ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ርጉጽ መምርሒ

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ርጉጽ መምርሒ

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ርጉጽ መምርሒ

“ሓጐስ ምስዓብ” ኵሉ ሰብ ኪረኽቦ ዘለዎ መሰል እዩ። እቶም ንኣዋጅ ናጽነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘርቀቕዎ ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። ደድሕሪ ሓደ ሸቶ ምስዓብን ኣብቲ ሸቶ ምብጻሕን ክልተ እተፈላለየ ነገር እዩ። ዋላኳ ብዙሓት መንእሰያት ብመዘናግዒ ይኹን ብስፖርት ፍሉጣት ንኪዀኑ እንተ ጸዓሩ: ካብዚኣቶም ግን ክንደይ ዝዀኑ እዮም ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ዚበጽሑ፧ ነቲ ዕዉት ሙዚቀኛ ንምዃን ዚግበር ሓርኰትኰት ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓደ ህቡብ ደራፊ: “ምናልባት ኣይትዕወቱን ትዀኑ” ብምባል ተዛረበ።

ሓጐስ ብዛዕባ ምርካብ ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንሓጐስ በቲ ቕኑዕ መገዲ እንተ ኣናዲኻያ ኽትረኽባ ኢኻ። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ኺበሃል ዚኽእል፧ እዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ጠቒሳ ነበረት። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ኣምላኽ: ሓጐስ ንምርካብ እተገብሮ ጻዕሪ መወዳእታኡ ጓሂ ንኸይከውን ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ሂቡካ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ዜጋጥመካ ጓሂ ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሞተካ ዚህበካ መጸናንዒ እስከ ርአ።

እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚመውት

ሞት እንታይ ጽቡቕ ኪህልዎ ይኽእል፧ ንወለዲ ኻብ ውሉዳቶም: ንውሉዳት ድማ ካብ ወለዶም ይፈላልዮም። ንዚፋተዉ ኣዕሩኽ ይፈላሊ: ኣብቶም ዚቀራረቡ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ድማ ሻቕሎት የሕድር። ሕጉሳት ዝነበሩ ስድራቤት: ሞት ኬጋጥም ከሎ ብሓዘን ይውሓጡ ይዀኑ።

መቸም ሞት ዜሕዝን ፍጻመ ምዃኑ ኻልእ ሰብ ኪነግረካ ኣየድልን እዩ። ገሊኦም ሰባት ግን ነዚ ሓቂ እዚ ብምንጻግ ንሞት ከም በረኸት ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። ብነሓሰ 2005 ካትሪና ዚበሃል ህቦብላ ንፋስ ንወሽመጥ ሜክሲኮ ምስ ሃረሞ ዘጋጠመ ነገር እሞ ርአ። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓደ ግዳይ: ሓደ ቐሺ: “ካትሪና ኣይኰነን ቀቲልዎ። ኣምላኽ እዩ ናብ መንበሪኡ ጸዊዕዎ” በለ። ካልእ ግዜ ድማ ሓንቲ ኣብ ሆስፒታል እትሰርሕ ጸሓፊት ንሓንቲ ጓል ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሳ: ኣምላኽ ነዲኣ ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዳ ኸይትጭነቕ ነገረታ። እታ ጓላ ግን “ስለምንታይ: ስለምንታይ እዩ ኻባይ ፈልዩ ዝወሰዳ፧” ብምባል በኸየት።

ከምዚ ዝበለ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ዝወሃብ ርእይቶ: ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ሰባት ኣየጸናንዖምን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ኣረኣእያ እዚ ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ዚገልጽ ኣይኰነን። ካብዚ ብዝገደደ ግን: ኣምላኽ ነቶም ፍቑራት ሰባት ካብ ስድራቤትን ካብ ኣዕሩኽን ብዜፍርህ ከምኡውን ብዜሳቒ መገዲ ኸም ዚምንዝዖም ገይሩ እዩ ዚስእሎ። ሞት ኬጋጥም ከሎ: ኣምላኽ ምንጪ ምጽንናዕ ዘይኰነስ: ከም ጨካን ጌርካ እዩ ዚግለጽ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ግን ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ጸላኢ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። ምስ ሓደ ንደቅሰብ ዚገዝኦም ንጉስ ድማ የመሳስሎ። (ሮሜ 5:17፣ 1 ቈረንቶስ 15:26) ሞት: ደቅሰብ ኪቃወምዎ ዘይክእሉ ሓያል ጸላኢ ስለ ዝዀነ: ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ ኻብቶም ማእለያ ዘይብሎም ግዳያት ሞት ይኸውን። እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዚ ነቲ እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ ዚስምዓና ሓዘንን ተስፋ ምቝራጽን ኣጸቢቑ ኣፍልጦ ይህበሉ እዩ። ከምዚ ዝበለ ስምዒት ንቡር ምዃኑ የረጋግጽ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንሞት እቶም እነፍቅሮም ሰባት ናብ ሰማይ ንምውሳድ ድዩ ዚጥቀመሉ፧ እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ይመልሰልና።

መክብብ 9:5, 10 “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ትብል። ሲኦል እንታይ እዩ፧ ሰባት ምስ ሞቱ ዚኸዱሉ መቓብር ደቅሰብ እዩ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ሰባት ዘይንጡፋት: ዘይንቀሳቐሱ: ስምዒት ዘይብሎም: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ዘይሓስቡ እዮም። ዓሚቝ ድቃስ ከም ዝወሰዶም ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። a ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት ምስኡ ኪዀኑ ኢሉ ናብ ሰማይ ከም ዘይወስዶም ብግልጺ ይነግረና እዩ። ሞት ንሰባት ህይወት ዘይብሎም ብምግባር ኣብ መቓብር ከም ዚኣትዉ እዩ ገይርዎም።

የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ: እቲ ዓርኩ ዝነበረ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ንሞት ምስ ድቃስ እዩ ኣመሳሲልዎ። ኣልኣዛር ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንኪኸውን ናብ ሰማይ ከይዱ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ውዒሉ ሓዲሩ እንደገና ኸም ዚመውት እናፈለጠ ናብ ህይወት ኪመልሶ ፈጺሙ ሕያውነት ኣይምዀነን። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ኣብ ኣፍደገ እቲ መቓብር ከም ዝጨደረ ይነግረና። መጽሓፍ ቅዱስ ብምቕጻል “እቲ ምዉት . . . ወጸ” ይብል። ኣልኣዛር ከም ብሓድሽ ህያው ኰነ። የሱስ: ኣልኣዛር ካብዛ ምድሪ ናብ ዋላ ሓደ ኸም ዘይከደ ይፈልጥ ነበረ። ሞይቱ ኣብ መቓብር እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 11:11-14, 34, 38-44

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ፍጻመ: ኣምላኽ ንሰባት ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ንምትሕልላፍ ኢሉ ንሞት ከም ዘይጥቀም ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ነዚ ጓሂ እዚ ኸም ዘየምጽኣልና ብምፍላጥ ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ዜስዕበልና ሓዘንን ጕድኣትን ከም ዚርድኦ እውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድማ ምዉታት ኣብ ገሃነም እሳት ወይ ኣብ መንጽሂ ቦታ ኸም ዚሳቐዩ ዘይኰነስ: ሞይቶም ኣብ መቓብር ከም ዘለዉ እዩ ዚሕብር። እምበኣር: ብዛዕባ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ዘሎና ተዘክሮ: ካብ ኣምላኽ ኬርሕቐና ወይ ሃለዋቶም ብዘይምፍላጥና ኼፍርሃና የብሉን። ብዘይካዚውን የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ መጸናንዒ ሂቡና ኣሎ።

ተስፋ ናብ ሓጐስ ይመርሕ

እዚ ዝረኣናዮ ጥቕስታት ናብቲ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝዀነ ተስፋ ይመርሓና። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ተስፋ” ተባሂላ ዘላ ቓል: ንሰናይ ነገር ብምትእምማን ምጽባይ ተመልክት። ተስፋ ኸመይ ገይሩ ናብ ሓጐስ ከም ዚመርሓና ንምርኣይ: ናብቲ የሱስ ንኣልኣዛር ከም ዘተንስኦ ዚገልጽ ጸብጻብ ንመለስ።

የሱስ ነቲ ተኣምር እቲ ዝፈጸመሉ እንተ ወሓደ ኽልተ ምኽንያት ነበሮ። ብቐዳምነት ንሓዘን ማርታን ማርያምን ካልኦት ኣዕሩኽቱን ንምውጋድ ኢሉ እዩ። ምስዚ ዜፍቅርዎ ሰብ ከም ብሓድሽ ኪራኸቡ እዮም ማለት እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ንማርታ እቲ ኻልኣይን ኣገዳስን ምኽንያት ኪነግራ ኸሎ: “እንተ ትአምንስ: ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ። (ዮሃንስ 11:40) ብጄ. ቢ. ፊሊፕስ እተዳለወ ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ነታ “ኽብሪ ኣምላኽ” እትብል ሓረግ “ኣምላኽ ኪገብሮ ዚኽእል ድንቂ” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። የሱስ ንኣልኣዛር እንደገና ህያው ከም ዚኸውን ብምግባር: የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ከምኡውን እንታይ ከም ዚገብር ኣርኣየ። እስከ ቐጺሉ “ኣምላኽ ኪገብሮ ዚኽእል ድንቂ” ብዝርዝር ንርአ።

የሱስ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” በለ። እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ዅሎም ምዉታት: እንተላይ እቶም እነፍቅሮም ሰባት እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም ማለት እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ብምሕባር ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ፍጻመ ብዝያዳ ትገልጽ። እምበኣር: እቶም “ሓጥኣን:” ማለት ንየሆዋ ዘይፈልጥዎን ዘየገልግልዎን ብዙሓት ሰባት እውን እንተዀኑ ኣብ መጻኢ ሞገስ ኣምላኽ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።

እዚ ትንሳኤ እዚ ኣበይ እዩ ኺፍጸም፧ መዝሙር 37:29 “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ትብል። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ብሰንኪ ሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤት ኣብ ምድሪ እንደገና ኺራኸቡ እዮም። ምስቶም ንዕርክነቶም ኣኽቢርካ ትርእዮ ዝነበርካ ሰባት ጽቡቕ ግዜ ኸተሕልፍ ምዃንካ ኽትሓስቦ ኸለኻ: ልብኻ ብሓጐስ ይመልእ እዩ።

የሆዋ ሕጉስ ክትከውን ይደልየካ

ጸገማት እኳ እንተሎካ: የሆዋ ንሓጐስካ ዚውስኸሉ ኽልተ መዳያት ርኢና ኢና። ብቐዳምነት: ንዚገጥመካ ጸገማት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዝ ፍልጠትን መምርሕን ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይህብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሰሪ ሞት ንዚመጽእ ሓዘን ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና: ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ዝህበና ምኽሪ ምስ ቍጠባን ጥዕናን ተተሓሒዙ ንዚመጽእ ጸገም ንኽንጋጠሞ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ዚርአ ምጕዳል ፍትሒ ኸምኡውን ፖለቲካዊ ናዕቢ ንኽትጻወሮ ብርታዐ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ነቲ መምርሒታቱ ኣብ ህይወትካ እንተ ኣውዒልካዮ ድማ ነቲ ብሕታዊ ጸገማትካ ንኽትፈትሖ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ካልኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ካልእ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኪህበካ ዘይክእል ተስፋ ኺህልወካ እዩ። ትንሳኤ ኣዕሩኽካን ስድራቤትካን ሓደ ኽፍሊ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ እዩ። ራእይ 21:3, 4 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝያዳ ሓበሬታ ትህብ:- “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን [ምስ ደቅሰብ] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” ዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወትካ ጓሂ ኼምጽእ ዚኽእል ነገር ፈጺሙ ኣይኪህሉን እዩ ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እተመባጽዖ ነገር ስለ ዚፍጸም: ኣብ ግብሪ ኺውዕል ከሎ ኻብኡ ተኻፋሊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ግዜ ኸም ዘሎ ምፍላጥ ንባዕሉ ቕሳነት እዩ ዜምጽእ። ድሕሪ ሞት ንሓዋሩ እናተሳቐኻ ኸም ዘይትነብር ምፍላጥ እውን ዜሐጕስ እዩ።

ንኣብነት: ማሪያ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ሰብኣያ ብሰንኪ መንሽሮ ብዜሰቅቕ መገዲ ኺመውት ከሎ ርእያ እያ። ገና ሓዘና ኸይወድአት ከላ ድማ ቍጠባዊ ጸገም ንገዛእ ርእሳን ንሰለስተ ኣዋልድ ደቃን ካብ ገዛ ኸም ዚወጻ ገበረን። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ንሳውን መንሽሮ ኸም ዘለዋ ፈለጠት። ክልተ ኸቢድ መጥባሕቲ ስለ ዝገበረት: መዓልታዊ ትቕንዞ ነበረት። እዚ ጸገም እዚ እናሃለዋ ኽነሱ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዘለዋ: ንኻልኦት ሰባት ከተተባብዕ ትድረኽ እያ። ሓጐሳ ኽትዕቅብ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

ማሪያ ኸምዚ በለት:- “ጸገም ከጋጥመኒ ኸሎ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ብዙሕ ከይሓስብ እጽዕር። ‘እዚ ስለምንታይ እዩ ንዓይ ዜጋጥመኒ፧ እዚ ስቓይ እዚ ዚወርደኒ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ዝሓምም ዘለኹኸ ስለምንታይ እየ፧’ ዚብል ሕቶታት ካብ ምሕታት እቝጠብ። ከመይሲ: ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንሓይልኻ ጽንቅቕ እዩ ዜብሎ። ኣብ ክንዳኡ ግን ነቲ ሓይለይ ንየሆዋ ንምግልጋልን ንኻልኦት ንምሕጋዝን አውዕሎ። እዚ ድማ ሓጐስ ይህበኒ።”

ኣብ ህይወት ማሪያ ተስፋ እንታይ ተራ ነይርዋ፧ ኣብቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ንሕማምን ንኻልእ ጸገማት ደቅሰብን ዜወግደሉ እዋን እያ እተቕልብ። ንኽትሕከም ናብ ሆስፒታል ኣብ እትኸደሉ እዋን: ነዚ ተስፋ እዚ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ መንሽሮ ዝሓዞም ሰባት ተካፍሎም። ተስፋ ንማሪያ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት እያ፧ ባዕላ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ንተስፋ ኸም መልህቅ ነፍሲ ገይሩ ዝጠቐሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እብራውያን 6:19 ዚርከብ ሓሳብ እሓስብ እየ። እቲ መልህቅ እቲ እንተደኣ ዘይብልካ ዀይኑ: ልክዕ ከም ሓንቲ ብማዕበል የማነ ጸጋም እትላኻዕ ዘላ ጀልባ ኢኻ እትኸውን። ምስቲ መልህቅ እንተ ተኣሲርካ ግን: ከም ማዕበል ዝኣመሰለ ጸገም እናጋጠመካ ኽነሱ: ጽኑዕ ኢኻ እትኸውን።” እዛ “እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ” ንማሪያ ሕጉስቲ ንኽትከውን ሓገዘታ። ንስኻውን ተመሳሳሊ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ቲቶስ 1:2

ጸገም እናሃለወካ ኽነሱ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ግብራዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግን ሕቶታት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ሕጉስ ንኽትከውን እንተ ደሊኻ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኽትፈልጦ ዜድልየካ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ተሓጒሶም ኬርእዩኻ እዮም። እቲ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ ንኺፍጸም እናተጸበኻ ኻብ መንጎ እቶም “ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ” እተባህለሎም ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 35:10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (2003) ንሲኦል “ስቓይ ኰነ ሓጐስ: መቕጻዕቲ ዀነ ዓስቢ ዘይብሉ ቦታ” ብምባል ይገልጾ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጥራይ እዩ ኻብ ሓዘን ኬናግፍ ዚኽእል

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚህቦ ተስፋ: ሓጐስ ንምርካብ ኣበርክቶ ይገብር እዩ