ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘መዘኻኸሪታትካ ባህታይ እዩ’

‘መዘኻኸሪታትካ ባህታይ እዩ’

‘መዘኻኸሪታትካ ባህታይ እዩ’

“እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” —ሮሜ 15:4

1. የሆዋ ብኸመይ እዩ መዘኻኸሪታት ዚህበና፧ ስለምንታይከ እዩ መዘኻኸሪታት ዜድልየና፧

 የሆዋ ንህዝቡ ነቲ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዘሎ ጸቕጥታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ መዘኻኸሪታት ይህቦም እዩ። ገለ ኻብዚ መዘኻኸሪታት እዚ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ክንረኽቦ ኸለና: ገሊኡ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዚወሃብ ትምህርቲ ወይ ሓሳባት ኣቢልና ኢና እንረኽቦ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እነንብቦ ወይ እንሰምዖ ነገራት ንዓና ሓድሽ ኣይኰነን። ቅድሚኡ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ረኺብና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ስለ እንርስዕ ግን: ንዕላማታትን ሕግታትን መምርሒታትን የሆዋ ኽንዘኻኸር ኣሎና። ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኸነማስወሉ ኣሎና። ከመይሲ: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ መገዲ ህይወት ንኽንመላለስ ዚድርኸና ምኽንያታት ንኸነተኵረሉ ብምሕጋዝ: ንመንፈስና የሐድሶ እዩ። ስለዚ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ: NW] ድማ ባህታይ . . . እዮም” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 119:24

2, 3. (ሀ) የሆዋ ታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ክሳዕ ግዜና ዝዓቀቦ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻባት ኢና እንምርምር፧

2 ቃል ኣምላኽ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት እኳ እንተ ተጻሕፈ: ሓያል እዩ። (እብራውያን 4:12) ብዛዕባ ህይወት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ናይ ሓቂ ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን ኣትሒዙ ባህርያትን ኣረኣእያታትን እኳ ብዙሕ እንተ ተቐየረ: እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ጸገማት ዚመሳሰል እዩ። ንጥቕምና ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበልና ሓያሎ ዛንታታት: ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ክነሶም ንየሆዋ ዘፍቀሩን ብተኣማንነት ዘገልገልዎን ሰባት ልቢ ዚትንክፍ ኣብነታት ይገልጽ። ኣብ ካልእ ጸብጻባት ከኣ እቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ዓይነት ኣካይዳ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንዅሉ እዚ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ታሪኽ ሰባት: መዘኻኸሪ ኪዀነና ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገበረ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

3 እምበኣር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዚርከብ ሰለስተ ጸብጻባት ነተኵር። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ ሳኦል ኣብ ዝነበሮ ርክብ: ብዛዕባ ሃናንያን ሰጲራን: ከምኡውን ብዛዕባ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ጶጢፋር ዘርኣዮ ኣካይዳ ዚገልጽ ጸብጻባት እዩ። ነፍሲ ወከፍ እዚ ጸብጻብ እዚ ጠቓሚ ትምህርቲ ይምህረና እዩ።

ንስርዓት ኣምላኽ እሙን ምዃን

4, 5. (ሀ) ኣብ መንጎ ንጉስ ሳኦልን ዳዊትን ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ነበረ፧ (ለ) ዳዊት ንጽልኢ ሳኦል ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧

4 ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ እሙን ኣይነበረን: ንህዝቢ የሆዋ ንኺገዝእ ድማ ብቕዓት ኣይነበሮን። ስለዚ: ኣምላኽ ነጸጎ: ንነብዪ ሳሙኤል ከኣ ንዳዊት ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ንኪኸውን ኪቐብኦ መምርሒ ሃቦ። ዳዊት ክኢላ ተዋጋኢ ምዃኑ ምስ ኣርኣየን ካብ ሰባት ናእዳ ምስ ረኸበን: ሳኦል ንዳዊት ከም መቀናቕንቱ ገይሩ ኺርእዮ ጀመረ። ብኡንብኡ ድማ ኪቐትሎ ደለየ። የሆዋ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ: ዳዊት ኣብ ኵሉ እቲ ኣጋጣሚታት እቲ ኣምለጠ።—1 ሳሙኤል 18:6-12, 25፣ 19:10, 11

5 ዳዊት ንሓያሎ ዓመታት እናተሃድነ ኺነብር ጀመረ። ንሳኦል ኪቐትሎ ኣጋጣሚታት ምስ ረኸበ: እቶም ብጾቱ: የሆዋ ንጸላኢኡ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ ብምዝራብ ኪቐትሎ ደፋፍእዎ። ዳዊት ግን ኣበየ። ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነትን ነቲ ሳኦል ከም ቅቡእ ንጉስ ህዝቢ ኣምላኽ እተዋህቦ ቦታ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ከምኡ ንኺገብር ደረኾ። ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ዝቐብኦ የሆዋ ደይኰነን፧ እምበኣር: ግዜኡ ምስ ኣኸለ የሆዋ ኼልግሶ እዩ። ዳዊት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ ተረድአ። ነቲ ሳኦል ንዕኡ ዝነበሮ ምጽራር ንኼለምልም ዚከኣሎ ዅሉ ድሕሪ ምግባሩ: “እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ: ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ። ኢደይ ኣብ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ኢሉ ደምደመ።—1 ሳሙኤል 24:4-16፣ 26:7-20

6. ዛንታ ዳዊትን ሳኦልን ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

6 እዚ ጸብጻብ እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገሊኡ ጸገማት ስለምንታይ ከም ዚለዓል ንርእስኻ ዝሓተትካሉ እዋንዶ ኣሎ፧ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዘይግቡእ ነገር ብምግባሩ: እዚ ሕቶ ኣበጊሱልካ ኪኸውን ይኽእል። እቲ ዝገበሮ ኸቢድ ኣበሳ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንዓኻ ግን ይርብሸካ። እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ነቲ ሰብ ካብ ዘሎካ ሓልዮትን ንየሆዋ ኻብ ዘሎካ ተኣማንነትን ተበጊስካ: ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ብሕያውነት ከተዘራርቦ ትውስን ትኸውን። እቲ ጸገም እንተ ቐጺሉኸ፧ ዚከኣለካ ዅሉ ምስ ገበርካ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኽትገድፎ ትደሊ ትኸውን። ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ።

7. ግፍዒ ወይ ጽልኢ እንተ ኣጋጢሙና: ኣብነት ዳዊት ብምስዓብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ወይ ከኣ ምስ ማሕበራዊ ግፍዒ ወይ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ዚተሓሓዝ ጸገማት የጋጥመካ ይኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ነገር ንምዕራይ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ኣይትኽእልን ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንምጻሩ ኣዝዩ ዜጸግም እዩ: ዳዊት ንግፍዒ ምላሽ ዝሃበሉ መገዲ ግን ሓደ ትምህርቲ ይምህረና እዩ። እቲ ዳዊት ዝጸሓፎ መዝሙራት: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ካብ ኢድ ሳኦል ኬድሕኖ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት ዚገልጽ ልብኻ ዚበልዕ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነትን ስም ኣምላኽ ንኪኽበር ዘለዎ ሓሳብን እውን ዚገልጽ እዩ ነይሩ። (መዝሙር 18:1-6, 25-27, 30-32, 48-50፣ 57:1-11) ሳኦል ንሓያሎ ዓመታት ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ: ዳዊት ግን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ቐጸለ። ንሕናውን ዜጋጥመና ግፍዒ ዀነ ኻልኦት ዚገብሩና ብዘየገድስ: ንየሆዋን ንማሕበሩን እሙናት ኴንና ኽንቅጽል ኣሎና። የሆዋ ነቲ ዅነታት ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 86:2

8. ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ምስ ተፈተነ እንታይ እዮም ገይሮም፧

8 ኣብዚ ግዜና ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብሩ ክርስትያናት: ብግዜ ፈተና ንየሆዋ ብተኣማንነት ጠቢቖም ብምስዓብ ዝመጸ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ብ1984 ዕጡቓት ኣባላት ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ነቲ እቶም ክርስትያናት ዝነበርዎ ኣቝሻት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምፍናው: ይዝርፉን ኣባይቲ የንድዱን ይቐትሉን ነበሩ። እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ርእሶም ንምክልኻል ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብዙሕ ኣይነበረን። እቶም ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ነቲ ምንቅስቓስ ብወተሃደራዊ ወይ ብኻልእ መገዲ ኺድግፉ ተገደዱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምዚ ምግባር ምስቲ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ዚጋጮ ገይሮም ወሰድዎ። ነዚ ነገራት እዚ ምእባዮም ድማ ቍጥዓ ኣለዓዓለ። ኣብቲ እዋን ሁከት 30 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞቱ: እንተዀነ ግን ሞት እውን እንተዀነ ንተኣማንነት ህዝቢ የሆዋ ኣየፍረሶን። a ከም ዳዊት ግፍዒ እኳ እንተ ወረዶም: ኣብ መወዳእታኡ ግን ዕዉታት ኰኑ።

ንመጠንቀቕታ ዚኸውን መዘኻኸሪ

9, 10. (ሀ) ካብ ገሊኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ (ለ) ሃናንያን ሰጲራን ዝገበርዎ ተግባር እንታይ ጌጋ ነበሮ፧

9 ገሊኦም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሱ ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ እቲ ኺውገድ ዘለዎ ኣካይዳ ንመጠንቀቕታ ዚኸውን መዘኻኸሪ ይዀኑና እዮም። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለዩ ሰባት: እንተላይ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገበርዎ ጌጋን ዝዓጸድዎ ሳዕቤንን ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ሓደ ኻብዚ ጸብጻባት እዚ ብዛዕባ እቶም ሃናንያን ሰጲራን ዚበሃሉ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ዚገልጽ እዩ።

10 ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ነቶም ምስ ሃዋርያት ካብ ዚህሉ ሕብረት ኪጥቀሙ ዝደለዩ ኣብ የሩሳሌም ንዝነውሐ ግዜ ዝጸንሑ ሓደስቲ ኣመንቲ ብስጋ ደገፍ ምግባር ኣድለየ። ገለ ኣባላት እታ ጉባኤ ዋላ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸይሽገር ኢሎም ጥሪቶም ሸጡ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41-45) ሃናንያን ሰጲራን ግራቶም ሸይጦም ፍርቁ ናብቶም ሃዋርያት ኣምጽእዎ: እቲ ዝሃብዎ ውህበት ከኣ ንዅሉ ሸይጦም ዘምጽእዎ ኣምሲሎም ገለጹ። ልክዕ እዩ: ሃናንያን ሰጲራን ዝደለይዎ መጠን ኪህቡ መሰሎም እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ውሽጣዊ ድራኸኦም ክፉእ: ተግባራቶም ድማ ዜታልል እዩ ነይሩ። ብኻልኦት ኪድነቑ ደለዩ: ካብቲ ብሓቂ ዝገበርዎ ንላዕሊ ዚገብሩ ዘለዉ ድማ ኣምሰሉ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ነቲ ምትላሎምን ግብዝናኦምን ኣቃልዖ: የሆዋ ድማ ቀዘፎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:1-10

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን እንታይ መዘኻኸሪታት እዩ ተዋሂቡና፧ (ለ) ሓቀኛ ብምዃን እንታይ ረብሓታት ይርከብ፧

11 ንሰባት ብዛዕባና ጽቡቕ ምእንቲ ኺሓስቡ ኢልና ሓቂ ኽንጠዊ እንተ ተፈቲንና: ዛንታ ሃናንያን ሰጲራን ከም መዘኻኸሪ ይዅነና። ንሰባት ከነታልል ንኽእል ንኸውን: ንየሆዋ ኸነዐሽዎ ግን ኣይንኽእልን ኢና። (እብራውያን 4:13) ሓሰውቲ ኣብታ ኻብ እከይ እትጸሪ ምድሪ ቦታ ስለ ዘይህልዎም: ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓድሕድና ብሓቅነት ክንመላለስ ይምሕጸነና። (ምሳሌ 14:2፣ ራእይ 21:8፣ 22:15) ከምዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ ንጹር እዩ። ንዅሉ ሓሶት ከም ዜስፋሕፍሕ ዚገብር: ሰይጣን ድያብሎስ ደኣ እምበር ካልእ ኣይኰነን።—ዮሃንስ 8:44

12 ብሓቅነት ምምልላስና: ብዙሕ ረብሓታት የምጽእ። ገለ ኻብኡ ንጹህ ሕልና ምህላውን ብኻልኦት እትእመን ብምዃንካ ዚመጽእ ዕግበትን እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት: ክርስትያናት ሓቀኛታት ብምዃኖም ስራሕ ረኺቦም ወይ ካልኦት ካብ ስራሕ ኪወጹ ኸለዉ ንሳቶም ግን ከይወጹ ተሪፎም እዮም። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጥቕሚ ግን: ሓቅነት ዓርኪ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክንከውን ዜኽእለና ምዃኑ እዩ።—መዝሙር 15:1, 2

ንጽህና ምሕላው

13. ንዮሴፍ እንታይ ኵነታት እዩ ዘጋጠሞ፧ ንሱኸ እንታይ ገበረ፧

13 ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ: ወዲ 17 ዓመት ከሎ ንባርነት ተሸጠ። ድሕሪ ግዜ ኣብ ቤት ጶጢፋር ዚበሃል ግብጻዊ ብዓል ስልጣን ኪዓዪ ጀመረ: ኣብኡ ኸኣ እታ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ። ምስቲ መልክዐኛ ዝነበረ መንእሰይ ዮሴፍ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ደለየት: መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ “ምሳይ ደቅስ” ኢላ ትደፋፍኦ ነበረት። ዮሴፍ ካብ ስድራቤቱ ርሒቑ ዋላ ሓደ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ እዩ ዚነብር ነይሩ። ካልኦት ሰባት ከይፈለጡ ምስዛ ሰበይቲ እዚኣ ጾታዊ ርክብ ኪገብር ይኽእል ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር: ሓደ መዓልቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ቀጥ ኣቢላ ምስ ሓዘቶ: ሓዲግዋ ሃደመ።—ዘፍጥረት 37:2, 18-28፣ 39:1-12

14, 15. (ሀ) ታሪኽ ዮሴፍ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብምቕላባ እተመስግን ስለምንታይ እያ፧

14 ዮሴፍ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት እዩ ዓብዩ: ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘይኰኑ ሰባት ዚግበር ጾታዊ ርክብ ድማ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ከኣ በለ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኺበጽሕ ዝኸኣለ: ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤድን ንሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ብምሃብ ዝሰርዖ ስርዓት እዩ ተበጊሱ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘፍጥረት 2:24) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዮሴፍ ኣብቲ ዅነታት ዝሃቦ ምላሽ ብምስትንታን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ኣረኣእያ እምብዛ ፍኑው ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻም ዚኣብዩ መንእሰያት ካብ መዛኑኦም ባጫ ይወርዶም እዩ። ኣብ ዓበይቲ እውን እንተዀነ: ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ልሙድ እዩ። ስለዚ: ዛንታ ዮሴፍ ንዅላትና እዋናዊ መዘኻኸሪ እዩ። ሕጂውን እንተዀነ ብመለክዒ ኣምላኽ ምንዝርን ዝሙትን ሓጢኣት እዩ። (እብራውያን 13:4) ብዙሓት ነቲ ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ንኺፍጽሙ ዝወረዶም ጸቕጢ እተምበርከኹ ሰባት: ከምኡ ንኸይትፍጽም ዜእምን ምኽንያታት ከም ዘሎ ይሰማምዑሉ እዮም። ገለ ኻብቲ ዘይድለ ሳዕቤናት ናይ ሕስረት ስምዒት: ዚርብሽ ሕልና: ቅንኢ: ጥንሲ: ከምኡውን ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት ኪጥቀስ ይከኣል። ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ: እቲ ዚምንዝር ሰብ “ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።”—1 ቈረንቶስ 5:9-12፣ 6:18፣ ምሳሌ 6:23-29, 32

15 ጀኒ b እትበሃል ንጽል ናይ የሆዋ ምስክር: ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ እተማስወሉ ምኽንያት ኣለዋ። ኣብ ስራሕ ሓደ መልክዐኛ መሳርሕታ ኺቀራረባ ጀመረ። ጀኒ ተመሳሳሊ ምላሽ ከይሃበቶ ምስ ተረፈት: ብዝያዳ ዓይኑ ኣውደቐላ። ጀኒ: “ሓደ ኣንጻር ጾታ ኼተኵረልካ ኸሎ ባህ ስለ ዚብለካ: ንጽህናይ ንምሕላው ቃልሲ እዩ ዀይኑኒ” ብምባል ትእመን። ኰይኑ ግን: እቲ ሰብኣይ ከምቲ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ዝገበሮ: ምስኣውን ጾታዊ ርክብ ኪገብር ጥራይ ከም ዝደለየ ኣስተውዓለት። ንኽትነጽጎ ዘለዋ ቘራጽነት እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ዀይኑ ኣብ እተሰምዓ እዋን: እምንቲ ዀይና ንኽትቅጽል የሆዋ ኺሕግዛ ለመነት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምርምር ክትገብር ከላ እተማህረቶ ነገር: ጥንቅቕቲ ንኽትከውን ዜነቓቕሕ መዘኻኸሪታት ኰይኑ ረኸበቶ። ሓደ ኻብቲ መዘኻኸሪታት እቲ: እቲ ብዛዕባ ዮሴፍን ሰበይቲ ጶጢፋርን ዜዘንቱ ዛንታ እዩ። “ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ ኽሳዕ ዝዘከርኩ: እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚኡ ሓጢኣትን ከይፍጽም ኣይፈርህን እየ” ኢላ ደምደመት።

ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣቕልበሉ!

16. ንህይወት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ውልቀ-ሰባት ብምምርማርን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

16 የሆዋ ንገሊኡ ጸብጻባት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዓቀበልና ምኽንያት ክንርድኦ ምስ እንጽዕር: ንመለክዒታት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳን ምርዳእን ኪውስኽ ይኽእል እዩ። እቲ ዛንታታት እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ዘርኣይዎ እንታይ ባህርያት ወይ ዝንባለታት ኢና ኽንቐድሖ ወይ ከነርሕቖ ዘሎና፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ውልቀ-ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ኵሎም እቶም ንመምርሒታት ኣምላኽ ዜፍቅሩ: ነቲ ህይወት ዚህብ ጥበብ: እንተላይ ነቲ የሆዋ ብጥንቃቐ ኻብ ዝዓቀቦ ኣብነታት ዚርከብ ትምህርቲ ባህጊ ኼማዕብሉ ኣለዎም። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ እቶም ካብ ታሪኾም ክንመሃር እንኽእል ውልቀ-ሰባት ትገልጽ እያ። ግዜ ወሲድካ ንምንታይ ነዚ እንደገና ዘይትምርምሮ፧

17. ብዛዕባ መዘኻኸሪታት የሆዋ ኸመይ ይስምዓካ፧ ስለምንታይከ፧

17 የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ኺገብሩ ዚጽዕሩ ዜርእዮ ፍቕራዊ ተገዳስነት: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግነሉ ዚግባእ! ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ፍጹማት ዘይነበሩ: ንሕናውን ፍጹማት ኣይኰንናን። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ጽሑፍ እተመዝገበ ተግባራቶም: ንዓና ብዋጋ ዘይሽነን ሃብትና እዩ። ናብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ብምቕላብ: ከቢድ ጌጋታት ካብ ምግባር ክንስተር ንኽእል: ነቲ እቶም ብመገዲ ጽድቂ እተመላለሱ ዝገደፍዎ ሰናይ ኣብነታት እውን ክንስዕብ ንኽእል። ከምኡ እንተ ጌርና: ምስቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ መዘኻኸሪታት የሆዋ: “ምስክራቱ [“መዘኻኸሪታቱ:” NW] ዚሕልዉ: ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። ነፍሰይ ንምስክራትካ [“ንመዘኻኸሪታትካ:” NW] ሐለወቶ: ኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ” ኢልና ኽንዝምር ንኽእል ኢና።—መዝሙር 119:2, 167

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1996 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 160-2 ተወከስ።

b ስም ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብቲ ዳዊት ንሳኦል ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

• እቲ ብዛዕባ ሃናንያን ሰጲራን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ይምህረና፧

• ታሪኽ ህይወት ዮሴፍ: ሎሚ ብፍላይ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንሳኦል ኪቕተል ዘየፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ብዛዕባ ሃናንያን ሰጲራን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ተማሂርካ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ነቲ ዝቐረበሉ ብዕሉግ ዕድመ ኺነጽጎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧