ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዕግበት ርኸብ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዕግበት ርኸብ

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዕግበት ርኸብ

ድሙ ጥቕልል ኢላ ደቂሳ ኽትሕርንኽ ከም ዝረኣኻ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ዕግበት ከም ዘለዋ ዜመልክት እዩ። ከምኣ በጥ ክንብልን ዕግበት ክንረክብን ክሳዕ ክንደይ ኰን ሰናይ እዩ! ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ዕግበት ብቐሊሉ ኺረኽቡ ኣይክእሉን እዮም: እቲ ዚረኽብዎውን እንተዀነ ሓላፊ እዩ። ስለምንታይ፧

ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ብዙሕ ግዜ ንጋገ ኢና: ጕድለት ካልኦት እውን ክንጸውር ኣሎና። ብዘይካዚውን: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ክፉእ ዘመን” ብምባል ዝገለጾ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብግዜ ቝልዕነትና ዘሕለፍናዮ ገለ ባህ ዜብል ተዘክሮታት እኳ እንተሎና: መብዛሕትና ነቲ እዚ “ኽፉእ ዘመን” ዜምጽኦ ጸቕጥታት ኣብ ህይወትና ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ ግዜና ዕግበት ምርካብ ይከኣል ድዩ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ክፉእ ዘመን ኪብል ከሎ: ንኽትዋጽኣሉ ዜጸግም ደኣ እምበር: ክትዋጽኣሉ ኸቶ ዘይከኣል ማለቱ ኣይኰነን። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ኵሉ ሳዕ ጸገማትና ኣይንፈትሕን ንኸውን: እተወሰነ ዕግበት ግን ንረክብ ኢና። ሰለስተ ኻብዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ እስከ ንመርምር።

ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ዕግበት ንምርካብ: ብዛዕባ እቲ ንሕናን ካልኦትን ዘሎና ድሩት ዓቕሚ: ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ብምባል ሓበረ። (ሮሜ 3:23) ብዙሕ መዳይ ክብሪ የሆዋ: ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ኣብነት: እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:31 ተጠቒሱ ዘሎ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ዚብል ንጹር ሓቂ እዩ። የሆዋ ነቲ ዝገበሮ ምልስ ኢሉ ኺርእዮ ኸሎ: ወትሩ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ኺብል ይኽእል እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ከምዚ ኺብል ኣይክእልን እዩ። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ምፍላጥና: ዕግበት ንምርካብ ዜኽእለና ቐዳማይ ስጕምቲ እዩ። ይኹን እምበር: ካብዚ ንላዕሊ ምግባር የድሊ። የሆዋ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንርዳእን ክንቅበሎን ኣሎና።

እታ “ሓጢኣት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: “ዕላማ ምስሓት” ካብ ዚብል ሱር ቃል ዝመጸት እያ። ነዚ ብመብርሂ ንምግላጽ:- ሓደ ብፍላጻ ገይሩ ዕላማ ብምጭማት ሽልማት ኪወስድ ተስፋ ዝገበረ ሰብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሰለስተ ፍላጻታት ኣለዎ። ነታ ቐዳመይቲ ይውርውራ እሞ ብሓደ ሜተር ዚኸውን ይስሕት። ነታ ኻልአይቲ ብዝሓሸ ዓሊሙ ይውርውራ: እንተዀነ ግን ብ30 ሰንቲ ሜተር ይስሕት። ድሕሪኡ ብእተኻእለ መጠን ብምትኳር ነታ ናይ መወዳእታ ፍላጻ ይውርውራ: እንተዀነ ግን ብኽልተ ሰንቲ ሜተር ይስሕት። ዕላማኡ ንምጭማት ንእሽቶ እኳ እንተ ተረፈቶ: ስሒቱ እዩ።

ኵላትና ኸምቲ ዕላማኡ ዝሰሓተ ወርዋሪ ፍላጻ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ‘ነቲ ዕላማ’ ኣጸቢቕና ‘ንስሕቶ’ ኢና። ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ ዋላኳ እንተ ተቐራረብና: ነቲ ዕላማ ግን ንስሕቶ ኢና። ኣበርቲዕና እኳ እንተ ጸዓርና ዕላማና ብዘይምውቃዕና: ንበሳጮ ኢና። ሕጂ ናብቲ ወርዋሪ ፍላጻ ንመለስ።

ነቲ ሽልማት ደልይዎ ብምንባሩ: ጕህዩ ቐስ ኢሉ ገጹ መሊሱ ኪኸይድ ይጅምር። ብሃንደበት ግን እቲ ዜወዳድር ሰብ ጸዊዑ: “ስለ ዝፈትወካን ኣበርቲዕካ ኸም ዝጸዓርካ ስለ ዝረኣኹን: ነዚ ኺህበካ እየ” ኢሉ ሽልማት ይህቦ። እቲ ወርዋሪ ፍላጻ ብዙሕ ተሓጐሰ!

ካብ ኣምላኽ ፍጽምና ዝመልኦ “ውህበት” ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚቕበሉ ዅሎም ሰባት: ከምኡ እዩ ኺስምዖም። (ሮሜ 6:23) ድሕሪኡ: ኵሉ እቲ ዚገብርዎ ነገራት ጽቡቕ እዩ ኪኸውን: እንደገና ዕላማ ኣይስሕቱን እዮም። ምሉእ ዕግበት እዩ ኺህልዎም። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን: ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና: ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉን ዝሓሸ ስምዒት ይህልወና።

ኵሉ ነገር ግዜ ኸም ዚወስድ ፍለጥ

ኵሉ ነገር ግዜ ዚወስድ ምዃኑ እተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ሓደ እትጽበዮ ነገር ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ወይ ባህ ዘየብል ኵነታት ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊ ምስ ዚናዋሕ ግን: ዕግበትካ ሒዝካ ምቕጻል ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧ ኰይኑ ግን: ገሊኦም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዕግበቶም ኣየጥፍኡን። ኣብነት የሱስ እሞ ርአ።

የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ: ኣብ ሰማይ ብተኣዛዝነቱ ኣርኣያ ዚኸውን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ኣብ ምድሪ እዩ ‘ምእዛዝ እተማህረ።’ ብኸመይ፧ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት።” ኣቐዲሙ: ካልኦት ኪሳቐዩ እኳ እንተ ረኣየ: ንሱ ግን ተመኪርዎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብፍላይ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ካብ እተጠመቐሉ እዋን ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጎታ ዘሕለፎ ግዜ: ብዙሕ ፈታኒ ዅነታት ሓሊፉ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ብኸመይ ‘ፍጹም ከም ዝዀነ’ ዅሉ ዝርዝራት ኣይንፈልጥን ኢና: እቲ መስርሕ ግዜ ኸም ዚወስድ ግን ንፈልጥ ኢና።—እብራውያን 5:8, 9

የሱስ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ: ነቲ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ:” ማለት ነቲ ተኣማንነት ዜምጽኣሉ ዓስቢ ስለ ዜስተንተነሉ እዩ። (እብራውያን 12:2) ይኹን እምበር: ሓድሓደ እዋን “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” “ጸሎትን ምህልላን” ኣቕሪቡ እዩ። (እብራውያን 5:7) ንሕናውን ሓድሓደ ግዜ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነዚ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ እዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንየሱስ ከም ዝሰምዖ ትገልጽ። ንዓናውን ኣምላኽ ኪሰምዓና እዩ። ስለምንታይ፧

የሆዋ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ: ይድግፈና እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ተጻዋርነቱ ደረት ኣለዎ። ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ በኒን: “እምብዛ ብዙሕ ማይ: ኣብ መወዳእታኡ ንቝርዖብ እኳ የስጥም” ዚብል ብሂል ኣሎ። ኣብ ደረት ዓቕምና ገጽና ኽንበጽሕ ከለና: ካባና ንላዕሊ የሆዋ ይፈልጦ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ “ምሕረት . . .: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ” ይህበና እዩ። (እብራውያን 4:16) ንየሱስ ከምኡ እዩ ገይሩሉ: ታእላው ንዘይብሎም እውን ከምኡ ገይሩሎም እዩ። ሞኒካ ነዚ ብኸመይ ከም እተመከረቶ እሞ ርአ።

ሞኒካ ቕስንትን ብርትዕትን ሕጕስትን እያ ነይራ። ብ1968 ገና ኣብ 20ታት ዕድሚኣ ኸላ: ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ዚበሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማም ከም ዘለዋ ምስ ፈለጠት ሰምበደት። እዚ ንህይወታ ምሉእ ብምሉእ ቀየሮ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ድማ ብዙሕ ምትዕርራያት ክትገብር ኣድለያ። እዚ ሕማማ እዚ ነዊሕ ግዜ ምስኣ ዚጸንሕ ምዃኑ ኣስተውዓለት። ድሕሪ 16 ዓመት: “ክሳዕ ሕጂ ኻብ ሕማመይ ክሓዊ ኣይከኣልኩን: ኣምላኽ ዜምጽኦ ሓድሽ ኣገባብ ንዅሉ ነገራት ክሳዕ ዚሕድሶ ድማ እዚ ሕማመይ ኪቕጽል ይኽእል እዩ” በለት። እዚ ቐሊል ዘይምዃኑ ኽትገልጽ ከላ: “ፈተውተይ ብሩህ ገጸይ ከም ዘየጥፋእኩን ከም ቀደመይ ሕጕስቲ ምዃነይን ዚነግሩኒ እኳ እንተዀኑ: . . . እቶም ናይ ቀረባ ፈተውተይ ግን ሓድሓደ ግዜ ዝርንዝሕ ከም ዝነብዕ ይፈልጡ እዮም” በለት።

እንተዀነ ግን: ከምዚ በለት:- “ዕግስቲ ክኸውንን በቲ ንእሽቶ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ክሕጐስን ተማሂረ እየ። ሰብ ምስ ሕማም ኣብ ዚገብሮ ቓልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ብምርኣየይ: እቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ናይ ብሕቲ ርክብ ደልዲሉ እዩ። የሆዋ ጥራይ እዩ ምሉእ ብምሉእ ኬሕዊ ዚኽእል።” ሞኒካ ብሓገዝ የሆዋ ዕግበታ ኸየጥፍአት ትነብር ኣላ: ሕጂ ኸኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ልዕሊ 40 ዓመት ገይራ ኣላ።

ከም ናይ ሞኒካ ዝኣመሰለ ዅነታት ቀሊል ዘይምዃኑ ዅሉ ዚኣምነሉ እዩ። ኰይኑ ግን: ገሊኡ ነገራት ካብቲ እተጸበኻዮ ዝነውሐ ግዜ ኸም ዚወስድ ምፍላጥካ: ብርግጽ ዝያዳ ዕግበት ኬምጽኣልካ እዩ። ንስኻውን ከም ሞኒካ: የሆዋ ‘ብግዜ ጸበባ ረድኤት’ ከም ዚህበካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር —ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ንስኻ ውልቀ-ሰብ ኢኻ። ልክዕ ከማኻ ዝዀነ ኻልእ የልቦን። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ጉን ዚበሃል ቋንቋ: “ኣጻብዕ ሕደ ንውሓት የብለንን” ዚብል ነዚ ሓቂ እዚ ዜጕልሕ ብሂል ኣሎ። ሓንቲ ጽብዒት ምስ ካልእ ምውድዳር ዕሽነት እዩ። የሆዋ ምስ ካልእ ሰብ ኬወዳድረካ ኣይትደልን ኢኻ: ንሱውን ከቶ ኣይገብሮን እዩ። ሰባት ግን ናይ ምውድዳር ዝንባለ ኣለዎም: እዚ ድማ ዕግበት ከም ዘይረኽቡ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። የሱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ብሓያል ምሳሌ ገይሩ ኣብ ማቴዎስ 20:1-6 ብኸመይ ከም ዘረድአ እሞ ኣስተብህል።

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ዝደለየ “ብዓል ኣታኽልቲ” ተዛረበ። እተወሰኑ ስራሕ ዘይብሎም ሰብ ረኸበ እሞ: “ኣንጊሁ:” ምናልባት ሰዓት 6 ንግሆ ምሳታቶም ተሰማምዐ። በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ ውዕለት መዓልቲ: ን12 ሰዓት ብሓደ ዲናር ኪሰርሑ ተሰማምዑ። እቶም ሰባት ስራሕን እቲ ልሙድ ደሞዝን ምርካቦም ከም ዘሐጐሶም ኣየጠራጥርን እዩ። ጸኒሑ: ካልኦት ስራሕ ዘይነበሮም እተፈላለዩ ጕጅለታት ሰባት ረኸበ እሞ: ሰዓት 9 ናይ ንግሆ: ፋዱስ: ሰዓት 3 ድሕሪ ቐትሪ: ከምኡውን ሰዓት 5 ድሕሪ ቐትሪ ምሳታቶም ተወዓዓለ። ካብዞም ጸኒሑ ዝቘጸሮም ጕጅለታት ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሐ የልቦን። እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ኸኣ ነቶም ሰብ ውዕለት “እቲ ዚግባእ” ኪህቦም እዩ ተመባጺዑሎም።

ምስ መሰየ: እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ንኣዛዝ ቤቱ ውዕለቶም ኪህቦም ኣዘዞ። ነቶም ሰብ ውዕለት ጸዊዑ መጀመርታ በቶም ድሕሪት እተቘጽሩ ጀሚሩ ኪኸፍል ነገሮ። እዚኣቶም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ እዮም ሰሪሖም: እቲ ዜገርም ግን ናይ ምሉእ መዓልቲ ውዕለት ተኸፍሎም። እዚ ዜበግሶ ውዕዉዕ ዝርርብ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። እቶም 12 ሰዓት ዝሰርሑ: ዝያዳ ኺወሃቦም ተጸበዩ። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን ሕደ ተኸፍሎም።

እሞ ደኣ ኸመይ ተሰምዖም፧ “ምስ ተቐበሉ: በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፤ ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት: ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና: ምሳና ኣዳላደልካዮም: በልዎ።”

እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ግን ነቲ ዅነታት ብኻልእ መልክዕ እዩ ርእይዎ። ነቲ እተሰማምዑሉ ምቕባሎም: ዋላ ሓንቲውን ከም ዘይጐደሎም ሓበረ። ንኻልኦት ግን ናይ ምሉእ መዓልቲ ውዕለት ኪህቦም ወሰነ: እዚ ኸኣ ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። ከም ሓቂ: ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ እተሰማምዓሉ ዚውሕድ ኣይተዋህቦን፣ እኳ ደኣስ ብዙሓት ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ እዮም ተቐቢሎም። ስለዚ ኣብ መደምደምታ: እቲ ብዓል ኣታኽልቲ: “በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።

ሕጂ ኸኣ እቲ ኣዛዝ ቤት ነቶም ቀዳሞት ጕጅለ መጀመርታ እንተ ዚኸፍሎም እሞ: ብኡንብኡ እንተ ዚኸዱ እሞ ጌርካ ሕሰብ። በቲ ዝረኸብዎ ምዓገቡ ነይሮም። ዕግበቶም ዘጥፍኡ: ካልኦት ንዝወሓደ ዕዮ ተመሳሳሊ ውዕለት ከም እተኸፍሉ ምስ ረኣዩ እዩ። እዚ ኣዝዩ ስለ ዘቘጥዖም: ነቲ ኺዓዩ ዝቘጸሮም ኣቐዲሞም ብዙሕ ኣመስጊኖምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብዓል ቤት እውን ኣዕዘምዘሙሉ።

እዚ ምሳሌ እዚ ንርእስና ምስ ካልኦት ምስ እነወዳድር እንታይ ከም ዜጋጥም ብጽቡቕ የብርህ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ እንተ ኣስተንቲንካሉን ብኸመይ ከም ዚባርኸካ እንተ ኣማሲኻሉን: ዕጉብ ክትከውን ኢኻ። ኵነታትካ ምስ ናይ ካልኦት ኣይተወዳድር። የሆዋ ንኻልኦት ሓለፋ ኺገብረሎም ዝወሰነ እንተ መሲሉካ: ብኣታቶምን ምስኦምን ተሓጐስ።

የሆዋ ግን ካባኻ ዚጸበዮ ነገር ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ገላትያ 6:4 “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ትብል። ብኻልእ ኣዘራርባ: ንርእስኻ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ። ብሓቂ ኽትገብሮ እትኽእል መደብ ኣውጽእ: ድሕሪኡ ስዓቦ። እቲ ሸቶኻ ሚዛናዊ እንተ ዀይኑን እንተ በጺሕካዮን: “ትምክሕቲ” ወይ ዜሐጕስ ነገር ክትረክብ ኢኻ። እወ: ዕግበት ክትረክብ ኢኻ።

ዜምጽኦ ዓስቢ

እቲ ኣብዚ ዝረኣናዮ ሰለስተ መሰረታዊ ስርዓታት: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ምስ ዘይፍጽምናና እኳ ኸይተረፈ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንዓየሉ ብርግጽ ዕግበት ኬምጽእ ከም ዚኽእል እዩ ዜርኢ። ኣብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ወይ ብቐጥታ እተገልጸ ወይ ኣብ ዛንታታትን ምሳሌታትን ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ስለምንታይ ዘይተናዲ፧

ዕግበትካ ተጥፍእ ዘለኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ነቲ ናይ ሓቂ ጠንቂ ኽትፈልጥ ጽዓር። ድሕሪኡ ነቲ ዅነታት ከተዐርየሉ እትኽእል ስርዓታት ኣናዲ። ንኣብነት: ኣብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ ዘርእስታ ብ2006 እትጽናዕ ብሮሹር: ኣብ ገጽ 22-23 ተወከስ። a ኣብኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ምሳሌ እዩ ዚገልጽ: ኣብ ትሕቲ 12 ኣርእስትታት ከኣ ሓያሎ መሰረታዊ ስርዓታትን ምኽርታትን ክትረክብ ኢኻ። እቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ* ከምኡውን እቲ ኣብ ሲዲ-ሮም ዚቐርብ ዎችታወር ላይብረሪ* ብሉጽ ምንጪ ሓበሬታ እዩ። ነዚ ብብዝሒ ምስ እትጥቀመሉ: ኣብ ግብሪ እተውዕሎ ስርዓታት ብቐሊሉ ናይ ምርካብ ክእለት ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ ነቶም ዚግብኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህበሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ። ንሳቶም ህይወቶም ብዕግበት እተመልአ ኪኸውን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

“ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።”—ሮሜ 3:23

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።” —እብራውያን 5:8, 9

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

“ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።”—ገላትያ 6:4