ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስልማት ኵላ ገሊላ”

“ስልማት ኵላ ገሊላ”

“ስልማት ኵላ ገሊላ”

ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ የሱስ ዝዓበየላ ናዝሬት 6.5 ኪሎ ሜተር ጥራይ ተጓዒዝካ ኣብ ወንጌላት ተጠቒሳ ዘይትርከብ ከተማ ነበረት። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ውሩይ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ግን: “ስልማት ኵላ ገሊላ” ኢሉ ወደሳ። ከተማ ሰፎሪስ ድማ ትብሃል። ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣ እንታይ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፧

ሄሮድስ ዓብዪ—ብ1 ድ.ክ. እዩ ኪኸውን ዚኽእል—ምስ ሞተ: ነበርቲ ሰፎሪስ ካብ ሮሜ ስለ ዝዓለዉ ኸተማኦም ዓነወት። ኣንቲጳስ ወዲ ሄሮድስ ንገሊላን ጴርያን ወረሰ: ነታ ዓንያ ዝነበረት ሰፎሪስ ከኣ ሓዳስ ርእሲ ኸተማ ኺገብራ ወሰነ። እታ ኸተማ ብኣሰራርሓ ስነ-ህንጻ ግሪኽን ሮሜን እያ እንደገና ተሃኒጻ: እቶም ነበርቲ ግን ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ኣንቲጳስ ብ21 ድ.ክ. ንጥብርያዶስ ብምህናጽ ርእሲ ኸተማ ኽሳዕ ዚገብራ: ከምቲ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኤ. ቤቲ ዝገለጾ: ሰፎረስ: “መንግስቲ ንገሊላን ጴርያን ንምቍጽጻር ዚጥቀመላ ቐንዲ ማእከል” ነበረት። የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ እዩ ኣብ ጥቓ እዛ ኸተማ ዚነብር ነይሩ።

ፕሮፌሰር ጄምስ ስትሬንጅ ኣብ ሰፎረስ ኵዕታ ድሕሪ ምግባር: መዛግብቲ: ቤት ግምጃ: ኣጽዋር: ባንክታት: ህዝባዊ ህንጻታት: ካይላን ጥርሙዝን ኣቝሑ ሓጺንን ስልማትን እተፈላለየ ዓይነት ምግብን ዚሽየጠሉ ዕዳጋ ዝነበራ ኸተማ ኸም ዝዀነት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። ኣለምቲ ኸምኡውን ክዳን ዚሸጡ ነጋዶ ነበሩ: ዘንቢልን ናይ ገዛ ኣቕሑን ጨናን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዚሽየጠሉ ዕዳጋ እውን ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቝጽሪ እቶም ነበርቲ ኻብ 8,000 ክሳዕ 12,000 ከም ዝነበረ እዩ ዚግመት።

የሱስ ናብዛ ኻብ ናዝሬት ብእግሪ ሓንቲ ሰዓት ተጓዒዝካ እትርከብ ብስራሕ ትሕዝቲ ዝዀነት ከተማ ኸይዱ ድዩ፧ ወንጌላት ብዛዕባ እዚ ዚህበና መልሲ የለን። ይኹን እምበር: እቲ ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: “ብሰፎሪስ ገይሩ ዚሓልፍ ካብ ናዝሬት ናብ ቃና ናይ ገሊላ ዚወስድ መገዲ” ኸም ዝነበረ ይሕብር። (ዮሃንስ 2:1፣ 4:46) ኣብ ናዝሬት ኴንካ: ነቲ ኻብ ስንጭሮ 120 ሜተር ዝምብራኹ ዅርባ ሰፎሪስ ክትርእዮ ይከኣል እዩ። ገለ ሰባት: የሱስ “ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ” ኢሉ ብምሳሌ ኺዛረብ ከሎ: ምናልባት ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኪኸውን ኣለዎ ይብሉ።—ማቴዎስ 5:14

የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ምስ ጠፍአት: ሰፎሪስ ኣብ ገሊላ እታ ቐንዲ ኸተማ ኣይሁድ ከምኡውን እቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዚርከበላ ዀነት። ንእተወሰነ እዋን: ማእከል ትምህርቲ ኣይሁድ ብምዃን ድማ በልጸገት።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ እስሊ]

(For fully formatted text, see publication)

ገሊላ

ቃና

ሰፎሪስ

ናዝሬት

ጥብርያዶስ

ባሕሪ ገሊላ

ጴርያ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ እስሊ]

Pottery: Excavated by Wohl Archaeological Museum, Herodian Quarter, Jewish Quarter. Owned by Company for the Reconstruction of the Jewish Quarter in the Old City of Jerusalem, Ltd