦይ ምሕላፈይ: ንሓቅን ንትርጕም ህይወትን ከም ዝረኸብክዎ ዝነበረኒ እምነት ኣደልዲልዎ እዩ። ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ተባርዐ። ብዙሓት መሳቱአይ መንእሰያት ናብቲ ውግእ ንኪኸዱ ፍቓደኛታት ነበሩ: ኣነ ግን መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ ገለልተኛ ክኸውን ወሰንኩ። (ኢሳይያስ 2:4፣ ዮሃንስ 15:19) ኣብታ ዓመት እቲኣ ርእሰይ ንየሆዋ ወፈኹ: ብ1940 ድማ ተጠመቕኩ። ንመጀመርታ ግዜ: ካብ ፍርሂ ሰብ ናጻ ምዃነይ ተሰምዓኒ።

ብ1948 ንኢፍፕረፒያ ተመርዓኽዋ። ኣርባዕተ ቘልዑ ብምውላድ ድማ ተባረኽና። ነዊሕ ከይጸናሕና: ንደቅና “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንምዕባይ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኸም ዘሎና ተገንዘብና። (ኤፌሶን 6:4) ጸሎትናን ጻዕርናን ድማ ኣብ ደቅና ዓሚቝ ፍቕሪ የሆዋ ኸምኡውን ንሕግታቱን ስርዓታቱን ኣኽብሮት ኣብ ምትካል ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠመኒ

ብ1964 ወዲ 42 ዓመት ከለኹ: የማናይ ኢደይን እግረይን ኪድንዝዝ ጀመረ። ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ጸጋማይ ወገን ተዘርግሐ። ፈጺሙ ኺድሕን ዘይክእል: ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ናብ መልመስቲ ኺመርሕ ዚኽእል ምምህማን ጭዋዳ ኸም ዘለኒ ተፈልጠ። ነዚ ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ እየ ሰንቢደ። ነገራት ብፍጥነትን ብሃንደበትን እዩ ኣጋጢሙ! ብሓርቖትን ቍጥዓን እወሓጥ ስለ ዝነበርኩ: ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ወሪዱኒ፧ እንታይ እየ በዲለ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ግዜ ነቲ ሕማመይ ምስ ፈለጥኩ ዝነበረኒ ስንባደ ተዋጻእክሉ። ብድሕሪኡ ድማ ብጭንቀትን ምጥርጣርን ተወሓጥኩ። ብዙሕ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ ይወናጨፍ ነበረ። ምሉእ ብምሉእ ለሚሰ ኣብ ካልኦት ሰባት ክውከል እየ ማለት ድዩ፧ ነዚኸ ኸመይ ኢለ እየ ኽጾሮ፧ ንስድራቤተይ: ማለት ንሰበይተይን ነቶም ኣርባዕተ ደቀይን ዜድልዮም ከማልኣሎም እኽእል ደዀን እኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ኽሓስብ ከለኹ: ኣመና እየ ዝፈርህ ነይረ።

ኣብቲ ጽንኩር ህሞት እቲ ዀይነ: ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኽጽጋዕ ከምኡውን ንሻቕሎተይን ጭንቀተይን ንዕኡ ኸካፍሎ ኸም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። ለይትን ቀትርን ንብዓት እናሰዓረኒ እጽሊ ነበርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ምጽንናዕ ረኸብኩ። እቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ: “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ዚብል ዜደዓዕስ ቃላት: ሓቂ ዀይኑ እየ ረኺበዮ።

ንዘጋጠመኒ መልመስቲ ምጻሩ

ኵነታተይ እናገደደ ኸደ። ብቕልጡፍ ምስቲ ሓድሽ ኵነታተይ ብምስምማዕ ምትዕርራይ ክገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ጸራባይ ኰይነ ኽሰርሕ ስለ ዘይክእል: ምስቲ ኣካላዊ ዅነታተይ ዚሰማማዕ ከምኡውን ንስድራቤተይ ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ዚሕግዘኒ ብዙሕ ጕልበት ዘይሓትት ስራሕ ክደሊ ወሰንኩ። መጀመርታ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት ማኪና ዀይነ ጀላቶ እሸይጥ ነበርኩ። ነዚ ስራሕ እዚ ኽሳዕ እቲ ሕማመይ ብሽክለታ ስንኩላን ንኽጥቀም ዜገድደኒ: ንሽዱሽተ ዓመት ሰራሕክዎ። ብድሕሪኡ: ብቐሊሉ ኽሰርሖ ዝኽእል እተፈላለየ ስራሕ እሰርሕ ነበርኩ።

ካብ 1990 ንደሓር ጥዕናይ ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሓሉ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ እናንቈልቈለ ኸደ። ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ሓደ እኹል ሰብ ኪገብሮ ዚኽእሎ ነገራት እውን ከይተረፈ ንምግባር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልኦት እየ ዝምርኰስ። ንኽድቅስን ንኽሕጸብን ክዳነይ ንኽገብርን ሓገዝ የድልየኒ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ኣብታ ብሽክለታ ስንኩላን ገይሮም ደፊኦም ናብታ ማኪና ኼብጽሑኒ: ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ ሓፍ ኣቢሎም ናብታ ማኪና ኼእትዉኒ ኣለዎም። ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጻሕኩ ኸኣ ካብታ ማኪና ሓፍ ኣቢሎም ኣውጺኦም ኣብታ ብሽክለታ ገይሮም ኪደፍኡኒ ኣለዎም። እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን: እግረይ ምእንቲ ኸይቈርር ኣብ ጥቓይ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ መሞቚት ትግበረለይ።

ዋላኳ እዚ መልመስቲ እንተ ሃለወኒ: ኣብ ኣኼባታት ግን ወትሩ እየ ዝካፈል። የሆዋ ንዓና ዚምህረሉ ቦታ ምዃኑ እፈልጥ እየ: ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምዃን ድማ ናይ ብሓቂ ዕቝባን ምንጪ ደገፍን ምትብባዕን እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) እቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾት ዝገብሩለይ ስሩዕ ምብጻሕ ዘየቋርጽ ሓገዝ እዩ ዀይኑኒ። ከምቲ “ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ” ዝበለ ዳዊት እዩ ዝስምዓኒ።—መዝሙር 23:5

እታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዚድነቕ ሓገዝ እያ ገይራትለይ። ደቀይ እውን እንተዀኑ ብዙሕ ደጊፎምኒ እዮም። ንሓያሎ ዓመታት: መዓልታዊ ዘድልየኒ ነገራት ብምግባር ሓጊዞምኒ እዮም። ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንዓይ ዚግበር ክንክን ኣጸጋሚ እናዀነ ስለ ዚኸይድ: ዚገብርዎ ዘለዉ ቐሊል ኣይኰነን። ትዕግስቲ ብምግባርን ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእን ዝመጸ ናይ ብሓቂ ኣብነታውያን እዮም: የሆዋ ንዕኦም ምብራኹ ንኪቕጽል ድማ እጽልየሎም እየ።

የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምድልዳል ዚጥቀመሉ ኻልእ ዜደንቕ መሰናድዎ: ጸሎት እዩ። (መዝሙር 65:2) ብመሰረት እቲ ዘቕረብክዎ ልባዊ ለመና: የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እሙን ኰይነ ንክቕጽል ብርታዐ ሂቡኒ እዩ። ብሕልፊ ድማ ተስፋ ኣብ ዝቘርጸሉ እዋን: ጸሎት ብምግባረይ: እፎይታ ንኽረክብን ሓጐሰይ ንኽዕቅብን ሓጊዙኒ እዩ። እቲ ወትሩ ምስ የሆዋ ዝገብሮ ዝርርብ ንዓይ ከምኡውን ነቲ ንኽጸንዕ ዝገበርክዎ ቘራጽነት ይሕድሶ። የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ኸም ዚሰምዖን ነቲ ዜድልዮም ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዚህቦምን ምሉእ ብምሉእ እኣምነሉ እየ።—መዝሙር 51:17፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

ልዕሊ ዅሉ ድማ: ኣምላኽ ነቶም ኣብ ገነት ናይ ምንባር በረኸት ዚረኽቡ ሰባት: በታ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እትግዛእ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሩ ኸም ዜጥዐዮም ክዝክር ከለኹ እተባባዕ እየ። ነዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ኸስተንትነሉ ኸለኹ ኻብ ሓደ እዋን ንላዕሊ ናይ ሓጐስ ንብዓት ነቢዐ እየ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 21:3, 4

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኣገልገልኩ

ብ1991 ኣቢሉ: ነቲ ዅነታተይ ድሕሪ ምምርማር: በቲ ዘጋጠመኒ ነገር ኣብ ክንዲ ዘስቈርቍር: ነቲ ኽቡር ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ትሑዝ ምዃን ከም ዚሓይሽ ተገንዘብኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ስንኩል ስለ ዝዀንኩ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝህቦ ምስክርነት: ደብዳበ ብምጽሓፍ እየ ዝገብሮ። ይኹን እምበር: ንዓይ ምጽሓፍ ቀሊል ኣይኰነን: ሓያል ጻዕሪ እዩ ዚሓትት። እቲ ብሰንኪ ምምህማን ጭዋዳ ዝደኸመ ኢደይ: ብርዒ ኣጥቢቑ ኺሕዝ ስለ ዘይክእል ኣጸጋሚ እዩ። ኰይኑ ግን: ሓቦ ብምግባርን ብጸሎትን ን15 ዓመት ደብዳበ ብምጽሓፍ እምስክር ኣለኹ። ብተወሳኺውን ተሌፎን እጥቀም እየ። ኣዝማደይን ኣዕሩኽተይን ጐረባብተይን ኪበጽሑኒ ኣብ ዝመጹሉ እዋን: ብዛዕባ ተስፋ ሓዳስ ዓለምን ብዛዕባ እታ ገነት እትኸውን ምድርን ካብ ምንጋር ኣብኲረ ኣይፈልጥን እየ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሕ ዜሐጕስ ተመክሮ ረኸብኩ። ሓደ ቕድሚ 12 ዓመት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርኩሉ ወዲ ወደይ: መንፈሳዊ ዕቤት ገይሩ ኸምኡውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሞሳ ኼርኢ ኸሎ ምርኣየይ የሐጕሰኒ እዩ። በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተደሪኹ: ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ብምሕላው እሙንን ጽኑዕን ኰነ።

ብሕልፊ ድማ እቶም ዝጸሓፍኩሎም ሰባት: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓበሬታ ደልዮም ምሳይ ኪራኸቡ ኸለዉ እሕጐስ እየ። ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተወሳኺ ጽሑፋት ኪወሃቦም ይሓቱ። ንኣብነት: ሓንቲ ሰበይቲ ናባይ ደዊላ ንሰብኣያ ዜበራትዕ ደብዳበ ስለ ዝጸሓፍኩሉ ኣመስገነትኒ። ኣብቲ ደብዳበ እተገልጸ ሓሳባት ማራኺ ዀይኑ ረኸበቶ። እዚ ድማ ኣብ ገዛይ ኴንና ምስኣን ምስ ሰብኣያን ብተደጋጋሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ክንገብር መገዲ ኸፈተልና።

ብሩህ ኣረኣእያ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ሃገር እዚ ኺውስኽ ከሎ ርእየ እየ። እታ ኣብ ጥቓ ገዛ ጆርጅ ሓወይ ዝነበረት ንእሽቶ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ሰፊሓን ተሓዲሳን እያ። ክልተ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙላ ምልክዕቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ እያ።

ኣቦይ ብ1943 ወዲ 52 ዓመት ከሎ ሞተ። ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ውርሻ ዀን እዩ ዝገደፈልና! ካብቶም ደቁ እቶም ሸሞንተ ንሓቂ ተቐቢሎም እዮም: ሕጂውን ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ: ኣብታ ኣቦይ እተወልደላ ቝሸት ክሲሎፋጉን ኣብተን ኣብ ጥቓኣ ዚርከባ ኻልኦት ቍሸታትን: ብድምር 230 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብወን ሰለስተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ፍረ ንዓይ ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ እዩ። ሕጂ 83 ዓመት ገይረ ኣለኹ: ነተን “ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን: ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን” ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ ብምትእምማን ከቃልሐን እኽእል እየ። (መዝሙር 34:10) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 35:6 ዚርከብ “ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር [እዩ]” ዚብል ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዚመጽእ: ምሱን ክነሰይ ንየሆዋ ብሓጐስ ምግልጋለይ ክቕጽል ቈሪጸ እየ።

[Map on page 17]

(For fully formatted text, see publication)

ቱርኪ

ሶርያ

ሊባኖስ

ቆጵሮስ

ኒቆሲያ

ክሲሎፋጉ

ባሕሪ መዲተራነያን

[Picture on page 17]

እቲ ሕጂውን እንጥቀመሉ ዘለና ኣብ ክሲሎፋጉ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[Picture on page 18]

ብ1946 ከምኡውን ሎሚ ምስ ኢፍፕረፒያ

[Picture on page 20]

ብተሌፎንን ደብዳበን ብምጽሓፍ ምምስካር ሓጐስ የምጽኣለይ