ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰብ ኡጋንዳ እተራእየ ዕቤት

ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰብ ኡጋንዳ እተራእየ ዕቤት

ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰብ ኡጋንዳ እተራእየ ዕቤት

ኡጋንዳ ኣብ ማእከል እቲ ብኽልተ ሸነኻት ኣቢሉ ዝሓልፍ ዓብዪ ሃጓፍ ስንጭሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስለ እትርከብ ከምኡውን ቅናት ምድሪ ሰንጢቕዋ ስለ ዚሓልፍ: ኣዝያ ምልክዕቲ እያ። ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት: ልሙዕ ኣትክልቲ: ከምኡውን ደስ ዜብሉ እንስሳታት ኣለዋ። ኣብቲ ሰፊሕ ከበሳታት ኣፍሪቃ ስለ እትርከብ: ማእከላይ ኵነታት ኣየርን ክሳብ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ዚበጽሕ ዚማርኽ ጎቦታትን ኣለዋ።

ኣብ ውሽጢ ንእሽቶ ኸባቢ: ብበረድ እተሸፈነን ትሮፒካዊ ክሊማን ዘለዎ ቦታታት ዚርከበን ሃገራት ውሑዳት እኳ እንተዀና: ኡጋንዳ ግን ሓንቲ ኻብዚኣተን እያ። ካብቲ ኣኽራን ወርሒ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብሸነኽ ምዕራብ ዚርከብ ኣኽራን ሩዋንዞሪ ዚበሃል ጫፉ ብበረድ እተሸፈነ ኸረን ኣትሒዝካ ኽሳብ እቲ ብዙሕ ማይ ዘይዘንቦ ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ ቦታ እተዘርግሐት እያ። ኣብቲ ጐላጕላ ድማ ሓራምዝን ጐባይን ኣናብስን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኽራንን ጫካን መንበሪ ጎሪላ: ቺምፓንዚ: ከምኡውን መንበሪ እተን ልዕሊ 1,000 ዝዀና ዓይነት ኣዕዋፍ እዩ። መብዛሕትኡ ኽፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ምስ ድርቅን ጥሜትን ኪቃለስ ከሎ: ኡጋንዳ ግን ከም እኒ እቲ ኣብ ዓለም ካብ ዚርከብ ጽሩይ ማይ ዘለዎ ቐላያት ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ቀላይ ቪክቶሪያ ዝኣመሰለ ኣፍላጋትን ቀላያትን ኣለዋ። ሰሜናዊ ሸነኽ ቀላይ ቪክቶሪያ ድማ ምስ ፈለግ ኒል ይራኸብ እዩ። እምበኣር: ዊንስተን ቸርችል ነዛ ሃገር “ዕንቊ ኣፍሪቃ” ኢሉ ምጽዋዑ ዜገርም ኣይኰነን።

ሎሚ እታ “ዕንቊ” ተንጸባርቕ

ኡጋንዳ ብቐዳምነት እትስሕብ ዚገብራ ግን: እቶም ምቕሉላት: ተቐበልቲ ጋሻ: ከምኡውን እተፈላለዩ ህዝባ እዮም። እዛ “ክርስትያን” ዝበዝሕዋ ሃገር: ሰፈር እቶም ሕጂውን ብያታኦምን ኣካዳድናኦምን ዚልለዩ እተፈላለዩ ብሔራትን ባህልታትን እያ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን: ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኡጋንዳውያን ነቲ ብዛዕባ ኣብ መላእ ምድሪ ነባሪ ሰላም ከም ዚመጽእ ዚነግር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። (መዝሙር 37:11፣ ራእይ 21:4) ኰይኑ ግን ኣብዛ ብስፍሓታ ኽንዲ ዓባይ ብሪጣንያ እትኸውን ሃገር ነዚ መልእኽቲ እዚ ንዅሎም ሰባት ንምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ።

ካብታ ብ1955 ሓደ ነባሪ እቲ ዓዲ ኣብ ቀላይ ቪክቶሪያ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ እተጠመቐላ ንእሽቶይ ጅመራ: ብ1992 “እቲ ንእሽቶ” ሽሕ ኰነ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ቀጻሊ ዕቤት ኣሎ። እዚ ኸኣ ምስቲ “ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ዚብል ዜተባብዕ ቃላት ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ።—ኢሳይያስ 60:22

ነቲ ዕንቅፋታት ቋንቋ ምስጋሩ

እንግሊዝኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ብዙሓት ዜዘውትርዎ ወግዓዊ ቛንቋ ኡጋንዳ እኳ እንተዀነ: ቋንቋ ኣደ መብዛሕትኦም ኡጋንዳውያን ግን ኣይኰነን። ስለዚ: ነቲ ብስራት ናብ ሰባት ንምብጻሕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዓበይቲ ቛንቋታት ኣብ ግምት ኣእትዮምዎ እዮም። እዚ ድማ ኣገዳሲ ዀይኑ ተረኽበ፣ ከመይሲ: 80 ሚእታዊት እቶም 25 ሚልዮን ዝዀኑ ነበርቲ እታ ሃገር: ኣብ ገጠራትን ንኣሽቱ ኸተማታትን እዮም ዚነብሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ መዓልታዊ ዚገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብቛንቋ ኣዲኦም እዮም ዚጥቀሙ። ነዞም እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረቡ ጕጅለ ኽትሰብከሎም ከምኡውን ብመንፈስ ንዜድልዮም ነገራት ምምላእ ዓብዪ ጻዕሪ እዩ ዚሓትት።

ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ህዝቢ ብቛንቋኦም ብምምስካርን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ብምድላውን ነዚ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ካምፓላ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር: ጕጅለታት ትርጕም ናብ ኣርባዕተ ቛንቋታት: ማለት ናብ ሉኮንዞ: ሉጋንዳ: ሩንያንኮረ: ኣቾሊ ይትርጕማ ኣለዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብእተፈላለየ ቛንቋታት ኣብ እተገብረ ክርስትያናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝነኣድ ቍጽሪ ተኣከብቲ ነበረ፣ እቲ ቝጽሪ ድማ ልዕሊ ዕጽፊ እቶም ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቶም እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ንምብጻሕ እተገብረ ጻዕሪ: ነቲ ቕልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ኣበርክቶ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን ኣበርክቶ ዝገበረ።

ፓይነራት ነቲ ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኖም ይመርሕዎ

ጉባኤታት ነቲ ንግሉላት ዞባታት ንምብጻሕ ኣብ ዓዓመት ዚግበር ናይ ሰለስተ ወርሒ ወፈራ ብሓጐስ ይድግፋኦ እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:9) ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ቐናኣት መንእሰያት ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ድማ ኣብቲ ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኖም እዮም ዚዓዩ። ናብቲ ቕድሚ ሕጂ እቲ ብስራት ዘይተሰምዓሉ ግሉል ከባቢ ተጓዒዞም እዮም።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንሰለስተ ወርሒ ፍሉያት ፓይነራት ኰይነን ኣብታ ብሸነኽ ምዕራብ ኡጋንዳ እትርከብ ቡሸንዪ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ተመደባ። ምስታ ኣብኡ ዝነበረት ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሓቢረን ኣብቲ ኸባቢ ሰበኻ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ኪገብራ ጀመራ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ: እዘን ክልተ ፓይነራት ምስ 40 ሰባት ስሩዕ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ገበራ: እቶም 17 ድማ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪካፈሉ ጀመሩ። እተን ፓይነራት “ገለ ኻብቶም ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ a ዘርእስታ ብሮሹር ዝሓደግናሎም ሰባት: ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: መልሲ እቲ ኣብታ ብሮሹር ዚርከብ ሕቶታት ብምጽሓፍ መጹ። እቲ መልሶም ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ኼረጋግጹ ደለዩ” በላ። ሎሚ: ኣብታ ኸተማ እቲኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ጉባኤ ቘይማ ኣላ።

ክልተ ፓይነራት ናብቲ ቕድሚ ሕጂ ብስራት ተሰቢኽሉ ዘይፈልጥ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ዚርከብ ዞባ ኸዱ። ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፉ:- “ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጽምኢ ኣለዎም። ኣብተን ኣብዚ ዝጸናሕናለን ሰለስተ ኣዋርሕ: 86 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምርን ክንመርሕን ከኣልና።” ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብቲ ኸባቢ ሓንቲ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመስረተት።

ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ኻልኦት ቀናኣት ዓየይቲ

ካብ መንጎ እቶም ቀናኣት ፓይነራት ንነዊሕ ዓመት ዘገልግሉ ይርከብዎም እዮም። ፓትሪክ ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ: ኣብቲ ኢዲ ኣሚን ገዛኢ ኡጋንዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ጕጅለ ሙዚቃ ሓይሊ ኣየር: ክላሪነት ይጻወት ነበረ። ብ1983 ምስ ተጠመቐ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀነ። ሎሚ ድማ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ንጉባኤታት ይበጽሐን ከምኡውን የበራትዐን ኣሎ።

ማርጋሬት ብ1962 እያ ተጠሚቓ። ዕድሚኣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 70ታት እትርከብ ከምኡውን ምሕኵልታ ኸም ልባ ዘየንቀሳቕሳ ኽነሱ: ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ንሰባት ንምክፋል ተሕልፎ። ንጽሑፋት ኣብ ሰደቓ ዘርጊሓ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ብምግባር: ብዛዕባ እታ ሰላማዊት ሓዳስ ዓለም ኪሰምዕ ምስ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሓላፍ መገዲ ኸኣ ትመያየጥ።

ኣብ ምብራቕ ኡጋንዳ ሓረስታይ ዝዀነ ሳይመን: ንሓቂ ን16 ዓመት ኣናደያ: ብ1995 ድማ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ረኸበ። እቲ ዘንበቦ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማታትን ዝያዳ ንኺፈልጥ ባህጊ ኣሕደረሉ። ኣብቲ ዚነብረሉ ካሙሊ ዚበሃል ቦታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይነበሩ: ኪደልዮም ኢሉ ናብ ካምፓላ 140 ኪሎ ሜተር ተጓዕዘ። ሎሚ: ኣብታ ዚነብረላ ቝሸት ሓንቲ ጉባኤ ቘይማ ኣላ።

“ኣብዚ ሰሪትና ኢና”

ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰባት: ኣብ ኡጋንዳ እውን ብዙሓት ሰባት ንሓደ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ብቑዕ ቦታ ኣምልኾ ኺህልዎ ይጽበይዎ እዮም። እዚ ግን ንገሊአን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይስገር ጸገም እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ከመይሲ: ምሹእ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ሕጽረት ገንዘብ ነበረን። ኣብ መወዳእታ 1999 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ዚህነጸሉ ፕሮግራም ኣብ መላእ ዓለም ምስ ተጀመረ: እቶም ኣሕዋት ዝነበሮም ሞሳ ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመታት: ኣብ ኡጋንዳ 40 ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ። ሎሚ ድማ ዳርጋ ዅለን ጉባኤታት መጠነኛ ግን ከኣ ምዕሩግ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለወን። ከምዚ ዝበለ ዕዮ ህንጸት: ነቶም ማሕበረሰብ “ኣብዚ ሰሪትና ኢና” ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። እዚ ኸኣ እቲ ወሰኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ እትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ: ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም ማንጉስ ኰይና ትእከብ ነበረት። መሬት ምስ ተረኽበ ግን ነገራት ብቕልጡፍ ኪሳለጥ ጀመረ። እቶም ኣብ ዕዮ ህንጸት ዚሰርሑ ኣሕዋት ምስቶም ኣብቲ ቦታ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ጀመሩ። ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብር ቀደም ፍሉጥ ፖለቲከኛ ዝነበረ ሰብኣይ በቲ ዕዮ ኣዝዩ ተመሰጠ። ክሳዕ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ዚውዳእ ድማ ኣብቲ ጋራጁ ንኺእከቡ ፈቐደሎም። ምስ ሓደ ኻብቶም ናይ ህንጸት ወለንተኛታት: መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ከኣ ተሰማምዐ። ሕጂ እተጠመቐ ቐናእ ኣስፋሒ ዀይኑ: ኣብታ ምልክዕቲ ሓዳስ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ተሓጒሱ የምልኽ ኣሎ!

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ እተገብረ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ሓደ ኣብኡ ዚነብር ነዳቓይ በቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝረኣዮ መንፈስ ዕርክነትን ፍቕርን ምትሕብባርን ተደሪኹ ብወለንታ ሓገዞም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ስራሕ: እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንጽብሒቱ ንዚግበር ወፈያ ድሉው ንኪኸውን ምሉእ ለይቲ ምስቶም ኣሕዋት ሰርሐ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ብሓቂ ኣብ ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ዘላትኩም ንስኻትኩም ጥራይ ኢኹም።”

ጸገም እናሃለወ ኽነሱ: ቀጻሊ ዕቤት ኣሎ

ኣብ ኡጋንዳ ሓደስቲ ዞባታት ይሽፈን ስለ ዘሎ: ኣብ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘየቋርጽ ዕቤት ይርአ ኣሎ፣ ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ድማ ምስተን ጉባኤታት ይሓብሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ይውሕዙ ኣለዉ: እዚ ኸኣ ዘየላቡ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዚግበር ኲናት ሓድሕድ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ጸልይዎም እዩ። እቶም ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብ የሆዋ ዘለዎም ሓለፍ ዝበለ ተኣማንነት ኣርእዮም እዮም። ሓደ ኣብቲ ዝነበረሉ ዓዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን መስጐጕቲ ዘውረደሎም ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ሰብኣይ: ምሹእ ህይወት ከም ዝነበሮ ይዝክር። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ሰፈር ስደተኛታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ ናይ የሆዋ ምስክር ድሕሪ ምዃኑ ኸምዚ በለ:- “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሃብትን ዝለዓለ ስልጣን ምህላውን ጥቕሚ የብሉን። ዋላኳ ሕጂ ድኻን ብሕማም እተጠቓዕኩን እንተ ዀንኩ: ህይወተይ ግን ካብቲ ዝነበርክዎ ሕጂ ይሓይሽ። ንየሆዋ ኽፈልጦ ኸኣልኩ: ንጸሎት ድማ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። ብዛዕባ መጻኢ ድልዱል ተስፋ ኣሎኒ: ስለምንታይ ኣብዚ እዋን እዚ ጸገም ከም ዜጋጥመና ኸኣ እፈልጥ እየ። በዚ ምኽንያት እዚ ቕድሚ ሕጂ ፈጺሙ ዘይነበረኒ ውሽጣዊ ሰላም ኣሎኒ።”

ኣብቲ ልሙዕ መሬት ኡጋንዳ: ምሸት ሓንቲ ጕንዲ ተኺልካ እንተ ኼድካ ንግሆ ኽትምለስ ከለኻ ሱር ሰዲዳ እያ እትጸንሓካ ዚበሃል ብሂል ኣሎ። ኣብታ ዓዲ ዚርአ ዘሎ መንፈሳዊ ዕቤት: እቲ መንፈሳዊ መሬት እውን ፍርያም ምዃኑ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እቶም እተፈላላዩ ሰብ ኡጋንዳ ብዛዕባ መንግስቱ ንኺመሃሩ ግዜ ብምሃቡ ነመስግኖ ኢና። የሱስ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ኽቡር ዋጋ: ምስ ሓንቲ “ኽብርቲ ዕንቊ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ። እቶም ኣብ ኡጋንዳ ዚነብሩ ሰባት ከኣ ነዚ ብዝያዳ እናተረድእዎ ይኸዱ ኣለዉ።—ማቴዎስ 13:45, 46

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

ሱዳን

ኡጋንዳ

ፈለግ ኒል

ካሙሊ

ቶሮሮ

ካምፓላ

ቡሸንዪ

ቀላይ ቪክቶሪያ

ኬንያ

ታንዛንያ

ሩዋንዳ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰለስተ ኻብቶም ሓያሎ ቐናኣት ፓይነራት

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ፓትሪክ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ማርጋሬት

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሳይመን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቶሮሮ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background: © Uganda Tourist Board