ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንኒቆዲሞስ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ: ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” ኪብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧—ዮሃንስ 3:13 a

የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ምድሪ እዩ ነይሩ: ገና ድማ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ የሱስ እንፈልጦ ነገር ከምኡውን ኣብ ከባቢ እቲ እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ሓሳባት ነዚ ነጥቢ ንምርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሱስ ካብቲ ምስ ኣቦኡ ዚነብረሉ ዝነበረ መንፈሳዊ ዓለም ዝዀነ ‘ሰማይ እዩ ወሪዱ:’ እቲ ምዱብ ግዜኡ ምስ በጽሐ ድማ ህይወቱ ናብ ማሕጸን ማርያም ከም እትሓልፍ ተገብረ፣ ሰብ ኰይኑ ኸኣ ተወልደ። (ሉቃስ 1:30-35፣ ገላትያ 4:4፣ እብራውያን 2:9, 14, 17) ድሕሪ ሞቱ: መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ስለ ዝተንስአ: ምስ የሆዋ ንኪኸውን ተመልሰ። ስለዚ ድማ እዩ ቐቅድሚ ሞቱ: “ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ” ኢሉ ኺጽሊ ዝኸኣለ።—ዮሃንስ 17:5፣ ሮሜ 6:4, 9፣ እብራውያን 9:24፣ 1 ጴጥሮስ 3:18

የሱስ ነቲ ፈሪሳውን ኣብ እስራኤል መምህርን ዝነበረ ኒቆዲሞስ ኪዛረቦ ኸሎ: ገና ናብ ሰማይ ኣይተመልሰን ነይሩ። ሓቂ እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኻልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሞይቱ ናብዚ መንፈሳዊ ዓለም ዝዀነ ሰማይ ዝዓረገ ኣይነበረን። የሱስ ባዕሉ: ዮሃንስ መጥምቕ ከም ነብዪ ኣምላኽ መጠን ዚመዓራረዮ ኸም ዘይብሉ ሓበረ: “ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።” (ማቴዎስ 11:11) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ሞይቱ ገና ኣብ መቓብር ከም ዘሎ ገለጸ፣ እወ: ዳዊት ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:29, 34) ዳዊትን ዮሃንስ መጥምቕን ካልኦት ቅድሚ የሱስ ዝሞቱ ሰብ እምነትን ናብ ሰማይ ዘይከዱሉ ምኽንያት ነበሮም። የሱስ ንደቅሰብ ተንሲኦም ሰማያዊ ህይወት ንኺረኽቡ መገዲ ወይ ኣጋጣሚ ቕድሚ ምኽፋቱ ስለ ዝሞቱ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ከም መራሒ ዀይኑ ናብ ሰማይ ‘ሓድሽን ህያውን መገዲ ኸም ዝቐደሰ [‘ዝኸፈተ:’ ትርጕም 1990]’ ጸሓፈ።—እብራውያን 6:19, 20፣ 9:24፣ 10:19, 20

የሱስ ሞይቱ ዘይተንስአ ኽነሱ: ንኒቆዲሞስ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ: ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” ኪብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ዮሃንስ 3:13) ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ወይ እቲ የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ዚመያየጠሉ ዝነበረ ሓሳባት እስከ ርአ።

እዚ ኣይሁዳዊ ኣመሓዳሪ: ጸልማት ጕልባብ ገይሩ ናብኡ ምስ መጸ: የሱስ: “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ” በሎ። (ዮሃንስ 3:3 ትርጕም 1990) ኒቆዲሞስ ድማ ‘እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ንሰብከ መሊሱ ኺውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧’ ኢሉ ሓተተ። እዚ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምእታው ዚገልጽ ኣምላኻዊ ትምህርቲ ኺርድኦ ኣይከኣለን። ብዛዕባ እዚ ኺመሃረሉ ዚኽእለሉ መገዲ ይህሉ ደኾን ይኸውን፧ ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ፣ ኣብ ሰማይ ዚነብር ዝነበረ ሰብ ስለ ዘየለ: ብዛዕባ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ኪገልጸሉ ዚኽእል የለን። የሱስ ጥራይ እዩ ነዚ ኺነግሮ ዚኽእል ነይሩ። ንኒቆዲሞስ ይኹን ንኻልኦት ሰባት ኪምህሮም ይኽእል ነበረ፣ ከመይሲ: ካብ ሰማይ ስለ ዝወረደ: ንሰባት ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኺምህሮም ብቑዕ እዩ ነይሩ።

እታ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ዘላ ሕቶ ብዛዕባ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ሓደ ጠቓሚ ነጥቢ እያ እተብርህ። ሓደ ጥቕሲ ንምርዳኡ ኸቢድ ስለ ዚመስል: ብእኡ ኽንዕንቀፍ ርትዓዊ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ቦታ ዚብሎ ብሓገዝ እቲ ኣብ ካልእ ቦታ ዚብሎ ጌርካ ምምርማር ኣድላዪ እዩ። ብተወሳኺውን: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ ጥቕሲ ዚርከብ ሓሳባት: ማለት እቲ ዅነታት ወይ እቲ ዚግበር ዘሎ ምይይጥ: ናይ ኣጸጋሚ ጥቕሲ ርትዓውን ስነ-መጎታውን ትርጕም ንኽንረክብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ኣብ ገሊኡ ትርጕማት እትርከብ “ኣብ ሰማይውን ዘሎ” እትብል ሓረግ: ኣብቲ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽ ኣይትርከብን እያ።