ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ትዕቢትን ትሕትናን እተዋህበ ትምህርቲ

ብዛዕባ ትዕቢትን ትሕትናን እተዋህበ ትምህርቲ

ብዛዕባ ትዕቢትን ትሕትናን እተዋህበ ትምህርቲ

ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ትሕትናን ትዕቢትን ዘሎ ፍልልይ ዜጕልሕ ነበረ። ዳዊት ንየሩሳሌም ስዒሩ ርእሲ ኸተማኡ ምስ ገበራ እዩ እቲ ነገር ኣጋጢሙ። ንየሆዋ ኸም ናይ ሓቂ ንጉስ እስራኤል ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ: ነቲ ንህላወ የሆዋ ዜመልክት ታቦት ናብታ ኸተማ ንምምጻእ ምድላው ገበረ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዳዊት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምንባሩ: ነቶም ታቦት ጾይሮም ዝነበሩ ኻህናት እናሰዓበ ሓጐሱ ዅሉ ሰብ እናረኣዮ ገለጸ። ነበርቲ የሩሳሌም: ንጉሶም “ኪሰራሰር” ከምኡውን “ብምሉእ ሓይሉ . . . [ኪ]ስዕስዕ” ከሎ ረኣይዎ።—1 ዜና መዋእል 15:15, 16, 29፣ 2 ሳሙኤል 6:11-16

ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግን በዚ ዜሐጕስ ጽንብል እዚ ኣይተሓጐሰትን። ኣብ መስኮት ኰይና ትርኢ ነበረት: ዳዊት ንየሆዋ ኸምዚ ገይሩ ብምውዳሱ ኣብ ክንዲ እትንእዶ ድማ “ብልባ ነዐቐቶ።” (2 ሳሙኤል 6:16) ከምዚ እተሰምዓ ስለምንታይ እዩ፧ ጓል እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል: ሕጂ ድማ ሰበይቲ እቲ ኻልኣይ ንጉስ እስራኤል ብምዃና ንርእሳ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኽብ ኣበለታ። እቲ ንጉስ ዝነበረ ሰብኣያ ንርእሱ ናብ ደረጃ እቶም ተራ ህዝቢ ብምትሓት ምስኦም ሓቢሩ ኼብዕል ከም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዓ። እዚ ትዕቢት እዚ: ዳዊት ናብ ገዛኡ ምስ ተመልሰ ኣብ ዘቕረበቶ ሰላምታ ተንጸባረቐ። ብሽምጠጣ: “ንጉስ እስራኤልሲ: ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ: ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ” በለቶ።—2 ሳሙኤል 6:20

ዳዊት ነዚ ነቐፌታ እዚ ብኸመይ መለሰሉ፧ የሆዋ ንዕኡ ሞገሱ ብምሃብ ንኣቦኣ ሳኦል ከም ዝነጸጎ ብምንጋር ገንሓ። ወሲኹ ድማ: “ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ: ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ: ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ” በላ።—2 ሳሙኤል 6:21, 22

እወ: ዳዊት ብትሕትና ንየሆዋ ምግልጋሉ ንኪቕጽል ቈሪጹ ነበረ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ: የሆዋ ንዳዊት “ኸም ልበይ” ዝበለሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22፣ 1 ሳሙኤል 13:14) አረ ዳዊትሲ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እውን ዘለዎ ዝበለጸ ኣብነት ትሕትና እዩ ዚስዕብ ነይሩ። እቲ ዜገርም ድማ: እታ ዳዊት ንሚካል ኪዛረባ ኸሎ እተጠቕመላ “ኣዝየ ኽሐስር እየ” እትብል ኣገላልጻ: ካብታ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ እውን እትገልጽ ናይ እብራይስጢ ሱር ግሲ ዝመጸት እያ። ዋላኳ የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝዓበየ እንተዀነ: መዝሙር 113:6, 7 ግን ከምዚ ኢላ ትገልጾ:- “ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት [ዝተሓተ ደረጃ ምስ ዘለዎም ርክብ ንምምስራት ኢሉ ኻብቲ ዝነበሮ ደረጃ ይወርድ] . . . ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ: ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ።”

የሆዋ ትሑት ስለ ዝዀነ: ነቲ እቶም ዕቡያት ሰባት ዘላቶም “ትዕቢተኛ ዓይኒ” ምጽላኡ ዜገርም ኣይኰነን። (ምሳሌ 6:16, 17) ሚካል ከምዚ ዝበለ እኩይ ባህሪ ስለ ዘርኣየት ከምኡውን ነቲ የሆዋ ዝመረጾ ንጉስ ስለ ዘየኽበረቶ: ንዳዊት ውሉድ ከይትወልደሉ ተኸልከለት። እወ: ክሳዕ እትመውት መኻን ነበረት። እዝስ ንዓና ኸመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዀን እዩ! ኵሎም እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዚደልዩ ሰባት ነተን “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ዚብላ ቓላት ኪስዕብወን ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 5:5