ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውጢ ዘምጽአ ምብጻሕ

ለውጢ ዘምጽአ ምብጻሕ

ለውጢ ዘምጽአ ምብጻሕ

“ብዛዕባ እተን ኣምላኽ ናባይ ዝለኣኸን ክልተ ‘መላእኽቲ’ ንስድራቤተይ ክነግሮም ተሃዊኸ እየ ዘለኹ።” ሓደ ሰብኣይ: ክልተ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ምስ ገበራሉ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምባል ጸሓፈ። ቅድሚ እዚ ምብጻሕ ሒደት ሰሙናት ኣቐድም ኣቢሉ: ን45 ዓመት ብዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ሰበይቱ ሞተቶ። ዚገብሮ ድማ ሓርቢትዎ ነበረ። ዋላኳ ደቁ እንተ ኣጸናንዕዎ: ኣብ ርሑቕ ቦታ እዮም ግን ዚነብሩ ነይሮም። ኬጸናንዖ ኢሉ ዝመጸ ፈታዊ ይኹን ጐረቤት እውን ኣይነበረን።

እዚ ሰብኣይ እዚ ነተን ዝበጽሓኦ መንእሰያት “ምስ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ርክብ የብለይን” በለን። ይኹን እምበር: ካብ ድንጋጽ ተላዒለን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰት ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም? ዘርእስታ ትራክት ኣበርከታሉ። በታ ምሸት እቲኣ ኣንበባ: ምጽንናዕ ድማ ረኸበ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን: እተን ክልተ ክርስትያን ኣዋልድ ተመሊሰን በጽሓኦ። ኣብቲ ቐዳማይ ምብጻሕ ኣዝዩ ጕህዩ ኸም ዝነበረ: ሕጂ ድማ ከመይ ምህላዉ ንኺፈልጣ ኸም ዝመጻ ነገራኦ። እቲ ሰብኣይ: “ክልተ ፈጺመን ዘይፈልጣኒ ሰባት ብዛዕባይ ኪሓልያን ደሓን ምህላወይ ኪፈልጣን ምድላየን ኣዝዩ ገረመኒ” በለ። በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘካፈላኦ ሓሳብ ድማ ምትብባዕ ረኸበ። ካልእ መዓልቲ ኸም ዚምለሳ ኸኣ ነገራኦ። እዚ ስለ ዘሐጐሶ ድማ እዩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ጽሒፉ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰደዶ።

እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ጥቓ እቲ ደቁ ዘለዉሉ ኸባቢ ቕድሚ ምግዓዙ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈለ ኸምኡውን ምስ ስድራቤት እታ ሓንቲ መንእሰይ ተመገበ። ከምዚ ብምባል ከኣ ጸሓፈ:- “ዋላኳ ኻብዚ ቦታ ኽግዕዝ እንተ ዀንኩ: እተን ክልተ መንእሰያትን ቤተ-ክርስትያንኩምን ግን ኵሉ ግዜ ኣብ ልበይን ጸሎተይን ስፍራ ኣለወን። እወ: ሕጂ ብዙሕ እጽሊ ኣለኹ። ኣብ ኣተሓሳስባይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ገይረ እየ። እዘን መንእሰያት እዚኣተን ከኣ ኣብዚ ለውጢ እዚ ዝዓበየ ተራ ስለ ዝነበረን: ንዘለኣለም ከመስግነን ክነብር እየ።”