ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ሕጉስ፧

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ሕጉስ፧

ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ሕጉስ፧

ንርእስኻ ‘ኽሳዕ ክንደይ እየ ሕጉስ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ማሕበራዊ ርክብ ዜጽንዑ ሊቃውንቲ: ንስኻ ይኹን ካልኦት ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህብዎ መልሲ ንምፍላጥ ይጽዕሩ ኣለዉ: እዚ ግን ከቢድ ዕማም እዩ። ከመይሲ: ንሓጐስ ሰባት ክትልክዖ ምፍታን: ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘለዎ ፍቕሪ ወይ ከኣ ብሰንኪ ሞት ኣባል ስድራቤት ንዝሰዓበ ሓዘን ካብ ምልካዕ ተፈልዩ ዚርአ ኣይኰነን። ስምዒት ብመለክዒ ፈሊኻ ኺፍለጥ ኣይከኣልን እዩ። ይኹን እምበር: ሊቃውንቲ ዚቕበልዎ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ: እዚ ድማ ኵሎም ደቅሰብ ሕጉሳት ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎም ዚብል እዩ።

ሽሕኳ ሕጉስ ናይ ምዃን ተኽእሎ ምሳና ሓቢሩ እንተ ተፈጥረ: ከቢድ ጸገማት ግን ጓሂ የምጽእ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ኸተማታት ብሰንኪ አይድስ መካነ-መቓብር ይመልእ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ቀደም መቓብር እናዀዓቱ ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝሞቱ ሰባት ይቐብርዎም ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣፍሪቃ: ናይ ሬሳ ሳጹን ምስራሕ ዓብዪ ስራሕ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ: ካብ መንጎ እቶም ብሰሪ ኸቢድ ሕማም ዚሳቐዩ ኸምኡውን ካብ መንጎ እቶም ዘመዶም ወይ ዓርኮም ዝሞቶም: ፍሽሑው ዝገጾም ሰባት ውሑዳት ምዃኖም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ።

ብዛዕባ እተን ሃብታማት ሃገራትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ብሃንደበት ዜጋጥም ፍጻመታት ነቶም ከይተዳለዉ ዝጸንሑ ሰባት ቍጠባዊ ውሕስነቶም ኪምንዝዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዙሓት ጡረተኛታት ጡረታኦም ስለ ዝሰኣኑ: ከም ብሓድሽ ናብ ስራሕ ይምለሱ ኣለዉ። ናይ ሕክምና ወጻኢ: ንናይ ሓደ ስድራቤት ውህሉል ገንዘብ ብሓንሳእ እዩ ዚውድኦ። ሓደ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዙሕ ዕዳ ኸምኡውን ጸገም ጥዕና ሃልይዎም ናባኻ ኺመጹ ኸለዉ: ከብድኻ እዮም ዚበልዑኻ። ብዙሕ ግዜ ‘ናይ ግድን ገዛኻ ሼጥካ ኢኻ ኽትናበር እትኽእል’ ክትብሎም ድማ ትግደድ” በለ። ብዛዕባ እቶም ቍጠባዊ ጸገም ዘይብሎም ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሓጐስ ይስእኑ ደዀን ይዀኑ፧

ገሊኦም ሰባት ልክዕ ከምቲ ውሩይ ናይ ሙዚቃ ደራሲ ዝነበረ ሪቻርድ ሮጀርዝ እዮም። “ከምኡ ገይሩ ንኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዘሐጐሰ ሰብ የለን” እተባህለሉ ሰብ እዩ ነይሩ። ዋላኳ ደርፍታቱ ንኻልኦት ሰባት እንተ ኣሐጐሶም: ንሱ ግን ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ሕዱር ናይ መንፈስ ጭንቀት ይሳቐ ነበረ። ነቲ ብዙሓት ሰባት ዚምነይዎ ሃብትን ዝናን ረኺብዎ እዩ: ሓጐስ ግን ረኺቡዶ፧ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት: “[ሮጀርዝ] ብስርሑ ዝመጸ ኣዝዩ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ዕዉት ኰይኑ: ዝሃብተመ ናብራ ኣሕሊፉ: ክልተ ሽልማት ፓሊትሰር ድማ ምስ ካልኣዩ ዀይኑ ተሸሊሙ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘይሕጉስን ጭኑቕን ነበረ” በለ።

እምበኣር: ንሃብቲ ኸም ምንጪ ሓጐስ ጌርካ ምውሳዱ: መብዛሕትኡ ግዜ መታለሊ እዩ። ኣብ ቶሮንቶ: ካናዳ ኣብ እትሕተም ዘ ግሎብ ኤንድ መይል ዘርእስታ ጋዜጣ ናይ ወፍሪ ሪፖርተር ዝዀነ ሰብ: ሃብታማት ሰባት “ጽምዋን ባዶነትን” ከም ዚስምዖም ገለጸ። ሓደ ኣማኻሪ ቝጠባ ድማ: ሃብታማት ወለዲ ንደቆም ገንዘብን ገንዘብ ኪገዝኦ ዚኽእል ነገራትን ብብዝሒ ኺህብዎም ከለዉ: “ነቲ ጸኒሑ ዚመጽእ ሕሰም እዮም ዘርኢ ዚዘርኡ ዘለዉ” በለ።

ድልዱል መሰረት ሓጐስ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

ሓንቲ ዕምባባ ንኽትዕንብብ ጽቡቕ ሓመድን ማይን ከምኡውን ዚሰማማዕ ኵነታት ኣየር የድልያ። ብተመሳሳሊ: ተመራመርቲ ሓጐስ ንኽትረክብ እተወሰነ ዅነታት ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ይሕብሩ። እዚ ድማ ጽቡቕ ጥዕና: ዚሰማማዕ ስራሕ: እኹል ምግብን መዕቈብን ክዳንን: ናይ ፈጠራ ኽእለት ምዕጋብ: ከምኡውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዘጠቓለለ እዩ።

ሓደ ሰብ ሕጉስ ንኪኸውን እዞም ዝረኣናዮም ኵነታት ጽልዋ ኸም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን። ካብዚ ዚበልጽ ኣገዳሲ ረቛሒ ግን ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ዝስሙ “ሕጉስ ኣምላኽ” ምፍላጥ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) እዚ ፍልጠት እዚ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ: ሕጉሳት እንዀነሉ ኣኽእሎ ሂቡና እዩ። እምበኣር: እንታይ ኬሐጕሰና ኸም ዚኽእል ምፍላጡ ርትዓዊ እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከመይ ገይሩ ንህዝቡ ናብ ነባሪ ሓጐስ ከም ዚመርሖም ክትገልጽ እያ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሓጐስ ንኺዓቢ: ልክዕ ከም ዕምባባ: ግቡእ ኵነታት የድልዮ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Gideon Mendel/CORBIS