ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብህይወት ንኽትነብር: ህይወት ሕረ’

‘ብህይወት ንኽትነብር: ህይወት ሕረ’

‘ብህይወት ንኽትነብር: ህይወት ሕረ’

“ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣለኹ።] . . . እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ።” —ዘዳግም 30:19

1, 2. ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ብኸመይ እዩ፧

 “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር።” እዚ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት እዚ: ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ እዩ ዚርከብ። ስለዚ: ኣብ ዘፍጥረት 1:26, 27 “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ” ዚብል ንረክብ። በዚ ኸምዚ: እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ: ካብቶም ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኻልኦት ፍጥረታት እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኪሓስብ ከሎ: ከምኡውን ፍቕርን ፍትሕን ጥበብን ሓይልን ኬርኢ ኸሎ ኸም ናይ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ባህርያት ስለ ዜንጸባርቕ: ንፈጣሪኡ እዩ ዚመስል ነይሩ። ንዕኡ ዚጠቅምን ንሰማያዊ ኣቦኡ ዜሐጕስን ውሳነታት ንኺገብር ዜኽእሎ ሕልና ነበሮ። (ሮሜ 2:15) ብሓጺሩ ኣዳም ናይ ምምራጽ ናጽነት ነበሮ። የሆዋ ነቲ ምድራዊ ወዱ እተገብረሉ መገዲ ድሕሪ ምርኣዩ: ነቲ ተግባር ኢዱ “እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል እዩ ገምጊምዎ።—ዘፍጥረት 1:31፣ መዝሙር 95:6

2 ንሕናውን ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና: መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ወሪስና ኢና። ይኹን እምበር: ኣብቲ እንገብሮ ነገራት: ብሓቅዶ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና እዩ፧ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ናይ ምፍላጥ ክእለት እኳ እንተለዎ: ንነፍሲ ወከፍ ተግባራትናን ዕድሎትናን ኣቐዲሙ ኣይወሰኖን። ምድራውያን ደቁ ኣቐዲሙ ብእተወሰነ ነገር ኪምርሑ ኸቶ ኣይፈቅድን እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነትና ቕኑዕ ውሳነ ንምግባር ክንጥቀመሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ምእንቲ ኽንግንዘብ: ፈለማ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ሓደ ትምህርቲ እስከ ንመሃር—ሮሜ 15:4

ኣብ እስራኤል ዝነበረ ናይ ምምራጽ ናጽነት

3. ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ናይ መጀመርታ እንታይ ትብል ነበረት፧ እሙናት እስራኤላውያንከ ንዓኣ ኺእዘዙ ዝመረጹ ብኸመይ እዮም፧

3 የሆዋ ንእስራኤላውያን: “ካብ ምድሪ ግብጺ: ካብ ባርነት ዘውጻእኩኻ: ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በሎም። (ዘዳግም 5:6) ብ1513 ቅ.ክ. ህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ብተኣምራዊ መገዲ ስለ ዝወጹ: ነዘን ቃላት እዚኣተን ዚጠራጠሩለን ምኽንያት ኣይነበሮምን። የሆዋ በቲ ኣፈኛኡ ዝነበረ ሙሴ ኣቢሉ: ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት: ኣብታ ቐዳመይቲ: “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ” በለ። (ዘጸኣት 20:1, 3) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ህዝቢ እስራኤል ኪእዘዙ መሪጾም እዮም። ብፍታዎም ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ውፉያት ኰይኖም እዮም።—ዘጸኣት 20:5፣ ዘሁልቍ 25:11

4. (ሀ) ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ እዩ ኣንቢሩሎም፧ (ለ) ሎሚ እንታይ ምርጫ እዩ ዘሎና፧

4 ድሕርዚ: 40 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሙሴ ንኻልእ ወለዶ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ዝነበረ ምርጫ ኣትሪሩ ኣዘኻኸሮም። “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ” በሎም። (ዘዳግም 30:19) ሎሚውን እንተዀነ ኽንሓሪ ንኽእል ኢና። እወ: ሓደው ንየሆዋ ብተኣማንነት እናኣገልገልና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልወና: ሓደው ትእዛዙ ብምጥሓስ ሳዕቤናቱ ኽንዓጽድ ክንሓሪ ንኽእል ኢና። እተፈላለየ ምርጫ ዝገበሩ ኽልተ ኣብነት ዚዀኑ ህዝቢ እስከ ንርአ።

5, 6. እያሱ እንታይ ምርጫ እዩ ዝገበረ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧

5 ብ1473 ቅ.ክ. እያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ መሪሑ ኣእተዎም። ቅድሚ ሞቱ ኣብ እተዛረቦ ጽኑዕ ለበዋ: ንዅሎም እቶም ህዝቢ: “ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ: ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን: ሎሚ ሕረዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ቀጺሉ: ንስድራቤቱ ብዚምልከት: “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በለ።—እያሱ 24:15

6 ኣቐዲሙ: የሆዋ ንእያሱ ኻብቲ ንሕጊ ኣምላኽ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ከየላግስ መምርሒ ብምሃብ: ኪተብዕን ኪጸንዕን ተማሕጺንዎ ነይሩ። እያሱ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ መዓልትን ለይትን ኣንቢቡ ብምስትንታን: መገዱ ኬቕንዕ ከም ዚኽእል ተነግሮ። (እያሱ 1:7, 8) ከምኡ ድማ ኰነ። እያሱ ዝገበሮ ምርጫ በረኸት ኣምጸኣሉ። “ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን: ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ድማ በለ።—እያሱ 21:45

7. ብግዜ ኢሳይያስ: እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ እዮም ዝገበሩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤናት ነበሮ፧

7 ብኣንጻሩ ግን: ድሕርዚ 700 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ዝነበረ ዅነታት እስራኤላውያን እሞ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ብዙሓት እስራኤላውያን ኣረማዊ ልምድታት ይስዕቡ ነበሩ። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ መወዳእታ ዓመት ዘላ መዓልቲ: ሰባት እተፈላለየ ጥዑም ምግብታትን ወይንን ኣብ እተዳለወሉ መኣዲ ይእከቡ ነበሩ። እዚ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ኣይነበረን። ንኽልተ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ንምኽባር ዚግበር ሃይማኖታዊ ጽምብል እዩ ነይሩ። ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጥልመቶም ዘለዎ ኣረኣእያ: “ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር እትሐድጉ: ንቅዱስ ከረነይ እትርስዑ: ንጋድ [“ኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል:” NW] መኣዲ እትሰርዑሉ: ንሜኒ [“ኣምላኽ ዕድሎት:” NW] ኸኣ ወይኒ እተሰልፍዎ” ብምባል ገለጾ። እቲ ኣብታ ዓመት ዚረኽብዎ ምህርቲ ኣብ በረኸት የሆዋ ዘይኰነስ: ነቲ “ኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል” ከምኡውን “ኣምላኽ ዕድሎት” ኣብ ምሕጓስ እተመርኰሰ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ከም ሓቂ ግን እቲ ናይ ዕልወት መገዶምን ብፍታው ዝገበርዎ ምርጫን ንመጻኢኦም ኣበላሽይዎ እዩ። የሆዋ “ጸዋዕኩኹም: ኣይመለስኩምን: ተዛረብኩ: ጽን ድማ ኣይበልኩምን: ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም: ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሐሪኹም ኢኹም እሞ: ኣነ ንሰይፊ እምድበኩም: ኵላትኩምውን ንማሕረዲ ኽትጕምበሱ ኢኹም” በሎም። (ኢሳይያስ 65:11, 12) እቲ ዘይጥበባዊ ምርጫኦም ጥፍኣት ኣምጸኣሎም: እቶም ኣምላኽ ዕድሎትን ጽቡቕ ዕድልን ከኣ: ነዚ ኼወግድዎ ኣይከኣሉን።

ቅኑዕ ምርጫ ምግባር

8. ብመሰረት ዘዳግም 30:20 ቕኑዕ ምርጫ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧

8 ሙሴ ንእስራኤላውያን ህይወት ኪሓርዩ ኺላበዎም ከሎ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” ብምባል ኪወስድዎ ዘለዎም ሰለስተ ስጕምትታት ሓበሮም። (ዘዳግም 30:20) እምበኣር: ንሕና ቕኑዕ ምርጫ ምእንቲ ኽንገብር ንነፍሲ ወከፍ እዚ ስጕምትታት እስከ ንመርምር።

9. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

9 ንየሆዋ ኣምላኽና ነፍቅሮ:- ንየሆዋ ኸነገልግሎ ዝመረጽና: ስለ እነፍቅሮ ኢና። ነቲ ብግዜ እስራኤላውያን እተገብረ መጠንቀቕታ ኪኸውን ዝሃበና ኣብነታት ብምስዓብ: ነቲ ጾታዊ ርኽሰት ንምፍጻም ዜጋጥመና ዅሉ ፈተናታት ንጻረሮ: ካብቲ ብፍቕረ-ንዋይ እዛ ዓለም እዚኣ ኸም እንጽሎ ዚገብረና ዓይነት ኣነባብራ እውን ንርሕቕ ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:11፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-10) ናብ የሆዋ ንለግብ: ስርዓታቱ እውን ንሕሉ ኢና። (እያሱ 23:8፣ መዝሙር 119:5, 8) እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም: ሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተላበዎም:- “እንሆ: ኣብታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ: ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝአዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሀርኩኹም። ንስኻትኩም ከኣ: እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ: ስለዚ ሐልውወን ግበርወን ድማ።” (ዘዳግም 4:5, 6) ሕጂ ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ እዋን እዩ። ከምኡ ኽንገብር እንተ መሪጽና: ብርግጽ ክንባረኽ ኢና።—ማቴዎስ 6:33

10-12. ነቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ብምምርማር እንታይ ትምህርትታት ኢና እንረክብ፧

10 ቃል ኣምላኽ ንስማዕ:- ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ዳርጋ ዅሎም እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ካልእ ኣስጊሎም ብምንባሮም: ነቲ ኖህ ዝሃቦም መጠንቀቕታ “ኣይፈለጡን” ወይ ኣየስተብሃሉሉን። እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧ ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅሉ ኣጥፍአ።’ የሱስ ኣብዚ ግዜና: ማለት ብግዜ “ህላወ ወዲ ሰብ” ተመሳሳሊ ኪኸውን ምዃኑ ኣጠንቀቐ። እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ነገር: ነቶም ኣብዚ ግዜና መልእኽቲ ኣምላኽ ኪስዕቡ ዘይመርጹ ሰባት: ከም ሓያል መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም።—ማቴዎስ 24:39

11 እቶም ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚህብዎ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ዜላግጹሉ: ነቲ መጠንቀቕታ እንተ ዘየቕሊቦምሉ እንታይ ከም ዚስዕቦም ኬስተውዕሉ ኣለዎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ መላገጽቲ: “ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ: ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና: ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ” በለ።—2 ጴጥሮስ 3:3-7

12 ነዚ ምስቲ ኖህን ስድራቤቱን ዝገበርዎ ምርጫ እሞ ኣነጻጽሮ። ኖህ “ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ።” ነቲ መጠንቀቕታ ብምቕላቡ: ንስድራቤቱ ድሕነት ኣምጸኣላ። (እብራውያን 11:7) እምበኣር: ንሕና መልእኽቲ ኣምላኽ ንምስማዕ ቅልጡፋት ንኹን: ብተኣዛዝነት ድማ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።—ያእቆብ 1:19, 22-25

13, 14. (ሀ) ‘ናብ የሆዋ ምልጋብ’ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ “ሰራሒና” ዝዀነ የሆዋ ንኪቐርጸና ኸነፍቅድ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

13 ናብ የሆዋ ንልገብ:- ‘ህይወት ንኽንሓርን ብህይወት ንኽንነብርን:’ ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ክንሰምዖን ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ናብ የሆዋ ኽንለግብ:’ ማለት ከይተሓለልና ፍቓዱ ኽንገብር እውን ኣሎና። የሱስ “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” በለ። (ሉቃስ 21:19) ከም ሓቂ ኣብዚ መዳይ እዚ እንገብሮ ምርጫ: ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዚገልጽ እዩ። ምሳሌ 28:14 “ኵሉ ጊዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ: ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ” ትብል። እቲ ናይ ጥንታዊት ግብጺ ፈርኦን: ሓደ ኻብቶም ልቦም ዘትረሩ እዩ ነይሩ። እቲ ዓሰርተ መዓት ኣብ ግብጺ ኣብ ዚወርደሉ እዋን: ፈርኦን ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜርኢ: ልቡ ኣትረረ። የሆዋ ንፈርኦን ዘይእዙዝ ኪኸውን ኣይኰነን ገዲድዎ: የግዳስ ነቲ ዕቡይ ገዛኢ ድሌቱ ኺመርጽ እዩ ሓዲግዎ። በዚ ዀነ በቲ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ: የሆዋ ንፈርኦን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ: ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኺውረ: ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ” ብምባል ዝገለጾ ፍቓዱ ተፈጺሙ እዩ።—ሮሜ 9:17

14 ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ትሕቲ ቝጽጽር ፈርኦን ሓራ ዝወጹሉ ሓያሎ ዘመናት ዚኸውን ጸኒሑ: ነብዪ ኢሳይያስ: “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኣቦና ኢኻ: ንሕና መሬት ኢና: ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ: ኵልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና” በለ። (ኢሳይያስ 64:8) የሆዋ ብናይ ብሕቲ መጽናዕትናን ኣወዓዕላ ቓሉን ኣቢሉ ኪቐርጸና ምስ እንፈቅድ: በብቝሩብ ሓድሽ ሰብ ኢና እንለብስ። ብዝያዳ ትሑታትን ተዓጸፍትን ንኸውን: እዚ ድማ ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ብሓቂ ስለ እንደሊ: ብተኣማንነት ንኽንለግቦ ዝቐለለ ይገብረልና።—ኤፌሶን 4:23, 24፣ ቈሎሴ 3:8-10

“ከተፍልጦም”

15. ብመሰረት ዘዳግም 4:9: ሙሴ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እንታይ ክልተ ሓላፍነታት እዩ ኣዘኻኺርዎም፧

15 ሙሴ ነቶም ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ቐሪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል: “ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረአዮ ነገር ከይትርስዖ: ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ: ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደኣ ኸተፍልጦም: ንርእስኻ ተጠንቀቕ: ነፍስኻ ሐሉ” በሎም። (ዘዳግም 4:9) እቶም ህዝቢ በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡን ኣብታ ዚወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ኺብልጽጉን: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኾም ክልተ ሓላፍነት ኪፍጽሙ ነበሮም። ነቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ኪርስዑ ኣይነበሮምን: ነዚ ድማ ንመጻኢ ወለዶታት ኪምህርዎም ነበሮም። ሎሚ ዘለና ህዝቢ ኣምላኽ ‘ህይወት ሓሪና ብህይወት ክንነብር’ እንተ ዄንና: ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። እሞ ደኣ የሆዋ ዝገበረልና እንታይ ነገራት ኢና በዒንትና ርኢና፧

16, 17. (ሀ) ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኪዓሙ ኽኢሎም፧ (ለ) ቅንኣቶም ብዘይምንካይ ዝመጸ ኣብነታት ዚዀኑ መነመን ትፈልጥ፧

16 የሆዋ ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮና ብኸመይ ከም ዝባረኾ ምርኣይና የሐጕሰና እዩ። እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1943 ካብ ዚኽፈት ኣትሒዙ: ሚስዮናውያን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኖም መሪሖምዎ እዮም። ቀዳሞት ምሩቓት እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ብዕድመ ዝደፍኡን ገሊኦም ብኣካላዊ ድኻም ዚሽገሩን እኳ እንተዀኑ: ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ቅንኣት ኣለዎም። እታ ብ1944 ካብ ጊልዓድ እተመረቐት ሜሪ ኦልሰን ነዚ ብዚምልከት ሰናይ ኣብነት እያ። ፈለማ ኣብ ኡራጋይ: ድሕሪኡ ኣብ ኮሎምብያ: ሕጂ ድማ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። እርጋን ዘምጸኣላ ኣካላዊ ጸገማት ዚቕይዳ እኳ እንተዀነ: ንስብከት ዘለዋ ውዕዉዕ ስምዒት ግን ኣየጥፍአትን። ስጳንኛ ስለ እትፈልጥ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ምስቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት እትኸደሉ መደብ ኣለዋ።

17 ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1947 እተመረቐት ሕጂ መበለት ኰይና ዘላ ናንሲ ፖርተር: ክሳዕ ሕጂ ኣብ ባሃማስ ተገልግል ኣላ። እዛ ሚስዮናዊት እዚኣ ብዕዮ ስብከት ዕዝዝቲ እያ። ሓብትና ፖርተር ኣብ ታሪኽ ህይወታ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ምምሃር ፍሉይ ሓጐስ የምጽኣለይ ኢዩ። እዚ መንፈሳዊ ልምዲ እዚ ድማ ንህይወተይ ትርጕም ንኽህልዋን ረጊአ ንኽነብርን ኣኽኢሉኒ ኢዩ” በለት። a ሓብትና ፖርተርን ካልኦት እሙናት ኣገልገልትን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኪጥምቱ ኸለዉ: ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ኣይርስዕዎን እዮም። ንሕናኸ ነቲ የሆዋ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ከባቢና ዝባረኸሉ መገዲ ብሞሳ ንርእዮ ዲና፧—መዝሙር 68:11

18. ታሪኽ ህይወት ሚስዮናውያን ብምንባብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

18 በቲ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፉ ብዝዓመምዎን ሕጂውን ዚዓምዎ ዘለዉን ንሕጐስ ኢና። የሆዋ ነዞም እሙናቱ ዝገበረሎም ክንርኢ ኸለና: ንየሆዋ ኸነገልግሎ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ስለ ዜደልድሎ: ታሪኽ ህይወተን ምንባብ ምንጪ ምትብባዕ ይዀነና። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚሕተም ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ታሪኻት ኣዘውቲርካ ተንብቦን ተስተንትነሉን ዲኻ፧

19. ክርስትያን ወለዲ ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኻት ህይወት ብኸመይ እዮም ብዚግባእ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ፧

19 ሙሴ ንእስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ኵሉ ነገራት ከይርስዑ: ብዅሉ መዓልትታት ህይወቶም ድማ ካብ ልቦም ከይወጽእ ኣዘኻኺርዎም ነይሩ። ድሕሪኡ: “ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደኣ ኸተፍልጦም” ብምባል ካልእ ስጕምቲ ወሰኸሎም። (ዘዳግም 4:9) ናይ ሓቂ ዛንታታት ኣጸቢቑ ዚስሕብ እዩ። ዚዓብዩ ዘለዉ ንኣሽቱ ሰናይ ኣብነታት የድልዮም እዩ። ንጽል ኣሓት ካብቲ ታሪኽ ህይወት እተን ብዕድመ ዝደፍኣ እሙናት ኣሓት ዝገደፋኦ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ኣብነት ትምህርቲ ኺረኽባ ይኽእላ እየን። ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዄንካ ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዞባ ምግልጋል: ንኣሕዋት ኰነ ንኣሓት ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ዕዙዛት ንምዃን ኣጋጣሚታቶም ዜስፍሕ እዩ። ኣቱም ክርስትያን ወለዲ: ነቲ ተመክሮታት እቶም ካብ ጊልዓድ እተመረቑ እሙናት ሚስዮናውያንን ካልኦትን ንደቅኹም ኣብ ህይወቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሓርዩ ዚድርኾም ንኪኸውን ንምንታይ ዘይትጥቀሙሉ፧

20. ‘ህይወት ንኽንሓሪ’ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

20 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ‘ህይወት ክንሓሪ’ እንኽእል፧ በቲ ዜደንቕ ውህበት ናይ ምምራጽ ናጽነት ተጠቒምና ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብምርኣይን ንሱ ኽሳዕ ዝፈቐደልና ብቐጻሊ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚከኣለና ዅሉ ብምግባርን እዩ። ከመይሲ: ከምቲ ሙሴ ዝበሎ: የሆዋ ‘ህይወትናን ምናሕ ዕድመናን እዩ።’—ዘዳግም 30:19, 20

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 1 ሰነ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-7 ዚርከብ “ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ሕጉስትን መማሰዊትን ኢየ” ዚብል ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ካብ ኣብነት እቶም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም እተፈላለየ ምርጫታት ዝገበሩ ህዝቢ እንታይ ተማሂርካ፧

• ‘ህይወት ንኽንሓሪ’ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

• እንታይ ክልተ ሓላፍነት ክንፍጽም ኢና እንተባባዕ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ እስሊ]

‘ህይወትን ሞትን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ’

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ እስሊ]

ቃል ኣምላኽ ምስማዕ: ንኖህን ንስድራቤቱን ድሕነት ኣምጸኣሎም

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ እስሊ]

ሜሪ ኦልሰን

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ እስሊ]

ናንሲ ፖርተር