ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ፈተናታት ኬጓንፈና ንጽበ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ፈተናታትን መስጐጕትን ተጻዊርና ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንኸነረጋግጽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ካብቲ ሓሙሽተ ጥርናፈ መጽሓፍ መዝሙር: እቲ ኻልኣይ ነዚ ሓገዝ እዚ ይህበና እዩ። ፈተና ብዓወት ከነሕልፎ እንተ ዄንና: ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ኺህልወና ኸም ዘለዎን ድሕነት ንምርካብ ንዕኡ ኽንጽበዮ ኽንለምድ ከም ዘሎናን ኣብ መዝሙር 42 ክሳዕ 72 ተገሊጹ ኣሎ። እዝስ ከመይ ዝበለ ጠቓሚ ትምህርቲ ዀን እዩ! እቲ ኻልኣይ መጽሓፍ መዝሙር ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ: ከምቲ ዝተረፈ ቓል ኣምላኽ: ሕጂውን እንተዀነ ብርግጽ “ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

የሆዋ ንዓና “መዕቈብን ሓይልን” እዩ

(መዝሙር 42:1–50:23)

ሓደ ሌዋዊ ኻብ ዓዱ ርሒቑ ነበረ። ንኼምልኽ ኢሉ ናብ መቕደስ የሆዋ ኪኸይድ ብዘይምኽኣሉ እናሓዘነ: “ነፍሰየ: ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፧ . . . ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ” ኢሉ ንርእሱ ኣደዓዓሰ። (መዝሙር 42:5, 11፣ 43:5) እዚ ብተደጋጋሚ ዚርከብ ሓሳባት እዚ ነቲ ኣብ መዝሙር 42, 43 ዚርከብ ሰለስተ ቤት ኣብ ሓደ ግጥሚ የተሓሕዞ። መዝሙር 44 ምእንቲ ይሁዳ ዝቐረበ ለመና እያ። እታ ሃገር ኣብ ጸበባ ምንባራ ተሓቢሩ ኣሎ: እዚ ዝዀነ ኸኣ ምናልባት ብግዜ ንጉስ ህዝቅያስ ኣሶራውያን ኪወሩ ኣብ ዝመጹሉ እዋን እዩ።

መዝሙር 45 ብዛዕባ ንጉሳዊ መርዓ እትገልጽ መዝሙር ኰይና: ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ንጉስ እትገልጽ ትንቢት እያ። እተን ዚቕጽላ ሰለስተ መዝሙራት ንየሆዋ ኸም “መዕቈብን ሓይልን:” “ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ:” ከምኡውን ከም “እምባ” ገይረን ይገልጻኦ። (መዝሙር 46:1፣ 47:2፣ 48:3) መዝሙር 49 “ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ” ኸም ዘየልቦ ጽቡቕ ገይራ ትገልጽ። (መዝሙር 49:7) እተን ኣብቲ ኻልኣይ ጥርናፈ ዚርከባ ናይ መጀመርታ ሸሞንተ መዝሙራት: ደቂ ቆራህ ከም ዝጸሓፍወን እየን ተገሊጸን። እታ ታሽዐይቲ መዝሙር: ማለት መዝሙር 50 ኣሳፍ ዘቀናበራ እያ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

44:19—እቲ “ቦታ ገበላት” እንታይ እዩ ነይሩ፧ እታ “ገበላት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ጋውሕታታት” (ንተዅላ ዚመስሉ ዓይነት እንስሳ) ንእትብል እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምናልባት ነቲ እቶም ቅቱላት: ምግቢ ጋውሕታታት ዚዀኑሉ ዓውዲ ውግእ ይሕብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ትርጕም 1990 ርአ።

45:13, 14ሀ—እታ “ናብ ንጉስ ኬእትውዋ” እተባህለላ “ጓል ንጉስ” መን እያ፧ ጓል እቲ “ንጉሥ ዘለዓለም” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እያ። (ራእይ 15:3 ትርጕም 1990) ነቶም የሆዋ ብመንፈሱ ብምቕባእ ከም ውሉዱ ገይሩ እተቐበሎም ክብሪ ዝዓሰሎም ጉባኤ 144,000 ክርስትያናት እተመልክት እያ። (ሮሜ 8:16) እዛ “ጓል” የሆዋ እዚኣ: “ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ:” ናብቲ መርዓዊ ዝዀነ መሲሓዊ ንጉስ ትኣቱ።—ራእይ 21:2

45:14ለ, 15—እተን “ደናግል” ንመን የመልክታ፧ እዚኣተን ነቶም ንቕቡኣት ተረፍ ዚሓብርዎምን ዚድግፍዎምን “ብዙሓት ሰብ” የመልክታ። እዚኣቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ” ስለ ዝዀኑ: እቲ መርዓ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ሰማይ ኪዛዘም ከሎ: ኣብ ምድሪ እዮም ዚጸንሑ። (ራእይ 7:9, 13, 14) ኣብቲ ግዜ እቲ “ብሓጐስን እልልታን” ኪምልኡ እዮም።

45:16—ውሉድ ኣብ ኣቦታት ንጉስ ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ምስ ተወልደ: ምድራውያን ኣቦታት ወይ ኣባሓጎታት ነይሮምዎ እዮም። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ካብ ሞት ምስ ኣተንስኦም: ውሉዳቱ ኪዀኑ እዮም። ገለ ኻባታቶም “ኣብ ብዘላ ምድሪ . . . መሳፍንቲ” ዀይኖም ኪሽየሙ እዮም።

50:2—የሩሳሌም “እታ ፍጻሜ መልክዕ” ተባሂላ እተጸውዐት ስለምንታይ እያ፧ ከምዚ እተባህለት ብትርኢታ ኣይኰነትን። የግዳስ: የሆዋ ይጥቀመላ ብምንባሩ: ከምኡውን ቤተ መቕደሱን ርእሲ ኸተማ እቶም ንሱ ዝቐብኦም ነገስታትን ብምግባር ግርማ ስለ ዘልበሳ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

42:1-3 ከምቲ ኣብ ኣጻምእ እትርከብ እራብ ማይ እትናፍቕ: እቲ ሌዋዊ ንየሆዋ ናፈቐ። እቲ ሰብኣይ ንየሆዋ ኣብ መቕደሱ ኼምልኾ ብዘይምኽኣሉ እተሰምዖ ጓሂ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ‘ለይትን መዓልትን ንብዓቱ ተቐለበ:’ እወ: ሸውሃቱ ተዓጽወ። ንሕናኸ ነቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብሓባር ኴንና እንገብሮ ኣምልኾ የሆዋ: ዓሚቝ ሞሳ ኸነማዕብልዶ ኣይግባእን፧

42:4, 5, 11፣ 43:3-5 ክንቈጻጸሮ ብዘይንኽእል ምኽንያት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንግዜኡ እንተ ተፈሊና: እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ሕብረት ዝፈጠረልና ተዘክሮ: ኬጽንዓና ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ፈለማ ንጽምዋና ዜጋድዶ እኳ እንተዀነ: የሆዋ መዕቈቢና ምዃኑን እፎይታ ንምርካብ ንዕኡ ተስፋ ኽንገብር ወይ ክንጽበ ኸም ዘሎናን እውን የዘኻኽረና እዩ።

46:1-3 ዝዀነ ይኹን መከራ የጋጥመና ብዘየገድስ: “ኣምላኽ ንዓና መዕቈብን ሓይልን” ምዃኑ ነቕ ዘይብል እምንቶ ኺህልወና ኣለዎ።

50:16-19 ዜታልል ዘረባ ዚዛረብን ክፉእ ነገራት ዚገብርን ተወካሊ ኣምላኽ ኪኸውን መሰል የብሉን።

50:20 ጕድለት ካልኦት ብሃንቀውታ ኣብ ክንዲ እንዘራረበሉ: ዕሽሽ ክንብሎ ኣሎና።—ቈሎሴ 3:13

“ነፍሰየ: ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ”

(መዝሙር 51:1–71:24)

እዘን ጕጅለ መዝሙራት እዚኣተን በቲ ዳዊት ድሕሪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ ልቡ ዝጸለዮ ጸሎት እየን ዚጅምራ። መዝሙር 52 ክሳዕ 75 የሆዋ ነቶም ጾሮም ናብኡ ዚድርብይዎን ድሕነት ካብኡ ዚጽበዩን ከም ዜድሕኖም ይገልጻ። ኣብ መዝሙር 58-64 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ዳዊት ኣብ ኵሉ እቲ ጸበባኡ ንየሆዋ ዕቝባኡ ገይርዎ እዩ። “ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ: ነፍሰየ: ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ” ኢሉ ድማ ዘመረ።—መዝሙር 62:5

ምስቲ መድሓኒና ዘሎና ናይ ማሕርሮ ርክብ: ‘ንኽብሪ ስሙ ንኽንዝምር’ ኪድርኸና ኣለዎ። (መዝሙር 66:2) የሆዋ ኣብ መዝሙር 65 ከም ለጋሲ ወሃቢ: ኣብ መዝሙር 67, 68 ከም ናይ ምድሓን ኣምላኽ: ኣብ መዝሙር 70, 71 ከኣ ከም መናገፊ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

51:12—ዳዊት ብናይ መን “ፍቓደኛ መንፈስ” እዩ ኺድገፍ ሓቲቱ፧ እዚ ነቲ ኣምላኽ ንዳዊት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ፍቓደኛነት ኰነ ንመንፈስ ቅዱስ የሆዋ ዜመልክት ዘይኰነስ: ንመንፈስ ወይ ንኣእምሮኣዊ ዝንባለ ዳዊት ዜመልክት እዩ። ንኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ባህጊ ኼሕድረሉ እዩ ዚሓቶ ነይሩ፧

53:1—ኣምላኽ የልቦን ዚብል ሰብ “ዓሻ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ዕሽነት ኪበሃል ከሎ: ኣእምሮኣዊ ጕድለት ኣይኰነን ዜመልክት። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብስነ-ምግባር ዓሻ ምዃኑ: ካብቲ ኣብ መዝሙር 53:1-4 ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ክንርኢ ንኽእል ኢና።

58:3-5—ረሲኣን ከም ተመን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዚዛረብዎ ሓሶት ከም ሕንዚ ተመን እዩ። ነቲ ጽቡቕ ስም ግዳያቶም ይምርዝዎ። ረሲኣን “ከምቲ . . . ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን:” ንዚወሃቦም መምርሒ ወይ መአረምታ ኣይሰምዑን እዮም።

58:7—ረሲኣን ‘ከም ዚኵዖ ማይ ዚከዓዉ’ ብኸመይ እዮም፧ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዝነበረ ወሓዝቲ ማያት እዩ ዚሓስብ ነይሩ ዚኸውን። ሓያል ዝናም ኣብ ዚወቕዓሉ እዋን: ነቲ ኣብ ስንጭሮታት ዚርከብ ወሓዝቲ ዚመልኦ እኳ እንተዀነ: እዚ ማያት እዚ ግን ቀልጢፉ እዩ ዚነጽፍ። ዳዊት: እቶም ረሲኣን ብፍጥነት ኪጠፍኡ እዩ ዚጽሊ ነይሩ።

68:13—“ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር: ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ” ብኸመይ እዩ፧ ገሊአን ሓሙዅሽታይ ሰማያዊ ዝሕብረን ረገቢት: ክንቲተን ቀስተ-ደመናዊ ሕብሪ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ዕራርቦ ዘሎ ብርሃን ጸሓይ: ነቲ ኽንቲተን ዜብለጭልጭ እዩ ዚገብሮ። ዳዊት ምናልባት ነቶም ብዓወት ካብ ኲናት ዚምለሱ ተዋጋእቲ እስራኤል: ምስ ሓንቲ ሓያል ዝኽንፋን ድምቕቲ ዝትርኢታን ርግቢ እዩ ዜወዳድሮም ነይሩ። ገሊኦም ምሁራት ከም ዝበልዎ: እቲ መግለጺ ንሓደ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ: ማለት ኣብ ምርኮ እተረኽበ ስልማት ኬመልክት ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ: ዳዊት ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዝሃቦም ዓወት እዩ ዚእምት ነይሩ።

68:18—እቶም ‘ውህበት ሰብ’ መን እዮም ነይሮም፧ እዚኣቶም ካብቶም ነታ ምድሪ ተስፋ ኺወርዋ ኸለዉ እተማረኹ ሰብኡት እዮም ነይሮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ድሕሪ ግዜ ንሌዋውያን ኣብ ዕዮኦም ኪሕግዝዎም ተመደቡ።—እዝራ 8:20

68:30—እቲ ‘ኣራዊት ሰልሰላ ኺግሰጹ’ ዝቐረበ ለመና እንታይ ማለት እዩ፧ ዳዊት ብዛዕባ እቶም ጸላእቲ ህዝቢ የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ኣራዊት ገይሩ ብምዝራብ: ኣምላኽ ኪግስጾም: ነቲ ጕድኣት ንኼውርዱ ዘለዎ ሓይሎም ኪቈጻጸሮ እዩ ዚሓቶ ነይሩ።

69:23—‘ሓቛቝ ጸላእቲ ኸም ዜንቀጥቅጥ’ ምግባር እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ እቲ ኣብ ከባቢ ሕቘ ዚርከብ ጭዋዳታት: ከቢድ ጾር ንምልዓልን ንምስካምን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ዚሓትት ዕዮ ንምዕያይን ግድን የድሊ እዩ። ምንቅጥቃጥ ሓቛቝ: ሓይሊ ዘይምህላው የመልክት። ዳዊት: እቶም ጸላእቱ ሓይሎም ኪጽንቀቕ እዩ ጸልዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

51:1-4, 17 ሓጢኣት ምፍጻምና ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ኬርሕቐና የብሉን። እንተ ተነሲሕና: ከም ዚምሕረና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

51:5, 7-10 እንተ ሓጢእና: የሆዋ ነቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኣብ ግምት ብምእታው ይቕረ ኺብለና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ: ንኼጽርየና: ናብ ቀደምና ንኺመልሰና: ካብ ልብና ሓጥእ ዝንባለታት ንኼወግድ: ከምኡውን ጽኑዕ መንፈስ ንኺህበና ናብኡ ኽንጽሊ ኣሎና።

51:18 ሓጢኣት ዳዊት ንብምልእታ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእተዋ። ስለዚ: ዳዊት: ኣምላኽ ንጽዮን ሰናይ ኪገብረላ ጸለየ። ከቢድ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስም የሆዋን ኣብ ጉባኤን ጸርፊ የምጽእ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ንሕና ዝገበርናዮ ጕድኣት ኬዐርዮ ኽንጽሊ የድሊ።

52:8 ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮን ነቲ ዚህበና ተግሳጽ ብፍታው እንተ ተቐቢልናን: “ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ:” ማለት ንኣምላኽ ቀረባኡ: ኣብ ኣገልግሎት ድማ ኣፍረይቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና።

55:4, 5, 12-14, 16-18 እቲ ኣቤሴሎም ወዱ ዝፈሓሰሉ ውዲትን እቲ እሙን ኣማኻሪኡ ዝነበረ ኣሒቶፌል ዝፈጸሞ ኽድዓትን: ንዳዊት ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ ኣስዓበሉ። ይኹን እምበር: እዚ ነቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ምትእምማን ኣይነከዮን። ስምዒታዊ መጕዳእቲ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ ኼዳኽሞ ኸነፍቅድ የብልናን።

55:22 ብኸመይ ኢና ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርቢ እንኽእል፧ (1) ነቲ ዜተሓሳስበና ነገር ንዕኡ ብጸሎት ብምንጋር: (2) መምርሕን ደገፍን ንምርካብ ናብ ቃሉን ማሕበሩን ብምምልካት: (3) ነቲ ዅነታት ንምቅላል ዚከኣለና ዘበለ ብምግባር ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል።—ምሳሌ 3:5, 6፣ 11:14፣ 15:22፣ ፊልጲ 4:6, 7

56:8 የሆዋ ዅነታትና ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ዅነታት ዜሕድሮ ስምዒታዊ ጽልዋ እውን ይፈልጦ እዩ።

62:11 ኣምላኽ ኣብ ደጋዊ ምንጪ ሓይሊ ኺምርኰስ ኣየድልዮን እዩ። ንሱ ምንጪ ሓይሊ እዩ። ‘ስልጣን [ሓይሊ] ናይ ኣምላኽ እዩ።’

63:3 ብዘይ ሳህሊ: ህይወት ትርጕምን ዕላማን ዘይብላ ስለ እትኸውን: ‘ለውሃት [ሳህሊ] ኣምላኽ ካብ ህይወት ይበልጽ።’ ምስ የሆዋ ዕርክነት ምስ እነማዕብል ጥበባዊ እዩ።

63:6 ለይቲ ጸጥታ ዝሰፈኖን ሓሳብካ ዚሰርቕ ዘይብሉን ብምዃኑ: ንምስትንታን ብሉጽ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

64:2-4 ሕሜት ንጽቡቕ ስም ንጹህ ሰብ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሜት ክንሰምዕ ኰነ ኸነውሪ የብልናን።

69:4 ጌጋ ኸም ዝገበርና እኳ እንተ ዘይኣመንና: ሓድሓደ ግዜ ግን ብሰላም ንምንባር ኢልና ይቕረታ ብምሕታት ‘ዘይከተርናዮ ምምላስ’ ጥበባዊ እዩ።

70:1-5 የሆዋ ነቲ ሓገዝ ደሊና እንገብሮ ህጹጽ ለመና ይሰምዖ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:17፣ ያእቆብ 1:13፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) ኣምላኽ ፈተና ንኪቕጽል ኪፈቅድ ይኽእል እዩ: ኰይኑ ግን ነቲ ዅነታት ንኽንዋጽኣሉ ጥበብ: ንኽንጻወሮ ድማ ብርታዐ ይህበና እዩ። ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ኣይሓድገናን እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:13፣ እብራውያን 10:36፣ ያእቆብ 1:5-8

71:5, 17 ዳዊት ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ: ቅድሚ ምስቲ ዓርሞሸሽ ጎልያድ ፍልስጥኤማዊ ምግጣሙ እውን ከይተረፈ: ንየሆዋ እምንቶኡ ብምግባር ትብዓትን ብርታዐን ኣማዕቢሉ እዩ። (1 ሳሙኤል 17:34-37) ንኣሽቱ ኣብ ዚገብርዎ ዅሉ ኣብ የሆዋ ኺጽግዑ ኣለዎም።

“ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ”

እታ ኣብቲ ኻልኣይ ጥርናፈ እትርከብ ናይ መወዳእታ መዝሙር: ማለት መዝሙር 72: ነቲ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ግዝኣት ዚህሉ ዅነታት ዜመልክት ግዝኣት ሰሎሞን እያ እትገልጽ። ኣብኣ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዩ ተገሊጹ ዘሎ! ብዙሕ ሰላም ከም ዚህሉ: ጭቈናን ዓመጻን መወዳእታ ኸም ዚግበረሉ: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽሊ ኸም ዚህሉ ተገሊጹ ኣሎ። እሞኸ ንሕና ኻብቶም ነዚ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽቡ ሰባት ክንከውን ዲና፧ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ መዕቈቢናን ሓይልናን ብምግባር ንኽንጽበዮ ዕጉባት እንተ ዄንና: እወ ክንከውን ኢና።

“ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ” በዘን “እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ: እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ: ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን: ኣሜን” ዚብላ ቓላት “ተፈጸመ።” (መዝሙር 72:18-20) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ንባርኮ: ነቲ ኽቡር ስሙ እውን ንወድሶ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እታ “ጓል ንጉስ” ንመን ከም እተመልክት ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሩሳሌም “እታ ፍጻሜ መልክዕ” ተባሂላ እተጸውዐት ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧