ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ፍልጠት ምርካብ

ናይ ሓቂ ፍልጠት ምርካብ

ናይ ሓቂ ፍልጠት ምርካብ

እዋኑ 18 ታሕሳስ 1810 እዩ ነይሩ። ምድሪ ድማ ጽልግልግ ኢሉ ነበረ። ካብ ገማግም ደቡባዊ ምብራቕ ስኮትላንድ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ማዕበል ዝበዝሖ ባሕሪ: ናይ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ዝዀነት ፓላስ እትበሃል ናይ ንጉስ መርከብ ውግእ ኣንፈታ ሰሓተት። ይጽልምትን ውርጪ ይዘንምን ብምንባሩ: እቶም ባሕረኛታት ናብቲ ደሓን ዝዀነ ቦታ ንምምራሕ ዚሕግዞም መናራ ዚበሃል ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚርከብ መብራህቲ ንኺረኽብዎ ኣጸጋሚ ገበሮ። ኣብ መወዳእታኡ ሓደ ብርሃን ብምርኣዮም ነታ መርከብ ናብኡ ገጾም ኪመርሕዋ ኸለዉ እተሰምዖም እፎይታ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ዜሕዝን ግን እቲ ዝረኣይዎ ብርሃን ናብቲ ዝደለይዎ ዚመርሖም ዓይነት ብርሃን ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ: እቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዘንደድዎ ሓዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ፓላስ ምስቲ ኣኻውሕ ተጋጭያ ምሉእ ብምሉእ ተሰባበረት። ዓሰርተ ሓደ ዝዀኑ ባሕረኛታት ከኣ ጠሓሉ። ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ፍጻመ ዀን እዩ!

ፓላስ እተሰብረት ብሰንኪ እተገብረ ጌጋ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ እዋን: ባሕረኛታት ካብዚ ዝዓበየ ሓደጋ: ማለት ናይ ሓሶት መናራ የጋጥሞም እዩ። ብመሰረት እታ ረክስ: ረከርስ ኤንድ ረስክዩወርስ ዘርእስታ መጽሓፍ: ከምዚ ዓይነት መብራህቲ: መራኽብ ናብቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ገምገም ባሕሪ ንኪኸዳ ተባሂሉ ዚግበር እዩ: ኣብኡ ኸይደን ምስ ተሰብራ ድማ ይዘምትወን።

“ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት”

ፍልጠት ክትደሊ ኸለኻ: ከምቲ ነቶም ባሕረኛታት ዘጋጠሞም ዓይነት ሓደጋታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ዜታልል ሓበሬታ ኽትስዕብ ወይ ግዳይ እቲ ደይመደይ ኢልካ ዚግበር ምድንጋር ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ክልቲኡ እዚ መገዲ እዚ ድማ ናብ ዜሕዝን ፍጻመ እዩ ዚመርሕ። ንርእስኻ ኻብዚ ኸተዕቍባ እንታይ እንተ ገበርካ ይሓይሽ፧ ምንጪ ፍልጠትካ ናይ ሓቅን ዜተኣማምንን ምዃኑ ኣረጋግጽ። እዛ መጽሔት እዚኣ ንልዕሊ 125 ዓመት: እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ንላዕሊ ትውክልቲ ዚግበሮ ምንጪ ፍልጠት ምዃኑ ኽትገልጽ ጸኒሓ እያ፣ ከመይሲ: ኣብ ውሽጡ “ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት” ዝሓዘ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17

መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓካ ዚኽእል ብርሃን ምዃኑ ንምርግጋጽ: ሓቅነቱ እተረጋገጸ ምዃኑ ምምርማርካ ርትዓዊ እዩ። (መዝሙር 119:105፣ ምሳሌ 14:15) ነቲ ንሚልዮናት ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ንኺርድኡ ዝገበሮም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ ምጽሓፍ ድሕር ኣይትበል። ንኣብነት: ነታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ኣንብባ። a መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕን ሓቅነቱ እተረጋገጸን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ምዃኑ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ዝሓዘት እያ።

መሰረታዊ ሓቅታት

እቲ “ቕዱሳት ጽሑፋት” ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ሓቅታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ርአ።

ኵሉ ዚኽእልን ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረን ሓደ ኣምላኽ ኣሎ። (ዘፍጥረት 1:1) ‘ንብዘሎ ኣምላኽ ስለ ዝፈጠሮን’ ህይወት ስለ ዝሃበናን ኢና ኽንህሉ ዝኸኣልና። (ራእይ 4:11) ስለዚ ድማ ኢና ንዕኡ ጥራይ ከነምልኾ ዚግብኣና። ፈጣሪ እቲ ዝለዓለ ምንጪ ዅሉ ፍልጠት እዩ። (መዝሙር 36:9፣ ኢሳይያስ 30:20, 21፣ 48:17, 18) ክንጥቀመሉ ዚደልየና ናይ ብሕቱ ስም እውን ኣለዎ። (ዘጸኣት 3:15 NW) እዚ የሀወሀ ተባሂሉ ዚትርጐም ብፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ስም: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። ብትግርኛ ድማ “የሆዋ” ተባሂሉ ይድመጽ።—መዝሙር 83:18 NW

የሆዋ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንኺነብሩ ኢሉ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ። ንደቅሰብ ከምቲ ናቱ ዓይነት መንፈሳዊ ባህርያት ሃቦም። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘለኣለማውን ዜዕግብን ህይወት ንኼሕልፉ ዜኽእሎም ክእለትን ዓቕምን ድማ ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:26-28) እዛ ምድሪ እዚኣ: ሰብኡትን ኣንስትን ዚፍተኑላ ቦታ ወይ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ መንፈሳዊ ህይወት ንዚገብርዎ ጕዕዞ ዚዳለውላ ቦታ ንኽትከውን ዕላማኡ ኣይኰነን። ሰባት ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪገብሩ ዚኽእሉ ኣብ ሰማይ ጥራይ ኣይኰኑን።

ኣብቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣምላኽ: እከይ ዚበሃል ኣይነበረን። ገሊኦም ፍጥረታት ኣምላኽ: ማለት ሰብኣውን መንፈሳውን ፍጥረታት ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይ ግቡእ ተጠቕሙሉ: ካብ ኣምላኽ ድማ ዓለዉ። (ዘዳግም 32:5) እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ኪውስኑ ዚኽእሉ መሰሎም። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-5) እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ስድራቤት ሞት ኣስዓበ። (ዘፍጥረት 3:19፣ ሮሜ 5:12) የሆዋ ነቲ ብሰንኪ እዚ ዕልወት እተላዕለ ጕዳይ ንምፍታሕ: መከራ ንግዜኡ ኪቕጽል ፈቐደ። እቲ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ግን ኣይተቐየረን። (ኢሳይያስ 45:18) ሰብኡትን ኣንስትን ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 21:1-5

የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዘይኰነስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ንኺጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9) ምስ ኣምላኽ ማዕረ እየ እውን ኣይበለን። ኣብ ክንዳኡስ: “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ” ብምባል እዩ ተዛሪቡ።—ዮሃንስ 14:28

የሱስ: ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ኣምላኽ ‘ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር: ብርሃን ኰይኑ ናብ ዓለም ንኺመጽእ’ ለኣኾ። (ዮሃንስ 12:46) ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ ድማ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ምድሓንና ኣብቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ስለ እተመስረተ: እዚ ሓቂ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) የሱስ ክርስቶስ ንደቅሰብ ካብቲ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ዘምጽእዎ ሓጢኣት ሓራ ንኺወጹ ንህይወቱ በጃ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:6) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣምላኽ: ፍቓዱን ዕላማኡን ንምግላጽ ንየሱስ ተጠቒምሉ እዩ።—ዮሃንስ 8:12, 32, 46, 47፣ 14:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 26:23

ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስን በቶም ካብ ደቅሰብ እተመርጹ ሰባትን ዝቘመት መንግስቲ ኣቘመ። እዚ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዚርከብ ፍረ ነገር እዩ። ኣምላኽ: ፍቓዱ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ንኪኸውን ኢሉ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ሓላፍነት ሃባ። (ማቴዎስ 6:10) ዝዀነ ይኹን ካብ ደቅሰብ ናብ ሰማይ ኪኸይድ: ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ዕላማ ተገይሩ ነይሩ። ደቅሰብ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቑ ግን ሓደ ሓድሽ ዕላማ ኣዳለወ። “ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ሰባት ብምምራጽ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ክርስቶስ “ኪነግሱ” ስርዓት ሰርዐ። (ራእይ 5:9, 10) እዛ መንግስቲ እዚኣ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን: ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ መከራን ስቓይን ዜምጽአ ዘሎ ሰብኣዊ ግዝኣት ‘ክትጭፍልቖን ከተጥፍኦን’ እያ።—ዳንኤል 2:44

ነፍሲ መዋቲት እያ። እዚ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ: ብዛዕባ ሰብን መጻኢኡን ብዙሕ ዜነጽር እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዘለዎም ግጉይ ምርዳእን ሓበሬታን የልግሶ።

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ትብል። (ዘፍጥረት 2:7) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑስ ተረዲኡካዶ፧ ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ኣካል ሰብ እትርከብ ረቃቕ ነገር ኣይኰነትን። ሰብ ነፍሲ የብሉን። ንሱ ንባዕሉ ነፍሲ እዩ: ማለት ሕዋስ እቲ ኣብ “ሓመድ ምድሪ” ዚርከብ ባእታታትን ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ትንፋስ ህይወትን እዩ። ነፍሲ ዘይትመውት ኣይኰነትን። ሰብ ኪመውት ከሎ: ነፍሲ ድማ ትመውት።—ዘፍጥረት 3:19፣ መክብብ 9:5, 10

እቶም ዝሞቱ ሰባት ብትንሳኤ እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። እቲ ኣምላኽ ንእተወሰነ እዋን ዝፈቐዶ እከይ ምስ ኣብቅዐ: እቶም “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።” (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ ትንሳኤ እዚ ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸም ዚትንስኡ ኺገብሮም እዩ: ካብ መጀመርታኡ እውን ኣምላኽ ንደቅሰብ ከምዚ ዓይነት ህይወት ኪህልዎም እዩ ወጢኑ ነይሩ።

ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ብጥንቃቐ መርምር

ነቲ መሰረታዊ ሓቅታት ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርኢኻዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ምርካብካ: ኣብዚ ኣስጋእን ኣጸጋምን እዋን: ካብቲ ብሰይጣን ድያብሎስ ዚፍኖ “ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ” ኼዕቍበካ ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንርእሱ “መልኣኽ ብርሃን” እዩ ዜምስላ: ሰዓብቱ ድማ “ነገልገልቲ ጽድቂ” እዮም ዚመስሉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:20፣ 2 ቈረንቶስ 11:13-15) ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ብ“ብልህታትን ኣስተውዓልትን” እዛ ዓለም እተዳለወ ፍልጠት ዚበሃል ፍልስፍና ኺከላኸለልካ ይኽእል እዩ: እዞም ሰባት እዚኣቶም “ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶም” እዮም።—ማቴዎስ 11:25፣ ኤርምያስ 8:9

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ብዙሕ ዜታልል ትምህርትታትን ፍልስፍናታትን ስለ ዝነበረ: ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ብምባል ኣጠንቀቖም። ወሲኹ እውን “እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ” በሎም። (1 ዮሃንስ 4:1) ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣብ ህይወትካ ዓሚቝ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል መልእኽቲ እንተ ዚመጸካ እሞ: ካብ ሓደ ጽቡቕ ምንጪ ዝመጸ ስለ ዚመስል ጥራይ ብግርህነት ምተቐበልካዮዶ፧ ፈጺምካ ኣይትቕበሎን ኢኻ። ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድካ: ምንጩ ኻበይ ምዃኑን ትሕዝቶኡ እንታይ ምዃኑን ተረጋግጽ ኢኻ።

ኣምላኽ: መሰረታዊ ሓቂ ዝሓዘ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ብምሃብ እቲ ዚመርሓካ ብርሃን ወይ መናራ ናይ ሓቂ ምዃኑ ‘ንኽትምርምር’ መገዲ ኸፊቱልካ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ለባማት ሰባት “ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ” እቲ እተማህርዎ ነገር ሓቂ ምዃኑ የረጋግጹ ስለ ዝነበሩ ተናእዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ንስኻውን ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ” ዀይኑ ናብ ድሕነት ንኺመርሓካ ፍቐደሉ። (2 ጴጥሮስ 1:19-21) ከምዚ እንተ ጌርካ ነቲ ናይ ሓቂ ፍልጠት ዜምጽእ “ምፍላጥ ኣምላኽ . . . ክትረኽቦ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ከም መብራህቲ እዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ስም ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ንደቅሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ተነቢሩሎም ኣሎ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትንሳኤ ምዉታት ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ መሰረታዊ ሓቅታት እዩ