ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብርግጽ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ብርግጽ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ብርግጽ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ክትረከብ ኣጸጋሚ እዩ። ከመይሲ: ብዙሓት ሰባት ካብ ግጉይ ምንጪ እዮም ሓጐስ ኪረኽቡ ዚጽዕሩ። ናብ ቅኑዕ መምርሒ ዚመርሖም ዚኣምንዎን ብቑዕን ዓርኪ እንተ ዚህልዎም ነይሩስ ክንደይ ኰን ምጸበቐ!

መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ እዚ ዜድሊ መምርሒ እዩ። እምበኣር ካብቲ ብዙሕ ኣብኡ ዚርከብ መጻሕፍቲ ንሓንቲ: ማለት ንመዝሙር ዳዊት እስከ ንርአ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ 150 ዚኸውን ናብ የሆዋ ዝቐረበ ቕዱስ መዝሙር ዝሓቘፈት እያ: ዳርጋ ፍርቁ ድማ በቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እተቐናበረ እዩ። ጸሓፊኣ መን ምዃኑ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ግን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብመንፈስ እቲ ዝዓበየ ዓርኪ ደቅሰብ ዝዀነ የሆዋ ኸም እተጻሕፈት ምፍላጥና እዩ ዜገድስ። እምበኣር: ዚጠቕመና መለኮታዊ መምርሕን ናብ ሓጐስ ዚመርሓና ነጥብታትን ዝሓዘት ምዃና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር: ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ጥዑይ ርክብ እንተ ሃልይዎ: ሕጉስ ከም ዚኸውን ርግጸኛ ነበሩ። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ኻባታቶም “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል ዝጸሓፈ። (መዝሙር 112:1) ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምቅርራብ: ስጋዊ ሃብቲ: ከምኡውን ብሕታዊ ኣሳልጦ: ከምቲ “እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ” ምስ ኰንካ እትረኽቦ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ። (መዝሙር 144:15) ህይወት እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ዜርኢ እዩ።

ኣብ መጀመርታ 40ታት እትርከብ ሱዛን ሓንቲ ኻብዚኣቶም እያ። a ከምዚ ድማ በለት:- “ብዙሓት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ሸቶ ንምብጻሕ ወይ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ኢሎም ምስ እተወሰኑ ጕጅለታት ይሓብሩ እዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ሰብ ከም ፈታዊኦም ገይሮም ኣይርእዩን እዮም። ህዝቢ የሆዋ ግን ካብዚ እተፈልዩ እዮም። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንሓድሕድና ኸም እንፋቐር ትገብረና። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ዝዀንና: ኣብ ገዛና ዘለና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። እዚ ሕብረት እዚ ድማ ንህይወትና የበልጽጋ። ካልእ እሞ መን እዩ ኻብ መንጎ እቶም እተፈልየ ማሕበራዊ ጕጅለን መበቈልን ዜግነትን ዘለዎም ሰባት ፈተውቲ ኣለዉኒ ኺብል ዚኽእል፧ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ምዃን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ብምሉእ ልበይ ክዛረብ እኽእል እየ።”

ኣብ ስኮትላንድ እተወልደት ማሪ እውን ሓደ ሰብ ሓጐስ ንኺረክብ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎ ኸም ዘለዎ ተረዲኣ እያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ቅድሚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃረይ: ዜፍርህ ፊልም ምርኣይ እፈቱ ነበርኩ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ፊልምታት ብዛዕባ እኩያት መናፍስትን ብዛዕባ ምሉካትን ብምንባሩ ኻብዚኣቶም ንምክልኻል: ለይቲ መስቀል ከይሓዝኩ ኣይድቅስን እየ ነይረ። ይኹን እምበር: ንሓቂ ምስ ፈለጥኩን ከምዚ ዝኣመሰለ ፊልም ምርኣይ ምስ ኣቋረጽኩን: እቲ ምስ የሆዋ ዝመስረትክዎ ርክብ ብዘይ ፍርሂ ኸም ዝድቅስ ገበረኒ፣ ነቲ ኻብ ኣጋንንትን ሓሳብ ዝፈጠሮም ምሉካትን ንላዕሊ ዝያዳ ሓያል ዝዀነ ኣምላኽ ብምግልጋለይ ድማ ሕጕስቲ እየ።”

ኣብ የሆዋ ምውካል ናብ ሓጐስ ይመርሕ

ፈጣሪ: ኵሉ ኸም ዚኽእልን ደረት ዘይብሉ ጥበብ ከም ዘለዎን እንጠራጠረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ዳዊት ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ኪህልዎ ኸምኡውን ኣብኡ ኺምዕቈብ ከም ዚኽእል ብምፍላጥ: “እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል ጸሓፈ።—መዝሙር 40:4

ማሪያ ኸምዚ በለት:- “ኣብ ስጳኛ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ኸም ዝረኣኽዎ: ዋላኳ ስምዒትና እተፈልየ ንኽንገብር እንተ ደረኸና: ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ኽንገብሮ ኸለና ግን እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ኢና እንረክብ። መገዲ የሆዋ ዅሉ ግዜ ዝበለጸ ስለ ዝዀነ ድማ ሓጐስ ይህበና።”

ኣንድሬያስ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣውሮጳ ዘገልገለ ክርስትያን ሽማግለ እዩ: ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ድማ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም እንኽእል ርእዩ እዩ። ከምዚ በለ:- “እቲ ኸም ናተይ ዓይነት እምነት ዘይብሉ ዓብዪ ሓወይ: ብግዜ ንእስነተይ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ንኽሕዝ ብምትብባዕ ብዙሕ ጸልዩኒ እዩ። ኣብቲ ውሕስነት ኣለዎ ተባሂሉ ዚንገረሉ ጡረታ ኣብ ክንዲ ዝውከል: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምስ ኰንኩ ብዙሕ ጐሃየ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩሉ እዋን: ተሸጊረ ኣይፈልጥን እየ፣ ካልኦት ሰባት ብትምኒት ደኣ እምበር ብጋህዲ ዘይፈልጥዎ ዓይነት በረኸት ድማ ረኺበ እየ።”

ብ1993 ፌሊክስ ኣብቲ ነቲ ኣብ ሰልተርስ: ጀርመን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስፋሕ እተገብረ ስራሕ ንኺሕግዝ ተዓደመ። እቲ ስራሕ ምስ ተወድአ ድማ ቀዋሚ ኣባል ስድራ ቤትኤል ንኪኸውን ተዓደመ። ከምዚ ምስ ተባህለ እንታይ ተሰምዖ፧ “ነቲ ዕድመ እናተጠራጠርኩ እየ ተቐቢለዮ። ሕጂ ግን ኣብዚ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ገይረ ኣለኹ: የሆዋ ንጸሎተይ ከም ዝመለሰለይ ድማ ርግጸኛ እየ። ንዓይ ዝሓይሽ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኣብኡ ምሉእ ምትእምማን ብምግባር ከምኡውን ንኺመርሓኒ ብምፍቃድ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ንኼርእየኒ ኣጋጣሚ ሃብክዎ።”

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሱዛን: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ወይ ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ደለየት: ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ግን ክትረክብ ኣይከኣለትን። ንሓደ ዓመት ዚኣክል ድሕሪ ምጽባይ ኣብ የሆዋ ብምእማን ስጕምቲ ወሰደት። ከምዚ በለት:- “ስርዓታዊት ፓይነር ንምዃን ኣመልከትኩ። ነቲ ኣብ ሓደ ወርሒ ዘውጽኦ ወጻኢታት ዚሽፍን እኹል ገንዘብ ኣዋህሊለ ነበርኩ። ከመይ ዝበለት ማራኺት ወርሒ ዀን እያ ዝነበረት! ኣገልግሎተይ ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ነይሩ: እቲ ዝገበርክዎ ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ግን ሓደ ብሓደ ኸይሰመረ ተረፈ። ይኹን እምበር: የሆዋ ልክዕ ከምቲ እተመባጽዖ ኣይጠለመንን። ካብታ ወርሒ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ: ናይ ስራሕ ውዕል ፈረምኩ። ብርግጽ ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዝኽእል ድማ ፈለጥኩ! እዚ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝረኸብክዎ ናይ መጀመርታ ተመክሮ: ነቲ ዓስቢ ዘለዎን ዜሐጕስን ህይወተይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።”

መለኮታዊ ምኽሪ ምቕባል ንሓጐስ ይውስኸሉ

ንጉስ ዳዊት ከቢድ ጌጋታት ፈጺሙ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ጥበባዊ ምኽሪ የድልዮ ነበረ። ከምቲ ዳዊት ነቲ እተዋህቦ ምኽርን መምርሕን እተቐበሎ: ንሕናኸ ንቕበሎ ዲና፧

ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኣይዳ: ከቢድ ጌጋ ኸም ዝፈጸመት ፈለጠት። ከምዚ ድማ በለት:- “እቲ ቐንዲ ዘገደሰኒ ጕዳይ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ምምላስ እዩ። ካልእ ነገር ዜገድስ ኣይኰነን።” ሓገዝ ደልያ ድማ ናብ ክርስትያን ሽማግለታት ቀረበት። ን14 ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ድሕሪ ምግልጋላ: “የሆዋ ንበደለይ ይቕረ ኸም ዝበለለይ ምፍላጠይ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!”

ነቲ ዚወሃበና ኣምላኻዊ ምዕዶ ንቕበል እንተደኣ ዄንና: ጌጋ ንኸይንገብር ኪሕልወና ይኽእል እዩ። ዩዲት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ጓል 20 ዓመት ከለኹ: ምስ ሓደ ኼሐጕሰኒ ዚጽዕር ዝነበረ ጀርመናዊ ነጋዳይ ብፍቕሪ ሃነይነይ በልኩ። ሕፉር: ጽቡቕ ስራሕ ዘለዎ: ከምኡውን ብዓል ሓዳር እዩ ነይሩ። ንሕግታት የሆዋ ኻብ ምእዛዝን ምሉእ ብምሉእ ዝባነይ ካብ ምሃብን ሓዲኡ ኽመርጽ ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ድማ ንወለደይ ኣካፈልክዎም። ኣቦይ ንቓላቱ ኸየለሳለሰ የሆዋ ኻባይ እንታይ ከም ዚጽበ ኣዘኻኸረኒ። ሕብእብእ ከየበለ ኸምቲ ዜድልየኒ ገይሩ እዩ ተዛሪቡኒ። ኰይኑ ግን: ገና ልበይ መመኽነይታ ይደሊ ነበረ። ስለዚ ድማ ኣደይ ንሰሙናት ዚኣክል ምሸት ምሸት: ሕግታት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስን ህይወት ዜድሕን ምዃኑን ተዕልለኒ ነበረት። ልበይ ቀስ ብቐስ ናብ የሆዋ እናተሳሕበ ብምኻዱ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ብእኡ ኽመዓድን ክመሃርን ብምኽኣለይ ሓጐስ ኣምጸኣለይ: ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ብምዃን ዓስቢ ዘለዎ ዓመታት ኣሕለፍኩ ኸምኡውን ንዓይን ንየሆዋን ካብ ልቡ ዚፈቱ ክርስትያን ብጻይ ረኸብኩ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ነቲ “ኣበሳኡ እተሐድገሉ: ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ዚብል ቃላት ዳዊት ዜጕልሕ እዩ።—መዝሙር 32:1, 2

ንኻልኦት ሓልዮት ብምርኣይ ዚርከብ ሓጐስ

ዳዊት “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ድማ “እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ . . . ብጹእ ይኸውን” በለ። (መዝሙር 41:1, 2) ዳዊት ነቲ ኣእጋሩ እተጐድአ ወዲ እቲ ፍቑር ዓርኩ ዮናታን ዝነበረ መፊቦሸት ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት: ነቶም ድኻታት ኪህልወና ዘለዎ ቕኑዕ ኣረኣእያ ዜርኢ ኣብነት እዩ።—2 ሳሙኤል 9:1-13

ን47 ዓመት ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ማርሊስ: ነቶም ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ምዕራብ ኣውሮጳን ዚርከብ ሓደገኛ ቦታ ዝሃደሙ ሰባት ናይ ምስባኽ ኣጋጣሚ ረኺባ እያ። ከምዚ ድማ በለት:- “እተፈላለየ ጸገማት ኣለዎም ከምኡውን ብሓፈሻኡ ጓኖት ከም ዝዀኑ: ሕሉፍ ሓሊፉውን ኣድልዎ ኸም ዚወርዶም ኰይኑ ይስምዖም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሕጋዝ ሓጐስ የምጽእ።”

ኣብ መጀመርታ 40ታት ዕድሚኣ እትርከብ ማሪና ኸኣ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ንጽል ስለ ዝዀንኩ: ኪሕግዙኻ ዚደልዩ ሰባት ከም ዘለዉ ምፍላጥ እንታይ ስምዒት ከም ዚህብ እፈልጦ እየ። እዚ ድማ ተሌፎን ብምድዋል ወይ ደብዳበ ብምጽሓፍ ንሰባት ንኸተባብዕ ደረኸኒ። ብዙሓት ከኣ ሞሳኦም ገሊጾምለይ እዮም። ንኻልኦት ሰባት ምሕጋዝ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ።”

ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ዲሚታ ኸምዚ በለ:- “ኣደይ ንጽል ኰይና እያ ኣዕብያትኒ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: እቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ: ኣገልግሎት ንኸሰልጥነኒ ኣብ ሰሰሙን ምስኡ ይወስደኒ ብምንባሩ ሕጉስ እየ ነይረ። ክሳዕ ሕጂውን ነቲ ዘርኣዮ ዘይምሕላል ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። ኵሉ ግዜ ንክኸይድ ምድራኸይ ቀሊል ኣይነበረን።” ዲሚታ ነቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ዘለዎ ሞሳ ንምግላጽ ንኻልኦት ሰባት ይሕግዝ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ በለ:- “እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ: ሓደ ንእሽቶን ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን ምሳይ ናብ ኣገልግሎት ክወስድ እጽዕር።”

መጽሓፍ መዝሙር ካልእ ሓጐስ ኬምጽእ ዚኽእል ነገር እውን ትጠቅስ እያ። እዚ ድማ ኣብ ርእስና ዘይኰነስ: ኣብ ብርታዐ የሆዋ ምውካል ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርኢ እዩ:- “ሓይሎም ብኣኻ [ብየሆዋ] ዝዀነ . . . ሰባት ብጹኣን እዮም።”—መዝሙር 84:5

ኮሪና ነዚ ርእያቶ እያ። ናብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየሉ ዝነበረ ሃገር ገዓዘት። ከምዚ ድማ በለት:- “ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ኣተሓሳስባን እዩ ኣጋጢሙኒ። ኣብ ካልእ ፕላነት ከም ዘለኹ ዀይኑ ድማ ተሰመዓኒ። ኣብ ዘይፈልጦ ኸባቢ ምስባኽ ዝብልዎ ነገር ከኣ ኣፍርሃኒ። ንየሆዋ ብጸሎት ድሕሪ ምሕታተይ: በቲ ንሱ ዝሃበኒ ብርታዐ ኣብቲ ግሉል ዞባ ምሉእ መዓልቲ ኸገልግል ከኣልኩ። ድሕሪ ግዜ ድማ እዚ ኣገልግሎት እዚ ባህርያዊ ዀይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ። ንብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመርኩ: በዚ ተመክሮ እዚ ድማ ሕጂውን ጥቕሚ እረክብ ኣለኹ። ብሓይሊ የሆዋ ነቲ ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋት እውን ክንሰገሮ ኸም እንኽእል ተረዳእኩ።”

ብርግጽ እምበኣር እተፈላለየ ረቛሒታት: ማለት ምስ ኣምላኽን ህዝቡን ዕርክነት ምምስራት: ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል: ንዚወሃበና መለኮታዊ ምኽሪ ምቕባል: ከምኡውን ንኻልኦት ምሕላይ ሓጐስ ንኽንረክብ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ብመገድታት የሆዋ ብምጕዓዝን ንሕግታቱ ብምሕላውን: ሞገሱ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 89:15፣ 106:3፣ 112:1፣ 128:1, 2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ማሪያ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ማሪ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሱዛንን ኣንድሬያስን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኮሪና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ዲሚታ