ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።” —መዝሙር 119:97

1, 2. (ሀ) እቲ ብመንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፈ ጸሓፊ መዝሙር 119 እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ነቲ ዅነታቱ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ስለምንታይከ፧

 እቲ ጸሓፊ መዝሙር 119 እተፈላለየ ኸቢድ ፈተናታት ኣጋጢምዎ እዩ። ንሕጊ ኣምላኽ ዚንዕቁ ዕቡያት ጸላእቲ ኣላገጹሉን ሓሶት ፈሓሱሉን። መሳፍንቲ መኸሩሉን ሰጐጕዎን። ረሲኣን ከበብዎ: ህይወቱ እውን ኣብ ሓደጋ ነበረት። እዚ ዅሉ ‘ብሓዘን ከም ዚነብዕ’ ወይ ድቃስ ከም ዚስእን ገበሮ። (መዝሙር 119:9, 23, 28, 51, 61, 69, 85, 87, 161) እዚ ፈተና እናኣጋጠሞ ኽነሱ: “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 119:97

2 “ሕጊ ኣምላኽ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር መደዓዓስን መተባብዕን ኪዀኖ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧” ኢልካ ምሕታት ጽቡቕ እዩ። ነቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ኸም ዚግደሰሉ ዝነበሮ ምትእምማን እዩ ኣጽኒዕዎ። ካብ ጸላእቱ ጸገማት የጋጥሞ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዝሃቦ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘምጸኣሉ ረብሓታት ኣሐጐሶ። የሆዋ ብሕያውነት ከም ዝሓዞ ኣስተብሃለ። ብዘይካዚውን: ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ: ሓለፋ ጸላእቱ ለበመ: ህያው ኰይኑ ንኪቕጽል ድማ ኣኽኣሎ። ነቲ ሕጊ ምሕላዉ: ሰላምን ሰናይ ሕልናን ኣምጸኣሉ።—መዝሙር 119:1, 9, 65, 93, 98, 165

3. ክርስትያናት ሎሚ ብመለክዒታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ኸቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ሎሚ ዘለዉ ገለ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣብ እምነቶም ከቢድ ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ንህይወትና ዜስግእ ሓደገኛ ዅነታት ኣየጋጥመናን ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብቲ “ኽፉእ ግዜ” ኢና እንነብር ዘሎና። ብዙሓት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንረኽቦም ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ዋላ ሓንቲ ፍቕሪ የብሎምን: ማለት ሸቶታቶም ኣብ ስስዐን ፍቕረ-ንዋይን እተመርኰሰ: ኣረኣእያኦም ድማ ትዕቢትን ድርቅናን ዝመልኦ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) መንእሰያት ክርስትያናት ወትሩ ንስነ-ምግባራዊ ንጽህናኦም ዜስግእ ነገራት የጋጥሞም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ: ንየሆዋን ነቲ ቕኑዕ ዘበለን ዘላትና ፍቕሪ ዓቂብካ ምኻድ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ርእስና ኸነዕቍብ እንኽእል፧

4. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንሕጊ ኣምላኽ ሞሳ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ክርስትያናትከ ኸምኡ ኺገብሩ ኣለዎም ድዩ፧

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ዘጋጠሞ ጸቕጥታት ንኺጻወሮ ዝሓገዞ ነገር: ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብሞሳ ንኼስተንትነሉ ግዜ ምምዳቡ እዩ። በዚ ኸምዚ ኼፍቅሮ ኸኣለ። እወ: ዳርጋ ዅለን ኣብ መዝሙር 119 ዚርከባ ቝጽርታት እተወሰነ መዳይ ሕጊ ኣምላኽ ሒዘን ኣለዋ። a ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት በቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ሙሴ ኣይቅየዱን እዮም። (ቈሎሴ 2:14) ይኹን እምበር: እቲ ኣብቲ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣጸናንዖ: ነቶም ምስቲ ኣብዚ ዘመናዊ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ዚቃለሱ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኼጸናንዖም ይኽእል እዩ።

5. እንታይ መዳያት ሕጊ ሙሴ ኢና ኽንምርምር፧

5 ካብ ሰለስተ መዳያት ሕጊ ሙሴ እንታይ ምትብባዕ ክንረክብ ከም እንኽእል እስከ ንርአ። እዚ ድማ ካብ ስርዓት ሰንበት: ካብቲ ብዛዕባ ቕረማ እተገብረ ምድላው: ከምኡውን ካብ ስስዐ ርእስኻ ብዛዕባ ምሕላው እተዋህበ ትእዛዝ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ: ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ጸገማትን ጸቕጥታትን ክንዋጽኣሉ እንተ ዄንና: ነቲ ነዚ ሕግታት መሰረት ኰይንዎ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ምርዳኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ዜድልየና መንፈሳዊ ነገራት ምምላእ

6. ኵሎም ሰባት እንታይ መሰረታዊ ነገራት እዩ ዜድልዮም፧

6 ደቅሰብ ኪፍጠሩ ኸለዉ ኣትሒዞም: እተፈላለየ ዜድልዮም ነገራት ኣሎ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ጽቡቕ ኣካላዊ ጥዕና ኺህልዎ እንተ ዀይኑ: ምግብን መስተን መጽለልን ናይ ግድን የድልዮ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን: ሰብ ነቲ ‘ዜድልዮ መንፈሳዊ ነገራት’ ኬማልእ ኣለዎ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ: ብሓቂ ሕጉስ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) የሆዋ እዚ መፋጥርትና ዝዀነ ዜድልየና ነገር ኪማላእ መሰረታዊ ገይሩ ስለ ዝወሰዶ: ንህዝቡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቈላሕታ ምእንቲ ኺህቡ ኢሉ ንቡር ንጥፈታቶም ንምሉእ መዓልቲ ኼቋርጹ ኣዘዞም።

7, 8. (ሀ) ኣምላኽ ኣብ መንጎ ሰንበትን ካልኦት መዓልትታትን ብኸመይ እዩ ፍልልይ ዝገበረ፧ (ለ) ሰንበት ንምንታይ ዕላማ እያ እተገልግል፧

7 እቲ ስርዓት ሰንበት መንፈሳዊ ነገራት ምስዓብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። እታ “ሰንበት” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ እትርከብ: ምስቲ ኣብ በረኻ ብዛዕባ ማና እተገብረ ምድላው ተተሓሒዛ እያ። እቶም እስራኤላውያን ነቲ ተኣምራዊ እንጌራ ንሽዱሽተ መዓልቲ ኺእክቡ ተነግሮም። ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኸኣ “ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ” ኺእክቡ ነበሮም፣ ከመይሲ: ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ እንጌራ ኣይወሃቦምን እዩ። እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ “ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰንበት” ክትከውን: ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ቤቶም ኮፍ ኪብሉ ተነግሮም። (ዘጸኣት 16:13-30) ሓንቲ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት: ብመዓልቲ ሰንበት ዋላ ሓንቲ ዕዮ ኸይዕየ እትእዝዝ ነበረት። እታ መዓልቲ እቲኣ ቕድስቲ ነበረት። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዘይምሕላው: ናይ ሞት መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ።—ዘጸኣት 20:8-11፣ ዘሁልቍ 15:32-36

8 ሕጊ ሰንበት: የሆዋ ንኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ ጥዕና ህዝቡ ኸም ዚሓስብ ዜርኢ እዩ። የሱስ ‘ሰንበት ምእንቲ ሰብ ተፈጥረት’ በለ። (ማርቆስ 2:27) እቲ ሕጊ እቲ ንእስራኤላውያን ኬዕርፉ ኣፍቂዱሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ናብ ፈጣሪኦም ንኪቐርቡን ፍቕሮም ንኼርእይዎን እውን ኣጋጣሚ ፈጢሩሎም እዩ። (ዘዳግም 5:12) እታ መዓልቲ እቲኣ ንመንፈሳዊ ነገራት ጥራይ እተወፈየት መዓልቲ እያ ነይራ። እዚ ኸኣ ብስድራቤት ዚግበር ኣምልኾን ጸሎትን ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ምስትንታንን ዜጠቓልል ነበረ። እቲ ስርዓት ንእስራኤላውያን ንዅሉ ግዜኦምን ጕልበቶምን ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ኣብ ምስዓብ ንኸየህልኽዎ ዕቝባ ዀኖም። ሰንበት እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኣብ ህይወቶም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘኻኽሮም ነበረት። የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” ብምባል ነቲ ዘይተቐየረ መሰረታዊ ስርዓት ደጊሙ ጠቐሶ።—ማቴዎስ 4:4

9. እቲ ስርዓት ሰንበት ንክርስትያናት እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚህቦም፧

9 ህዝቢ ኣምላኽ ነታ ቓል ብቓላ 24 ሰዓት ዘለዋ ዕረፍቲ ሰንበት ኬኽብሩ ኣይሕተቱን እዮም፣ እቲ ንሰንበት ዚምልከት መሰናድዎ ግን ታሪኻዊ ኣገዳስነት ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። (ቈሎሴ 2:16) እዝስ ንሕናውን ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ክንህብ ከም ዘሎና ዚሕብር መዘኻኸሪዶ ኸይኰነ፧ ቅዱስ ነገራት ብስጋዊ ዋኒናት ወይ ብመዘናግዒታት ኪዕብለል የብሉን። (እብራውያን 4:9, 10) ስለዚ: ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና:- “ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ንመጽናዕትን ጸሎትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ምክፋልን ቀዳምነት እህቦ ኣለኹ ድየ፧ ወይስ ካልእ ነገራት ነዚ ንጥፈታት እዚ ይትክኦ ኣሎ እዩ፧” ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተ ሂብና: የሆዋ እቲ ኣብ ህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ከም ዘይጐድለና ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ማቴዎስ 6:24-33

10. ንመንፈሳዊ ነገራት ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

10 መጽሓፍ ቅዱስን ኣብኡ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ንምጽናዕ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መልእኽቱ ኣዕሚቝና ንምሕሳብ እነሕልፎ ግዜ: ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 4:8) ሓንቲ ሱዛን እትበሃል 40 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ንስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ዝመደበት ውልቀ-ሰብ: መጽናዕቲ ፈለማ ባህ ዜብል ከም ዘይነበረ ትእመን። ከም ከቢድ ስራሕ ገይራ እያ እትርእዮ ነይራ። እንተዀነ ግን: ዝያዳ እናኣንበበት ብዝኸደት መጠን: ብዝያዳ እናፈተወቶ ኸደት። ሕጂ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ብሕታዊ መጽናዕቲ እንተ ዘይገይራ: ጽቡቕ ኣይስምዓን እዩ። “መጽናዕቲ ንየሆዋ ኸም ኣቦ ንኽፈልጦ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን “ክኣምኖን ክጽግዖን ከይተሰከፍኩ ብጸሎት ክቐርቦን እኽእል እየ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም: ንዓይ ብብሕቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚሓልየለይ: ከምኡውን እንታይ ከም ዝገበረለይ ምርኣይ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ” በለት። ብመንፈስ ዜድልየና ነገር ኣዘውቲርና ብምምላእ: ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ኰን ኢና ኽንረክብ እንኽእል!

ብዛዕባ ቕረማ ዝወጸ ሕጊ ኣምላኽ

11. እቲ ስርዓት ቅረማ ብኸመይ ኪዕየየሉ ይግባእ ነበረ፧

11 ኣምላኽ ብዛዕባ ህዝቡ ኸም ዚሓስብ ዜርኢ ኻልኣይ መዳይ ሕጊ ሙሴ: እቲ ብዛዕባ መሰል ቅረማ ዚገልጽ እዩ። ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ ኪዓጽድ ከሎ: እቶም ስኡናት ነቲ እቶም ዓጻዶ ዝገድፍዎ ዘበለ ብድሕሪኦም ኰይኖም ኪእክቡ ኼፍቅደሎም የሆዋ ኣዚዙ ነበረ። ሓረስቶት ንደረት ግራቶም ፈጺሞም ኪዓጽድዎ ኣይነበሮምን: ነቲ ዝወደቐ ፍረ ወይኒ ወይ ኣውሊዕ እውን ኪእክብዎ ኣይነበሮምን። ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሲዖም: ተመሊሶም ኪወስድዎ ኣይነበሮምን። እዚ ነቶም ድኻታትን ጓኖትን ዘኽታማትን መበለታትን ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተገብረ ፍቕራዊ ስርዓት እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ: ንኪቕርሙ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ነበሮም: እንተዀነ ግን: ሳላኡ ኻብ ልመና ሓራ ይወጹ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ ዘዳግም 24:19-22፣ መዝሙር 37:25

12. እቲ ስርዓት ቅረማ ነቶም ሓረስቶት እንታይ ኣጋጣሚ ሃቦም፧

12 እቲ ብዛዕባ ቕረማ ዝወጸ ሕጊ: እቶም ሓረስቶት ነቶም ስኡናት ክንደይ ዚኣክል ከም ዚገድፉሎም ፈልዩ ኣይገልጽን እዩ። እቲ ኣብ ደረት ግራቶም ከይዓጸዱ ዚገድፍዎ መጠን ብዙሕ ይኹን ሒደት ንዓታቶም እተገድፈ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እዚ ስርዓት እዚ ልግሲ ዚምህር ነበረ። ‘ንስኡን ዚርሕርሓሉ ንፈጣሪኡ ስለ ዜኽብሮ:’ እዚ ስርዓት እዚ: ሓረስቶት ነቲ ወሃቢ ምህርቶም ዘለዎም ሞሳ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ነበረ። (ምሳሌ 14:31) ቦኣዝ ሓደ ኻብቶም ከምኡ ዝገበሩ እዩ ነይሩ። እታ ኣብ ግራቱ እትቕርም ዝነበረት ሩት: ዚኣክል እኽሊ ኸም እትእክብ ገበረ። የሆዋ ንቦኣዝ ብምኽንያት ልግሱ ኣብዚሑ ዓስቡ ሃቦ።—ሩት 2:15, 16፣ 4:21, 22፣ ምሳሌ 19:17

13. እቲ ንቕረማ ዚምልከት ጥንታዊ ሕጊ እንታይ ይምህረና፧

13 እቲ ነቲ ንቕረማ ዚምልከት ሕጊ መሰረት ዝዀኖ መሰረታዊ ስርዓት ኣይተቐየረን። የሆዋ ንኣገልገልቱ ምናዳ ንስኡናት ለጋሳት ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ። ዝያዳ ለጋሳት ብዝዀንና መጠን: በረኸትና ብዝያዳ እዩ ዚበዝሕ። የሱስ “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ: ጽቡቕ እተሰጐደ: ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም” በለ።—ሉቃስ 6:38

14, 15. ብኸመይ ኢና ልግሲ ኸነርኢ እንኽእል፧ እዚኸ ንዓናን ነቶም እንሕግዞምን እንታይ ጥቕምታት ኬምጽእ ይኽእል፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ ተማሕጸነ። (ገላትያ 6:10) እምበኣር: ክርስትያናት ብጾትና ኣብ እምነቶም ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ: መንፈሳዊ ሓገዝ ኪረኽቡ ብዛዕባ ምኽኣሎም ኬተሓሳስበና ኣለዎ። ኰይኑ ግን: ግብራዊ ሓገዝ የድልዮምዶ ዀን ይኸውን፧ ንኣብነት: ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምጻእ ወይ ዕዳጋ ወሪዶም ዜድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ሓገዝ የድልዮምዶ ዀን ይኸውን፧ ኣብ ጉባኤኻ ዜተባብዕ ምብጻሕ ወይ ደገፍ ዜድልዮም ኣረጋውያን: ሕሙማት: ወይ ዓዲ ውዒል ይህልዉዶ ዀን ይዀኑ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ነስተብህለሉ እንተ ዄንና: የሆዋ ንጸሎት ሽጉራት ንምምላስ ኪጥቀመልና ይኽእል እዩ። ንሓድሕድና ምትሕልላይ ክርስትያናዊ ግዴታ እኳ እንተዀነ: ከምኡ ምግባር ግን ነቲ ሓላዪ እውን ይሕግዞ እዩ። ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምርኣይ: ሞገስ የሆዋ የምጽኣልና: ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዓሚቝ ዕግበትን ድማ ይዀነና።—ምሳሌ 15:29

15 ክርስትያናት ናይ ልግሲ መንፈስ ዜርእዩሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ: ግዜኦምን ጕልበቶምን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ንምዝራብ ብምጥቃም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ንኻልእ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ንኺውፊ ዝሓገዘ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ንሓቅነት እተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ወይ የሐጕስ ዚብላ ቓላት የሱስ ይፈልጦ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ካብ ስስዐ ርእስና ምሕላው

16, 17. እታ ዓስረይቲ ትእዛዝ እንታይ እያ እትኽልክል፧ ስለምንታይከ፧

16 እቲ ኣብዚ እንምርምሮ ሳልሳይ መዳይ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: እቲ ኣብታ ዓስረይቲ ትእዛዝ እተገልጸ ንስስዐ ዚኽልክል ትእዛዝ እዩ። እቲ ሕጊ “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ: ግዙኡ: ግዝእቱ: ብዕራዩ: ኣድጉ: ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ” ይብል። (ዘጸኣት 20:17) ዋላ ሓደ ሰብ ኣልባብ ኬንብብ ስለ ዘይክእል: ከምዚ ዝኣመሰለ ትእዛዝ ኬፈጽም ኣይክእልን እዩ። እቲ ትእዛዝ እቲ ግን: ነቲ ሕጊ ሙሴ ኻብ ሰብኣዊ ፍትሒ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኽብ ኣበሎ። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝንባለታት ልቢ ኼንብብ ዚኽእል የሆዋ ተሓታቲ ምዃኑ ኣፍለጦ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣብ ልዕሊ እዚውን: እዚ ትእዛዝ እዚ: ነቲ ሱር እቲ ኽፉእ ተግባራት እዩ ኣተኲሩሉ።—ያእቆብ 1:14

17 እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ስስዐ ንኺርሕቑ እተዋህቦም ትእዛዝ: ካብ ፍቕረ-ንዋይ ንኺርሕቑን ብዛዕባ ናብራ ህይወቶም ንኸየማርሩን ኣተባቢዕዎም እዩ። ካብ ስርቂ ወይ ርኹስ ተግባር እውን ሓልይዎም እዩ። ወትሩ እነድንቖ ስጋዊ ንብረት ዘለዎም ሰባት ወይ ብገለ መገዲ ኻባና ንላዕሊ ኣሳልጦ ዘለዎም ዚመስሉ ሰባት ምህላዎም ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣተሓሳስባና ኽንቈጻጸሮ እንተ ዘይክኢልና: ሓጐስና ኸነጥፍእን ብኻልኦት ክንቀንእን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ንስስዐ መርኣያ እቲ “ሕሱር ኣእምሮ” ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። ካብዚ እንተ ረሓቕና: ኣጸቢቑ ዝሓሸ እዩ።—ሮሜ 1:28-30

18. ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ መንፈስ ሰፊኑ ኣሎ፧ እዚኸ እንታይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኬፍሪ ይኽእል፧

18 እቲ ኣብ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ መንፈስ: ፍቕረ-ንዋይን ውድድርን እዩ ዜበራትዕ። ናይ ንግዲ ዓለም ብረክላማት ኣቢሉ ንሓደስቲ ፍርያት ባህጊ ኸም ዚሓድረካ ይገብር: እንተ ዘየጥሪናዮ ኸኣ ሕጉሳት ከም ዘይንኸውን ዚእምት ሓሳብ የመሓላልፍ። ነዚ መንፈስ እዚ ኸኣ እዩ ሕጊ የሆዋ ዝዀነኖ። ምስኡ ተተሓሒዙ ዚኸይድ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ቐዳማይ ምዃንን ሃብቲ ምድላብን ዚብልዎ ባህጊ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

19, 20. (ሀ) ኣብ ቅድሚ እቶም ንሕጊ የሆዋ ዜፍቅሩ: እንታይ ነገራት እዩ ብሓቂ ዋጋ ዘለዎ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 እቶም ሕጊ ኣምላኽ ዜፍቅሩ ነቲ ናይ ፍቕረ-ንዋይ መንፈስ ዘለዎ ሓደጋን ካብኡ ዕቝባ ረኺቦም ምህላዎምን ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር: ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝሙር 119:36, 72) እዘን ቃላት እዚኣተን ሓቂ ምዃነን ምእማንና: ካብ መፈንጠራ ፍቕረ-ንዋይን ካብ ስስዐን ካብ ንህይወትና ምምራርን ንኽንርሕቕ ዜኽእለና ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ይህበና። ዓብዪ ረብሓ ንኽትረክብ ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ ሃብቲ ምድላብ ዘይኰነስ: “ኣምልኾ” እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6

20 እቲ ነቲ የሆዋ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ መሰረት ዝዀኖ መሰረታዊ ስርዓታት: ከምቲ የሆዋ ነቲ ሕጊ ሙሴ ኺህቦ ኸሎ ዝነበረ ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልናዮ መጠን: ብዝያዳ ንርድኦ: ብዝያዳ ነፍቅሮ: ዝያዳ ሓጐስ ድማ ንረክብ። እቲ ሕጊ ሙሴ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ሒዙልና ኣሎ: ብዛዕባ እቲ ኣገዳስነቱ ዚገልጽ ንጹር መዘኻኸሪ ድማ ኣብ ህይወትን ተመክሮን እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ተመዝጊቡ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪምርመር እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ካብተን 176 ቍጽርታት: ብዘይካ 4 ቝጽርታት ኣብ ዝተረፈ ብምሉኡ: ሕጊ: መገድታት: ምስክራት: ስርዓታት: ትእዛዛት: ቃላት: ወይ ፍርድታት የሆዋ ተጠቒሱ ኣሎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ጸሓፊ መዝሙር 119 ንሕጊ የሆዋ ዘፍቀሮ ስለምንታይ እዩ፧

• ክርስትያናት ካብ ስርዓት ሰንበት እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

• እቲ ብዛዕባ ቕረማ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ: እንታይ ነባሪ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

• እቲ ኻብ ስስዐ ርእስኻ ብዛዕባ ምሕላው እተዋህበ ትእዛዝ ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሕጊ ሰንበት እንታይ እዩ ዜጕልሕ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሕጊ ቕረማ እንታይ እዩ ዚምህረና፧